እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቪዛ ካናዳ ንምርካብ ኣሽሓት ገንዘብ ዝተታለሉ ዜጋታት
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ተስፋ ብዙሓት ስደተኛታት ኰይኑ ዝጸንሐን፡ ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ዜጋታት ዝተፈላለየ ሃገራት ክጥቀምሉ ዝጸንሑን ብ’ግሩፕ-ፋይፍ’ ዝፍለጥ መስርሕ ንግዚኡ ደው ከምዝበለ ይፍለጥ እዩ።
ነዚ ዕድል እዚ ኣብ ግምት ኣእቲዮም ተስፋ ገይሮም ዝነበሩ ግን ከኣ ዘይሰለጦም ሰባት ድማ ካልኦት ኣማራጺታት ካብ ምህዳን ዓዲ ኣይውዕሉን እዮም።
ነዚ ናይ ሰብ ጸገማት መዝሚዞም ናይ ካናዳ ቪዛ ከነሳልጠልኩም ንኽእል ኢና ዝብሉ ሰባት ከምዝበዝሑ'ውን ክሰሓት የብሉን።
ዘውዱ በርሀ [ስማ ዝተቐየረ]፡ ኲናት ትግራይ ክውላዕ ከሎ ብስራሕ ምኽንያት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነይራ።
ናብ ትግራይ ክትምለስ ብዘይምኽኣላን ድማ ናብ ኬንያ ናይሮቢ ክትስደት ወሲና።
ናብ ኬንያ ምስኣወት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክትሰግረሉ እትኽእል ዕድል ኣብ እተማዕድወሉ እዋን ‘ናብ ካናዳ ዘሳልጡ ኣለዉ’ ዝብል ሓበሬታ ኣቐዲሞም ናብታ ሃገር ብስደት ካብ ዝኣተዉ ኢትዮጵያውያን ረኺባ።
እቲ ሰባት ቪዛ ካናዳ ንኽረኽቡ ከምዝሕግዝ ዝተሓበራ ውልቀሰብ ኬንያዊ እዩ። ብኣካል ምስረኸበቶ'ውን ብድምር “400 ሚእቲ ሽሕ ኬንያ ሽልንግ [ልዕሊ 3,500 ዶላር] ኢኺ ክትኸፍልኒ” ኢልዋ።
ኣቐዲማ 120 ሽሕ ኬንያ ሽልንግ ክትኸፍሎን ነቲ መስርሕ ክጅምረላን ስለዝተሰማምዑ ድማ መጠን እቲ ዝሓተታ ገንዘብ ኣረኪባቶ።
ንስልጠና ናብ ካናዳ ከምእትኸይድን ብኡ ኣቢላ ክትተርፍን ዘኽእላ ኩነታት ከምዘመቻቸወላ እዩ ሓቢርዋ።
ቪዛ ንኽትረክብ ‘ኣፕላይ’ ከምዝገበረላን መልሲ ክሳብ ዝመጽእ ዓቕሊ ክትገብር ስለዝነገራ፡ "ካብ ሎሚ ጽባሕ ክሰልጠኒ ይኸውን" ብዝብል ተስፋ ነዊሕ ተጸበያ።
ሰሙናት ሓሊፎም ‘ንእሽቶ ተጸበዪ’ እናበለ ኣዋርሕ ተቖጺሮም።
ኣብ መወዳእታ ድሕሪ ኣስታት ሓደ ዓመት፡ ‘ኣይሰለጠክን፤ ዝሓተትናዮ ቪዛ ነጺጎምኺ’ ዝብል ተስፋ ዘቑርጽ መልሲ ሃቡ ተሰናቢቱዋ።
ገንዘባ ከይተመለሰላ ናብቲ ሃንቀው ኢላ ዝተጸበየቶ ካንዳ'ውን ከይሰለጣ፡ ናብ ዓዳ ክትምለስ ተገዲዳ።
ብተመሳሳሊ፡ ሄንሪ ካቱሪማ ዝተባህለ ኬንያዊ፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ [መርማሪ ነበር] ኮይኑ፡ ብሰንኪ ሓደ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ጉዳይ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐ እዩ ዝኣመን።
ናበይ ዑቕባ ክሓትት ከም ዝኽእል ክሓስብ ጀሚረ።
ሄንሪ ቀልጢፉ ካብታ ሃገር ክወጽእ ተስፋ ብምግባር፡ ናብ ሓደ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝረኸቦ፡ 'ስካይፒንስ ትራቨል ኤጀንሲ' ዝብል ትካል ኣቕኒዑ።
"ሕጋውያን ይመስሉ ነይሮም" ይብል።
ሄንሪ፡ ኣብ ሚያዝያ 2023፡ እቲ ትካል ኣብ ካናዳ ዝርከቡ ደለልቲ ስራሕትን ንዕኡ ዝኸውን ደሞዝን ከምዘርአዮ ይዛረብ።
"ጽቡቕ ሓሳብን ገንዘብን እዩ ነይሩ" ይብል።
ንስካይፒንስ (SkyPins) ኣሚኑ ሰነዳቱ ሂብዎ።
ንሳቶም ድማ ናይ ቪዛ መመልከቲ ኣካውነት ንምኽፋት ክጥቀሙሉ ምዃኖም ገሊጾምሉ።
ምስቲ ትካል ውዕል ፈሪሙ፡ ኣቐዲሙ $930 ዶላር ኣመሪካ ከፊሉዎም፡ ተወሳኺ $386 ዶላር ድማ ስዒቡ ዝመጽእ ክፍሊት ቪዛ እዩ።
ሄንሪ፡ እቲ ትካል ብስሙ ኣካውንት ከምዝፈጠረ'ኳ እንተገለጸሉ፡ መእተዊኡ [መፍትሕ-ፓስወርድ] ግን ክረክብ ከምዘይተፈቕደሉ ይዛረብ።
ሜሪ [ትኽክለኛ ስማ ኣይኰነን] እውን ንትካል ስካይፒን (SkyPins) ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እያ ረኺባቶ።
ኣብ መንግስታዊ ሆስፒታል እትሰርሕ፡ ብሞያ ነርስ ዝዀነት ሜሪ፡ ዓለማዊ ፈተና ካብ ምፍታን፡ ዝዀነ ወኪል ኤጀንሲ ተጠቒማ ናብ ካናዳ ምግዓዝ ዝሓሸ ምዃኑ ኣሚና ነይራ።
"ከም ኣላዪት ኰይነ ክሰርሕ ቃል ኣትዮምለይ ነይሮም" ትብል።
ሜሪ፡ ንወጻኢታት ስካይፒን ባዕላ ክትሽፍን ስለዘይከኣለት፡ ካብ ባንኪ ልቓሕ ወሲዳ።
ስካይፒንስ፡ ልክዕ ከምቲ ንሄንሪ ዝገበሮ፡ ንሜሪ'ውን ብስማ ሓደ ኣካውንት ከፊቱላ ከብቅዕ፡ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሳ ኣካውንት ኣትያ ክትከታተል ከምዘይፈቐደላ ትዛረብ።
ኣመልከትቲ ቪዛ ኣማኻሪ የድልዮም ድዩ?
ላዕለዋይ ኮሚሽን ካናዳ ኣብ ኬንያ፡ ንመስርሕ ሕቶ ቪዛ፡ ኣቐዲምካ ገንዘብ ምሕታት እንተሎ፡ ምትላል ከምዝዀነ፡ ቀዳማይ መጠንቀቕታ ክኸውን ከም ዘለዎ ይሕብር።
ኣብ ቤት ጽሕፈት ቪዛ ካናዳ፡ ሓላፊት መደብ ስደተኛታትን ዜግነትን፡ ማሪ-ፒየር ኮተ፡ “ኣመልከትቲ ቪዛ ዝዀነ ኣማኻሪ ወይ ትካል ምቑጻር ኣየድልዮምን’ዩ” ትብል።
እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን፡ ኣመልከትቲ- ወከልቲ ብስሞም ቅጥዕታት ክመልኡ ከይፈቕዱ እውን የጠንቅቕ።
"ብዙሕ ምትላላት ካብ ወከልቲ ክመጽእ ንርኢ ኣለና" ትብል።
ሄንሪ፡ እቲ ትካል ኣብ መመልከቲኡ ናይ ሓሶት ናይ ባንክ ሒሳብ ዝጠቕሰ ዀይኑ፡ ኣብ ሕሳቡ 40 ሽሕ ዶላር ካናዳ ከም ዝነበረ ዘርኢ'ዩ ይብል።
እዚ 'ምትላል' ሰፊሕ ሳዕቤን ነይርዎ።
ሄንሪ፡ ሕቶ ቪዛኡ ተነፂጉ ጥራይ ዘይኮነ፡ መንግስቲ ካናዳ ንሓሙሽተ ዓመት ናብታ ሃገር ከይበጽሕ እገዳ ኣንቢሩሉ።
ብተወሳኺ፡ ብመሰረት ሓበራዊ መስርሕ ገለ ሃገራት [Five Eyes Intelligence Alliance] ናብ ኣውስትራልያ፣ ኒውዚላንድ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ከይገይሽ’ውን ተኸልኪሉ።
“ክሕሱ ድሌት ኣይነበረንን፤ ምትላል ይፍጽም ከም ዘለኹ'ውን ኣይፈለጥኩን” ይብል።
ሜሪ'ውን፡ ስካይፒንስ መመልከቲኣ ምስ ተመልአ ገለ ፀገማት ከምዝነበሮ ትዛረብ።
“ኣብ ልዕሊ ስመይ ናይ ስድራ ስም[ሰር ኔም] ወሲኾምለይ። ኣነ ከምኡ ዓይነት ስም የብለይን። ናይ ኣጸሓሕፋ ጌጋ’ዩ ብምባል ክእርምዎ ቃል ኣትዮም ነይሮም፡ ግን ኣይገበርዎን” ትብል።
ሜሪ ፡ ካብዚ ብተወሳኺ፡ ስካይፒንስ ብስማ ናይ ሓሶት ባንክ ስቴትመንት ከምዘቕረበላ ትኸስስ።
ይኹን እምበር፡ ሜሪ እቲ ሕቶኣ ዕዉት ኪኸውን ተስፋ ነይርዋ።
“ስካይፒን 'ዓቕሊ ግበሪ' ይብሉኒ ነይሮም። ኢመይላት ክመጸኒ ትጽቢት ገይረ ነይረ፡ ካብ ኤምባሲ ዝመጽእ መልእኽቲ ግን ኣይነበረን” ትብል።
ንሳ፡ ዳርጋ ድሕሪ ሓደ ዓመት እያ፡ ከም ዝተታለለት ክትጥርጥር ዝጀመረት።
ስካይፒን ሓቂ ክነግሩዋ ኣጥቢቓ ሒዛቶም፤፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ናይ ቪዛ ሕቶኣ ውድቂ ከምዝዀነ ነጊሮምዋ።
ቢቢሲ፡ ብፍላይ ንክሲታት ሄንሪን ሜሪን ናብ ዳይረክተር ኤጀንሲ ጉዕዞ ስካይፒንስ ቱር ዴኒስ ኪሞቶ ኣቕሪብዎ።
ኪሞቶ፡ ትካል ስካይፒንስ ናይ ሰራሕተኛታት-ምልመላ ትካል ከምዘይኮነ ብምግላጽ ንኹሉ ክስታት ነጺግዎ።
የግዳስ እቲ ኤጀንሲ ኣብ ትሕቲ በዓል መዚ መንግስቲ፡ ከም ትካል ቱሪዝም ንምምዝጋብ ኣብ ከይዲ ከምዘሎ ይዛረብ።
ናይ ስራሕ ቪዛ ከምዝወደቡ ወይ ድማ ናይ ሓሶት ሰነዳት ተጠቒሞም ናይ ቪዛ መመልከቲ ከምዘቕረቡ ነጺጉ።
ሚስተር ኪሞቶ ንክሲ ሄንሪ ምላሽ ኣብ ዝሃበሉ፡ "ብቐጥታ ናብቲ ትካል ቀሪቡ ጉዳዩ ከረድእ" ተማሕጺኑ።
ናይ ሕሶት መወዓውዒታት
በዚ ናይ ሕሶት መገዲ፡ ገንዘብ ዝኸሰሩ ግን፡ ዘውዱ፣ ሄንሪን ሜሪን ጥራይ ኣይኮኑን።
ቢቢሲ፡ ልዕሊ ሚእቲ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝሓዘ ሰፊሕ መርበብ ተመልኪቱ ኣሎ።
ነፍሲ ወከፎም ናብ ካናዳ ክስደዱ ንዝህንጠዉ ኬንያውያን፣ ኢትዮጵያውን ኤርትራውያንን ብተስፋ ዝጽበዩ እዮም።
ብፍላይ ድማ፡ ቲክቶክ፣ ፌስቡክን ኢንስታግራምን፡ እቲ መወዓውዒ ናብ ብዙሓት ንኽዝርጋሕ ጥጡሕ ባይተ ፈጢሩሎም።
ብመሰረት ጸብጻብ ክፍሊ ኢሚግሬሽን፡ ስደተኛታትን ዜግነትን መንግስቲ ካናዳ፡ ብመንገዲ ትካላት ዝግበር ምትላል ሕቶታት ቪዛ ኣብ መላእ ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ ሰፊሕ እዩ።
ኣብ ናይጀርያ፣ ታንዛንያን ኡጋንዳን እውን ተመሳሰሊ ፀገም ኣሎ።
ኣብ 2023፡ ካብ ኬንያ ንዝቐረቡ 29,577 ናይ ግዝያዊ መንበሪ ሕቶታት ቪዛ ፡ እቶም 47 ሚኢታዊ ቅቡላት ክኾኑ ከለዉ፡ 53 ውድቂ ዝተገብሩ እዮም።
ካብቶም ዝተኸልኡ እቶም 14 ሚኢታዊት ድማ ተቐባልነት ዘይብሎም [ብትካላት ምትላል] ኮይኖም ተረኺቦም።
ኣብተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይ 2024፡ እዚ መጠን ምጽዳቕ፡ ናብ 8 ሚእታዊ ጥራይ ወሪዱ።
26 ሚእታዊ ካብቶም ካብ መመልከቲታት ግዝያዊ መንበሪ ቪዛ [ዝተኸልከሉ] ድማ፡ በዚ መገዲ ብመታለልቲ ትካላት ዝቐረቡ እዮም። እዚ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዳርጋ ብዕጽፊ ዝዛይድ እዩ።
እቲ ጸገም ኣብቶም ቪዛ ዝተኸልከሉ ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኬንያውያን ኣብ ጎደናታት ካናዳ ተዓጽዮም ዝረኣዩ ቪድዮታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሖም ነይሮም። መብዛሕትኦም ብግዝያዊ ቪዛ ቱሪስት ናብታ ሃገር ከምዝኣተዉ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።
እቶም ስራሕ ክረኽቡ ዘይከኣሉ፡ ዑቕባ ካብ ምሕታት ወፃኢ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮምን።
ዞባዊ መርማሪ ገበናት ናይሮቢ ቤንሰን ካስዮኪ፡ ቤት ጽሕፈቱ ንብዙሓት ትካላት ስራሕ ብዛዕባ'ዚ ምትላል ይምርምር ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።
"ኣብዚ እዋን'ዚ ንምርምሮም ዘለና 263 ትካላት ዝትንክፍ ልዕሊ 615 ጥርዓናት በጺሑና ኣሎ" ይብል።
"ብዙሓት ናብ ከም በዓል ካናዳ ዝኣመሰላ ሃገራት ንምጋሽ፡ ገንዘቦም ተበሊዖም፡ ግን ከኣ ኣይከዱን።" ክብል ወሲኹ።
ሚስተር ካሲዮኪ፡ ንመርማሪ ጉጅልኡ እቲ ዝዓበየ ብድሆ ዀይኑ ዘሎ፡ ገለ ካብዘን ጥርጡራት ትካላት ተዓፅየን፣ ገሊአን ኣስማት ቀይረን፡ ወይ ድማ ካልእ ስም ሒዘን ናብ ካልእ ዓውዲ ምእታወን ከምዝዀነ ይዛረብ።
ገንዘቦም መሊሶም ዝረኽቡ ይህልዉዶ?
ዘውዲ ናብ ፖሊስ ዘቕረበቶ ጥርዓን የለን፤ ገንዘባ ከሲራ ናብ ዓዳ እያ ተመሊሳ።
ክልቲኦም ሄንሪን ሜሪን ግን፡ ጥርዓኖም ናብ ፖሊስ ድሕሪ ምሕባሮም ገለ ካብ'ቲ ገንዘቦም ክርኽቡ ክኢሎም ኣለው።
ይኹን እምበር: ፓል [ሓቀኛ ስሙ ኣይኰነን] ከምኦም ዕድለኛ ኣይኰነን።
እዚ ወዲ 37 ዓመት ኬንያዊ፡ ቅድሚ ሕጂ መራሒ ናይ ጽዕነት መኪና ኮይኑ ጽቡቕ መነባብሮ ዝመርሕ ዝነበረ እዩ።
"ሓደ ዓርከይ ሞያይ ምቕያር ከምዘየድሊ ነጊሩኒ" ይብል።
"ኣብ ዒራቕ፡ ወይ ካናዳ፡ ሕጽረት ጉልበት ስለዘሎን፡ መራሕቲ መካይን ጽዕነት ተደለይቲ ምዃኖምን ኣእሚኑ፡ ናብኡ ክግዕዝ ከምዝኽእል ብምግላጽ፡ ናብ ሓደ ኣብዛ ከተማ ዝርከብ ፍሉጥ ትካል ሰዲዱኒ።"
እዚ ትካል እዚ ከም ናይ ኢሚግሬሽን ኣማኻሪ ኩባንያ ኣገልግሎቱ ብቕሉዕ ዘዋዓውዕ እዩ።
ፖል ኣብ ካናዳ ዝርከቡ መራሕቲ ናይ ጽዕነት መካይን፡ ኣብ ወርሒ ካብ 4000-7000 ዶላር [ካናድ] ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ከምዝነገሩዎ ይዛረብ።
ፖል፡ ንመስርሕ ኢሚግሬሽን ብመንገዲ እቲ ትካል ንምኽፋል ንብረቱ ኩሉ ክሸይጥ ተገዲዱ።
“ናይ ባንክ ሕሳበይ ዜሮ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ እቲ እንኮ ኣማራጺ ዝነበረኒ፡ መሬተይ ምሻጥ እዩ ነይሩ፡” ይብል።
ፖል ነዚ ትካል እዚ ንናይ ኣየር ትኬት፣ ክፍሊት ቪዛን ኣብ ካናዳ ንዝግበር ምድላዋት መንበሪን $5,454 ዶላር [ካናዳ] ሂብዎ።
እንተዀነ፡ ውዕል ኣይፈረመን።
እቲ ምሉእ መስርሕ መመልከቲ [ኣካውንት] በቲ ትካል እዩ ዝካየድ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ ፖል ቪዛ ረኺቡ ናይ መገሻ ምድላዋት ይገብር ነይሩ።
ንስድርኡ ተሰናቢቱ ናብ ካናዳ እትበርር ነፋሪት ክስቀል ተስፋ ብምግባር፡ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣምሪሑ።
ኣብቲ መእተዊ ምስ በጽሐ ግን ቪዛኡ [ገለ ምትላል ስለዝተረኸቦ] ብኤምባሲ ካናዳ ከምዝተሰረዘ ተነጊርዎ።
ገንዘቡ ክመለሰሉ ዘይከኣለ ፖል፡ ነቲ ጉዳይ ናብ ፖሊስ ወሲዱዎ ይርከብ።
እቲ ጉዳይ፡ ክሳብ ሎሚ ካብ ደረጃ መርመራ ሓሊፉ ስለዘይሰለጠ፡ ገና ፍትሒ ይጽበ ኣሎ።
“ኣብ ካናዳ ፅቡቕ ስራሕን ሓድሽ ህይወት ክጅምርን ቃል ተኣትዩለይ ነይሩ። ከም ውፅኢቱ ግን፡ ባዶ ሕሳብ ባንክን ባዶ መብጽዓታትን ኰይኑ ተሪፉ”።