እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝጥቀሙሉ 'ግሩፕ-5' ካናዳ 'ንግዚኡ' ደው ከምዘበለ ተፈሊጡ
መንግስቲ ካናዳ እቲ ንዝሓለፈ 40 ዓመታት ክስርሓሉ ዝጽንሐ መስርሕ ናብታ ሃገር ንምእታው ዘኽእል መመልከቲ ስደተኛታት ንግዚኡ ደው ከምዘበሎ ብ 29 ሕዳር ብዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ተስፋ ብዙሓት ስደተኛታት ኰይኑ ዝጸንሐን፡ ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ዜጋታት ዝተፈላለየ ሃገራት ክጥቀምሉ ዝጸንሑን ብ’ግሩፕ-ፋይፍ’ ዝፍለጥ ከምኡ’ውን ብምወላ ኮሙኒቲ ዝጸንሐ መስርሕ፡ ንካልኦት ሃገራት ኣብነት ኰይኑ ከምዝጸንሐ ይግምገም።
ነዚ ከም ኣብነት ዝወሰደት ኣሜሪካ’ውን ኣብዚ እዋን “ከም መፈተኒ ፕሮጀክት” ክትትግብሮ ጀሚራ ከምዘላ ይፍለጥ።
እዚ ይዅን ግን ካናዳ ብሰንኪ ብዝሒ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ዘለዉ ስደተኛታትን ንዕኦም ዘድሊ ቀረባትን ብምልኣት ከተዋድድ ብዘይምኽኣላን፡ ንስደተኛታት ዝምልከት ሓደስቲ መምርሒታት ከተውጽእ ጸኒሓ እያ።
ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ መንግስቲ ካናዳ ነቲ ብናህሪ ዝውስኽ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ንምግታእ ቍጽሪ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት፡ ካብ 2025 ዝተግበር ብ 21 ሚእታዊት ክንክዮ ከምዝዀነ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።
መንግስቲ ካናዳ ኣቐድም ኣቢሉ’ውን ብትምህርትን ብግዝያዊ ስራሕን ናብታ ሃገር ናይ ዝእትዉ ብዝሒ ከምዝነከዮ ኣፍሊጡ ነይሩ’ዩ።
እቲ ሕጂ ዝወጸ መግለጺ፡ ውጥን ኢሚግሬሽን እታ ሃገር ዓመታዊ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ዘቐምጥ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ኣብዚ እዋን ዝርአ ዘሎ መመልከቲ ብሕታዊ ስፖንሰራት ካብቲ ዓመታዊ ዝምደበሉ ብጽሒት ኣመና ዝለዓለ ብምዃኑን፤ ብቐጻሊ ድማ እናዓበየ ብምምጽኡን ነቲ መስርሕ ከጓትት ከምዝጸንሐን ይሕብር።
በዚ መስረት፡ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን፡ ስደተኛታትን ዜግነትን ካናዳ (IRCC) ነቶም ኣብ ወጻኢ ኰይኖም ናብታ ሃገር ክኣትዉ ዝጽበዩ ስደተኛታትን ይዅን ኣብ ካናዳ ንዝርከቡ ስፖንሰራቶምን ርጕጽ ንምዃን ምእንቲ ክከኣል፡ መስርሕ ምዝገባ ሓደስቲ ኣመልከትቲ ጕጅለ ሓሙሽተ ይዅን ማሕበረሰባዊ [ኮሙኒቲ] ስፖንሰርነት፡ ካብ 29 ሕዳር 2024 ጀሚሩ ንግዚኡ ደው ከምዝበለ ኣፍሊጡ።
መግለጺ መንግስቲ ካናዳ፡ ኣብዚ ውሳነ እዚ ንምብጻሕ ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን፡ ካብ መሻርክቲ ኣካላት ዝመጾ ርእይቶ፡ መጠን መመልከቲን ነቲ መስርሕ ንምክትታት ዘኽእል ኣገባብን፡ ካብ 2025-2027 ዝተወጠነ መጠን ሰደተኛታትን ካልእን ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
ሚኒስትሪ ህዝባዊ ኣገልግሎት እታ ሃገር ብዝተኸሰተ ብዝሒ ህዝቢ፡ ሕጽረታት ኣባይትን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ይሽገር ከምዘሎ ናብ መንግስቲ ክጠርዕ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።
ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ “ንኣመልከትቲን ንመወልቲን ዝሓጸረን መስርሕ ግዜ ንምርግጋጽ ምእንቲ ክከኣል፡” ብሕጂ ንዝቐርብ መመልከቲ ንምድራት ኰይኑ፡ እቲ ውሳነ ክሳብ 31 ታሕሳስ 2025 ግብራዊ ክኸውን እዩ።
ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ካናዳ ማርክ ሚለር፡ ነቲ ምጕዳል ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዕላማ እቲ ውጥን ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ንምቍጽጻር ኰይኑ ክሳብ 2027 ከም ዝቕጽልን ኣብሪሁ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ጀስቲን ትሩዶ እቲ ውሳነ ምጕዳል ስደተኛታት ብ 21 ሚእታዊት፡ ብዝሒ ህዝቢ ካናዳ ኣብ ዝቕጽል ክልተ ዓመት ኣብ ዘለዎ ደው ንኽብል ከምዝሕግዝ ብምግላጽ፡ እዚ ከኣ ኵለን ጽላታት እታ ሃገር ንዅሉ ዝኸውን ኣባይትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ንኸዳልዋ እኹል ግዜ ከምዝህበን ሓቢሩ።
ክፍሊ ኢሚግሬሽን ካናዳ፡ እቲ ድሮ ኣትዩ ዘሎ መመልከቲ መስርሑ ክቕጽሎ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብ 2025 ብውልቂ ዝምወሉ 23 ሽሕ ስደተኛታት ክቕበል መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።
ክፍሊ ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ካናዳ፡ እዚ ሓድሽ ለውጢ ዝፈጥሮ ጽልዋ ከምዝግንዘብ ብምጥቃስ፡ ነዚ መደብ ንምምሕያሽን ንመጻኢ ዝህልዎ ኣተሓሕዛን ንምውሳን ምስ ኵሎም መሻርኽቲ ኣካላት ብቐረባ ክሰርሕ ምዃኑ ኣብ መግለጺኡ ኣቐሚጡ’ሎ።
ጀስቲን ትሩዶ፡ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “እቲ ንስደተኛታት ናይ ምቅባል ፖሊሲና ብተዓጻጻፍነትን ብሓላፍነትን ክንሰርሓሉ ጸኒሕና ኢና፤ ድሕሪ ክስተት ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ነቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ኢልና ፍንው ኣቢልናዮ ነይርና፤ እንተዀነ እዚ ኸኣ ምስቲ ናህሪ ብዝሒ ህዝቢ ሚዛኑ ሓልዩ ክኸይድ ኣይከኣለን” ኢሉ።