ሰናይ ምስሊ ኬንያ ዘበላሹ ዘሎ ጭውያ ስደተኛታት መንቀሊኡ እንታይ'ዩ?

ኣብ ሓደ እዋን ከም ውሑስቲ መዕቆቢት ስደተኛታት ትቝጸር ዝነበረት ኬንያ ቀስ ብቐስ ንገለ ካብቶም ካብ ፖለቲካዊ ስደትን ኲናትን ሓለዋ ዝደልዩ ስደተኛታት ተጻባኢት ሃገር ትኸውን ከም ዘላ ጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት ይገልጹ።

ስክፍታኦም፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር - ናይሮቢ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝለበሱ ሰባት ኣርባዕተ ቱርካውያን ስደተኛታት ብጠበንጃ ኣፈራሪሖም ድሕሪ ምጭውዮም'ዩ።

ሰበስልጣን ኬንያ፡ እቶም ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ስደተኛታት ኣፍልጦ ዝተዋህቦም ኣርባዕተ ቱርካውያን ብሕቶ መንግስቲ ቱርኪ ከምዝተሰጐጉ ገሊጾም።

ነቐፍቲ ኬንያ ነቲ ንዘመናት ዝጸንሐ ሕጋዊ መትከል [non-refoulment] ማለት’ውን ሰባት ናብተን መርሸንቲ ከጋጥሞም ዝኽእል ሃገራት ብግዴታ ከይምለሱ ዝኽልክል ሕጊ ዕሽሽ ከም ዝበለቶ ይኸሱ።

እዚ ድማ ንሰናይ ምስሊ ኬንያ ኣጸሊምዎ ኣሎ።

ኣብ ሕዳር 2021 ኣብ ናይሮቢ ርእሰ ከተማ ኬንያ ዝተጨወየ ኢትዮጵያዊ ነጋዳይ ሳምሶን ተኽለሚካኤል፡ ክሳብ ሕጂ ድሃዩ ከም ዘይተሰምዐ ኣባላት ስድርኡ ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው።

እዚ ፍሉጥ ነጋዳይ ክሌሌሸዋ ኣብ ዝበሃል ከባቢ፡ ኣብ ማእከል ጽርግያ ኣብ መብራህቲ ትራፊክ ደው ኢላ ካብ ዝነበረት መኪናኡ ብምትሕብባር ክዳን ትራፊክ ፖሊስ ዝተኸደነን፡ ስቪል ብዝተኸደኑ ሰባትን ተጨውዩ ካብ ዝውሰድ ደሃዩ ኣይተፈለጠን።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ኬንያ መገሻ ኣካይዶም ዝነበሩ ሓለፍቲ ማእከላይ ስለያ ኣመሪካ (ሲኣይኤ)ን ትካል ስለያ ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ MI6ን - ዊልያም በርንስን ሪቻርድ ሙርን - ኣብ እዋን ዑደቶም ነቲ ምስጓግ ምስ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ከምዘልዓልዎ ኣብቲ ከባቢ ዝሕተም ጋዜጣ ደይሊ ኔሽን ጸብጺቡ።

ኮሚሽነር ስደተኛታት ኬንያ ጆን ቡሩጉ ብዛዕባ እቲ ምስጓግ ርእይቶ ክህብ'ኳ እንተዘይደለየ፡ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኮሪር ሲንግኦይ ግን መንግስቲ “ንዝበለጸ ረብሓ ተባሂሉ ዝውሰድ ሚዛናዊ ስጕምቲ” ክፍጽም ከምዘለዎ ኣጕሊሑ።

"ነቶም ንሓንቲ ፈታዊት ሃገር ዝጐድእ ንጥፈታት ይፍጽሙ ተባሂሎም ዝተኸሰሱ ሰባት ምዕቋብ ንኬንያ ዲፕሎማስያውን ሰብኣውን ቅልውላው ፈጢሩላ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ኬንያ ምስ ቱርኪ ዘለዋ ጥቡቕ ርክብ ኣብ ሓደጋ ከተእቱ ድልውቲ ኣይነበረትን። ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሓምለ ብወተሃደራዊ መዳይ ንምትሕብባር ዘኽእለን ስምምዕ ከቲመን።

ምስ ጐረባብታ ክነጻጸር እንከሎ፡ ኬንያ ንነዊሕ ዓመታት ሰላምን ምርግጋእን ዘስተማቐረት ብምዃና፡ ካብ ዝተፈላለያ ብግጭት ዝተሃስያ ሃገራት ናይቲ ዞባ ከም ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ፡ ኤርትራ፡ ሩዋንዳን ደቡብ ሱዳንን ዝመጹ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዝመርጽዋ ሃገር ኰይና ጸኒሓ እያ።

እታ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ቍጠባ ዝሃነጸት ኬንያ ልዕሊ 800 ሽሕ ስደተኛታት ዝነብሩላ ምዃና ቡሩጉ ሓቢሩ።

ጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት ግን እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ነቶም ኣብ ዓዶም ካብ ዝፍጸም መቕተልቲ ፈሪሖም ዝሃድሙ ሰባት ውሕስነት ዘይብላ ሃገር እናዀነት ትመጽእ ከምዘላ ስግኣቶም ይገልጹ።

ፖሊስ ኬንያ’ውን ምስ ትካላት ጸጥታ ወጻኢ ብምትሕብባር ከም ስግኣት ዝቘጽርዎም ሰባት ንምሓዝ ብምፍታን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ይኽሰሱ ነይሮም።

ንኣብነት ኣብ ሓምለ ኣብ ልዕሊ 36 ደገፍቲ ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ ዩጋንዳ ዝተፈጸመ ስግረ-ዶባዊ ጭውያ ተሓባባሪት ኰይና ስለዝተረኸበት እዩ።

እቲ ጕጅለ ንልምምድ ናብ ከተማ ኪሱሙ ኬንያ ከምዝተጓዕዘ ጠበቓታቶም ይገልጹ፡ እንተዀነ ናይ ምስጓግ ትእዛዝ ወይ ድማ ሕቶ ኣሕሊፍካ ምሃብ ዝኣመሰሉ ግቡእ ሕጋዊ መስመራት ከይተኸተሉ ናብ ዩጋንዳ ከምዝተሰጐጉ ይገልጹ።

ፖሊስ ዩጋንዳ፡ እቶም ሰባት "ኣዕናዊ ምዃኑ ኣብ ዝጥርጠር ሕቡእ ንጥፈታት ስለዝተዋፈሩ ኣብ ዓይኒ ሓይልታት ጸጥታ ኬንያ ኣትዮም" ክብል ከሲሱ።

እቲ ጕጅለ ግን ንኽሲ ፖሊስ ዩጋንዳ ይነጽግ።

“ኬንያ፡ ሰራሕተኛታት ጸጥታ ዩጋንዳ ናብ ኬንያ ሰጊሮም ውልቀሰባት ክጨውዩ ብምፍቃድ፡ ዜግነቶም ይዅን ፖለቲካዊ ኣመላኻኽታኦም ብዘየገድስ ኵሎም ኣብ ግዝኣታ ዘለዉ ሰባት ናጽነቶምን ድሕነቶምን ንምሕላው ዝነበራ ግዴታ ፈሺሉ" ክብል ጋዜጣ ኦብዘርቨር ኣብ ዘውጽኦ ኣርእስቲ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ሩዋንዳዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ዩሱፍ ኣሕመድ ጋሳና መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ካብቲ ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ገዛኡ ተጨውዩ ካብኡ ንደሓር ኣይተራእየን።

ስድራቤት ጋሳና ኣብ ሩዋንዳ ምስ ካልኦት ሓያሎ ገና ክሲ ዘይቀረበሎም ሰባት ኣብ ምስጢራዊ መዳጎኒ ቦታ ተኣሲሩ ከምዝነበረ ሓቢሮም።

ካልኦት ፍሉያት ጉዳያት’ውን ከም ኣብነት ምቕራብ ይከኣል እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ኣብ ናይሮቢ፡ ዩኒፎርም ፖሊስ ኬንያ ተኸዲኖም ነይሮም ዝተበሃሉ ሰባት ንደቡብ ሱዳናዊ ስደተኛ ማቢዮር ኣዊክጆክ ባክ ጨውዮምዎ። እቲ ነቓፊ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ከምዝዀነ ዝንገረሉ ሰብ ሕጂ ኣብ ዓዱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ።

ፓኪስታናዊ ጋዜጠኛ ኣርሻድ ሸሪፍ፡ ካብ ፓኪስታን ሃዲሙ ኣብ ኬንያ ከቕመጥ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ጥቅምቲ 2022 ኣብ ናይሮቢ ብፖሊስ እታ ሃገር ተቐቲሉ። ፖሊስ ብጌጋ ዝተፈጸመ ጉዳይ ከምዝነበረ ይገልጽ።

ኣብ 2021 ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኬንያ ተታሒዙ ንኣገልግሎት ስለያ ናይጀርያ ከምዝተረከበ ዝገለጸ ካብ ናይጀርያ ዝመጸ መራሒ ተገንጸልቲ ናምዲ ካኑ’ውን ካልእ ግዳይ እዩ። ንሱ ኣብዚ እዋን ብሽበራን ምልዕዓልን ተኸሲሱ ኣብ ፍርዲ ይርከብ። ክልቲኦም መንግስታት ኣብ ማእሰርቱ ኢድ ከምዘይነበሮም ይገልጹ።

ነቶም ኣብ ኬንያ ዕቝባ ዝደልዩ ሰባት እቲ ኵነታት ዘፍርሕ’ዩ።

ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ኬንያ ከምዝተቐመጠ ዝገልጽ ነቓፊ መንግስቲ ሩዋንዳ “ብሰንኪ እቲ ዘሎ ሓደጋ ተቓላዕነት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንነዊሕ እዋን ንጡፍ እየ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እዚ ወዲ 40 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ሰበስልጣን ንዕኡ ንምድላይ ይንቀሳቐሱ ንዘለዉ ሰበስልጣን ሩዋንዳ ይተሓባበርዎም ከምዘለዉ እዩ ዝኣምን።

ንሱ ኣስዒቡ፡ "ናብ ዓደይ ምምላስ ንዓይን ንስድራይን ኣማራጺ ኣይኰነን ኣብዚ ግን ኣብ ቀጻሊ ፍርሒ ኢና ንነብር ዘለና" ኢሉ።

"በቶም ሃዲምና ዝወጽኣናሎም ሰባት ክንተሓዝ ዓቢ ተኽእሎ ስለዘሎ ይፈርሕ ኣለኹ" ክብል እቲ ስደተኛ ወሲኹ ገሊጹ።

ብሰንኪ እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ስግኣት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 3 ሽሕ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ዘይመንግስታዊ ትካል፡ ኮንሶርትየም ስደተኛታት ኬንያ (RCK) ይነብሩ ኣለዉ።

ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከይኣትዉ፡ ከይክሰሱን ናብ ሃገሮም ተመሓላሊፎም ከይውሰዱን ካብቶም እቲ ትካል ዝቐረቡሉ ምኽንያታት ገሊኦም ምዃኑ፡ መሪሕ ተመራማሪ እቲ ትካል ሻድራክ ኩዮህ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ንሱ፡ ምስጓግ ስደተኛታት ንሕጊ ስደተኛታት ኬንያ ዝጥሕስ ምዃኑ ገሊጹ።

ዕጫ እቶም ካብ ኬንያ ዝተሰጐጉ ዜጋታት ቱርኪ እንታይ ከምዝዀነ ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኰነን።

እቶም ኣርባዕተ ቱርካውያን ኣካል ናይቲ ኣብ ኬንያን ካልእ ክፋላት ዓለምን ኣብያተ ትምህርቲ ዘካይድ ዝነበረ ቱርካዊ መራሒ ሃይማኖት እስልምና ፈትሑላህ ጉለን ዝተሰምየ ምንቅስቓስ ጉለን ምዃኖም ይእመን።

ቱርኪ፡ ነቲ ኣብ 2016 ዝፈሸለ ዕልዋ መንግስቲ ኣወሃሂዱ ኢላ ዝኸሰሰቶ ጉለን ድሕሪ ምማቱ ነዊሕ ከይጸንሐ እዩ እቶም ኣርባዕተ ደገፍቱ ካብ ኬንያ ክስጎጉ ዝተገበረ። እዚ ድማ ቱርኪ ንደገፍቱ ክተዳኽሞም ስለ ምዃና ዘመላኽት እዩ።

ኣቦ መንበር ባይቶ ሃይማኖታት ኬንያ ጳጳስ ዊሊባርድ ኪቶጎ ላጎ፡ ነቶም ኣርባዕተ ቱርካውያን ኣብ ሰብኣዊ ስራሕ ዝነጥፉ "ፈተውቲ ሰላም" ክብሉ ገሊጾምዎ።

እቶም መራሒ ሃይማኖት ወሲኾም፡ "ጭውያኦም ኣብ ኬንያ ብዛዕባ ድሕነት ኵሎም ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ስክፍታታት ዘጕልሕ'ዩ" ኢሎም።

ተንታኒ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ኤድጋር ጊትዋ፡ መንግስቲ ካብ ነቐፌታ ንምድሓን ናብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከረክቦም ነይርዎ ኢሉ።

"ኬንያ ኣህጉራዊ ምስላ ኣርኪሳቶ ኣላ። እዚ ንዘመናት ክጥቀስ እዩ። ነቲ ዝገበርናዮ ክንመልሶ ኣይንኽእልን ኢና" ድማ ኢሉ።