እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምስ ኤርትራውያን ካብ ቀይዲ ዝሃደመ ጥርጡር ቀታሊ ንምሓዝ ግንዖ ገንዘብ ክወሃብ’ዩ
ፖሊስ ኬንያ ነቲ ካብ ማእሰርቲ ዘምለጠ ብተደጋጋሚ ቅትለት ዝተኸሰሰ ደመ-ጻምእ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ንክኣቱ ዝሕግዝ ሓበሬታ ንዝሃበ ሰብ "ዓቢ ናይ ገንዘብ ሽልማት" ከምዝህብ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ፖሊስ ኬንያ፡ እቲ ኮሊንስ ጁማይሲ ካሉሻ ዝተባህለ ጥርጡር ካብ 2022 ጀሚሩ በዓልቲ ቤቱ እትርከበን 42 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝቐተለ ተናዚዙ ክብል ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ግን ምስ ካልኦት 12 ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ማእሰርቲ ከምዝሃደመ ፓሊስ ምግላጹ ይዝከር።
እቶም ኤርትራውያን ብዘሕጋዊ ኣገባብ ናብታ ሃገር ኣትዮም ተባሂሎም ዝተታሕዙ ምዃኖም ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ኬንያ ይገልጹ። ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ካብ ኢትዮጵያ ተበጊሶም ብኬንያ ሓሊፎም ናብ ዩጋንዳ ከምዝኣትዉ ይፍለጥ።
ሸሞንተ ኣባላት ፖሊስ ኬንያ፡ ነቲ ብተደጋጋሚ ቅትለት ዝተኸሰሰ ደመ-ጻምእ ጥርጡር፡ ካብ ማእሰርቲ ንኽሃድም ተሓጋጊዞም ብዝብል ጥርጣረ ካብ ስራሕ ከምዝተኣገዱ ፖሊስ ኣፍሊጡ'ዩ።
እቲ ሎሚ ሓሙስ ብሰብመዚ መርመራ ገበን ዝወጸ መግለጺ እቲ ጥርጡር ብቕትለት ክኽሰስ ከምዝነበሮ ዝሕብር'ዩ።
"ንዝዀነ ናብ ማእሰርቲ እቲ ጥርጡር ዝመርሕ ተኣማንነት ዘለዎ ሓበሬታ ዘለዎ ሰብ ዓቢ ናይ ገንዘብ ሽልማት" ከምዝወሃብ እውን ይጠቅስ።
መጠን እቲ ናይ ገንዘብ ሽልማት ክንደይ ከምዝዀነ ግን ኣየነጸረን።
እቲ ወዲ 33 ዓመት ካሉሻ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ሓደ ኣብ መዓላ ዘይነበረ ጣሻ ጐልጐል፡ ትሽዓተ ዝተቘራረጸ ሬሳታት ምስተረኽቡ’ዩ ተታሒዙ።
እተን ግዳያት ካብ 18 ክሳብ 30 ዓመት ዝዕድመአን ኰይነን ኵለን ብተመሳሳሊ መንገዲ ከምዝተቐትላ ፖሊስ ሓቢሩ።
እቲ ጨካን ቅትለት ከኣ ኣብ ህዝቢ ኬንያ ስንባደን ቍጥዐን ፈጢሩ’ሎ። ብዙሓት ሰባት፡ ፖሊስ ኬንያ ስለምንታይ ነቲ ካብ ከባቢ መደበሮም ኣስታት 100 ሜትሮ ዘይርሕቕ ጣሻ ንዝነበረ ኣስከሬናት ክርእዩዎ ዘይከኣሉ ንዝብል ዓቢ ምልክት ሕቶ ኣለዓዒሉ ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት፡ ከመይ ገይረን ፖሊስ ከይፈለጠ 42 ሰባት ተቐቲለን ክድርበያ ይኽእላ? እቲ ንኽልተ ዓመት ዝኣክል እኳ ምንም ዘይጠርጠረ ፖሊስ፡ እቲ ሬሳታት ኣብቲ ጣሻ ምስተረኽበ ከመይ ገይሩ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ዘይመልእ ግዜ ነቲ ጥርጡር ኣሲሮሞ? ዝብል ብዙሕ ሕቶታት ኣለዓዒሉ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ከባቢ ገማግም ህንዳዊ ውቅያኖስ ብዝተረኽበ ናይ 400 ሰባት ጃምላዊ መቓብር መላእ ሃገር ኣንቀጥቂጣ እንከላ’ዩ እዚ ናይ "42 ሰባት" ቅትለት ፍጻመ ዘጋጥም ዘሎ።
ኣብቲ እዋን፡ እቲ ሞት 400 ሰባት ዘኸተለ መራሒ ኣምልኾ ፖል ማከንዚ፡ ንሰዓብቱ፡ 40 መዓልታት እንተጸይሞም "ንእየሱስ ክርእዩ "ከምዝኽእሉ ስለዘተባብዖም እቲ ሓደጋ ከምዝተኸስተ ተነጊሩ ነይሩ። ንሱ ግን ብቕትለት ሰባት ተሓታቲ ኣይኰንኩን እዩ ዝብል።