እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኬንያ፡ ብኸመይ እዩ 'ሓደ ሰብ ልዕሊ 40 ደቀንስትዮ ቀቲሉ' ክጕሕፈን ጸኒሑ?
ፖሊስ ኬንያ 42 ደቂ ኣንስትዮ ቀቲሉ ኢሉ ዝኸሰሶ ሰብኣይ፡ ቅድሚ ቃለ-ተኣምኖ ምዝራቡ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞ ብጠበቓኡ ኣቢሉ ገሊጹ።
ወዲ 33 ዓመት ኮሊንስ ጁማይሲ ካሉሻ፡ ድሕሪ ምእሳሩ ብሰሉስ 16 ሓምለ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።
ጠበቓ ጆን ማይና ንደግዋ፡ ድሕሪ መስርሕ ቤት ፍርዲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ነቲ ቃለ-ተኣምኖ ብምንጻግ ዓሚሉ ኣብ እዋን መርመራ ማሕነቕቲ ጎረሮ ከምዘጓነፎ ተዛሪቡ።
ብፕላስቲክ ዝተጠቕለለ ሓያለ ሬሳታት ኣብ እንዳ ጓሓፍ ድሕሪ ምርካቡ ዝሰዓበ ዘደናግር ዛንታ ኰይኑ፡ ኣብ ጥቓ ሓደ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ዝርከብ መደበር ፖሊስ እዩ ነይሩ።
ከቢድ ስምዒት ስንባደን ሕርቃንን ዝተርኣዮ ክስተት ስለዝዀነ ገና ብዙሓት ክምለሱ ዘለዎም ሕቶታት ኣለዉ።
እቶም ሬሳታት ከመይ ኢሎም ካብ ሓደ መደበር ፖሊስ ሜትሮታት ሪሒቘም ክርከቡ ክኢሎም?
ፖሊስ ሓደ ካብ ኣብያተ ጽሕፈቱ ኣስታት 100 ሜትሮ ጥራይ ርሒቝ ሬሳታት ይጕሓፍ ከምዘሎ ክፈልጥ ዘይምኽኣሉ ብዙሓት ሰባት ክርድእዎ ተጸጊሞም ኣለዉ።
ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ፖሊስ ነቲ ገበን ኣብ ምቅላዕ ዘርኣዮ “ስንፍናን ዘይሞያዊነትን” ወቒሶም።
ብሰንበት፡ ግዝያዊ ዋና ሓላፊ ፖሊስ ዳግላስ ካንጃ፡ እቶም ኣባላት ፖሊስ ካብ መደበር ፖሊስ ክዋር ናብ ካልእ ቦታ ከምዝተቐየሩ ኣፍሊጡ።
እቶም ዝተቐየሩ ፖሊስ ነቲ ፍጻመ ብኸመይ ክሓልፍዎ ከምዝኸኣሉ ተሓቲቶም ድዮም ኣይተሓተቱን ግን ንጹር ኣይኰነን።
እቲ ግዝያዊ ሓላፊ ፖሊስ፡ "ፖሊስ ኣብ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ጭውያታትን ከምዝተሳተፈ ዝገልጽ ሰፊሕ ክስታት ይቐርብ ስለዘሎ ዝዀነ ናይ ፖሊስ ምትእስሳር እንተሃልዩ ንምርግጋጽ መባእታዊ መርመራ ክገብር’ዩ” ኢሉ።
እቲ ዝያዳ ዘገርም ድማ ሓደ ተራ ሰብ ከመይ ኢሉ ነቲ ኣስከሬናት ክረኽቦ ከምዝኸኣለ እዩ።
ስድራቤት ናይታ ደሃያ ዝጠፍአት ጆሴፊን ኦዊኖ፡ ብሕልሚ ከምዝተርኣየቶምን ዘላትሉ ቅኑዕ ስፍራ ከምዝሓበረቶምን ይዛረቡ።
ጓል ሓወቦ ወ/ሮ ኦዊኖ ዝዀነት ዲያና ኬያ ንሲቲዘን ቲቪ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቶም ስድራቤት ኣብ ጥቓ’ቲ መጕሓፊ ንገለ መንእሰያት ገንዘብ ከፊሎም ጐሓፍ ከምዘፍሓሩ ገሊጻ።
እቶም ትሽዓተ ብኸቢድ ዝተቖርጹ ሬሳታት ብኸምዚ ዝተረኸቡ ኰይኖም ብሳንጣ ተጠቕሊሎም ብገመድ ድማ ዝተኣሰሩ’ዮም።
ፖሊስ ኣብ ቀዳማይ መግለጺኡ፡ ብሕብረተሰብ ደወል ከምዝተደወለ’ኳ እንተገለጸ ብዛዕባ እቲ ዝተበሃለ ሕልሚ ግን ኣይጠቐሰን።
ድሒሩ ሓላፊ ዳይሬክቶሬት ምርመራ ገበን መሓመድ ኣሚን ምስ ተሓተተ፡ “ሓለምቲ ኣይኰናን ኣብ ሕልሚ ኣይንኣምንን ኢና” ኢሉ።
ሬሳ፡ ኣብ ክንደይ ግዜ ዝተዋህለለ እዩ?
እቶም ዝተረኽቡ ሬሳታት ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ምብስባስ ከምዝነበሩ ዝገለጸ ፖሊስ፡ እቶም ግዳያት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ከምዝተቐትሉ ይሕብር።
ኣብዚ ሕጂ ዘካትዕ ዘሎ ቃለ-ተኣምኖ፡ ካሉሻ ነተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ከም ዝቐተለን ከም ዝተኣመነ ፖሊስ ይገልጽ።
እቲ ንጹር ዘይኮነ ግን፡ እቲ ሬሳ ኣብቲ ግዜ እቲ ድዩ ወይስ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሓደ ግዜ ተደርብዩ ነይሩ? ዝብል’ዩ።
ፈጻሚ ዳይረክተር ጕጅለ ተጣባቒ መሰላት ሃኪ ኣፍሪቃ ሑሴን ኻልድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ እቶም ሬሳታትን ጥርጡርን ዝሃቦ መብርሂ "ብዙሕ ሃጓፋት" ከምዘለዎ ገሊጹ።
ፖሊስ ከመይ ጌሮም እዮም ነቲ ማእሰርቲ ክሳብ ክንድዚ ቅልጡፍ ገይሮምዎ?
ንኣስታት ክልተ ዓመት ዋላ ሓንቲ ጥርጣረ ከምዘይነበሮ ዝገልጽ ፖሊስ፡ እቶም ሬሳታት ካብ ዝረክብ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዘይመልእ ማእሰርቲ ኣካይዱ።
ፖሊስ ብሰኑይ ከም ዝበሎ፡ ካሉሻ ጸወታ ፍጻመ ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ እናረኣየ እንከሎ ኣብ ሓደ እንዳ መስተ ከም ዝተኣስረ ሓቢሩ።
ገለ ካብቲ ካብ ገዛ’ቲ ጥርጡር ተረኺቡ ዝተባህለ ንብረት 10 ተለፎናት፡ ላፕቶፕ፡ መንነት ወረቐትን ውልቃዊ ክዳውንቲ ደቂ ኣንስትዮን ዝኣመሰለ ንማዕከናት ዜና ኣርእዮም።
ገዛ ናይቲ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ጥርጡር ድማ ካብቲ ሬሳታት ዝተረኸቦ እንዳ ጓሓፍ ብቐረባ ከምዝርከብ ተገሊጹ።
ፖሊስ፡ ንሞባይል ናይ ሓደ ካብቶም ግዳያቱ ዝበሃሉ ሰባት ‘ጂኦ-ሎኬቲን’ ድሕሪ ምግባር፡ ኣሰር ሚስተር ካሉሻ ከም ዝረኸብዎ ገሊጹ።
ጠበቓ ሚስተር ካሉሻ ግን ንሓቅነት ናይቲ መርትዖ ኣብ ሕቶ ምልክት ኣእትይዎ’ሎ።
መንነት ግዳያት
ክሳብ ሕጂ ሓደ ሬሳ ጥራይ እዩ ተለልዩ - ናይ ጓል 24 ዓመት ሮዝሊን ኦንጎጎ።
ሓዋ ኣማኑኤል ኦንጎጎ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዕለታዊ ስራሕ ክትደሊ ካብቲ ገዛ ምስ ወጸት ብ28 ሰነ ከም ዝጠፍአት ገሊጹ።
እቶም ስድራ ሬሳታት ከምዝተረኸቡ ምስ ሰምዑ ናብ መቐበሊ ሬሳ ከምዝኸዱ ሓቢሩ።
ንሳ'ውን ከምቲ ዝጠፍአትሉ - ተኸዲናቶ ዝነበረት ላዕለዋይ ክፋልን ቅዲ ጸጕራን ኣለልዮምዋ።
ፖሊስ ብተወሳኺ በዓልቲ ቤት ሚስተር ካሉሻ ቀዳመይቲ ግዳይ ምዃና ይኸስስ። መንነታ፡ ኣብ መንጐ ንብረት ካልኦት ተቐቲለን ዝተባህላ ንብረት ከም ዝተረኽበት ይገልጽ።
ብዛዕባ ሃለዋታ ከምዝሓለሙ ዝገለጹ ስድራ ቤት ወ/ሮ ኦዊኖ፡ ገና ብዛዕባ መንነታ ይጽበዩ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ፖሊስ ብዛዕባ ድሕነት ደቂ ኣንስትዮ ኬንያ እንታይ ይብል?
ክሳዕ ሕጂ ተረኺቦም ዘሎ ኵሉ ሬሳታት ደቂ ኣንስትዮ’ዩ።
ኣብ መቐበሊ ሬሳ ዝተኣኻኸባ ብኣጻብዕ ዝቑጸራ ዝተመርጻ ደቂ ኣንስትዮ መራሕቲ፡ መንግስቲ መርመራታት ከቀላጥፍን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጸም ዝዀነ ዓይነት ዓመጽ ከብቅዕን ሓቲተን።
እዚ ክስተት፡ ኣብ ጥሪ ኣብ ልዕሊ ጓል 20 ዓመት ሪታ ዋኤኒ ዝተፈጸመ ኣረሜናዊ ቅትለት ኣዘኻኺሩ።
እቲ ዝተቘርጸ ኣካላታ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ኣፓርታማ ዝተረኸበ ኰይኑ እቲ ጉዳይ ገና ፍታሕ ኣይረኸበን።
እቲ ሞት ኣንጻር እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቅትለት ደቂ ኣንስትዮን ካልእ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽን ብደረጃ ሃገር ሰልፊታት ኣበጊሱ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ኬንያ ኣብ መንጐ 2016ን 2023ን ልዕሊ 500 ጉዳያት ቅትለት ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተመዝገበ ኣፍሊጡ።
ፖሊስ ንቕትለት ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽን ንምፍታሕ እንታይ ይገብር ከምዘሎ ሕቶ ዝቐረበላ ወሃቢት ቃል ረሲላ ኦንያንጐ፡ ስራሕ ፖሊስ "ህይወትን ንብረትን ኵሉ ሰብ ንምሕላው" ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጻ።