ፕረዚደንት ኬንያ፡ ህዝባዊ ተቓውሞ ስዒቡ ካቢነኡ በቲኑ

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣተኣታትዩዎ ዝነበረ እማመ ተወሳኺ-ግብሪ ብምቅዋም ዝተልዓለ ኣዕናዊ ህዝባዊ ተቓውሞ ስዒቡ፡ ካቢነኡ ብምብታን ንኹሎም ሚኒስተራትን ዋና ዓቃቢ ሕጊን ኣባሪሩዎም።

እቲ ፕረዚደንት፡ እቲ ስጉምቲ "ድሕሪ ሰፊሕ ምግንዛብ፣ ንኬንያውያን ምድማፅን ድሕሪ ኩለንተናዊ ገምጋም ካቢነን" ከምዝተወስደ ኣብ መግለፂኡ ኣፍሊጡ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ኣሳታፋይ ዝዀነ መንግስቲ ንምቛም ብሰፊሑ ክመኽረሉ ምዃኑ ኣኣንፊቱ ኣሎ።

እንተዀነ፡ እቲ ካቢነ ናይ ምብታን ስጉምቲ፡ ነቲ ብሕጋዊ መንገዲ ክባረር ዘይክእል ምክትል ፕረዚደንትን ነቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ’ውን ዝኾነ ዋና ጸሓፊ ካቢነ ሚኒስተራትን ዝጸሉ ኣይኮነን።

ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ነቲ ዝቐረበ ወሰኽ ግብሪ ክስሕብ’ኳ እንተተገደደ፡ እቲ ተቓውሞ ግን ናብ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝቐርብ ጻውዒታትን ኣንጻር ጭካነ ፖሊስ ዝግለጽ ቁጥዐን ተቐይሩ ኣሎ።

እቲ ኣንጻር-ኣካታዒ እማመ ፋይናንስ ዝካየድ ተቓውሞ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ 39 ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቐትሉ ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።

ብመንግስቲ ዝምወል ሃገራዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ፡ ካብቶም ዝሞቱ ሰልፈኛታት መብዛሕትኦም ኣባላት ባይቶ ነቲ እማመ ንምጽዳቕ ድምጺ ኣብ ዝሃቡሉ እዋን ከምዝተቐትሉ ይገልጽ።

ኣብ ናይሮቢ 17 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብ ካልእ ከባቢታት እታ ሃገር ድማ 22 ሰባት ከምዝሞቱ እቲ ኮምሽን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓምለ 2 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ።

ካብዚ ወጻኢ 361 መጉዳእቲ፡ 32 "ግዱድ ምስዋር" ከምኡ'ውን 627 ማእሰርቲ ከምዘጋጠመ’ውን ይጠቅስ።

ኣቐዲሙ ፖሊስ ቁጽሪ ዝሞቱ 19 ከምዝኾነ ገሊጹ ነይሩ።

ሃገራዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ፡ ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰልፈኛታት "ዘይተመጣጠነ ሓይሊ" ከምዝተጠቐሙ ብምጥቃስ ነቲ ፍጻመ ምኹናኑ ዝዝከር እዩ።

እቲ ቀዲሙ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝርጋሕ ዝጀመረ ዘይዕግበት፡ ናብ ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ዓሪጉ ጐደናታት እታ ሃገር ብናዕቢ ከናውፅ ጀሚሩ ነይሩ።

ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ርእሰ ከተማ-ናይሮቢ፡ ኣዳራሽ እታ ከተማን ህንፃ ሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገርን ብሓዊ ምቅፃሎም ዝዝከር እዩ።