እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኬንያ፡ 10 ጐስጐሰቲ ተቓውሞ ተጨውዮም ተሰዊሮም
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞታት ስዒቡ ዝተጨውዩ ኣንቃሕቲ፡ ብኸቢድ ከምዝተጎድኡን፡ ካብ መንጐኦም እቶም ዓሰርተ ዛጊድ ኣሰሮም ከምዘይተረኽበን ተገሊፁ።
ኣንጻር እቲ ኣካታዓይ ሕጊ ፋይናንስ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ መሪሖም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ኣስታት 35 ሰባት ብፖሊስ ብዝተዋደደ ፍተሻ ከምዝተጨውዩ ፀብፃባት ይሕብሩ።
መብዛሕትኦም ካብቶም ዝተጨውዩ ክፍትሑ እንከለዉ፡ ብዛዕባ 10 ኣንቃሕቲ [ማሕበራዊ ጐስጐስቲ] ክሳብ ሕዚ ሓበሬታ ከምዘይብሎም ማሕበር ሰብ-ሞያ ሕጊ ኬንያ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢሳቕ ምዋራ ግን ነቲ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዝቐረበ ክሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ዕልዋ መንግስቲ ከካይዱ ዝደልዩ ገበነኛታት" ክብል ተኸላኺሉ።
ገለ ካብቶም ተኣሲሮም ዝተፈትሑ ሰልፈኛታት፡ ቴሌፎኖምን ፕቶፕን ከምዝተመንዝዑን ኣብ ጸልማት ክፍሊ ከምዝተሳቐዩን ገሊጾም።
ፕረዚደንት ማሕበር ሰብ-ሞያ ሕጊ ፈይዝ ኦድያምቦ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መብዛሕትኦም ሰብነቶም ይንቅጥጥ ከምዝነበረን፡ ብዛዕባ ዝሓለፍዎ ክዛረቡ ከምዘይደልዩን ገሊፃ።
እቲ ብመንእሰያት ዝምራሕ ተቓውሞ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረ ኮይኑ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ናብ ጎደናታት ርእሰ ከተማ ናይሮቢን ካልኦት ከተማታትን ወጺኦም ነቲ ሓድሽ እማመ ፋይናንስ ተቓዊሞም።
እንተዀነ፡ ብሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ፡ ሰልፈኛታት ናብቲ ህንፃ ሃገራዊ ባይቶ ጥሒሶም ምስ ኣተዉ፡ ሓይልታት ጸጥታ ተኹሲ ብምኽፋቶም፡ ወጥሪ ተጋዲዱ።
ኣብቲ ብሰሉስ ዝተኻየደ ተቓውሞ ብውሕዱ 23 ሰልፈኛታት ከምዝተቐትሉ ማሕበር ሓካይም ሓቢሩ።
ንጽባሒቱ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ብጸቕጢ ተቓውሞ፡ ነቲ ብኣባላት ባይቶ ዝጸደቐ እማመ ክስሕብ ተገዲዱ ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ፕረዚደንት መንግስቲ ጉልበት ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ምጥቃሙ ከብቅዕ ቃል ኣትዩ።
ብረቡዕ ፕረዚደንት ሩቶ ኩሎም እቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ሰባት ከምዝተፈትሑ እኳ እንተገለጸ፡ ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን እዚ ሓቂ ከምዘይኮነ ገሊጾም።
ፈይዝ ኦድያምቦ፡ እቲ ፕረዚደንት ክዛረብ ከሎ 12 ሰልፈኛታት ኣበይ ከምዝኣተዉ ከምዘይፍለጥ ገሊፃ።
"እንተኾነ ግን ድሒሩ ሃለዋት ክልተ ተረኺቡ፡ እቲ ሓደ ዕርቃኑ ወጺኡ ኣብ ሕርሻ ቆጽሊ ሻሂ ተደርብዩ ተረኺቡ" ኢላ።
ፕረዚደንት ማሕበር ጠበቓታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ መብዛሕትኦም እቶም ዝተፈትሑ ኣካላዊ ጉድኣት እንተዘይበፅሖመ’ኳ፡ ኣብ ከቢድ ስነ-ልቦናዊ ወጥሪ ከምዝርከቡ ገሊፁ።
ገለ ካብኣቶም ኣብታ ከተማ ውሕስነት ስለዘይተሰምዖም፡ ካብታ ሃገር ክወጹ ከምዝደልዩን ገሊጾም።
መብዛሕቶም ትሕቲ 30 ዓመት ዝዕድሚኦም ኮይኖም፡ ብዕጡቓት ሓይልታት፡ ካብ ገዝኦም ወይ ካብ ጎደናታት ተጨውዮም ዝተወስዱ እዮም።
መብዛሕትኦም ኣብ ማሕበራዊ መድረኽ ኤክስ፡ ኣንፃር እቲ ሕጊ ግብሪ ብግልጺ ይጉስጉሱ ዝነበሩ እዮም።
እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘእተውዎም ሓይልታት ጸጥታ ኣብቲ ተቓውሞ ተሳትፎኦምን መን ብገንዘብ ይድግፎም ከምዘሎን ሓቲቶምዎም ክብሉ’ውን እቶም ሰልፈኛታት ገሊጾም።
ሓደ ካብቶም ተኣሲም ዝነበሩ ሰልፈኛታት ዝኾነ ጆርጅ ዲያምቦ፡ ኣብ ገጽ ኤክስ ስቓዩ ብምግላጽ፡ ህዝቢ ነቶም ተሰዊሮም ዘለዉ ሰልፈኛታት ክፅልየሎም ሓቲቱ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጃ ፕራዶ ብዝብል ዝፍለጥን ነቶም ዝተጎድኡ ሰልፈኛታት ደም ምልጋስ ዘወሃህድን ዶክተር ኦስቲን ኦሞንዲ ካብቶም ተሰዊሮም ዝነበሩ ሓደ እዩ።
ንሽዱሽተ ሰዓታት ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ እቶም ሓካይም ተቓውሞኦም ምስ ኣስምዑ ተፈቲሑ ክብል ጸሓፊ ማሕበር ሰብ ሞያ ጥዕና ኬንያ ደቪጂ ኣተላህ ን ቢቢሲ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ተኣሲሮም ዝነበሩ ልዕሊ 300 ሰባት ኣፍቲሐ ክብል እንተሎ፡ ላዕለወይቲ ዳኛ እታ ሃገር ማርታ ኮሜይ፡ ምስዋር እቶም ሰልፈኛታት 'ኣብ ልዕሊ ልዕልና ሕጊ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ' ክትብል ኮኒናቶ።