ስነ-ጥበባውያን ኬንያ፡ ንርእሰ ከተማ ናይሮቢ ዝምነይዎ ሓድሽ መልክዕ

ርእሰ ከተማ ኬንያ- ናይሮቢ፡ ኣዝዮም ምዕሩጋት ደኒታትን ሓምለዋይ ከባብን ዝኸበባ ስለ ዝዀነት፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ “ኣብ ጸሓይ እትርከብ ሓምለወይቲ ከተማ” ተባሂላ እያ ትጽዋዕ።

እዚ ግን፡ ነታ ከተማ ካበየናይ ኵርናዕ ኰይንኻ ትጥምታ ኣለኻ ዝብል ይውስኖ።

ካብ ሓደ ካብቶም ምቹኣት መንበሪ ኣባይቲ እታ ከተማ ኰይንና ምስ እንሪኣ፡ እወ ጫካን ሓምለዋይ ከባብን ዝበዝሖ ክፋል እታ ከተማ ንኣዒንቲና ይስዕሮ።

ካብቶም ኣዝዮም ድኻታት እታ ሃገር ዝነብሩሎም ኣዝዮም ዝተጨናነቑ ሻውላት ኰይንና እንሪኦ ምስሊ እታ ከተማ ክኣ ካብዚ ዝተፈለየ እዩ።

ኣብኡ ህይወት ብድኽነትን ከም ውሕጅን ምህማም መሬትን ዝበሉ ሓደጋታት እዮም ብብዝሒ ዝርኣዩ።

ሓደ ‘ካይሮስ ፉቱራ’ ዝተባህለ ጕጅለ ስነ-ጥበባውያን ግን ንገለ ባእታታት ዘይምዕሩይነት እታ ከተማ ወሲዱ ሓድሽ ራእይ ክፈጥር ጻዕሪ ክገብር ጸኒሑ።

እዞም ሸውዓተ ስነ-ጥበባውያን ‘ሃኩና ዩቶፒያ’ ብዝብል ኣብ ዘቕረቡዎ ምርኢት ስነ-ጥበብ፡ ቴማታት ዕንወትን ጽንዓትን ዝድህስሱ - ገሊኦም ብኣዝዩ ረቂቕ መገዲ ዝቐረቡ - መዓልታዊ ሽዱሽተ ሚልዮን ነበርቲ ናይሮቢ ዝጻወርዎ ብድሆታት ንምርኣይ ፈቲኖም።

ሓደ ካብቶም ስነ-ጥበባውያን ዝዀነ ስቶንፌስ ቦምባ፡ ኣብታ ካልኣይ ዝዓበየ ዘይወግዓዊ ሰፈራታት ዝርከበላ ከተማ ማታረ’ዩ ዓብዩ።

ስነ-ጥበባዊ ንምዃን ዓበይቲ ብድሆታት ሰጊሩ።

ነዚ ሞያ ተጠቒሙ ድማ ኣነባብራ ማሕበረሰብ እታ ከተማ ትዅረት ክረኽበሉ ዝኽእል መልእኽቲ ከሕልፍ ይደሊ -መብዛሕትኦም ሽቕለት ኣልቦነት፡ ጸገማት መንበሪ ገዛን ትምህርትን’ዮም።

ቦምባ፡ ነበርቲ “ካብ ኢድ-ናብ ኣፍ ዝዀነ ቁጠባዊ” ኵነታት ተጻዊሮም ከም ዝናበሩ ብምግላጽ ብዛዕባ ኣብ ቀጻሊ መዓልቲ ዝረኽቡዎ መግቢ ርግጸኛታት ከም ዘይኰኑ ይዛረብ።

“ብሓቂ ሰባት ሕርቃን ኣለዎም” ብምባል ብስነ-ጥበብ ኣቢሉ ግን፡ ቁጥዐ እቲ ሕብረተሰብ ናብ እወንታዊ ነገር ክቕየረሉ ዝኽእል መገዲ ምፍጣር ከም ዝክኣል ይኣምን።

ንሱ፡ ሰባት ምስቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ተፈጥሮኣዊ ጸጋ ክራኸቡ ተስፋ ብምግባር እዚ ድማ ነቲ ስነ-ምህዳራዊ ኣፈላላይ ክፈትሕ ይኽእል እዩ ኢሉ ይኣምን።

እቲ ዝገርም ግን፡ እቲ ንሱ ነዚ ጸገማት ክቕይር ይኽእል’ዩ ኢሉ ዝገለጾ ህንጻ፡ መንግስቲ ጽርግያ ንምስፋሕ ኣፍሪሱዎ’ዩ።

ተስፋ እንከይቆረጸ፡ ካብቶም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኵነታት መነባብሮ ዝርከቡ ህጻናት ናብ ኣብ ናይሮቢ ዝርከቡ ሓምለዎት ቦታታት ብምውሳድ ነቶም ከባቢታት ክዕዘቡ ክገብር ጸኒሑ።

“ኣብ ማታረ ኣግራብ ይኹን ሓምላይ ቦታታት የለን” ይብል ቦምባ።

እዚ ክቕየር ይኽእል’ዩ ዝብል ሓሳባዊ ኣስተንትኖት ዘለዎ ቦምባ፡ ማሕበረሰብ ማታረ ንሓምለዋይ ቦታታት ናይሮቢ ብዘይ ገደብ ከስተማቕርሉ ዘኽእል ዕድል እንተዝረኽብ ህይወቱ እንታይ ክመስል ይኽእል ዝብል ምሕሳብ ከም ዝኽእል ይኣምን።

በዚ መንገዲ እዚ ኣብ ማሕበረሰቡ ዘለዉ ሰባት ድኻታት ብምዃኖም ጥራይ ዝተኸልከሉዎ ተፈጥሮ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም ኢሉ።

ቦምባ ብተወሳኺ፡ መብዛሕትኡ ግዜ መነባብሮኦም ንምምሕያሽ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ተራ ነበርቲ ናይሮቢ፡ ናብ ገለ ካብቶም ኣዝዮም ውቁባት ቦታታት እታ ከተማ ዝዀኑ (ከም ኣርቦሬተምን ካሩራን ዝብሃሉ ጫካታት) ንምእታው ብዛዕባ ዝኸፍሉዎ ገንዘብ ቅርታ የቕርብ።

ጋንታ ‘ካይሮስ ፉቱራ’ እውን ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት መሰረት ብምግባር ህጹጽ ጕዳያት ከባቢ ብኸመይ ክፍትሑ ኣለዎም ኣብ ዝብል መፍትሒ ሓሳባት ከተበርክት ጻዕሪ ትገብር።

ንኣብነት ኮልትሬን ማክዶወል፡ ትዅረት ዘይረኸባ ከተማታት ብዝብል ኣብ ዘቕረቦ ስራሕ፡ ስነ ህንጻ ኣብ መጻኢ እንታይ ክመስል ከም ዝኽእል ዘርኢ ሓሳባዊ ስራሕ ኣቕሪቡ።

ካልእ ኣብቲ ምርኢት ዝሳተፈ ስነጥበባዊ፡ ዓብዱል ሮፕ “ነዚ ተምኒት ንምዕዋት፡ ነበርቲ ናይሮቢ ብሓባር ክሰርሑ ኣለዎም ኢሉ።

“ንዕኡ’ዮም መንእሰያት ኣብዚ ሕጂ እዋን ንለውጢ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ” ብምባል መንእሰያት ንሕልሞም ብዘዐንቅፍ ዘሎ ብልሹው ፖለቲካዊ ስርዓት ከም ዝተቘጥዑ ተዛሪቡ።

እቶም ‘ጄን ዚ’ ተባሂሎም ዝጽውዑ መንእሰያት እዛ ሃገር፡ ኣብዚ ዓመት ኣንጻር ሓድሽ ስጕምቲታት ወሰኽ ግብሪ መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞታት ኣብ ቅድሚት ኰይኖም መሪሖምዎ’ዮም።

ነዚ ስዒቡ መንግስቲ እቶም ክወስዶም ሓሲቡዎም ዝነበረ ስጕምቲታት ክስሕብ ክኢሉ።

ሮፕ፡ መንእሰያት ብዛዕባ ሓድሽ ነገር ብምሕሳብ ንመጻኢኦም ዝቃለሱ ፈጠራዊ መገድታት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም ይብል።

ንሱ፡ ንከተማኡ ዝያዳ ተባዕን ማዕረን መጻኢ ይሓስበላ።

“ንመጻኢ እንዋስኣሉ ግዜ ሕጂ’ዩ” ኢሉ።