ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኬንያ፡ ፕረዚደንት ንዘቕረበላ ህያብ 40 ሽሕ ዶላር ስለምንታይ ነጺጋ?

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኬንያ፡ ነቲ ብፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ዝተገብረ ልግሲ ኣስታት 40 ሽሕ ዶላር ነጺጋቶ።

እቲ ገንዘብ ንህንጸት መንበሪ ገዛ ካህናትን ንመዘምራን ዝኸውን ህያብን ተባሂሉ ብሰንበት ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሶዌቶ ኣብ ዝተኻየደ ሰበኻ ጕባኤ እዩ ወግዓዊ ኰይኑ።

መንግስቲ ኣብ መረጻ ዝኣተዎ መብጽዓታት ኣይፈጸመን ኢሎም ዝነቕፉ ጳጳሳት እታ ቤተክርስቲያን ግን ነዚ ገንዘብ ኣይንቕበልን ኢሎም ኣለው።

መንእሰያት ኬንያ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዘካየድዎም ሰልፊታት ተቓውሞ፡ ኣብያተ ክርስቲያናት ምስ ፖለቲከኛታት ቅርበት ኣለወን ብምባል ልዑል ጸቕጢ ክገብሩለን ከም ዝተራእዩ ይዝከር።

ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ብሰንበት ነታ ቤተክርስቲያን ዘወፈዮ ሓገዝ ገንዘብ ስዒቡ ድማ ብዙሓት ኬንያውያን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነቲ ገንዘብ ክትነጽጐ ተማሕጺኖም።

እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብቲ ዕለት ኣስታት 2.6 ሚልዮን ሽልን ኬንያ (20 ሽሕ ዶላር) ብጥረ ገንዘብ ሂቡ፤ እቲ ዝተረፈ ድማ ክስዕብ ምዃኑ ቃል ኣትዩ፤ ብተወሳኺ ኣውቶቡስ ክህቦም ምዃኑ ገሊጹ።

ካቶሊካዊ ሊቀ ጳጳስ ናይሮቢ ፊሊፕ ኣንዮሎ፡ ብሰንኪ “ስነ-ምግባራዊ ስክፍታታትን ቤተክርስትያን ንፖለቲካዊ ዕላማታት ከይትውዕል ምሕላው ኣድላዪ ብምዃኑን” እቲ ጥረ ገንዘብ ክምለስ ምዃኑ ገሊጾም።

ካልኦት መብጽዓታቱ’ውን ብምንጻግ፡ ብኣመሓዳሪ ናይሮቢ ጆንሰን ሳካጃ ዝቐረበ - ኣብ ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ዝተሳተፈ 200 ሽሕ ሽሊን ዝግመት ገንዘብ- ወፈያ’ውን ይምለስ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ሊቀ ጳጳስ ኣንዮሎ፡ “ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምትእኽኻብ ኣመንታን ከም ምትእኽኻብ ገንዘብ ዝበሉ ምንቅስቓሳታን ንፖለቲካዊ ዕላማ ክውዕሉ ከም ዘይተተባብዕ” ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ፡ ከምዚ ዓይነት ወፈያታት ንመምርሒታት ቤተ ክርስቲያን ከምኡ’ውን ንሕጊ ኬንያ ዝጥሕስ እዩ ኢሎም።

80 ሚእታዊት ህዝቢ ኬንያ ተኸታሊ እምነት ክርስትና ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን እቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ መንጐ ኣብያተ ክርስትያናትን ፖለቲካዊ ትካላትን ዝጸንሐ ርክብ ዝላሕለሐ ይመስል።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፡ ገለ ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ፖለቲከኛታት ኣብ እዋን ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ወፈያታት ከይገብሩ ኣጊደን እየን።

እንተዀነ ሕጂ’ውን እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኡ ወገን ዘሎ ዝምድና ጥቡቕ ምዃኑ ይግመት።

ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት መንግስቲ ሓደሽቲ ግብሪታት ከተኣታቱ ኣብ ዝወሰነሉ እዋን ሓያሎ ተቓውሞታት ዝገብሩ ዝነበሩ መንእሰያት ሰልፈኛታት፡ ምስ መንግስቲ ወጊነን ኣብ ልዕሊ ዝበሉወን ኣብያተ ክርስትያናት ልዑል ጸቕጢ ክገብሩ ተራእዮም’ዮም።

እዚ #OccupyChurch ብዝብል ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጐስጓስ ዝካየድ ዝነበረ ተቓውሞ፡ ብዙሓት እተን ኣብያተ ክርስትያናት ኣብቲ ዝተሓሰበ ወሰኽ ግብሪ መንግስቲ ምላሽ ክህባን ኣብ ጐድኒ መንእሰያት ክስለፋን ብዘይምኽኣለን ተነቒፈን።

እቲ ተቓውሞታት መንግስቲ ፕረዚደንት ሩቶ ኣብ ሓምለ ነቲ ኣካታዒ እማመ ወሰኽ ግብሪ ክስሕቦ ኣገዲድዎ።

ድሕሪኡ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ንዅሎም ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝውክል ጕባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኬንያ፡ መንግስቲ “ናይ ሓሶት ባህሊ” የቐጽል ኣሎ ክብል ከሲሱ።

እቲ ጕባኤ ኣብ ዝሃቦ ቍጥዐ ዝመልኦ መግለጺ፡ ልዕሊ ዓቐን ግብሪ፡ ብልሽውና፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ናጽነት ምዝራብ፡ ሽቕለት ኣልቦነት ከምኡ'ውን “ዝፈርስ” ዘሎ ስርዓተ ትምህርትን ኣገልግሎት ጥዕናን ዝምልከት ሕቶታት'ውን ኣልዒሉ።

“ርግኣት’ኳ እንተሃለወና፡ ብዙሕ ሰብ ይጭነቕን ኣብ መንግስቲ እምነት ይስእንን’ዩ ዘሎ” ይብል።

ፕረዚደንት ሩቶ ነዚ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ “ግዳያት ናይቲ ንኻልኦት እንኸስሶ ነገራት ከይንኸውን ጭቡጥ ሓበሬታ ክንህብ ክንጥንቀቕ ኣለና” ኢሉ።

ተሓባባሪ መንግስቲ ዝዀነ ሴናተር ኣሮን ቸሩዮት’ውን፡ ነታ ቤተክርስትያን “ብግጉይ ሓበሬታ” ብምንቃፍ “ካህናት ፕሮፖጋንዳ፡ ናይ ሓሶት ዜናን ሓሶትን ካብ ምቕራብ ክቝጠቡ ኣለዎም” ኢሉ።

መብዛሕትኦም ኬንያውያን ክርስትያን ካቶሊክ ኰይኖም፡ ቍጽሮም 10 ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ይግመት፤ እዚ ድማ ኣስታት 20 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኬንያ ከም ዝዀነ ስታቲስቲክስ መንግስቲ ይሕብር።

ካልኦት ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያናትን ካልኦትንን ይምደቡ።

ሊቀ ጳጳስ ቤተክርስቲያን ፕሮቴስታን ጃክሰን ኦለ ሳፒት ነቲ ብካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዝወጽአ መግለጺ ብምድጋፍ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ስምዒት ብዙሓት ኬንያውያን ዘንጸባርቑ ምዃኖም ገሊጾም።

“ንመራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ኣስማት ምሃብ ወይ ንመግለጺ ጳጳሳት 'መደናገሪ፡ ጌጋን ሓሶትን' ኢልካ ምንጻግ ንባዕሉ ቅንዕና የብሉን። እቶም [ካቶሊካውያን] ጳጳሳት ኬንያውያን ዝሓስቡዎ ተዛሪቦምን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ድማ ገሊጾም እዮም”።