'ፍርቂ መሓዙተይ ተቐቲለን እየን' - ማናቱ ኣሕዋት ሱዳናውያን ክንዮ በሰላ ኲናት የማዕዱዋ

ማናቱ ኣሕዋት

ንደቂ 18 ዓመት ማናቱ ማካረምን ኢክራምን ቤት ትምህርተን ኣብ መንጎ ኲናት ምእታዋ ንቡር ተርእዮ እዩ ነይሩ።

ግዳም ካብ ቤት-ትምህረተን "ፍሉይ ድምጺ" ክስማዕ እንከሎ፡ ማክረም እንግሊዝኛ፡ ኢክራም ድማ ስነፍልጠት ይመሃራ ነይረን። ብድሕሪኡ ደብዳብ ጀሚሩ።

ማካረም መንኵባ ተሃርመት፣ መማህርታ ኣእወያ። ድሕሪ እቲ ዝነበረ ተዅሲ፡ ደብዳብ ከይስዕብ ኣብ መሬት በጥ ክብላ ተገደዳን ዝኽወላሉ ኣናደያን።

"ብድሕሪ መንደቕ ተሓቢእና፣ ኣብ ቅድመይ ደው ኢላ ዝነበረት ሓንቲ ጓል ኢዳ ኣብ መንኵበይ ብምንባር 'ኣብ መንኵብኪ ትደምዪ ኣለኪ' ኢላትኒ።"

ኣብቲ ኣናዋጺ ኵነታት፡ እተን ኣብ በበይኑ ክፍሊታት ዝጸንሓ ኣሕዋት ክራኸባ እኳ እንተ ፈተና ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ደብዳብ ግን ኣይከኣላን።

ኢክራም፡ ሓፍታ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስደት ስለ ዘይፈለጠን ትደልያ ነይራ።

ማካረም ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ኣብ ከተማ ኤል-ኦበይድ ስለ ዘይነበረ፡ ብነበረቲ ናይታ ከተማ እያ ናብ ሕክምና ተወሲዳ።

ዝተጐድአ ሰብ ናብ ሆስፒታል ንምውሳድ ናይ ግሊ መኪና ወይ ብእንስሳ ዝጕተት ዓረብያ እዮም ዝጥቀሙ ዘለዉ።

ኣብ መወዳእታ ንኢክራም፡ መምህራና ኰነ መማህርታ ምድላይ ንሓብታ ኣቋሪጻ ናብ ገዛኣ ክትከይድ ደፋፍኣኣ።

ስድራ ኣብ ሻቕሎት ወዲቘም ነበሩ፣ ማካረም ካብ ሆስፒታል ናብ ገዛኣ ምስ ተመልሰት እዮም ብህይወት ምህላዋ ዝፈለጡ።

"ኣብ ኣፍደገ ገዛና ኰይነ እየ ዝጽበያ ነይረ። ክትመጽእ ምስ ርኣኹዋ ኵላትና ነቢዕና፡" ትብል ኢክራም።

ኣብ ነሓሰ 2024 ኣብ ግዝኣት ሰሜን ኮርዶፋን ኣብ እትርከብ ከተማ ኤል-ኦበይድ ኣብ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ደቀንስትዮ ኣቡ ሲታ ብዝተፈጸመ ደብዳብ፡ መምህር ቋንቋ እንግሊዝ ምስ 13 ተመሃሮ መይተን።

ካልኦት ዓሰርተታት ድማ ቈሲለን። እታ ቤት ትምህርቲ ኣስታት 300 ተመሃሮ ነይረንኣ።

ሰበስልጣን ናይቲ ዞባ፡ እቲ ምስ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ውግእ ሓድሕድ ዝርከብ ዳዕመ-ሰሪዕ ነቲ ደብዳብ ከም ዘካየዶ ይኸሱ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ብዛዕባ ዝቐረበሉ ክሲ ኮነ ቢቢሲ ንዘቕረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።

እቲ ኣብታ ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ ደብዳብ ብደይመደይ ድዩ ተፈጺሙ ወይስ ኣይኰነን ዛጊት ኣይተፈልጠን።

ማካረም፡ ፍርቂ ካብተን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝነበራ መሓዙታ ክሞታ እንከለዋ፡ እተን ካልኦት ፍርቂ ድማ ከም ዝቘሰላ ትዛረብ።

ኣብ ርእሲ ኣብ መንኵባ፡ ኣብ ርእሳ'ውን መጕዳእቲ እኳ እንተ ነበራ፡ መባእታዊ ሕክምና ድሕሪ ምርካብ ግን ካብ ሆስፒታል ናብ ገዛኣ ተፋንያ።

እንተዀነ፡ ድሕሪ ሓያሎ መዓልታት ከቢድ ሕማም ርእሲ ስለ ዝተሰምዓ ሲቲ ስካን ተገቢሩላ፣ ኣብ ርእሳ ንእሽቶ ስኳጆ ተረኺቡ።

"ብርቱዕ ቃንዛ ስለ ዝነበረኒ፡ ብዙሕ ፈውሲ ቃንዛ ክወስድ ተገዲደ፡" ትብል።

"ናብ ትምህርቲ እናኸድኩ ኣዕይንተይ ይዕምቶ ነይረ"

 ደብዳብ ንማክረም ኣብ ርእሳ ምስ ዝኣተወ ስኴጆ ክትነብር ኣገዲዱዋ
መግለጺ ስእሊ, እቲ ደብዳብ ንማክረም ኣብ ርእሳ ምስ ዝኣተወ ስኴጆ ክትነብር ኣገዲዱዋ

ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ኣብ ሚያዝያ 2023 ዝጀመረ ኰይኑ፡ ሞት ልዕሊ 150,000 ሰባትን ምምዝባል ሚልዮናትን ኣስዒቡ'ሎ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ሱዳን ዝበኣሰ ሰብኣዊ ቅልውላው ተሕልፍ ከም ዘላ ይገልጽ።

ካብቶም ኣብ ሱዳን ዝተረፉ 17 ሚልዮን ናብ ዕድመ ትምህርቲ ዝኣኸሉ ቈልዑ፡ እቶም 13 ሚልዮን ዝግመቱ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ከም ዘይቀረቡ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

ቤት ትምህርቲ ኣቡ ሲታ ድሕሪ እቲ ዝወረዳ ዕንወት፡ ትምህርቲ ንሰለስተ ወርሒ ተዓጽዩ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ጽገና ተገይሩላ።

ማካረምን ኢክራምን ኣብ ፈለማ ናብቲ መሓዙተንን መምህራነንን ዝተቐትላሉ ቦታ ክምለሳ ድላይ ኣይነበረንን።

ኢክራም፡ "መሓዙተይ ነገራት ናብ ጽቡቕ ከም ዝተመልሰ ምስ ነገራኒ እየ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ክምለስ ዝወሰንኩ፡" ትብል።

ይዅን'ምበር፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ምምላስ ሕማቕ ዝኽሪ እዩ ናብ ኣእምሮኣ ኣምጺኡላ።

"ናብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝኸድክሉ እዋን፡ ናብቲ ደብዳብ ዝተኻየደሉ ቦታ ከይጥምት ኣዕይንተይ ይዕምቶ ነይረ፡" ትብል ኢክራም።

ብርክት ዝበሉ ተምሃሮ ምስ ተመልሱ፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ስነ-ኣእምሮኣዊ ደገፍ ከም ዝተገብረሎም ርእሰ-መምህር ኢማን ኣሕመድ ትዛረብ።

መጕዳእቲ ዘጓነፈን ተምሃሮ ከይጽገማ ተባሂሉ ዓራትን ነርሳትን ተገይርለን ፈተናታተን ከካይዳ ተገይሩ።

ኤል-ኦበይድ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ድሮናት እኳ እንተ ተኻየደላ፡ ቢቢሲ ኣብ ታሕሳስ ናብቲ ቦታ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ተምሃሮ ናይታ ቤት ትምህርቲ ኣብ መረባኦም ይጻወቱን ይስሕቑን ነይሮም።

ኣብያተ ትምህርቲ ናብ መዕቈቢ ቦታታት ተቐዪረን

ኣብያተ ትምህርቲ ናብ መዕቈቢ ተመዛበልቲ ክቕየር ኣገዲዱ ይርከብ
መግለጺ ስእሊ, ኣብያተ ትምህርቲ ናብ መዕቈቢ ተመዛበልቲ ክቕየር ኣገዲዱ ይርከብ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ኤል-ኦበይድ ኰይኖም ክመሃሩ ዝፍትኑ ዘለዉ ቈልዑ፡ ኵነታቶም በዳሂ ኰይኑ እዩ ዝቕጽል ዘሎ።

እታ ከተማ ኣብ ለካቲት 2025 ሰራዊት ሱዳን ዳግማይ ክሳዕ ዝቈጻጸራ ንልዕሊ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ከበባ ዳዕመ-ሰሪዕ እያ ነይራ።

ኣብዚ ግዜ'ዚ ብተዛማዲ ህድኣት ዓሲሉዋ፡ ኣብኣ ዝርከባ ብዓሰርተታት ዝቝጸራ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ኲናት ንዝሃደሙ ሰባት መዕቈቢ ተቐዪረን ኣለዋ።

ኮምሽነር ሰብኣዊ ረድኢት ናይታ ግዝኣት ከም ዝገለጾ፡ ኤል-ኦበይድ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ተመዛበልቲ ኣአንጊዳ ትርከብ።

ተመሃሪት ኢብቲሳም ዓሊ፡ እቲ ቀጽሪ ብተመዛበልቲ ስለ ዝመልአ ክሳዕ መወዳእታ መዓልቲ ናይ ትምህርቲ ካብ ክፍላ ክትወጽእ ከም ዘይከኣለት ትዛረብ።

"ናብ ዓይኒ-ምድሪ ምኻድ እውን ከይተረፈ ጸገም ኰይኑና ኣሎ፡" ትብል።

ሕጂ 19 ዓመት ዝዕድመአን ማካረምን ኢክራምን ዋላ'ኳ ኲናትን በሰላኡን እንተ ሃለወ፡ ብዛዕባ መጻኢአን ትስፉዋት እየን።

ኢክራም ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ዛዚማ ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣብ ኤል-ኦበይድ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ እንግሊዝኛ ትመሃር ኣላ።

በታ ኣብ ደብዳብ ዝተቐትለት ናይ እንግልዝኛ መምህራ ፋትያ ኸሊል ኢብራሂም ተነቓቒሓ እያ ኣሰራ ክትስዕብ ዝወሰነት።

ሞት መሓዙታ ትምህርታ ክትዛዝም ዝያዳ ንያት ከም ዝፈጠረላ ድማ ትዛረብ።

ማካረም ብወገና፡ ከምቶም ንመጕዳእታ ዝሓከሙዋ ዶክተር ክትከውን ትደሊ፣ ናብ ዩኒቨርሲቲ ሕክምና ዘእቱ ነጥቢ ግን ኣይረኸበትን።

ማካረም እቲ ኣብ ርእሳ ዘሎ ስኴጆ ብመብጣሕቲ ክእለ ስለ ዘይክእል፡ ኣብ ፈለማ ከተጽንዕ ከም ዘጸገማ ትዛረብ።

ዳግማይ ፈተና ምእንቲ ክትወስድ፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ክፍሊ ክትደግሞ ወሲና ኣላ። ነቲ መሕለፊ ዘድልያ ነጥቢ ክትረክብ ድማ ምሉእ ተስፋ ኣለዋ።