ሓይሊ ኣየር ሱዳን ኣብ ዕዳጋታትን ኣብያተ ትምህርትን ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ዘስዓቦ ክሳራታት

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ሓይሊ ኣየር ሱዳን ኣብ ልዕሊ መንበሪ ከባቢታት፣ ዕዳጋታት፣ ኣብያተ ትምህርትን መዓስከራት ተመዛበልትን ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 1700 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝሞቱ፡ ኣብ ኲናት ሓድሕድ እታ ሃገር ኣብ ዝተፈጸሙ ደብዳብ ነፈርቲ ዝተገብረ መርመራ ኣመልኪቱ።
ፕሮጀክት መሰኻኽር ሱዳን፡ ኣብቲ ኣብ ሚያዝያ 2023 ዝጀመረ ግጭት ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብዝምልከት ዝዓበየ መረዳእታ ከም ዝኣከበ ይገልጽ።
ትንታነ እዚ ትካል ከም ዘመልክቶ፡ ሓይሊ ኣየር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢታት መጥቃዕቲ ቦምባታት ተጠቒሙ።
እቲ ዳታ ኣብ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ውግእ ዘተኰረ ኰይኑ፡ እዚኦም ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳን (SAF) ጥራይ ከንቀሳቕሱዎም ዝኽእሉ'ዮም።
መራጽምቲ ሰራዊት ሱዳን ዝዀነ ዕጡቕ ዳዕመ ሰሪዕ (RSF) ነፈርቲ የብሉን። ኣርኤስኤፍ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተጠቒሙ መጥቃዕቲ ዝፍጽም'ኳ እንተዀነ፡ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝበጽሐ ክሳራ ግን ኣብጺ መጽናዕቲ ኣይተኻተተን።
እቲ ጕጅለ፡ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ሱዳን ዓሌታዊ ህልቂት ብምፍጻም፡ ኣመሪካ ብምጽናት ዓለም ትኸሶ።
"ኣርኤስኤፍ ንብዙሕ ዕንወትን ጥሕሰታትን ተሓተቲ'ዩ፤ ሳፍ'ዉን ግን ብተግባራቶም' ክሕተቱ ዝግባእ ይመስለኒ፡" ይብል ነቲ ፕሮጀክት ዝመርሐ ማርክ ስኖክ።
እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ብዘይ ኣፈላላይ መጥቃዕቲ ቦምባታት ብምፍጻም ተኸሲሱ፡ ዓለምለኻዊ ነቐፌታ እውን ኣጋጢምዎ ኣሎ።
ሰራዊት ሱዳን፡ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።
ቅድሚ ሕጂ ግን ንሲቪላት ዒላማ ገይሩ ዝብል ክሲ ብምንገግ፡ መጥቃዕቲ ነፈርቲ "ብቐጥታ ናብ ምትእኽኻባት ኣርኤስኤፍ፡ ቦታታትን ከም ሕጋዊ ወተሃደራዊ ዒላማታት ተፈላጥነት ዘለዎም ቦታታትን መደበራትን ጥራይ ዝቐንዐ'ዩ፡" ኢሉ ነይሩ።
ሱዳን ዊትነስ፡ ሴንተር ፎር ኢንፎርሜሽን ረዚስታንስ (CIR) ዝተባህለ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ጕጅለ ዝመርሖ ኰይኑ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምቅላዕ ይሰርሕ። ነዚ ፕሮጀክት ድማ ካብ ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ እንግሊዝ ምወላ ረኺቡ።
ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ናብ ቢቢሲ ዝተላእኸ ቅዳሕ እቲ ጸብጻብ፡ ሱዳን ዊትነስ ካብ ሚያዝያ 2023 ክሳብ ሓምለ 2025 ዝተኻየደ 384 መጥቃዕቲ ነፈርቲ ተንቲኑ።
በዚ መሰረት፡ ልዕሊ 1700 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝሞቱን 1120 ከም ዝቘሰሉን ተገሊጹ። ይኹን'ምበር እቲ ኣሃዝ ካብዚ ንላዕሊ ክኸዉን ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ።
መንበሪ ኣባይቲ ዝምልከት 135 ጉዳያት ከም ዝነበሩን፡ ኣብ ኣባይትን ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጽን ዕንወት ከም ዘስዓበ ከም ዝተረጋገጸ ሓቢሩ።
ኣብ 35 ኣጋጣሚታት እቶም ቦምባታት ኣብ ዕዳጋታትን ንግዳዊ ትካላትን ሃሪሞም፤ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብሰባት ኣብ ዝተጨናነቑሉ እዋን እዩ።
ከምኡ'ውን 19 መጥቃዕቲታት ኣብ ከም ትካላት ጥዕና፡ ተመዛበልቲ ዝነብሩሉ ቦታታትን ኣብያተ ትምህርትን ዝኣመሰሉ ቦታታት ንዝተቓልዑ ጕጅለታት ጸልዮም።
ሱዳን ዊትነስ፡ እቲ ውጽኢት ንጠቕላላ ኣሃዝ መጥቃዕቲታት ነፈርቲ ዘይኰነስ ክበጽሖ ንዝኽኣለ መረዳእታ ጥራጥ ዘንጸባርቕ ብምዃኑ፡ መጽናዕቱ ምሉእ ከም ዘይኰነ ጠቒሱ።
ብሰንኪ ድኹም ቴሌኮሙኒኬሽንን ተኣማንነት ዘለዎም ምንጭታት ንምልላይ ዘጋጥም ጸገምን ካብቲ ግጭት ዝካየደሉ ዘሎ ዞባታት ሓበሬታ ምርካብ ኣጸጋሚ ምዃኑን፡ ኣብ ወተሃደራዊ ዒላማታት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ድማ ትሑት ጸብጻብ ክህሉ ከም ዝኽእልን ይገልጽ።
"ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳን ኣብ ዝተወሰነ እዋን፡ ኣብ ዝተወሰነ ቦታ መጥቃዕቲ ኣየር ፈጺሙ'ዩ ንክንብል፡ ብውሑድ ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን ኣብቲ ተግባር ከም ዝተሳተፈ ከረጋገጽ ዝኽእል ተንቀሳቓሲ ምስሊ ክህሉ ኣለዎ፡" ይብል ሚስተር ስኖክ።
"እዚ ድማ ኣዝዩ ልዑል ድርኺት ምዀነ፡ ምኽንያቱ ከምኡ ዝኣመሰለ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ሱዳን ሳሕቲ ዝርከብ'ዩ። ስለዚ ዝገበርናዮ ነገር እንተሃልዩ፡ እቲ ዝዓበየ ስእሊ ምስሊ ክህብ ይኽእል'ዩ ዝበልናዮ ኣማኢት መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኢና ምትንታን'ዩ።"
እቶም ቀንዲ፡ ኣብ መንበሪ ከባቢታትን ዕዳጋታትን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ምፍጻም፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኣገደስቲ ሰብኣውን ሕክምናውን ትካላት ዝተፈጸሙ ዝበዝሑ መጥቃዕቲታት ምዃኖም'ዉን ገሊጹ።
"እዚኦም፡ ሳፍ ንሲቪላዊ ግዳያት ንምክልኻል እኹል ስራሕ ከም ዘይሰርሕ ዘመላኽት ይመስለኒ፡" ኢሉ።
ናብ ሱዳን ዝግበር ቀረብ ኣጽዋር ዝከታተል 'ኮንፍሊክት ኢንሳይትስ ግሩፕ' ዳይረክተር ጃስቲን ሊንች፡ ሱዳናውያን ሲቪላት ጾር ናይቲ ኣብ መንጐ ሰራዊትን ኣርኤስኤፍን ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ይሽከሙ ከም ዘለዉ ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ግጭት ሱዳን ብሓቂ ኣንጻር ሰላማውያን ሰባት ዝካየድ ዘሎ ኲናት'ዩ፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ሓይሊ ኣየርን ካልእ ከበድቲ ኣጽዋርን ካብ ወተሃደራዊ ንላዕሊ ንሲቪላዊ ቦታታት ብዘይመጠን ዒላማ ይገብር።"
ሱዳን ዊትነስ ብህዝቢ ዝቐርብ ዲጂታላዊ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር፡ ደረጃ ደብዳብ ነፈተቲ ዝገልጽ ተኣማንነት ዘለዎ ጸብጻብ ከዳሉ ክኢሉ እዩ።
ንተኣማንነት ናይቲ ምንጪ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝተለጠፉ ቪድዮታት ኣቢልካ ነቲ ቦታ ናይ ምትንታን ዓቕሚ፡ ከምኡ'ውን ምስልታት ሳተላይት ምግምጋም ዝበሉ ኣገባባት ተኸቲሉ።
ገለ ካብቶም ብሱዳን ዊትነስ ዝተመርመሩ ፍጻመታት ኣብ ጸብጻባት ጥራይ ዝተመርኰሱ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ዝተረጋገጸ መርትዖ ክረኽበሉ ዝኸኣለ ድማ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ብትሑት ክሳብ ማእከላይ ደረጃ ርግጸኛነት ኣረጋጊጹ።
ሱዳን ዊትነስ ኣብ ሰሜን ዳርፉር ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ኣብ ዘዕቈበ መዓስከር ዛምዛም ዘይተፈንጀረ ብኣየር ዝተደርበየ ቦምባ ዘለዎ ጕድጓድ ዘርኢ ብዙሕ ቪድዮታትን ምስልታትን ኣረጋጊጹ።
እዚ፡ ምስቲ ብወተሃደራዊ ኢንዱስትሪ ኮርፖሬሽን ዝተባህለ ሱዳናዊ ኣፍራዪ ኣጽዋር ዝፈረየ SH-250 ዘይተመርሐ ተተኳሲ ዝሰማማዕ ይመስል።
"እዚ ሕጂ'ውን ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ዘጨንቑ ርኽበታት'ዩ" ይብል ሚስተር ስኖክ።
"እዚ ከባቢ ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣርኤስኤፍ'ውን ኣይነበረን። እቲ ድሕሪ'ቲ ኣድማ ዝነበረ መጐት ድማ ክሳብ ሕጂ የግርመለይ ኣሎ።"
ኣብ ካልእ መጥቃዕቲ ሱዳን ዊትነስ ነቲ ዝተሃርመ ህሞት ዝቐረጸ ሳሕቲ ዝረአ ቪድዮ ኣረጋጊጹ፤ ሰላማውያን ሰባት ክሽፍኑ ከለዉ፡ ድምጺ ነፋሪት ስዒቡ ብዙሕ ፍንጀራታት ከም ዝተፈጸመ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ክልል ሰሜን ኮርዶፋን ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ ሓምራት ኣል ሸኽ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባታት ብውሕዱ 30 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 100 ድማ ቈሲሎም።
ብዙሓት ካብቶም ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን ዝፈጸሞም መጥቃዕትታት ኣየር ኣብታ ዕጡቕ ጕጅለ ዳዕመ ሰሪዕ ዝቈጻጸራ ዳርፉር ዝተፈጸሙ እዮም።
እዚኦም፡ ኣብ ነሓሰ 2024 ኣብ ኤል-ዳይን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝርከቦም ኰይኖም፡ እታ ዝበዝሑ ሓይልታት ኣርኤስኤፍ ዝርከቡላ ታሪኻዊት ርእሰ ከተማ ህዝቢ ሪዘይጋት እያ።

ምንጪ ስእሊ, Facebook
ውድብ ጥዕና ዓለምን ትካል ግብረ ሰናይ ህጻናት ዩኒሴፍን ሕቡራት ሃገራትን፡ ሰለስተ ህጻናትን ሓደ ሰራሕተኛ ክንክን ጥዕናን ዝርከብዎም 16 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ጸብጺቦም።
ምስ ሰራዊት ዝምድና ዘለዎም ዓመጽቲ ጕጅለ ከይተረፈ ነዚ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ይኽሰሱ።
ሱዳን ትሪቡን፡ ንወሃቢ ቃል ምንቅስቓስ ፍትሕን ማዕርነትን ብምጥቃስ፡ ዜጋታት በቲ ኣብ ሆስፒታላትን ኣባይትን ዒላማ ዝገበረ ኣፈላላይ ዘይብሉ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከም ዝተገረሙ ገሊጹ።
ኣብ ግዝኣት ደቡብ ዳርፉር እትርከብ ከተማ ንያላ ብተደጋጋሚ ዒላማ ኰይና ኣላ።
መዓርፎ ነፈርታ፡ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝቐርብ ዝተራቐቓ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሓዊሱ፡ ቀንዲ መእተዊ ኣጽዋር ኣርኤስኤፍ ምዃኑ ይንገር።
ኣቡዳቢ ነቲ ጕጅለ ትድግፍ ከም ዘላ ዘርኢ መርትዖታት ትነጽጐ።
ሰራዊት ሱዳን ድማ፡ ኣብታ ከተማ ንዝርከብ ወተሃደራዊ ቀረብ ዒላማ ከም ዝገበረ ይገልጽ።
ግን፡ ብመሰረት ጸብጻብ ሱዳን ዋር ሞኒተር ዝተባህለ ነቲ ግጭት ዝከታተል ጕጅለ ተመራመርቲ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽዑቕ ኩነታት ዒላምኡ ክስሕት ከም ዝኽእል ይገልጽ።
ሱዳን ዊትነስ ኣብዚ ዓመት ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ማእከል ከተማ ዝተፈጸመ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ተንቲኑ። ሂዩማን ራይትስ ዎች'ዉን ነዚ ሰደዱዎ'ዩ።
ኣብ ከባቢ ሆስፒታል ዓይኒ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ከባቢታትን ቤት ብልዕን ብምህራሙ ብውሕዱ 63 ሰባት ሞይቶም።
እቲ ጕጅለ፡ እቲ ኣብ ጽዑቕ ዕዳጋታትን ንግዳዊ ማእከላትን ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲታት፡ ንሰላማውያን ሰባት ዝቐትል ጥራይ ዘይኰነ፡ ቁጠባዊ ምርግጋእ ዝዘርግን ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጋድድን ምዃኑ ይገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ሰሜን ዳርፉር ንዕዳጋ ኣል-ኩማ ብዘዕነወ ቦምባ ብውሕዱ 65 ሰባት ከምዝ ሞቱን 200 ድማ ከም ዝቖሰሉን ተገሊጹ።
ሱዳን ዊትነስ ናይቲ ዝዓነወ ዕዳጋ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣረጋጊጹ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ከባቢ ዝርአ በሰላታት ቓጸሎ ዘርኢ ምስሊ ሳተላይት'ዉን ገምጊሙ።
ኣል-ኩማ ካብ ኤል-ፋሸር ንሰሜናዊ ምብራቕ ኣስታት 80 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ኰይና፡ ክሳብ ቀረባ እዋን ትኹረት እቲ ጽዑቕ ውግእ ነይራ።
"ሰራዊት ሓንቲ ሃገር፡ ሓይሊ ኣየር ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ ሰባት ቦምባ ምድርባይ፡ ነታ ሃገር ንምሕላው እየ ዝገብሮ ዘለኹ ብምባል ከመኽንዮ ኣይኽእልን፡" ክብል ሓደ በዓል ስልጣን ናይቲ ከባቢ ንሱዳናዊ ፈነወ ዳባንጋ ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።
ካልእ ናይቲ ከባቢ ምንጪ ከም ዝሓበሮ፡ እታ ከተማ ካብ መጀመርታ ኲናት ኣትሒዛ ልዕሊ 30 ደብዳብ ነፈርቲ ከም ዘጋጠማ ሓቢሩ።
"እዚ መርትዖ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ንዕዳጋታትን ካልኦት ሲቪላዊ ከባቢታትን ዝሃረመ፡ ንደሕንነት ንጹሃት ሱዳናውያን ሲቪላት ንጹርን ዘይቅቡልን ሸለልትነት ዘርኢ'ዩ፡" ክብል ሓደ በዓል ስልጣን ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ገሊጹ።
"ኣብ ዝዀነ ወገን ናይቲ ግጭት ይሃልዉ፡ ፈጸምቲ ናይዚ ጽዩፍ ገበናት ክሕተቱ ኣለዎም።"
ፕሮጀክት መሰኻኽር ሱዳን ድሕሪ ሓምለ 2025 ኣብ ዘሎ ግዜ ንዝፍጸም ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ ክከታተል ጀሚሩ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ግን ብኽልቲኡ ወገናን ናብ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝግበር ምዝንባል ከም ዝተራእየ ይገልጽ።
እቲ ኣዕናዊ ዑደት ውግእ ኣየር ሓሓሊፉ፡ ነቲ ካልእ ወገን ዝድግፉ ኰይኖም ንዝርኣዩ ጕጅለታት ዒላማ ከም ዝገብር ዝገልጽ ሱዳን ዋር ሞኒተር፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ኣልኩማ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሰራዊት ሱዳን ዝተፈጸመ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ብምጉላሕ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ገዛ ሓደ መራሒ ሃይማኖት ናይቲ ከባቢ ኣብ ዝተኻየደ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ከም ዝሃረመ ይገልጽ።
ኣል-ኩማ ዝበዝሑ ዚያድያ ዝተባህሉ፡ ሓደ ካብቶም ማሕበራውን ዓሌታውን ዓንዲ ሕቖ ኣርኤስኤፍ ዝዀኑ ዓረብ ኣርባሕቲ እንስሳ ዝነብርሉ ከባቢ እዩ።
ኣብቲ ሰሙን ኣርኤስኤፍ፡ ኣብ ልዕሊ ኤል-ፋሸር ብሰብ ኣልቦ ነፈርትን መዳፍዕን መጥቃዕቲ ብምክያድ ንሓደ ሃይማኖታዊ ማእከል ተመዛበልቲ ብምውቃዕ ብውሕዱ 60 ሲቪላት ከም ዝቐተሉ ይንገር።
ኤል-ፋሸር ብከም በዓል ዛጋዋ ዝኣመሰሉ ዓረብ ዘይኰኑ ጉጅለታት ዝዕብለል ኰይኑ፡ ዕጡቓት ኣርኤስኤፍ ምስቶም ነታ ከተማ ዝከላኸሉ ዕጡቓት ጕጅለታት ዛጋዋ ዝተኣሳሰሩ እዮም።
"ክልቲኦም ወገናት፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሓይሊ ኣየርን ብቐንዱ ንወተሃደራዊ ቦታታት ዒላማ ንምግባር ኣይጥቀሙን እዮም - ወይ ኣፈላላይ ዘይብሎም ወይ ድማ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓድሕዶም ንዘለዉ ሲቪላዊ ህዝቢ ንምርዓድ'ዮም ዝውዕሉ ዘለው፡ እዚ ድማ ገበናት ኲናት'ዩ፡" ይብል ሚስተር ሊንች ካብ ኮንፍሊክት ኢንሳይትስ ግሩፕ።
ሰራዊት ሱዳን፡ ኣርኤስኤፍ ኣብ ውሽጢ መንበሪ ከባቢታት ዕቝባ ከም ዝደሊን፡ ምክልኻል ሲቪላትን ንብረቶምን ሓዊሱ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕግታትን ሕግታት ጽምዶን ብጥብቂ ይኽተል ከም ዘሎ ይገልጽ።
ኣብ ኲናት ሱዳን ክልቲኦም ወገናት ብገበን ኲናት ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም።
ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኣርኤስኤፍን መሻርኽቱ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን-ሰሜንን ኣብ ደቡብ ኮርዶፋን ከተማ ካሎጊ ኣብ ዝርከብ መዋእለ ህጻናትን ሆስፒታልን ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተኸሲሱ።
ውድብ ጥዕና ዓለም 63 ህጻናት ዝርከብዎም 114 ሰባት ከም ዝሞቱ ኣፍሊጡ።
ሚስተር ሊንች፡ ሰላማውያን ሰባት ይሳቐዩ ኣለዉ ጥራይ ዘይኰነ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ኲናት ኣየር ወተሃደራዊ ዓወት ኣይረኽቡን ዘለው ይብል።
"ሰራዊት ሱዳን ካርቱም ንምሓዝ ስርሒታት ኣየር ተጠቒሙ፤ ግን ደብዳብ ነፈርቲ ምጥቃሞም ብዙሕ ሲቪላዊ ሞት ኣስዒቡ'ዩ፡ ብዙሕ ወተሃደራዊ ዓወት ድማ ኣይረኸበን፡" ኢሉ።
"ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ኣርኤስኤፍ ብኢማራት ዓረብ ዝድገፉ ናይ ወጻኢ ዕሱባት ተጠቒሙ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ይጥቀም፤ ብዘይካ ውሑዳት ግን ብጭቡጥ ውጽኢት ኣይረኸበን።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







