ኣብ ገማግም ባሕሪ በርንማውዝ ድሕሪ ዘጋጠመ ሞት ጀላቡ ደው ኢለን

ሱና ካንን ጆ ኣበስን ክልቲኦም ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ሆስፒታል ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, FAMILY PHOTOS

ኣብ ወደብ በርንማውዝ፡ መንእሰያት ጓልን ወድን ድሕሪ ምማቶም፡ "ጥንቃቐ ንምውሳድ" ኵሉ ስርሓት ጀላቡ ደው ኢሉ።

ወዲ 17 ዓመት ጆ ኣቤስ ካብ ሳውዝሃምፕተንን ጓል 12 ዓመት ሱና ካንን ካብ ባኪንግሃምሻየርን ኰይኖም፡ ክልቲኦም ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ድሕሪ ዘጋጠመ ፍጻመ እዮም ኣብ ሆስፒታል ሞይቶም።

እቲ መርመራ፡ እቶም ክልተ ንኽጥሕሉ ዝደረኾም "ሓሳብ" እኳ እንተሰምዐ፡ እገዳ ጀላቡ ግን፡ ውጽኢት መርመራ ፖሊስ ክሳብ ዝመጽእ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።

ፖሊስ ዶርሰት ንጠንቁ ብዝምልከት፡ ነቲ እቶም ጽምዲ ዘሊሎም እዮም ጥሒሎም ዝብል ጽንጽንታት ብምውንዛፍ ፣ንጽልዋ ኩነታት ኣየርን ኩነታት ማይን ሓዊሱ ንዅሉ ጠንቅታት ይሓስበሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቲ 10 ሓምበስቲ ዝተሳተፍሉ ፍጻመ እቲ ገማግም ብሰባት መሊኡ ኣብ ዝነበረሉ ናይ ዕረፍቲ እዋን እዩ ኣጋጢሙ።

ድሕሪኡ ብቕጽበት እታ ዶርሰት ቤል እትበሃል ናይ ዑደት ጃልባ ብፖሊስ ተታሒዛ።

ወሲኹ ካብቶም ሓምበስቲ ኣብቲ ባሕሪ ዝዀነ ምግጫው ዝጋጠሞ ሓደ'ኳ ከምዘየለ ገሊጹ።

ቦርንማውዝ፡ ክራይስትቸርችን ፑል ካውንስልን፡ ኣቐዲሙ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ፖሊስ መርመራ እናቐጸለ እንከሎ፡ ኵሉ ስርሒታት ጀላቡ ኣብቲ ወደብ ግን "ንምጥንቃቕ ዝኣክል" ደው ከምዝብል ገሊጹ።

ሓደ ወሃቢ ቃል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "እቲ መርመራ ዝተሓላለኸ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡ እቲ መርመራ ምስተዛዘመ ድማ ምስ ፖሊስ ዶርሰት ክንመኻኸር ኢና" ኢሉ።

ኣብቲ እዋን ኣብቲ ማያት ዝነበረ ኣብ 40ታት ዕድመ ዝርከብ ሰብኣይ፡ ብቕትለት ሰብ ተጠርጢሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ'ኳ እንተነበረ፡ ጸኒሑ ተፈቲሑ።

ኣደ ምስ ጓላ

ምንጪ ስእሊ, STEPHANIE WILLIAMS

ብሰኑይ ኣብ ኣዳራሽ ከተማ ቦርንማውዝ ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ፡ መርማሪት ሬሳ ዶርሰት ኒኮላ ሙለር፡ ኣብ ኣስከሬን ዝተኻየደ መርመራ፡ ጠንቂ እቲ ሞት ምጥሓል ምዃኑ ከምዘረጋገጸ ገሊጻ።

ስድራቤት ጆ ንወዶም "መስተንክራዊ መንእሰይ" ክብሉ ክገልጽዎ እንከለዉ፡ ኣደ ሱና ስቴፋኒ ዊልያምስ ድማ "ጽብቕቲ ጓላ" ንምዝካር ኣብ ትዊተር "ዝዀነ ወላዲ ኣነን ኣቦኣን እንሓልፎ ዘለና ክሓልፍ የብሉን። ኣዚና ኢና ንፈትወኪ ዛጓለይ" ኢላ ጽሒፋ።

ኣብቲ ጆ ትምህርቲ ምኽሻን ዝመሃረሉ ዝነበረ ሲቲ ኮሌጅ ዝምህሩ መምህራን፡ ብሞቱ ከምዝነብዑ ገሊጾም።

ዓርኩን ብጻዩ ተመሃራይን ቤን፡ "ጆ ንዓይ ኣዝዩ ናብ ጽቡቕ ኣንፈት እዩ ዝድርኸኒን ዝጸልወንን ነይሩ። ኣብ ምስራሕ መግቢ ኣዝዩ ፍቕሪ ከም ዝነበሮ ርዱእ'ዩ። ሓደ መዓልቲ ዋና ሼፍ ከምዝኸውን'ውን ርግጽዩ ነይሩ" ኢሉ።

ካልእ ጃክ ዝበሃል ተማሃራይ ድማ፡ “ብርግጽ ናይታ ክሽነ ህይወት እዩ ነይሩ። ፍሕፍሕ ዝበለ፡ ሕጕስ... ነቲ ፍስሃን ብሩህ ገጽን ኣብ መላእ ክሽነ ክዝርግሖ እዩ ዝፍትን ነይሩ።”

“ሕጂ ግን ልበይ ተሰይሩ፤ ኵላትና ኣዚና ኢና ንፈትዎ ነይርና፡" ክብል ሓዘኑ ይገልጽ።

እቲ ዝተኸፍተ መርመራ ንመስርሕ ዳግመ ግምት ናብ ንዕለት 18 መስከረም ተናዊሑ።