እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሑቲ መርከብ ንግዲ ኣሜሪካ ከም ዝወቕዑ ይገልጹ
ምንቅስቓስ ሑቲ ኣብ የመን፡ ኣብቲ ብቐጻሊ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንንግዳዊ መራኽብ ዒላማ ዝገበረ ሓድሽ መጥቃዕቱ ንሓንቲ መርከብ ንግዲ ኣሜሪካ ከም ዝወቕዐ ገሊጹ።
ነታ መርከብ ‘ኬኦኣይ’ [KOI] ዝብል ስም ዝሃባ ኰይና፡ ብኣመሪካ እትካየድ ምዃና ኣፍሊጡ። ትካል ጸጥታ ባሕሪ ኣምብሬይ፡ ካብ ወደብ ዓደን የመን ብደቡብ እትንቀሳቐስ መርከብ፡ ፍንጀራ ከምዘጋጠማ እኳ እንተገለጸ፡ ስም እታ መርከብ ግን ኣይገለጸን።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ መጥቃዕቲ ክፍንዋ ተዳልየን ከምዝነበራ ኣብ ልዕሊ ዝተነገረ 10 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ኣሜሪካ ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝጀመረት ተፈሊጡ።
ብመሰረት ጸብጻብ ማዕከን ዜና ሮይተርስ፡ እታ ተዋጋእቲ ሑቲ ወቒዕናያ ዝበልዋ መርከብ ባንዴራ ላይበርያ ዝነበራ ኰይና፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበራ ኦሲዮኒክስ ሰርቪስስ እትሰርሕ እያ።
ሑቲ ድሕሪ ኲናት እስራኤል ኣንጻር ሓማስ ኣብ ቓዛ፡ ንዅለን መራኽብ እስራኤል፡ ኣሜሪካን እንግሊዝን ዒላማ ገይሮም ከጥቅዕወን እንከለዉ፡ እተን ምዕራባውያን ሃገራት ድማ ዋሕዚ መራኽብ ንግዲ ንምሕላው እዩ ዝበላኦ ግብረመልሳዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሑቲ የካይዳ ኣለዋ።
ወሃቢ ቃል ወተሃደራዊ ሓይሊ ሑቲ ያሕያ ሳሬያ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዕጡቕ ሓይልታት እቲ ምንቅስቓስ ንሓንቲ ‘ኬኦኣይ’ ዝተባህለት ኣሜሪካዊት መርከብ ንግዲ "ሓያሎ ግቡእ ሚሳይላት ሓይሊ ባሕሪ" ዒላማ ከምዝገበሩ ገሊጹ።
እታ መርከብ፡ ናብ "ወደባት ዝተጐበጠት ፍልስጤም" ክትጓዓዝ ከምዝጸንሐት ይዛረብ። እዚ ሓረግ እዚ ሓደ ሓደ ግዜ እስራኤል ንምባል ይጥቀምሉ’ዮም።
የመን፡ “ንምጕህሃር ብሪጣንያ-ኣሜሪካ" ሕነ ክትፈዲ "ድሕር ከምዘይትብል" ወሲኹ ገሊጹ።
እቲ ወሃቢ ቃል ኣስዒቡ፡ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ ሃገርና ዝጀመራኦ ወራር ኣሐይለን ክሳዕ ዝቐጸላኦ "ኵለን ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓረብን ዝርከባ መራኽብ ኣሜሪካን እንግሊዝን ሕጋዊ ዒላማ ዕጡቕ ሓይሊ የመን እየን" ክብል ኣፍሊጡ።
ማእከላይ እዚ ኣመሪካ፡ እተን ኣብ የመን ንመጥቃዕቲ ተዳልየን ዝነበራ 10 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ኣብቲ ዞባ ንዝርከባ ንግዳውያን መራኽብን መራኽብ ውግእ ኣሜሪካን ስግኣት ከምዝፈጠራ ኣፍሊጡ።
ዓሰርቲአን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምስ መደበር መቈጻጸሪ ሰብ ኣልቦ ነፋርቲ ሑቲ ከምዝዓነዉ ሓቢሩ።
ኣሜሪካ ወሲኻ፡ ሓንቲ ካብተን መራኽብ ውግእ፡ ሰለስተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኢራንን ጸረ መራኽብ ባሊስቲክ ሚሳይል ሑቲን ኣብ ወሽመጥ ዓደን ከምዘውደቐት ገሊጻ።
ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ኣህጉራዊ ንግዲ ኣዝሒሉን ኣብ ቀረባት ዕንቅፋት ከይፍጠር ኣስጊኡን እዩ።
ብ7 ጥቅምቲ ካብ ቓዛ ዝመጹ ኣማኢት ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ናብ ደቡባዊ እስራኤል ብምእታው ኣስታት 1200 ሰባት መብዛሕትኦም ሲቪላት ቀቲሎም ካልኦት 250 ድማ ጅሆ ሒዞም።
ከም ሳዕቤኑ ድማ እስራኤል ወተሃደራዊ ወፍሪ ብምክያዳ፡ ኣብዚ እዋን ልዕሊ 26 ሽሕ ሰባት መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከምዝተቐትሉ ይግለጽ።
ኣብዚ ጽሑፍ ናይ ኣዳላዊ ምምሕያሽ ተገይሩ ኣሎ።