እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ድሮን ኣመሪካ ብኢራን ብዝድገፉ ዕጡቓት የመን ተሃሪማ ወዲቓ
ዕጡቓት ሑቲ የመን ንሓንቲ ወተሃደራዊት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት - ድሮን - ኣመሪካ ከምዘውደቝ ሰበስልጣን ኣመሪካን ምስ ኢራን ርክብ ዘለዎ ምንቅስቓስ ሑቲን ገሊጾም።
እታ ‘ኤም ኪው9’ [MQ9] ዝዓይነታ ድሮን ኣመሪካ ብሓይልታት ሑቲ ምስተወቐዐት ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ምውዳቓ ሓደ በዓል ስልጣን ሓቢሩ።
ወተሃደራዊ ወሃቢ ቃል ሑቲ’ውን ነዚ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
እዚ ክስተት ኣጋጢሙ ዘሎ ድማ ኣመሪካ ብኢራን ዝድገፉ ጕጅለታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝገብርዎ ንጥፈታት ብጥንቃቐ ትከታተሎ ኣብ ዘላትሉ እዋን’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓንቲ መርከብ ውግእ ኣመሪካ፡ ዕጡቓት ሑቲ ካብ የመን ናብ እስራኤል ኣንፈት ንዘወፍጨፍዎም ክሩዝ ሚሳይላትን ሓያሎ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ከምዘምከነት ይዝከር።
ኣመሪካ ምስ ኲናት እስራኤልን ቓዛን ብዝተሓሓዝ ድሕሪ ዘጋጠመ ዞባዊ ወጥሪ፡ መራኽብ ጽዕነት ነፈርቲ፡ ማሪንን ደገፍ ወሃብቲ መራኽብን ዘጠቓልል ወተሃደራዊ ንብረት ናብ ማእከላይ ምብራቕ ኣግዒዛ ኣላ።
እዚ ድማ ኣብ መንጐ የመንን እስራኤልን ኣብ ዝርከብ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ወተሃደራዊ መራኽብ ዝዓረደ ሰራዊት የጠቓልል።
ዕጡቓት ሑቲ የመን ብኢራን ዝድገፉ ኰይኖም፡ ካብ 2014 ጀሚሮም ኣንጻር ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፍ ወግዓዊ መንግስቲ የመን ኣብ ዝተናውሐ ኲናት ሓድሕድ ተጸሚዶም ምጽንሖም ይፍለጥ።
ምክትል መራሒ ናይቲ ኣብቲ ዞባ ብኢራን ዝድገፍ ሊባኖሳዊ ሕዝቦላህ ዝዀነ ሸኽ ናይም ቃሲም ኣብዚ ሰሙን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ትፍጽሞ ዘላ ቕትለት ሰላማውያን ሰባት ንማእከላይ ምብራቕ ናብ ሓደጋ ዝሰፍሐ ኲናት ከምዘእቱ ኣጠንቂቑ’ሎ።
"ኣብቲ ዞባ ኣዝዩ ከቢድን ሓደገኛን ምዕባለታት ከጋጥም ይኽእል'ዩ። ነቲ ሳዕቤናቱ ድማ ደው ከብሎ ዝኽእል ኣካል የለን" ክብል ተዛሪቡ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣመሪካ’ውን ትማሊ ረቡዕ ኣብ ምብራቓዊ ሶርያ ኣብ ዝርከብ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራንን [Iran's Islamic Revolutionary Guard Corps] ምስኡ ዝተሓሓዙ ጕጅለታትን ይጥቀሙሉ’ዮም ዝበለቶ ወተሃደራዊ መሳለጥያ መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ገሊጻ’ላ።
ሓደ በዓል ስልጣን ፐንታጐን እቲ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሰሙናት ንኻልኣይ ግዜ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣመሪካ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግብረ-መልሲ ምዃኑ ሓቢሩ።
በቲ መጥቃዕቲ ምስቶም ብኢራን ዝድገፉን ኣብ ሶርያ ዝርከቡን ጕጅለታት ምትእስሳር ዘለዎም ትሽዓተ ሰባት ከም ዝቐተሉ ይግለጽ። እዚ ኣሃዝ ግን ብዘይሻራዊ ኣካል ክረጋገጽ ኣይከኣለን።