ማርታ ነሲቡ ዘኣማኑኤል: ኣብ ኤውሮጳ ስም ኣጥርያ ዝሓለፈት ስነ-ጥበባዊት

ማርታ ነሲቡ ዘኣማኑኤል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ማርታ ነሲቡ ዘኣማኑኤል

እዛ ኣብ ኤውሮጳ፡ ብቕብኣ፡ ስነ-ጽሑፍን ግጥምን ልዑል ስም ዘትረፈት ማርታ ነሲቡ፡ ብ1931 እያ ካብ ርኹባት ስድራ-ቤት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዳ።

ወላዲኣ ደጃዝማች ነሲቡ ዘኣማኑኤል ኣብ ዘበን ሃይለስላሰ ካብቶም ስሙያት ሰበስልጣን ስለዝነበሩ ማርታ ብሕንቃቐ እያ ትዓቢ ነይራ።

እንተኾነ ብ1935 ጥልያን ንኢትዮጵያ ምስ ወረራ ኵነታት ስድርኣ ተለወጠ።

ወላዲኣ፡ ንጃንሆይ (ሽዑ ራእሲ ተፈሪ መኰነን) ብምድጋፍ፡ ምስ እተጌ ዘውዲቱ ተቘራቚሶም ኣብ ዙፋን ንክመጹ ዓቢ ተራ ካብ ዝተጻወቱ ሰባት ሓደ ነበሩ።

እቶም ብ1893 ዝተወልዱ በዓል ስልጣን ወላዲኣ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዳግማይ ምነሊክ ፈረንሳ፡ ጸኒሖም ከኣ ብትምህርቲ ምስዮን ኣቢሎም ጣልያንኛ ስለዘጽንዑ ኣብ ስርሖም ብዙሕ ኣሳልጦ ክረኽቡ ኸኣሉ።

ንሶም ናይ ቀረባ ኣማኻሪ ራእሲ ተፈሪ መኰነን ኰይኖም እቶም ፈለማይ ቆንሱል ኣብ ኣስመራ (1918);: ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ (1921)፡ ኣማሓዳሪ ጉራገን ሰዶን፡ ጠቕላሊ ኣመሓዳሪ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ኣማሓዳሪ ባሌ (1932) ኰይኖም ኣገልጊሎም።

ራእሲ ተፈሪ ንጉሰ-ነገስት ሃይለስላሴ ተባሂሎም ብ1930 ኣብ ዙፋን ዝደየብሉ እዋን እምበኣር ደጀዝማች ነሲቡ ዘኣማኑኤል ሓደ ካብቶም ስሙያት ሰበ ስልጣን እዮም ነይሮም።

ደጀዝማች ነሲቡ ብተፈጥርኦም ትኩር፡ ኣብ ስርሖም ከኣ ንፉዕ’ኳ እንተነበሩ ብመዘነታቶም ብዙሕ ፍትው ኣይነበሩን።

ምኽንያቱ ኣከዳድንኦም፡ ኣካይድኦም፡ ኣተሓሳስቦኦም ከም ሓውሲ ፈረንጂ ስለ ዝነበሩ፣ ብሓጺሩ ‘ዘይኢትዮጵያዊ’ ባህሊ ዘዘውትሩ ሰብ’ዮም ብዝብል ክሲ ይጸምድዎም ነበሩ።

ርግጽ’ዩ፡ ደጀዝማች ንወ/ሮ ኣጸደ ባቢቸፍ - ሓንፈጽ ሩስያ - ስለ ዝተመርዓዉ ነቲ ክሲ ኣኽሪሩዎ ይኸውን’ዩ ዝብሉ ጸሓፍቲ ታሪኽ’ውን ኣለዉ።

ፊተውራሪ ኢቫን ባቢቸፍ ምስ ስድራቤቶምን ፈተውቶምን

ምንጪ ስእሊ, DM

መግለጺ ስእሊ, ፊተውራሪ ኢቫን ባቢቸፍ ምስ ስድራቤቶምን ፈተውቶምን

ኣቦአን ንወ/ሮ ኣጸደ፡ ኣደ ማርታ ነሲቡ ምዃነን’ዩ፡ ኢቫን ባቢቸፍ ዝተባህሉ ሩስያዊ መኰነን ነበሩ (1871 – 1955)።

ንሶም ብመንግስቲ ሩስያ ኢዮም ናብ ኢትዮጵያ ተላኢኾም።

ምስ ኢትዮጵያ ፍቕሪ ስለ ዝሓደሮም ግን ዝተዋህቦም ሓላፍነት ጠንጢኖም ኣብ ኢትዮጵያ ዝተረፉ ልኡኽ ነበሩ።

ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ብእምነትን ብልዑል ሓላፍነትን ኣገልገሉ።

ንጉስ ድማ ናይ ፊተውራሪ መዓርግ ሸለምዎም። ታሪኾም ኣገዳስን ነዊሕን እዩ።

ንሶም ኮነ ወዶም ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ምምስራት ልዑል ተራ እዮም ተጻዊቶም።

ናብ ደጀዝማች ነሲቡ ክንምለስ፡ ንሶም ንሞናርክነት ኢትዮጵያ ሕዳሰ ንከልብሱ ዕዙዝ ተራ ከም ዝነበሮም ይዝንቶ።

ብተወሳኺ፡ ዘመናዊ ክሊኒካት፡ ህንጻታት፡ መንገድታት . . . ካብ ምህናጽ ሓሊፎም ንኣባልት ’ክቡር-ዘብዐኛ’ ምዕቡል ትምህርቲ ንክቐስሙ’ውን ገይሮም’ዮም።

ወራር ጥልያን ኣብ ኢትዮጵያ

ማርታ ነሲቡ ዘኣማኑኤል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብጊዜ ወራር ጣልያን ኣዛዚ ሓይልታት ኦጋዴን ኰይኖም ምስ ጸላኢ ተዋጊኦም ንናህሪ ጣልያን ከዝሕልዎ’ኳ እንተ ኸኣሉ እኹል ዕጥቂ፡ መግቢ፡ መራኸቢ ስለ ዘይነበሮም ሽግራት ኣጓነፎም።

ሓይልታት ጀነራል ግራዝያኒ ኬሚካላዊ መሳርያ ተጠቒሞም ንሓይልታት ደጀዝማች ነሲቡ ለሽ ኣበሎም።

ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቍጽጽር ጣልያን ምስ ኣተወት (5 ጉንበት 1936) ኣብ ካልኣይ መዓልቱ ኸኣ ኣብ ሓረር ድፋዓት ደጀዝማች ነሲቡ ፈረሰ።

ድሕሪ’ቲ ዉግእ ሓይልታት ኢትዮጵያ ፋሕፋሕ ኢሎም፡ ደጀዝማች ነሲቡ ኸኣ ኣብ ጅቡቲ ተዓቝቡ፣ ብኡ ኣቢሎም ከኣ ምስ ንጉስ ሃይለስላሴ ንኤውሮጳ ተጓዕዙ።

ኣብ ስደት ኣቦ መንበር ናይ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ማሕበር ሃገራት (League of Nations) ኰይኖም ከገልግሉ ጀመሩ።

ኣይጸንሑን ግን፤ ኣብ ዓመቱ ሓሚሞም ኣብ ዳቮስ (ስዊዘርላንድ) ብ16 ጥቅምቲ 1936፡ ኣብ ኣርብዓን ክልተን ዕድሚኦም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

ባህሩ ዘውደ፡ እቲ ዉሩይ ጸሓፊ ታሪኽ ኢትዮጵያ፡ ንደጀዝማች ነሲቡ ‘ሓደ ካብ’ቶም ቀዳሞት ኣብ ኢትዮጵያ ዓይነታዊ ለውጢ ዘተኣታተዉ ምሁር’ ኢሉ’ዩ ዝገልጾም።

ማርታ፡ ጓሎም ንደጀዝማች ነሲቡ፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ታሪኽ ስድርኣ ኣብ ግምት አእትያ፡ ብንእሽትኣ ንዘጓነፋ ስደት ጸብጺባ ሓደ ግሩም ዝዀነ ታሪኽ ብቋንቋ ጣልያን ኣብ ‘Memorie di una Principessa Etiope’ ዘርእስቱ መጽሓፍ ኣሕተመት።

ኣብ መጽሓፋ ዘቕረበቶ

ማርታ ነሲቡ ዘኣማኑኤል

ምንጪ ስእሊ, DM

ጣልያን ስዒሮም ንኢትዮጵያ ምስ ተቛጻጸርዋ፡ ማርሻል ግራዝያኒ፡ ነቶም ጽልዋ ዝነበሮም ኢትዮጵያውያን ካብ ሃገሮም ንከርሕቖም መደብ ኣውጽአ።

ብእኡ መሰረት ድማ ኣባላት ስድራቤት ደገዝማቲ ነሲቡ ከም ዝስደዱ ተገብረ።

ብ 5 ታሕሳስ 1936 ወ/ሮ ኣጸደ ንኹሎም ደቀን ሒዘን ብካራቢኔሪ (ፖሊስ ጣልያን) ተሰንየን፡ ብጅቡቲ ኣቢለን ንናፖሊ (ዓዲ ጣልያን) ተሰዳ።

ምኽንያቱ ብድሕሪ ስደተን ኢትዮጵያ ብሰሪ ፈተነ መቕተልቲ ግራዝያኒ ኣብ ዓቢ ሽግር ወደቐት።

ብ19 ጥሪ 1937 ክልተ ኤርትራውያን - ኣብራሃ ዳቦጭን ሞጐስ ኣስገዶምን ዝተባህሉ - ኣብ ልዕሊ ጀነራል ግራዝያኒ ቦምባ ብምድርባይ ክቐትልዎ ምስ ፈተኑ ሕነ ንምፍዳይ ግራዝያኒ ብዙሕ ህይወት ንጹሃን አሕለፈ።

ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘውረዶ ቅዝፈት ከይኣክል፡ ኣብ ሆለታ ወተሃደራዊ ቤት-ትምህርቲ ዝርከቡ ዝነበሩ ሕጹያት መኰንናት ብምልኦም ቀተሎም፤ እንኮላይ ክፍለ ነሲቡ (ብወሰን ዝወለድዎ ወዶም ንደገዝማቲ ነሲቡ ዘኣማኑኤል)።

ጸኒሑ ግራዝያኒ 384 ስድራ ቤታት - መኳንንቲ ኣባላት ንግስነት - ንዓዲ ጣልያን ተሰዲዶም ንክእሰሩ ወሰነ።

ማሕዩርን ከልበትበትን ኣብ ኢጣልያ

ወለዲ ማርታ፡ ደገዝማቲ ነሲቡ ምስ ወ/ሮ ኣጸደ ባቢቸፍ

ምንጪ ስእሊ, DM

መግለጺ ስእሊ, ወለዲ ማርታ፡ ደገዝማቲ ነሲቡ ምስ ወ/ሮ ኣጸደ ባቢቸፍ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እምበኣርከስ፡ ማርታ ነሲቡ ምስ ኣዲኣን ኣሕዋታን ኣብ ስደት'ያ ዓይኒ ከፊታ ክበሃል ይከኣል።

ኣቦኣ ብሕማም ሞይቶም፤ ኣዲኣ ኸኣ ንሓሙሽተ ደቀን ኣኪበን ብሽግር ኣብ ዓዲ ስደት ከዕብዮኦም ጀመራ። እቲ ስደት ኣብ ዓዲ ጣልያን ጥራይ ተሓጺሩ ኣይተረፈን።

ወ/ሮ ኣጸደ ንደቀን ሒዘን ንትሪፖሊ (ሊብያ) ከም ዝሰጋገራ ተገብረ። ጸኒሐን ከኣ ንዓዲ ጣልያን ከም ዝምለሳ ተገብረ።

ብድሕሪኡ ንባሕሪ ኤጀይ (ኣብ ሞንጎ ቱርክን ግሪኽን ዝርከብ ወሽመጥ) ተሰደዳ።

ኣብ ዉሽጢ ሸሞንተ ናይ ማሕዩር ዓመታት ብዙሕ ተኸላበታ።

ጣልያን ንምንታይ ከምኡ ከም ዝገበሩ ኣርጊጹ ዝፈልጥ ሰብ የለን።

ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ጣልያን'ውን ካብ ቦታ ናብ ቦታ የሰጋግርወን ነበሩ። ኣብ መጠረስትኡ ኣብ ኣውራጃ ቶስካና ፊረንሰ ንሳልሳይ ጊዜአን ከም ዝምለሳ ተገብረ።

ብነሓሰ 1944፡ ኣብ ፊረንሰ እንከለዋ ማለት'ዩ፡ ወትሃደራት ኣሜሪካ ደፊኦም ንዓዲ ጣልያን ኣተዉ። ወ/ሮ ኣጸደ ምስ ደቀን ከምኡ'ውን ህዝቢ ጣልያን ሓራ ወጽኡ።

ማርታ ነሲቡ ኣብ መጽሓፋ ከም ዜስፈረቶ፡ "እቲ ኹሉ ሓጸልጸል፡ ካብ ዓዲ ንዓዲ ምስግጋር፡ ኣይርድኣናን ነበረ።

ኣደይ ንዓና ከተጸናንዕን፡ ካብ ጸበባ ክትክውልን፡ ዜሕለፈቶ መከራ ቀሊል ኣይነበረን ... ዘንትእለት ጸሎት ክትገብር ይዝከረኒ" ኢላ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ኵነታት ትገልጽ።

"ብዘይ ኣደይ ምተደርበና፣ ብኽንደይ ጸበባን ድኽነትን ዕርቃንን ኣደና ኣብ ክንዳና ደው ኢላ፡ ኣብ ኵሉ ንማሕዩር ንስደዶ ዝነበርና ቦታታት ኣቤት እናበለት ሓገዝ ክትረክብ ካብ ምልማን ኣዕሪፋ ኣይትፈልጥን። ስለዚ ብሳላኣ ኢና ሰሪርና" ብምባል ምስክርነታ ኣብ መጽሓፋ ኣጕሊሓ ኣስፊራቶ ኣላ።

ሃገራት ኪዳን ስዒሮም ሙሶሊኒ ካብ ስልጣኑ ተኣልየ፣ ኢጣልያ ሓራ ወጸት፡ እንኮላይ ቤተሰብ ነሲቡ ሓራ ወጽኡ።

ድሕሪ ሾሞንተ ዓመት ካብ ስደት ንኢትዮጵያ ምምላስ ኣርከበ።

ድሕሪ ነዊሕ ጕዕዞ ወ/ሮ ኣጸደ፡ ብሓገዝ ጃንሆይ፡ ንደቀን ሒዘን፡ ከምኡ'ውን ስድራ ቤት ሩስያዊ ባቢቸፍ ተታሓሒዞም ብግብጺ፡ ብሱዳን፡ ብኣስመራ ኣቢሎም ንኣዲስ ኣበባ ተመልሱ። ህይወቶም ምስ ንጉሳዊ ቤተሰብ ናብ ንቡር ተመልሰ።

ኣማረች፡ ሓብታ ንማርታ፡ ንኣቢይ ኣበበ - ኣብ መፈለምታ 60'ታት ገዛኢ ኤርትራ ዝነበሩ ተመርዓወት።

ማርታ ግን፡ ምስ ብርሃኑ ዝበሃል ሓዋ፡ ብ1946 ንኽትምሃር ንኤውሮጳ ተጓዕዘት።

ናይ ቋንቋ ክእለት ስለ ዝነበራ፡ እንግሊዘኛ፡ ፈረንሳይኛ፡ ከምኡ'ውን ቋንቋ ሩስያ ተማህረት።

ኣብ መጽሓፋ ኣስፊራቶ ከም ዘላ፡ ካብ ጄኒቫ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክትሰግር እንከላ፡ ኩሉዅሉ ኣብ ንኡስ ዕድሚኣ ሓሙሽተ ቋንቋታት ትዛረብን ትጽሕፍን ነበረት።

ምስኡ፡ እቲ ኣዝያ ትፈትዎ ዝነበረት ሞያ ቅብኣ ስለ ዝነበረ ተጊሃ ትመሃሮ ነበረት።

ብቅብኣ ኣብ ፓሪስን ኒውዮርክ ተማህረት። በቲ ሞያ'ቲ ድማ ማዕበለትን ሽም ረኸበትን።

ህይወት ማርታ ነሲቡ ብሓጺሩ

ማርታ ኣብ ህይወታ ዝተጓናጸፈቶ ዓወት ቀሊል ኣይኰነን። ማርታ ንሊጅ እምሩ ዘለቀ ተመርዕያ ክልተ ኣዋልድ ከም ዝወለደት ኣብ ታሪኽ ተሰኒዱ ንረኽቦ።

ልጅ እምሩ፡ ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ጕዳያት-ወጻኢ ልዑል ሓላፍንት ዝነበሮም፡ ከም ኣምባሳደር ኰይኖም ኣብ ፓሪስ (ፈረንሳ)፡ ቦን (ጀርመን) ዘገልገሉ መኰነን ነበሩ።

እታ ዓባይ ጓላ ንልዑል ዳዊት መኰነን ሃይለስላሴ (ወዲ-ወዶም ንንጉስ) ተመርዕያ ክልተ ቈልዑ ወሊዳትሎም።

ማርታ፡ ኣብ ፈለማ ዕስራታት ዕድሚኣ፡ ኣብ ጐኒ ሰብኣያ ኰይና ብዙሕ ከም ዘገልገለት ኣብ መጽሓፋ ተሰኒዱ ኣሎ።

ንጉስ ኣብ ቦን ምስ መጽኡ (1954) ንዅሉ ኣዋዲዳ ዘስተናገደት ሰብ ነበረት።

ይዅን’ምበር፡ ድሕሪ ሒደት ዓመታት (1963) ናይ ማርታን ሊጅ እምሩ ዘለቀን ሓዳር ኣይቀጸለን።

ማርታ ኣሜን ኢላ ትነብር ሰብ ስለዘይነበረት፡ በቲ ዝተማህረትሉ ሞያ (ቅብኣ) ክትሰርሕ ጀመረት።

ኣይጸንሐትን ከኣ ኣብ ሮማ ሓደ ዕዉት ኤግዚቢሽን ኣቕረበት።

ኣይጸንሐትን ከኣ ኣብ ዙሪክ (ስዊዘርላንድ) ምስ ፍራንቸስኮ ቶርቶራ ብራይዳ ዝበሃል ኢጣልያዊ ብሃንደበት ተራኺቦም፡ ክብሉ-ክብሉ ኸኣ ኣብ መርዓ በጽሑ።

ምስ ፍራንቸስኮ፡ ብቖልዓኣ፡ ምስ ኣዲኣ ኣብ ናፖሊ ተሰዲዳ ኣብ እትነብረሉ ዝነበረት እዋን'ዮም ዝፋለጡ። ካብኡ'ውን ሓደ ካርሎ ዝበሃል ወዲ ወለደት።

ማርታ ዋላ'ኳ ካብ ኢትዮጵያ ርሒቓ ኣብ ኤውሮጳ ትነብር እንተነበረት ምስ ሃገራ ዜተኣሳስሩ ፕሮጀክትታት ትሰርሕ ነበረት - ንኣብነት ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝቐርቡ መጻሕፍቲ ስእልታት እናሰኣለት ተዳሉ ነበረት።

ኣብ ስሳታት፡ ብዛዕባ ባህልን ታሪኽን ኢትዮጵያ ዘርእዩ ቅብኣታት ብምቕራብ ኣበዮ ሃገሩ ኤግዚቢሽን ተቕርብ ነበረት።

ምስኡ'ውን ቅብኣ ንዓበይትን ንኣሽቱን ትምህር ነይራ'ያ።

እቲ ኹሉ ጸገም ሓሊፉ፡ ማርታ ዓብያ፡ ተማሂራ ሰብ ኰይና፡ ሓዳር ጌራ፡ ኣብ ዉላድ በጺሓ።

ድሕሪ ስደታ፡ ካብ 1944 ጀሚራ ናጻ ዀይና ዜሕለፈቶ ህይወታ፡ ንቀዳማይን ካልኣይን ጊዜ ዝመስረተቶ ሓዳር ንባዕሉ ካልእ ሰፊሕ ዛንታ'ዩ።

ኣብ ፐርፒኛን ዝበሃል ኣብ ደቡብ ፈረንሳ፡ ጥቓ ዶብ እስጳኛ፡ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ትነብር ነበረት።

እቲ መጽሓፋ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ።

ድሮ እንተዘይተቶርጒሙ፡ ታሪኽ-ሓዘል ስለ ዝዀነ፡ ክትርጐም ዝግብኦ መጽሓፍ'ዩ ዝብሉ ምሁራን ኣለዉ።

ኣብቲ ናታ ወብሳይት ዘለዉ ሓተታታ - ቅብኣታት፡ ጽሑፋት፡ ግጥምታት - ምስ እንኸፍት ዜደንቕ ንጡፍ ህይወት ከም ዘሕለፈት ዘረድእ ሰነዳት ብዙሕ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ግን ማርታ ነሲቡ ዘኣማኒኤል ብ23/3/2019 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየት።