እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስርዓት ዓለም ዝሓመሰ ትራምፕን ዝቈናጠጡ ዘለዉ መራሕቲ ኤውሮጳን
እዚ ቅልውላው እዚ፡ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ኣብ ጸጥታ ምዕራባውያን ካብ ዘጋጠሙ እቲ ዝኸበደ እዩ። "ትራምፒዝም ካብ ፕረዚደንትነቱ ንላዕሊ ክጸንሕ'ዩ፡" ይብል ሓደ ክኢላ። ኣብዚ ኣመሪካ ዝዘሓለትሉ እዋን'ዚ፡ ናብ ቅድሚት ክወጽኡ ዓቕሚ ዘለዎም መንግስታት ግን ኣየኖት እዮም?
ኣብ ለካቲት 1947 ሓደ ንግሆ እዩ፣ ኣብ ዋሽንግተን ኣምባሳደር ዓባይ ብሪጣንያ ዝዀነ ሎርድ ኢንቨርቻፐል ንምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጆርጅ ማርሻል ክልተ መልእኽትታት ኣብጽሓሉ።
ብዛዕባ ግሪኽን ቱርኪን ዝምልከቱ ዲፕሎማስያዊ መልእኽትታት እዮም።
ብሪጣንያ፡ ኣብቲ እዋን'ቲ ብዕዳ ኣመሪካ ተዋሒጣን ተዳኺማን ነበረት።
ስለዝዀነ ድማ ደጊም ነቶም ዕጡቕ ኮምኒስታዊ ናዕቢ ዝቃለሱ ዝነበሩ ሓይልታት መንግስቲ ግሪኽ እትህቦ ደገፍ ክትቅጽል ከም ዘይትኽእል ኣፍለጠት።
ብተወሳኺ፡ ካብ ፍልስጤምን ህንድን ክትወጽእን ኣብ ግብጺ ዘለዋ ህላወ ከትንክይን መደብ ከም ዘለዋ ድሮ ሓቢራ ነበረት።
እዚ ምስ ኰነ ኣመሪካ ብኡንብኡ፡ ግሪኽ ኣብ ትሕቲ ኮምኒስትን ኢሉ ድማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሕብረት ሶቭየት ክትወድቕ ርኡይ ሓደጋ ከም ዘሎ ተረድአት።
ኣመሪካ ካልእ ስግኣት እውን ነበራ፣ እዚ ኣብ ግሪኽ እንተ ኣጋጢሙ፡ ቱርኪ እውን ቀጻሊት ከይትኸውን ሰግአት። እዚ እንተዀይኑ ድማ ሩስያ ምናልባት ነቲ ኣገዳሲ ዓለማዊ መስመር ንግዲ ዝዀነ መትረብ ስወጽ ሓዊሱ ንምብራቓዊ ማእከላይ ባሕሪ ክትቈጻጸሮ ተኽእሎ ኣሎ።
ስለዝዀነ፡ ኣመሪካ ግዜ ከይወሰደት ዳርጋ ኣብ ሓደ ለይቲ ኣብቲ እንግሊዛውያን ዝገደፉዎ ክፍተት ኢዳ ክተእቱ ወሰነት።
ፕረዚደንት ሃሪ ትሩማን፡ "ብዕጡቓት ውሑዳት ወይ ብናይ ደገ ጸቕጢ ንዝግበር ፈተነ መግዛእቲ ንዝቃወሙ ነጻ ህዝብታት ምድጋፍ ፖሊሲ ኣመሪካ ክኸውን ኣለዎ፡" ክብል ኣፍለጠ።
እዚ ድማ መጀመርታ ናይቲ ብ'ትሩማን ዶክትሪን' ዝፍለጥ ፖሊሲ ነበረ። ሕመረት ናይዚ ፖሊሲ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝግበር ምክልኻል ደሞክራሲ ምሕጋዝ፡ ንሃገራዊ ረብሓታት ኣመሪካ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ዝብል ሓሳብ እዩ ነይሩ።
ስለዝዀነ ድማ ኣመሪካ ክልተ ዓበይቲ ተበግሶታት ጀመረት።
እቲ ሓደ 'ውጥን ማርሻል' ብዝብል ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ነቲ ዝተበታተነ ቍጠባታት ኤውሮጳ ዳግማይ ንምህናጽ ዝዓለመ ዓቢይ ጥምሮ ሓገዝ እዩ ነይሩ።
እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ 1949 ዝተፈጸመ ምጥያስ ኪዳን ውዕል ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) እዩ። ሓደ ካብ ቀንዲ ዕላማታት እዚ ኪዳን፡ ደሞክራስያውያን ሃገራት ካብታ ኣብቲ እዋን ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ኤውሮጳ ቍጽጽራ እተስፍሕ ዝነበረት ሕብረት ሶቭየት ንምክልኻል ዝዓለመ ነይሩ።
ብሓጺሩ፡ ሕብረት ሶቭየት ቍጽጽራ ከይተስፍሕ ብጽኑዕ ንምዕጋት ከም ዝዀነ ይግለጽ።
ነዚ ስዒቡ፡ መሪሕነት ምዕራባዊ ዓለም ካብ ብሪጣንያ ናብ ኣመሪካ ከም ዝሰገረ ይሕሰብ። ወይ ድማ እቲ መሪሕነት ድሮ ናብ ኣመሪካ ሰጊሩ ከም ዝነበረ ዘቃልዐ ህሞት ነበረ።
ብተለምዶ ገለልተኛ ዝነበረትን ብኽልተ ሰፋሕቲ ውቅያኖሳትን ብውሑስ መንገዲ ተዓቝባ ዝጸንሐትን ኣመሪካ፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም መራሒት ናጻ ዓለም ኰይና ክትርአ ጀመረት። ኣመሪካ፡ ድሕሪ'ቲ ኲናት ኣብ ዝነበሩ ዓሰርተታት ዓመታት ንመብዛሕትኡ ክፋል ዓለም ብምስላ ዳግማይ ክትሃንጽ'ያ ኣሕሊፋቶ።
እንተዀነ፡ ኣመሪካ ንጅኦ-ስትራተጅያዊ ህርፋና መሰረት ገይራትሎም ዝጸንሑ መሰረታዊ ሓሳባት ሕጂ ክትቅይር ድልዊ ዝዀነት ትመስል።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣመሪካ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝሓዘቶ ዓለምለኻዊ ተራ ንመጀመርታ ግዜ ዝበድሀ ፕረዚደንት ኣመሪካ እዩ።
እዚ ዝፍጽሞ ዘሎ ድማ እቲ ኣረጊት ዓለማዊ ስርዓት ተዛዚሙ ብሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ንምትካእ ብዝመስል ኣገባብ ከም ዝዀነ ብዙሓት ይሓስቡ።
እንተዀነ፡ ዝለዓሉ ሕቶታት ኣለዉ፤ ኣየኖት መንግስታት ንቕድሚት ክወጽኡ ይኽእሉ? ጸጥታ ኤውሮጳ ኣብ ዝዓበየ ጸቕጢ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፡ ኣብ ሸንኮለል ኣትዮም ዘለዉ መራሕቲ እኹል ግብረ-መልሲ ክህቡ ይኽእሉ ድዮም?
ብድሆ ሕድሪ ትሩማን
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ድሕሪ 1945 ዝነበረ ዓለምለኻዊ ስርዓት ዝህቦ ነቐፌታ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ እምበር ሓዱሽ ኣይኰነን።
ቅድሚ ኣስታት 40 ዓመታት ኣብ ሰለስተ ጋዜጣታት ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ኣመሪካ ኣብ ምክልኻል ደሞክራስያውያን ሃገራት ዓለም ዘለዋ ተወፋይነት ነቒፉ ነይሩ።
"ንዓሰርተታት ዓመታት ጃፓንን ካልኦት ሃገራትን ንኣመሪካ ክምዝምዛ ጸኒሐን እየን፡" ክብል ኣብ 1987 ጽሒፉ። "እዘን ሃገራት እዚኣተን፡ ስለምንታይ እየን ኣመሪካ ረብሓታተን ንምሕላው ዝኸፈለቶ ህይወት ደቂ ሰብን ቢልዮናት ዶላራትን ዘይመልሳ?"
"ዘይንውንነን ዘየድልየናን ነዳዲ ዝጸዓና መራኽብ ክንከላኸል ከለና፡ ዘይሕግዙ መሻርኽቲ ክህልወና እንከሎ፡ ዓለም ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታት ኣመሪካ ትስሕቕ ኣላ።"
እዚ ካብ ካልኣይ ዕብረ ስልጣኑ እውን ደጊሙ ዘስመረሉ መርገጺ'ዩ።
ገለ ኣብ ምምሕዳር ትራምፕ ብዛዕባ'ቲ ኤውሮጳውያን ኣብ ኣመሪካ ዘለዎም ጽግዕተኛነት ዝተሰምዖም ቍጥዐ፡ ኣብቲ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ሑቲ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ኣየር ብዝምልከት ዝሰሎኸ ጽሑፋት ዕላል ከም ዝተራእየ ይግለጽ።
ኣብቲ መልእኽትታት፡ ምክትል ፕረዚደንት ጄዲ ቫንስ ዝብል ኣካውንት፡ ሃገራት ኤውሮጳ ካብቲ መጥቃዕትታት ክጥቀማ ከም ዝኽእላ ጽሒፉ። "ንኤውሮጳ ዳግማይ ክንዋሓሳ ዘቘጥዕ'ዩ፡" ይብል እቲ ጽሑፍ።
ካልእ ጸሓፊ ምክልኻል ፒት ሄግሰት ብዝብል ዝተጠቐሰ ኣካውንት ድማ ድሕሪ ሰለስተ ደቓይቕ፡ "ምኽትል ፕረዚደንት፡ ንኤውሮጳዊ መዝማዝነት ዘለካ ጽልኢ ምሉእ ብምሉእ ይርዳእ እየ፣ ዘሕዝን'ዩ፡" ክብል መልሲ ሂቡ።
መርገጺ ትራምፕ፡ ነቶም ንልግስና ኣመሪካ ይምዝምዙ ኣለዉ ዝበሎም ካብ ምንቃፍ ዝሓልፍ ይመስል።
ኣብ ምጅማር ካልኣይ እብረ ስልጣኑ፡ ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዝተቐበለ ይመስል። ዩክረይን ኣባልነት ኔቶ ከም ዘይወሃባን እቲ ሩስያ ዝተቘጻጸረቶ መሬት ክምለሰላ ክትጽበ ከም ዘይብላን ንዩክረይን ገሊጹ'ዩ።
ብዙሓት እዚ ቅድሚ እቲ ዘተ ምጅማሩ፡ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ነጥብታት ኢድ ምሃብ ገይሮም ይርእይዎ። ብኣምሳያኡ ሩስያ ዋላ ሓንቲ ከም ዘይተሓተተት ይገልጹ።
ብኣንጻሩ ገለ ደገፍቲ ትራምፕ ግን ፑቲን ዓቃባዊ ክብርታት ዘንጸባርቕ ሓያል መራሒ ከም ዝዀነ ይኣምኑ።
ገሊኦም ፑቲን ኣብ "ዝተወልዐ ኲናት" መሻርኽቲ እዩ ኢሎም ይሓስቡ።
ሕጂ ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ ብኸፊል ብግዴታታት ባህላዊ ውግኣት እታ ሃገር ዝድረኽ እዩ። ድሕነት ኤውሮጳ ኣብቲ ኣብ መንጎ ክልተ ተጻራሪ ራኢታት ኣመሪካ ተቐርቂሩ ይርከብ።
ገለ ሰባት እቲ ምፍልላይ ካብ ፍሉይ ኣረኣእያ ትራምፕ ንላዕሊ ከም ዝዀነን ኤውሮጳ እዋን ስልጣን ክሳዕ ዝውዳእ ኢዳ ዓጺፋ ክትጽበ ከም ዘይትኽእል ኰይኑ ይስምዖም።
"ኣመሪካ ምስ ክብርታት ኤውሮጳዊ ትፋታሕ ኣላ፡" ይብል ላዕለዋይ ተመራማሪ ኤድ ኣርኖልድ ካብ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስ ኢንስቲትዩት። "እዚ [ንኤውሮጳውያን] ዝወሓጠሎም ኣይኰነን፣ ምኽንያቱ፡ መዋቕራዊ፡ ባህላውን ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ዝኽእልን'ዩ።"
"እዚ ሕጂ ዘሎ ለውጢ ኣመሪካ፡ ካብ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሉ ንላዕሊ ክቕጽል'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። ትራምፒዝም ካብ ፕረዚደንትነቱ ንላዕሊ ክጸንሕ'ዩ ኢለ ይሓስብ።"
ዓንቀጽ 5 ኔቶ፡ 'ብደገፍ ህይወት'ዩ ዘሎ'
ብትራምፕ ዝመሓደር ዋይት ሃውስ፡ ኣመሪካ ድሕሪ ደጊም ቀንዲ ዋሕስ ድሕነት ኤውሮጳ ከም ዘይትኸውን፣ ሃገራት ኤውሮጳ ድማ ሓላፍነት ናይ ገዛእ ርእሰን ምክልኻል ክወስዳ ከም ዘለወን ይገልጽ።
"[ሃገራት ኔቶ] እንተ ዘይከፊለን፡ ኣይክከላኸለንን እየ። ኣይፋሉን፡ ኣይክከላኸለለንን፡" ክብል እቲ ፕረዚደንት ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ገሊጹ ነይሩ።
ንኣስታት 80 ዓመታት እምነ ኵርናዕ ጸጥታ ኤውሮጳ ኣብ ዓንቀጽ 5 ውዕል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ተሰሪቱ ዝጸንሐ እዩ። እዚ ዓንቀጽ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣባል ሃገር ናይቲ ኪዳን ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኵለን ኣባላት ዝፍጸም ከም ዝዀነ ይጠቅስ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቀዳማይ ምኒስተር ሰር ኬር ስታርመር ናብ ኣመሪካ ቅድሚ ምብጻሑ፡ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ኣመሪካ መሪሕ ኣባል ኔቶ ኰይና ምጽንሓ ዕጉብ ምዃኑን ትራምፕ እውን ብውልቁ ንዓንቀጽ 5 ተወፋይነት ከም ዘለዎን ተዛሪቡ ነይሩ።
ካልኦት ግን ክንድዚ ዝኣክል ርግጸኛታት ኣይኰኑን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓቃባዊ መንግስቲ ጸሓፊ ምክልኻል ዝነበረ ቤን ዋላስ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ "ዓንቀጽ 5፡ ብደገፍ ህይወት ዘሎ'ዩ ዝመስለኒ፡" ኢሉ ነይሩ።
"ዓባይ ብሪጣንያ ሓዊሱ ሃገራት ኤውሮጳ ናብ ቅድሚት እንተ ዘይመጺአን፡ ኣብ ምክልኻል ብዙሕ ወፍሪ እንተ ዘይገይረንን ብዕቱብ እንተ ዘይወሲደንኦን፡ መወዳእታ ኔቶን መወዳእታ ዓንቀጽ 5 እዩ ክኸውን።"
"ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ሩስያ እንተ ኣጥቂዓ ዓንቀጽ 5 ከም ግብራዊ ከም ዝኸውን ርግጸኛ ኣይምዀንኩን። ኣመሪካ ክትሕግዝ ክትመጽእ'ያ ኢለ'ውን ኣይምገመትኩን።"
ፈረንሳዊ ኩባንያ ኢንስቲትዩት ኤላቤ ዘካየዶ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ዳርጋ ሰለስተ ርብዒ ፈረንሳውያን ኣመሪካ መሓዛ ፈረንሳ ከም ዘይኰነት ይሓስቡ። ኣብተን ብታሪኽ ንኣመሪካ ዝድግፋ ዝነበራ ሃገራት ብሪጣንያን ዴንማርክን እውን ሕጂ ብዙሕ ህዝቢ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዘይምቹእ ኣረኣእያ ኣለዎ።
"ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኔቶ ዘውረዶ ጉድኣት ምናልባት ዘይዕረ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡" ይብል ዓቃባዊ ወሃቢ ርእይቶ፡ ደራስን ንነዊሕ እዋን ኣበ ልዕሊ ትራምፕ ነቐፌታ ክህብ ዝጸንሐን ሮበርት ካጋን።
"እንተንኣሰ እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝተመስረተ ኪዳን፡ ደጊም ዘተኣማምን ኣይኰነን።"
ኤውሮጳ ንመከላኸሊ ወጻኢታታ ብስርዓት ክትሽፍን ዘጠንቀቐ ናይ መጀመርታ ፕረዚደንት ኣመሪካ ግን ትራምፕ ኣይኰነን። ኣብ 2016 ባራክ ኦባማ፡ መሻርኽቲ ኔቶ እጃሞም ከበርክቱ ተማሕጺኑ ነይሩ።
'ምፍንጫል ምዕራባውያን' ጀሚሩ ድዩ?
እዚ ኵሉ ንፑቲን ዓቢይ ዜና እዩ። ንሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ "ምሉእ ስርዓት ጸጥታ ዩሮ-ኣትላንቲክ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይፈርስ ኣሎ፡" ኢሉ ነይሩ። "ኤውሮጳ ኣብ ዓለማዊ ቍጠባዊ ምዕባለ ትግለል ኣላ፣ ብሰንኪ ከም ስደት ዝኣመሰሉ ብድሆታት ኣብ ህውከት ትጥሕል ኣላ፣ ዓለምለኻዊ ትካልነትን ባህላዊ መንነትን ትስእን ኣላ።"
"ሩስያ ኣብ ኤውሮጳ ዘለዋ ዕላማታት ርኣዩ፡" ትብል ሓላፊት መደብ ኤውሮጳ ኣብ ቻታም ሃውስ ኣርሚዳ ቫን ሪጅ። "ዕላማታታ ንኤውሮጳ ምድኻም'ዩ። ንኔቶ ንምድኻም'ዩ፣ ኣመሪካውያን እውን ሰራዊቶም ካብዚ ክስሕቡ ምግባር'ዩ።"
"ኣብዚ እዋን'ዚ ሰዓት ይቘጽር ኣሎ። ምኽንያቱ፡ ንምርግጋእ ኤውሮጳ ተዳኽም ኣላ። ንኔቶ ተዳኽም ኣላ። ብርግጽ ኣመሪካ ካብ ኤውሮጳ ሰራዊታ ክሳዕ እትሕስብ ኣይበጽሐን፣ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ግን ኣበይ ከም እንበጽሕ መን ይፈልጥ?"
'ታሪኽ ዝመሃረና ረሲዕናዮ'
ካብቶም ብፍላይ ኤውሮጳ ዘጋጠምዋ ዓበይቲ ብድሆታት፡ ብኸመይ ብእኹል መንገዲ ትዓጥቕ ዝብል ሕቶ እዩ። ንሰማንያ ዓመታት ኣብ ሓይሊ ኣመሪካ ጽግዕተኛ ምዃን፡ ብዙሓት ኤውሮጳውያን ደሞክራስያውያን ሃገራት ተቓላዕቲ ክዀና ገይሩ እዩ።
ንኣብነት ብሪጣንያ፡ ካብ ዝሑል ኲናት ጀሚሩ፡ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ብኣስታት 70 ሚእታዊት ቀኒሳ እያ። (ኣብ መወዳእታ ዝሑል ኲናት፡ ኣብ መጀመርታ 1990ታት፡ ኤውሮጳ ንነብሳ ናይ ምቅሊት ሰላም ብምፍቃድ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ መስርሕ ምንካይ ወጻኢታት ምክልኻል ጀሚራ።)
"[ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት] ዓቢይ ባጀት ነይሩና፣ ምቅሊት ሰላም ወሲድና፡" ይብል ዋላስ። "ሕጂ፡ ከምኡ ምግባር ምኽንያታዊ እዩ ኢልካ ክትማጐት ትኽእል ኢኻ።"
"እቲ ጸገም ካብ ምቅሊት ሰላም ናብ ናይ ትካላት ወራር ኢና ከይድና። [ምክልኻል] በቃ ገንዘብ ንምውሳድ ዝኽየዶ ክፍሊ ኰይኑ። ኣብኡ ድማ ኢና ታሪኽ ዝመሃረና ረሲዕና'ዩ።"
ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንባይቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እታ ሃገር ኣብ 2027 ወጻኢታት ምክልኻል ካብ 2.3 ሚእታዊት ካብ ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ናብ 2.5 ሚእታዊት ክብርኽ ክትገብር ምዃና ገሊጹ ነይሩ። እዚ ግን እኹል ድዩ?
"ደው ምባል ጥራይ እኹል እዩ፡" ይብል ዋላስ። "ንገዛእ ርእስና ዝያዳ ክዋፈር ዝኽእል ንምግባር፡ ዘድልየና ነገራት ምእራም እኹል ኣይምዀነን። ኣመሪካውያን እንተ ወጺኦም ድማ ነቲ ክፍተታት ንምሽፋን እኹል ኣይክኸውንን'ዩ።"
ደሓር ከኣ ወተሃደራዊ ምልመላ ዝምልከት ዓቢይ ሕቶ ኣሎ፣ "ምዕራባውያን ኣብ ወተሃደራዊ ምልመላኦም ቁልቁል'ዮም ዝንቆቱ ዘለዉ፡ እንግሊዝ ጥራሕ ኣይኰነትን፡" ይብል ዋላስ።
"ኣብዚ እዋን'ዚ መንእሰያት ናብ ወተሃደራዊ ስራሕ ኣይጽንበሩን ዘለዉ። እዚ ድማ ጸገም'ዩ።"
ሓድሽ ቻንስለር ጀርመን ፍሪድሪክ መርዝ ግን፡ ኤውሮጳ ካብ ኣመሪካ ነጻ ክትከውን ኣለዋ እዩ ኢሉ። ከምኡ'ውን ንኔቶ "ኤውሮጳዊ ምግባር"፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ብዓቕሚ ኣመሪካ ጥራሕ ዝቐርብ ከባብያዊ ኤውሮጳዊ ወተሃደራዊ-ኢንዱስትሪያዊ ውህደት ምህናጽ ዝሓትት እዩ።
ካልኦት ድማ ኤውሮጳ ብወተሃደራዊ መዳይ ዝያዳ ኣብ ነብሳ ክትምርኰስ ኣለዋ ዝብል ኣረኣእያ ኣለዎም። ገለ ካብዚኦም ግን መላእ ኤውሮጳ ምስዚ ሓሳብ ኣይትሰማማዕን ዝብል ሻቕሎት ይስምዖም።
"ኣብዚ እዋን'ዚ እንርከበሉ ኵነታት፡ ምብራቕ ኤውሮጳውያን ብሓፈሻ፡ መዘኻኸሪ ጽሑፍ ምርካብ ኣየድልዮምን'ዩ፡" ይብል ምክትል ዳይረክተር ማእከል ጽገና ኤውሮጳ ኢያን ቦንድ፣ "ናብ ምዕራብ ብዝኸድካ መጠን፡ ናብ ስጳኛን ኢጣልያን ክሳብ ትጽጋዕ ዝያዳ ኣጸጋሚ እናዀነ ይኸይድ።"
ኣርኖልድ'ውን ምስዚ ሓሳብ ይሰማማዕ፣ "ሕጂ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ኣረኣእያ፡ ዘካትዕ ኣይኰነን። እቲ ክትዕ ከመይ ገይርና ከም እንገብሮን ምናልባት'ውን ክንደይ ቀልጢፍና ከም እነሳኽዖን እዩ። እዚ ግን ሕጂ ክንገብሮ ኣለና።"
ምትዕርራይ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት
ኣብዚ እዋን'ዚ ኣመሪካ ጥራሕ እተቕርቦ ሓጺር ዝርዝር ናይ "ኣዝዮም ኣገደስቲ ነገራት" ከም ዘሎ ጸሓፊ ታሪኽ ቲሞቲ ጋርተን ኣሽ ይገልጽ።
"እዚኦም እቶም ስትራተጅያዊ ኣኻእሎታት ዝበሃሉ እዮም፡" ይብል። "ሳተላይታት፡ ስለያ፡ ንባሊስቲክ ሚሳይላት ሩስያ ምምካት ዘኽእሎ እንኮ ባትሪታት ምክልኻል ኣየር ፓትሪዮት። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ክሳዕ ሓሙሽተ ዓመት ድማ ንሕና [ብዘይካ ኣመሪካ] ናይ ገዛእ ርእስና ቅማረ ወይ ስሪት ናይዚኦም ክህልወና ክንትልም ይግባእ።"
"ኣብዚ መስርሕ ምስግጋር ድማ፡ [እቲ ሓሳብ] ካብቲ ብኣመሪካ ዝምራሕ ኔቶ፡ ሓይልታቱ ምስ ሃገራዊ ሓይልታትን ዓቕምታት ሕብረት ኤውሮጳን ብሓባር ኰይኑ ንኤውሮጳ ክከላኸል ዓቕሚ ዘለዎ ኣዝዩ ኤውሮጳዊ ዝዀነ ኔቶ ክህልወካ እዩ፣ ዋላ'ኳ ሓደ ኣመሪካዊ ፕረዚደንት 'ኣብዚ ኣይትሓውሱና' እንተ በለ።"
እዚ ብኸመይ ክሳኻዕ ይኽእል ዝብል ግን ዓቢይ ሕቶ እዩ።
ኣብ ቻታም ሃውስ ሓላፊት ፕሮግራም ኤውሮጳ ኣርሚዳ ቫን ሪጅ፡ ኤውሮጳ ብኤውሮጳ ዝውነን ኤውሮጳዊ ናይ ምክልኻል ኢንዱስትርያዊ መደበር ክትሃንጽ ከም ዘለዋ ተስምር። እንተዀነ፡ ጸገማት ከጋጥሙ ከም ዝኽእሉ ትኣምን።
"እቲ ናይ ብሓቂ ከቢድ ዝዀነ ነገር፡ ብጭቡጥ ትገብር ዲኻ ኣብ ዝብል ኣብ ውሽጢ ኤውሮጳ ዘሎ ምፍልላይ እዩ።"
ኮምሽን ኤውሮጳን ክኢላታትን እዚ ምክልኻል ብኸመይ ክሰርሕ ከም ዝኽእል ንምፍላጥ ንሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ክጽዕሩ ጸኒሖም እዮም።
"ብልምዲ ብሰንኪ ፍሉይ ሃገራዊ ረብሓታት ኣዝዩ ከቢድ እዩ ነይሩ... ስለዚ፡ እዚ ቀሊል ኣይክኸውንን'ዩ።"
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ትራምፕ ነቲ ድሕሪ ዝሑል ኲናት ኣብ ሕግታት ዝተመርኮሰ ዓለምለኻዊ ስርዓት ናይተን ናይ ገዛእ ርእሰን ዕጫን ምሕዝነትን ክመርጻ ናጻ ዝዀና ልኡላውያን ሃገራት ኣካይዳ ክቕይር ድሉው ኰይኑ ይረአ።
እቲ ምስ ቭላድሚር ፑቲን ዝካፈሎ ዝመስል ሓሳብ፡ እተን ዓበይቲ ሓይልታት ዝበሃላ ሃገራት፡ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ብዝተሰፍሩ ሕግታት ከይተገደባ፡ ብናጽነት ድሌታተን ኣብ ልዕሊ እተን ንኣሽቱን ድኹማትን ሃገራት ክጽዕና ዝኽእላሉ ዓለም ክህልው እዩ።
እዚ ድማ ናብቲ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንኣርብዓ ዓመታት ሰፊኑ ዝጸንሐ "ዓውድታት ረብሓ" ምምላስ ማለት እዩ።
ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣባል ኔቶ ዝዀነት ሃገር መጥቃዕቲ እንተ ተፈጺሙ፡ ዶናልድ ትራምፕ እንታይ ምላሽ ከም ዝህብ ብልክዕ ኣይንፈልጥን ኢና።
እቲ ቍውምነገር ግን ድሕሪ ሕጂ ውሕስነት ሓገዝ ኣመሪካ ከም ንቡር ክውሰድ ኣይክእልን እዩ።
እዚ ድማ ኤውሮጳ ግብረ-መልሲ ክትህብ ኣለዋ ማለት እዩ።
እቲ ዘጋጥማ ብድሆ ድማ ብኸመይ ሓድነት ዓቂባ ከም እትቕጽል፡ ኣብ መወዳእታ ንናይ ገዛእ-ርእሳ ምክልኻላ ኣብ ምምዋል ከም እትነጥፍን ናብ "ዓውዲ ጽልዋ" ዓበይቲ ሓይልታት ከይትሰሓብ ምጥንቃቕን ዝኸውን ይመስል።