'ትራምፕ ከም ፑቲን እዩ ዝሓስብ'፡ እዚ መኸተምታ ሊበራላዊ ስርዓት ዓለምዶ ይኸውን?

ዩክረይን ምሉእ ብምሉእ ካብ እትውረር ሰለስተ ዓመታት ሓሊፉ፤ ኣመሪካን መሻርኽታን፡ ዓለማዊ ሕጊ ብምጥሓስ ገበነኛ እያ ብምባል ሩስያ ከም ዓለማዊት 'ፐሪያ' እየን ሒዘናኣ ጸኒሐን።

ሕጂ ፕረዚደንት ኣመሪካ ትራምፕ ነገራት ገላቢጡ፡ ምስ ሞስኮ ዳግማይ ዝምድና ብምምስራት፡ ንሩስያ ወራሪት ምባል ብማዕረኡ ድማ ንዩክረይን ግዳይ ናይቲ ኲናት ኢልካ ምእዋጅ ነጺግዎ። እዚ ትራምፕን ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪን ዝሓለፈ ዓርቢ ብቓልዕ ዝተኻየደ ኲናት ዩክረይንን ብኸመይ ከም ዝውዳእን ድሕሪ ዘካየድዎ ርሱን ክትዕ እዩ።

ንገሊኦም፡ እቲ ኣብ 1990ታት ዝሰረተ "ሊበራላዊ ዓለማዊ ስርዓት" ኣብ ምማቱ ዘሎ ይመስል፡ ብሓቂ ግን እዚ ድዩ እቲ ዛዕባ?

ዘመነ ሊበራላዊ ዕበለላ?

'ሊበራላዊ ዓለማዊ ስርዓት' ዝብል ኣምር፡ ኣብ ኪዳን፡ መትከላትን ስርዓታትን ዝተሃንጸ ስርዓት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዘንጸባርቕ እዩ። ኣብ ሕመረቱ እዚ ስርዓት'ዚ፡ ዓለማዊ ሕጊ ከምኡ'ውን ከም ሕቡራት ሃገራት፡ ሓፈሻዊ ባይቶኡን ባይቶ ጸጥታኡን ዝኣመሰሉ ትካላትን ይርከቡ።

ሊበራላዊ ስርዓት፡ ብከም ትካላት ውድብ ንግዲ ዓለም፡ ዓለማዊ ትካል ገንዘብን ባንኪ ዓለምን ዝኣመሰሉ ትካላት ዝድገፉ፡ እኵብ ክብሪታት ናጻ ንግዲ እውን ሓደ ካብ መሰረታቲ ጌርካ ክውሰድ ይከኣል።

እቲ ዓብላሊ መረዳእታ ወይ ምጕት፡ ምዕራባዊ ሊበራላዊ ዲሞክራሲ ነቲ ዝበለጸ ሞዴል መንግስቲ ይውክል ዝብል ስነ-ሓሳባዊ እምነት እዩ።

ጥህሰት ኣህጉራዊ ሕጊ ብውሳነታት ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ወይ ብውሳነታት ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ብወግዒ ከም ሓደ ሕጋዊ ጉዳይ ይርአ። ነዚ ምርኩስ ብምግባር ድማ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ቍጠባዊ እገዳ ክገብር ወይ ኣብ ኣድላዪ ኵነታት ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክእውጅ ይኽእል።

ብግብሪ ግን፡ እገዳታትን ወተሃደራዊ ምትእትታዋትን መብዛሕትኡ ግዜ ብዘይ ፍቓድ ሕቡራት ሃገራት ክፍጸም ይርአ እዩ - እዚ ጉዳይ ሩስያ ንነዊሕ እዋን ከተልዕሎን ክትነቕፍ ዝጸንሓቶን እዩ።

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ 2007 ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ጸጥታ ሙኒክ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሓይሊ ምጥቃም ሕጋዊ ክኸውን ዝኽእል ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቢሉ ብዝብየን እገዳ ጥራይ እዩ። ኣብ ርእሲኡ፡ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ብኔቶ ወይ ብሕብረት ኤውሮጳ ምትካእ ኣየድልን" ክብል ቅሬታኡ ኣቕሪቡ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ 2023 ኣብ ፖላንድ - ዋርሶ መግለጺ ዝሃበ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆ ባይደን፡ ኲናት ዩክረይን፡ ኣብ መንጐ ኣብ ሕጊታት ዝተመርኮሰ ስርዓትን፡ ኣብ ሓይሊ ዝተመርኮሰ ስርዓትን ዝካየድ "ዓቢ ውግእ ሓርነት" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ብምኽፋት፡ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ሃገራት ኣህጉራዊ ሕጊ ጥሒሳ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዓለማዊ ጉዳያት ዝተሓዘለ ኣገባብ ዓቢይ ብድሆ ፈጢራ እያ።

ካብ 2014 ንነጀው ፑቲን ንባዕሉ እውን፡ ብዘይ ፍቓድ ሕቡራት ሃገራት ወተሃደራዊ ሓይሊ ክጥቀም ተራእዩ። ብዓይኒ ምዕራባውያን፡ እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኸፈተቶ ወራር፡ ድሕሪ ዝሑል ኲናት - 'መርኣያ ቅሉዕ ጠሓሲ ተግባር ነቲ ኣብ ሕጊ ንዝተሰረተ ስርዓት' ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ።

ሰለስተ ቀንዲ መትከላት ከም ዝተጣሕሱ ድማ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፕሪንስተን ፕሮፌሰር ፖለቲካን ኣህጉራዊ ጉዳያትን ጆን ኢከንበሪ ንፋይናንሻል ታይምስ ኣረዲኡ ነይሩ።

"ሓደ፡ ሓይሊ ተጠቒምካ ግዝኣታዊ ዶባት ኣይትቕይርን። ካልኣይ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዓመጽ ምፍጻም ከም መሳርሒ ኲናት ኣይትጥቀመሉን፤ ሳልሳይ ድማ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ክትጥቀም ኣይተፈራርሕን። ፑቲን ድማ ነተን ቀዳሞት ክልተ ሰሪሑለን፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ -ተጠቃምነት ኒዩክሌር - ኣፈራሪሑ። ስለዚ እዚ ዓቢይ ቅልውላው ነቲ ሕጊ መሰረት ዝገበረ ስርዓት'ዩ" ኢሉ።

ከም ግብረመልሲ ናይዚ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ፡ ብመሰረቱ እቲ ምዕራባዊ ኣገባብ ንኣህጉራዊ ሕጊን ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ዝኾነ ግምት ዘይህብ እዩ ክብል መጕቱ።

ሞስኮ ብተደጋጋሚ ነቲ ኔቶ ኣብ 1999 ኣብ ልዕሊ ዩጎዝላቭያ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ኣብ 2003 ብኣመሪካ ዝምራሕ ወራር ኣብ ልዕሊ ዒራቕ፣ ኣብ 2008 ንናጽነት ኮሶቮ ኣፍልጦ ምሃባን ከም ኣብነታት ጠቒሳ፡ እዚ ብዘይ ፍቓድ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝተወስደ ስጕምቲ ምዕራባውያን እዩ ብምባል፡ ንቻርተር ሕቡራት ሃገራት ብቕሉዕ ዝጠሓሰ ተግባር እዩ ኢላ ሩስያ ትምጕት።

ኣብዚ እዋን፡ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ፈተናታት ሊበራላዊ ስርዓት ዓለም፡ ኣመሪካ ኣብ ግጭት እስራኤልን ሓማስን ዝነበራ መርገጺ እዩ። ብዙሓት ሃገራት ምምሕዳር ባይደን ንእስራኤል ወተሃደራዊ ደገፍ ብምግባሩ ብትሪ ነቒፈንኦ፣ እታ ሃገር ንሞት ዓሰርተታት ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ከምዘይትግደስ ድማ ክኸሳ ተሰሚዐን።

"ኣዝዩ ንጹር ምስሉይነት እዩ፤ እዚ ድርብ ዕያር እዩ" ክብል ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ቱርኪ ኑማን ኩርቱልሙስ ምስ ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ገሊጽዎ። "እዚ ሓደ ዓይነት ዓሌትነት'ዩ፣ ምኽንያቱ ፍልስጤማውያን ግዳያት ማዕረ ዩክሬናውያን እንተዘይርኢኻዮም፡ ንሰብኣውነት ከኣ ደረጃታት ትፈጥረሉ ኣለኻ ማለት እዩ፤ እዚ ድማ ተቐባልነት የብሉን።"

ኢከንቤሪ፡ እቲ 'ሊበራላዊ ስርዓት ዓለም' "ምስ ኣመሪካ፡ ዶላር ኣመሪካ፡ ቍጠባ ኣመሪካ ኣዝዩ ዝተኣሳሰር ከምዝነበረ" ይኣምን። ልዕሊ ባይቶ ጸጥታን ሕቡራት ሃገራት ኔቶን መሻርኽቱን እዩ ነይሩ። ብሓፈሻ "ሊበራላዊ ልዕልና" ኣሜሪካ ክሕሰብ ይኽእል እዩ ይብል።

ኣሜሪካ ዘራጊት ተቐይራ

ነቲ ዝጸንሐ ዓለማዊ ስርዓት ክፈታተና ዝደልያ "ክለሳዊ ሓይልታት" ተባሂለን ዝጽውዓ ሃገራት ኣለዋ። ነዊሕ እዋን እትሒዙ፡ ቻይናን ሩስያን ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ጽልዋ ኣመሪካ ንምንካይ ይጽዕራ እየን ኢሎም ዝምጕቱ ሓንጸጽቲ ፖሊሲታትን ተንተንቲን ኣመሪካ እዚ ክለሳዊ ሓይልታት ዝብል ቃል ንዕአን ክጥቀሙሉ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ከም ዝተራእየ ግን፡ ኣመሪካ ባዕላ እያ መራሒት ክለሳዊ ሓይሊ ዓለምና ተቐይራ ዘላ። ምምሕዳር ትራምፕ "ዳርጋ ንዅሉ መዳያት ናይቲ ሊበራላዊ ስርዓት ዓለም" ንምፍራስን፡ ካብ ንግዳዊን ምሕዝነትን ክሳብ ደሞክራስያዊ ምትሕግጋዝን ምክልኻል ሰብኣዊ መሰላትን ዝምፍራስ ይሰርሕ ከምዘሎን ፕሮፌሰን ኢከንበሪ ይዛረብ።

ትራምፕ ኣብ ቀረባ እዋን ምምሕዳሩ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ምምሕዳር ዝነበረ ዝበሎ ውድቀት ፖሊሲ ወጻኢ፡ ይባተኽ ከምዘሎ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ብጕጅለኡ ዝተኣታትቶ ሱር በተኻዊ ለውጥታት፡ ፖሊሲ ወጻኢ - ዘይከም ካልእ - ኣብ ትሕቲ ስልጣን ፕረዚደንት ስለዝወድቕ፡ እቲ ለውጢ ብፍላይ ንኮንግረስን ንሓገግቲ ኣካላትን ንምዕጋቱ ስልጣን ስለዘይህልዎም ከቢድ ክኸውን እዩ።

ትራምፕ፡ ነቲ ምስ ሩስያ ዝገብሮ ዘሎ ምምሕያሽ ዝምድናንን ምቅርራብን ብመንጽር ረብሓታት ኣመሪካ ዝውሰድ ዘሎ ስጕምቲ ገይሩ እዩ ዘመኽንዮ።

ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይዲ ቫንስ፡ "እቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ንሩስያ ሕማቕ፣ ንዩክረይን ሕማቕ፣ ንኤውሮጳ ሕማቕ እዩ ኢልና ንኣምን፤ ብዓቢኡ ግን ንኣሜሪካ ሕማቕ'ዩ" ክብል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጽሒፉ።

ዲፕሎማስያዊ ሰውራ ትራምፕ ግን እቲ ዝወሓደ ህዝባዊ ደገፍ ዝረኸበ ኰይኑ ተመዝጊቡ'ሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ዳህሳስ፡ ኣሜሪካውያን ንፖሊሲታት ኢሚግሬሽን ልዕሊ ዅሉ ደጊፎም፤ ኣብ ጉዳያት ሩስያ- ዩክረይን፡ እስራኤል-ፍልስጤም ዘለዎ መርገጺ ግን ዝወሓደ ደገፍ ረኺቡ'ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ልዕሊ ክልተ ሲሶ ኣመሪካውያን ንዩክረይን ከም መሓዛ ክቘጽርዋ እንከለዉ፣ ዳርጋ ፍርቂ ድማ ብዛዕባ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ደሓን ዝዀነ ርእይቶ እዩ ዘለዎም።

ዲፕሎማሲ ትራምፕ

"ካብ ለካቲት 2025 ኣትሒዙ ክርአ እንከሎ፡ ነቲ ሕጊታትን ኣህጉራዊ ዝምድናታትን መሰረት ዝገበረ ስርዓተ ዓለም ከይተፍሶ ተስግእ ዘላ ባዕላ ኣሜሪካ እያ" ክትብል፡ ኣብ ሕግታት ዝተመርኮሰ ትእዛዝ ከተፍርሶ ዘስግእ ዘላ" ክትብል፡ ዶክተር ጁሊ ኒውተን ካብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ትገልጽ።

ነዚ ዝኸውን መርትዖ ከተቕርብ እንከላ ድማ፡ ትራምፕ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ዩክረይን ንምቍጽጻር ዘቕረቦ ጠለባት፣ ምስ ሩስያ ዘሎ ዝምድና ንቡር ይመልስ ምህላዉ፣ ኣብ ልዕሊ ዘለንስኪ ዝፈጸሞ ቅሉዕ ዘለፋን መጥቃዕትን፣ ሕሉፋት የማናውያን ውድባት ኣውሮጳ ዘለዎ ደገፍ ትዝርዝር።

ብ24 ለካቲት - ዝክረ ሳልሳይ ዓመት ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን - ኣሜሪካ ነቲ ንመጥቃዕቲ ሩስያን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን መጥቃዕቲ ምፍጻማ ዝዅንን ውሳነ ሕቡራት ሃገራት ተቓዊማ እያ ድምጺ ሂባ።

ኣብ ክንድኡ ዲፕሎማሰኛታት ኣሜሪካ "ኣብ ግጭት ሩስያ-ዩክረይን ዝወረደ ሰብኣዊ ክሳራ" ሓዘን ከምዝተሰምዖም ዝነግር መገለጺ ኣቕሪቦም። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ትራምፕ ኣብ መንጐ ዋሽንግተንን ሞስኮን ዘሎ ቍጠባዊ ርክብ ንምምላስ ምስ ፑቲን ይዘራረብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ዶክተር ጁሊ ወሲኻ፡ "እዚ ዲፕሎማስያዊ ሰውራ ትራምፕ ንመትከላት ቻርተር ሄልስንኪ ዝሰብር፡ ብመሻርኽታ ሃገራት ድማ ከም ኣድሓርሓሪት እዩ ዘቝጽራ" ክትብል ገሊጻ።

ውዕል ሄልስንኪ 1975 ኣብ መንጐ ኣሜሪካ፡ ሕብረት ሶቭየትን ሃገራት ኤውሮጳን ዝተበጽሐ ስምምዓት ኰይኑ፡ መትከላት ግዝኣታዊ ምሉእነት፡ ምኽባርን ዘይምጥሓስን ዶባት፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሓድሕድ ዘይምትእትታው ዝተመርኮሰ እዩ።

"ትራምፕ ከም ፑቲን እዩ ዝሓስብ- ከም ሓደ ሃጸይ መበል 19 ክፍለዘመን" ይብል ክኢላ ሩስያ ሰርጌይ ራድቸንኮ ካብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ።

"ኤውሮጳ፡ ንሩስያ ጸቕጢ ክገብር ዝኽእል ርኡይ ዝዀነ ቍጠባዊ ሓይልን ፋይናንሳዊ መሳርሒታትን ኣለዋ" ክብል ራድቸንኮ ኣመልኪቱ። "ትራምፕ ምስ ፑቲን ዝገበሮ ዝርርብ ክሳብ ክንደይ ይኸይድ ብዘየገድስ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ማዕረ ማዕረኡ ምስ ሩስያ ዘለወን ርክብ ናብ ንቡር ክመልሳ እየን ኢልካ ምግማት ኣጸጋሚ'ዩ፡" ይውስኽ ራድቸንኮ።

'ሊበራላዊ ዓለማዊ ስርዓት' መወዳእታኡ እዩ ኢልካ ንምእዋጅ ሕጂ ግዚኡ ገና እዩ ዝብል ሸልቢ ማጊድ ካብ ማእከል ዩራስያ ኣትላንቲክ ካውንስል፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበረቶ እገዳ ገና ኣብ ቦታኡ ከምዘሎን፡ ምምሕዳር ትራምፕ ድማ ሩስያ ንኲናት ዩክረይን ምስ እትበል ጥራይ ከምዝለዓል ምግላጻ ምዝካር ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቡ።

"በቲ ኣብ ዘይግዚኡ ሓደገኛን ዝዀነ ምምላስ ዝምድናታታት ዝህልዎ ሓደጋ እሰማማዕ እየ፤ እንተዀነ ገና ምሉእ ብምሉእ ኣብኡ ኣይበጻሕናን" ይብል ማጊድ።

"ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ስርዓት ዓለም ዝህልዎ ነባሪ ጽልዋ፡ ካብቲ መስርሕ ንላዕሊ፡ እቲ ኲናት ብኸመይ ክዝዛዘምን ሰላም ከምጽእን እዩ ብዝብል ዝውሰን'ዩ።"