እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ንቍጠባ ዓለም 'ዘናውጽ' ውሳነታት ይወስድ፡ ሃገራት ሕነአን ይፈድያ
ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካብ ቻይና፡ ሜክሲኮን ካናዳን ዝኣትው ኣቍሑ ዘንበሮ ወሰኽ ቀረጽ ግብራዊ ከዋኦይኑ።
ትራምፕ፡ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመፅአሎም ቀዳሞት ሰሙናት፡ ኣብ ልዕሊ ካናዳን ሜክሲኮን ቀረጽ 25 ሚእታዊት ክውስኽ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ቻይና 20 ሚእታዊት ክውሰኽ ገይሩ።
ነዚ ስዒቡ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ሕነ ዝፈዲ ስጕምቲታት ከም ዝወስዳ ኣፍሊጠን።
ካናዳ ኣብ ልዕሊ 150 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኣቑሑት ኣመሪካ 25 ሚእታዊት ቀረጽ ወሲና።
ቀዳማይ ሚኒስተር ጃስቲን ትሩዶ፡ ካናዳ መጀመርያ 30 ቢልዮን ዶላር ንዝግመት ፍርያት ዒላማ ክትገብር ምዃና ክገልጽ እንከሎ፡ ዝተረፈ 125 ቢልዮን ዶላር ድማ ኣብ ውሽጢ 21 መዓልታት ግብራዊ ከም ዝኸዉን ኣፍሊጡ።
ትሩዶ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ተግባራት [ኣመሪካ] ምዅንይ ኣይኰነን . . . ካናዳ ነዚ ዘይምኽኑይ ውሳነ መልሲ ከይሃበትሉ ስቕ ኣይትብልን እያ፡" ኢሉ።
ካናዳ እትገብሮ ዝዀነ ይኵን ሓድሽ ቀረጽ "ክሳብ ኣመሪካ ዝወሰደቶ ንግዳዊ ስጕምቲ እትስሕብ፡" ኣብ ቦትኡ ክጸንሕ'ዩ ዝበለ ትሩዶ፡ ሃገሩ ቀረጽ ኣመሪካ እንተዘይተቛሪጹ "ካብ ቀረጽ ወጻኢ ዝዀኑ ስጕምትታት" ከተስዕብ እያ ኢሉ።
እቶም ስጕምትታት እንታይ ከም ዝዀኑ ግን ኣየነጸረን።
ቻይና ብወገና፡ ኣመሪካ "ኣብ ልዕሊ ትካላት ቻይና ኣድልዎ ዝፈጥር ስጉምቲ" ትወስድ ኣላ ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ኢንጅነሪንግ ባዮቴክ፡ ኣቪየሽንን ማያዊ ኣካላትን ከምኡ'ዉን ዓውዲታት ሰብ ሰርሖ-ብልሒ [ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ] ኣመሪካ እገዳ ሰደድ ገይራ።
ቤጂንግ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ 'ኢሉሚኒያ' ዝተባህለ ትካል ባዮ-ቴክ ዝወሰደቶ ስጕምቲ ስዒቡ፡ ካብ 4 መጋቢት ጀሚሩ ጂን መስርዕ ዝገብሩ ማሽናት ናብ ቻይና ከይሰድድ ኣጊዳቶ ኣላ።
ነቲ ኩባንያ ድማ ኣብ ዝርዝር "ዘየተኣማምን ኣካል" ኣእቲያቶ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ ካብ ኣመሪካ ዝኣቱ ፍርያት ሕርሻ ካብ 10 ክሳብ 15 ሚእታዊት ቀረጽ ከም እትገብር ኣፍሊጣ።
ግዳይ ስጕምቲ ወሰኽ ቀረጽ ትራምፕ ዝዀነት ሜክሲኮ ብወገና፡ መሐለውታ መደባት ከም ዘዳለወት ገሊጻ።
ፕረዚደንት ክላውድያ ሸንባም፡ ሃገራ ናይ ህጹጽ መደባት ኣውጺኣ ምህላዋ ብምግላጽ፡ "ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ርግኣትን ቅሳነትን ትዕግስትን የድልየና። ውጥን ኤ፡ ቢ፡ ሲን ዲን ኣለና፡" ክትብል ተዛሪባ።
ኣመሓዳሪ ግዝኣት ካናዳ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ዴቪድ ኢቢ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዓለም ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ትራምፕ ተመሳሳሊ ተሪር መርገጺ ክትሕዝ ከም ዘለዋ ገሊጹ።
"እቲ ፕረዚደንት ንመላእ ዓለም ኣብ ሓደጋ ኣብ ዘእትወሉ ዘሎ እዋን፡ መላእ ዓለም ብሓባር ደው ኢላ ኣብ ሓደ መስመር ደው ክትብል ኣለዋ" ኢሉ።
ብመሰረት ትራምፕ ድሒሩ ዘንበሮ ቀረፅ፡ ካብ ቻይና ዝኣትዉ ኣቑሑት፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝኽፈል ቀረጽ ብዕጽፊ ወሲኹ።
ቻይና፡ ኣመሪካ ናብ መኣዲ ድርድር ክትምለስ ከም ዘለዋ ፀዊዓ።
መግለጺ ሚኒስትሪ ንግዲ ቻይና፡ ሓድሽ ቀረጽ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኣመሪካ ናብ "ቅኑዕ መገዲ" ክትምለስን "ብዝተኻእለ መጠን ብዘተ ፍልልያት ክፀቡን" ይላቦ ይብል።
ክኢላታት ቍጠባ፡ ኣመሪካውያን ኣብ ገለ ኣቝሑት ልዑል ወሰኽ ዋጋ ከጋጥሞም ከም ዝኽእል የጠንቅቝ።
እንታይ ቁጠባዊ ሳዕቤን ይህልዎ?
እዚ ውሳነታት፡ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ኣብ ኣመሪካ ዋጋታት ሃለኽቲ ክውስኽ ክገብር ከም ዝኽእል ይግመት።
እዚ ድማ ንጥዕና ቍጠባ ኣመሪካ ክጐድእ ይክእል።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር፡ ቁጠባን ዋጋታት ንብረትን፡ ኣብ ልዕሊ መረጽቲ ልዑል ስክፍታታት ፈጢሩ ምንባሩ ይግለጽ።
ትራምፕ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ልዕሊ ካብ ካናዳን ሜክሲኮን ዝኣትዉ ኣቑሑት ዝተነብረ 25% ቀረጽ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ኣብ ዘረጋገጸሉ እዋን፡ ዕዳጋታት ኣክስዮን ኣመሪካ ኣብዚ ዓመት ዝዓበየ ዕንወት ኣጋጢምዎ ተባሂሉ።
እዚ ድማ ፖሊሲታት ትራምፕ ክፈጥሮ ዝኽእል ቁጠባዊ ቅልውላው ብኣግኡ ዘመልክት እዩ።
ከምኡ'ውን ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካብ ሜክሲኮ ዝኣትዉ እታወታት መግቢ ዘንበሮ ቀረጽ ብፍላይ፡ ንኣመሪካውያን ኣብቲ ዝያዳ ዝስምዖም ቦታ ክጸልዎም ይኽእል።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሲቢኤስ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ 82 ሚእታዊት ኣመሪካውያን እቲ ፕረዚደንት ንቁጠባ "ልዑል" ቀዳምነት ክህቦ ይግበኦ ኢሎም ይሓስቡ።
30 ሚኢታዊት ጥራይ እዮም ብዛዕባ ቀረጽ ዝግደሱ።
ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት፡ 36 ሚኢታዊ ጥራይ እዮም ትራምፕ ንቁጠባ ቀዳምነት ዝህቦ ዘሎ ዝመስሎም።
ኣብ ኩነታት ቁጠባ ብሓፈሻ 60 ሚኢታዊት "ሕማቕ" እዩ ኢሎም እንትገልጹ፡ ምስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ዝነበሮም 58 ሚኢታዊት ምንባሮም ይዝከር።
ብመሰርት 'ቲ ጽናዕቲ፡ ትራምፕ ብሓፈሻ ኣብ ኣተሓሕዛ ቁጠባ ብዝምልከት ህዝባዊ ርእይቶ ጌጋ እዩ ዝብል እዩ።
እዚ ብልክዕ ምስቲ ሓፈሻዊ ኩነታት ዝሰማማዕ ኮይኑ፡ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዕጫ ናይ'ዚ ፕረዚደንት ድማ፡ ኣብ ጉዳይ ቁጠባ ከም ዝምርኮስ ይሕብር።
ብመሰረት ክሊፎርድ ያንግ-- ካብ 'ኢፕሶስ' [ህዝባዊ ዳህሳሳት ዘስርሕ ትካል]- ትራምፕ ገና ኣብቲ ናይ ምቾት ወርሒ ፕረዚደንትነቱ እዩ ዘሎ፡ ኣመሪካውያን ንኽንቀሳቐስ ገለ ዕድል ክህብዎ እዮም።
ከም ልሙድ፡ እዚ ዕድል ናይቲ ጥርጣረ ንሓድሽ ፕረዚደንት ንኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ዝጸንሕ እዩ ኢሉ።
እቲ ቁጠባ ገለ ዓይነት ተኣፋፊ ለውጢ እንተ ኣጋጢምዎ ግን እዚ ዕድል ክስእን ይኽእል እዩ፤ እቲ ፕረዚደንት'ውን ቅቡልነት ክስእን ይኽእል እዩ።
ትራምፕ ዘንበሮ ቀረጽ ንማኑፋክቸሪንግ ኣመሪካ ከዕቢ፡ ኣታዊ ግብሪ ከዕቢን ወፍሪ ክድርኽን እዩ ክብል ይምጕት።
እንተዀነ መብዛሕትኦም ስነ-ቑጠባውያን፡ ዋጋታት ሃለኽቲ ክውስኽ ተኽእሎ ከም ዘሎን፡ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ኣመሪካውያን ቍጠባዊ ጸቕጢ ከም ዘሕድርን ይኣምኑ።