ወተሃደራት እስራኤል ናብ ሓደ መስጊድ ኣትዮም እንታይ ፈጺሞም?

ምንጪ ስእሊ, SOCIAL MEDIA/SCREEN
ምክልኻል እስራኤል፡ ገለ ኣባላቱ እታ ሃገር ብሓይሊ ኣብ ዝጐበጠቶ ምዕራባዊ ገማግም ናብ ዝርከብ ሓደ መስጊድ ብምእታው ንዝፈጸምዎ ተግባራት ኰኒኑ።
ወተሃደራት እስራኤል ማይክሮፎን ናይቲ መስጊድ ሒዞም ክደርፉን ክስሕቁን ተራእዮም።
እዚ ዘጋጠመ ድማ እስራኤል ኣብቲ ምዕራባዊ ገማግም ንዝርከቡ ዕጡቓት ንምምካት ብዝብል ኣብ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ወፍሪ እዩ።
ኣብዚ ወፍሪ 11 ፍልስጤማውያን ከምዝሞቱ ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም ይሕብር።
ምክልኻል እስራኤል፡ ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ወተሃደራት፡ "ከከም መጠን ጥፍኣቶም ክቕጽዑ'ዮም" ክብል ኣፍሊጡ’ሎ።
እቲ ሰራዊት ወሲኹ ኣብ ቓዛ እውን ተመሳሳሊ ተግባር ዝፈጸሙ ወተሃደራት ክቕጽዑ ምዃኖም ሓቢሩ።
ኣብ ሓደ ካብቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ቪድዮታት፡ ወተሃደራት እስራኤል ማይክሮፎን መስጊድ ተጠቒሞም ብዛዕባ በዓል ኣይሁድ ሃኒካህ ብቋንቋ እብራይስጥ ከዝይሙ ተሰሚዖምን ተራእዮምን።
እቲ ነቲ ቪድዮ ዝቐድሕ ዝነበረ ወተሃደር እውን ምስኦም ክስሕቕን ከዝይምን ይስማዕ።
ኣብ ካልእ ቪድዮታት ድማ፡ ገለ ወተሃደራት ናብ ሓደ መስጊድ ኣትዮም ጸሎት ኣይሁድ ከስምዑ ተራእዮም።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፍልስጤም ነቲ ተግባር ብምዅናን "ኣብ ልዕሊ ቅዱስ መስጊድ ዝተፈጸመ ላግጺ'ዩ" ኢሉ።
ምክልኻል እስራኤል ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ወተሃደራት "ካብ ስነምግባር ሰራዊት ወጻእ ንሃይማኖታዊ ትካላት ዘራኽስ ተግባር ኣርእዮም" ክብል ተኣሚኑ።
እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ እቶም ነቲ ፍጻመ ሓላፍነት ዝወሰዱ ወተሃደራት "ብቕጽበት ካብ ስርሖም ከምዝተኣልዩ" ሓቢሩ።
"ኣብቲ ቪድዮታት ዝርአ ተግባር ወተሃደራት ቅቡል ዘይኰነን ፍጹም ንክብርታት ሓይልታት ምክልኻል ዝጻረርን'ዩ" ክብል’ውን ወሲኹ።
ወተሃደራት እስራኤል ከምዚ ዓይነት ተግባር ክፍጽሙ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝርጋሕ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኰነን።
ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ጀሚሮም ኣብ ቓዛ ክዋግኡ ዝጸንሑ ሓይልታት እስራኤል እውን ተመሳሳሊ ተግባር ክፍጽሙ ይረኣዩ ነይሮም’ዮም።
ወተሃደራት እስራኤል ብሰሓቕ ተሰንዮም ንሓደ ድኳን መጻወቲ ህጻናት ከዕንዉን ንሓንቲ ኣቑሑ ሒዛ ዝነበርት ናይ ጽዕነት መኪና ከቃጽሉን ተራእዮም ነይሮም።
ናብ ሓደ ገዛ ኣትዮም ድማ ክዳውንቲ ደቂ ኣንስትዮ ክበታትኑ ተራእዮም እዮም።
ዝሓለፈ ሰንበት ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣዳም ዳኒኤል ሃጋሪ ንተግባራት እቶም ወተሃደራት ክኹንን ተሰሚዑ።
"ኣባል ሰራዊት ብመሰረት ክብርታቱ ክንቀሳቐስ ይግባእ" ኢሉ።
እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም - ጀኒን ንዝርከቡ ጥርጡራት ንምእሳር ብዝብል ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣትሒዛ ምስ ዕጡቓት ፍልስጤማውያን ኣብ ውግእ ትርከብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







