ማሕበረሰብ ዓለም ደገፈ ኣይደገፈ ኲናት ክቕጽል እዩ- እስራኤል

ወተሃደራት እስራኤል

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

እስራኤል ነቲ ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ኲናት ‘‘ብድጋፍ ወይ ብዘይድጋፍ ማሕበረሰብ ዓለም’’ ከምዝቕጽል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ገሊጹ፡፡

ሚኒስተር ኢሊ ኮሀን፡ ኣብዚ ደረጃ'ዚ ተዅሲ ደው ምባል ንሓማስ ከም ‘‘ህያብ’’ ከምዝቝጸርን ክምለስ ምፍቃድ ምዃኑን ኣጠንቂቑ፡፡

እስራኤል፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ቓዛ ብወታሃደራታ ብብዝሒ ዝሞቱ ዘለዉ ሰላማዊያን ፍልስጤማውያንን ዝጋደድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን፡ ከቢድ ጸቕጢ ገጢሙዋ ኣሎ፡፡

ብሰሉስ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት፡ ቅልጡፍ ደው ምባል ተዅሲ ክግበር ዝቐረበ እማመ ብልዑል ድምጺ ኣጽዲቑ፡፡

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ ዝሃቦ ዛጊት ዝተረረ ዝተባህለ ርእይቶ ድማ፡ እስራኤል ብሰንኪ ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ‘‘ዒላማ ዘይፈለየ ደብዳብ’’ ድጋፍ ማሕበረሰብ ዓለም ክትስእን ከምዝጀመረት ተዛሪቡ፡፡

ትማሊ ረቡዕ ኣብ ሰሜናዊን ደቡባውን ቓዛ ከቢድ ኲናት ዝቐጸለ ኰይኑ፡ ዝሃርም ዘሎ ከቢድ ዝናብ ኵነታት ናይቶም ካብ መንበሪኦም ተፈናቒሎም ኣብ ቴንዳታትን ጐደናታትን ዝርከቡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ፍልስጤማውያን ኣጋዲድዎ ኣሎ፡፡

ኣብ ግዝኣት ፍልስጤም ዕንወት ትካላት ጥዕናን ጻዕቂ ተመዛበልቲ ዝነብሩሎም ዘለዉ መዕቆቢታት ዘጋጠሙ ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ስዒቡ፡ ‘‘ሓደጋ ህዝባዊ ጥዕና’’ ከምዘጋጠመ ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ፡፡

ሓማስ ብ 7 ጥቅምቲ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ዘይተገመተ መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከቡዎም ብውሑድ 1200 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉን ኣስታት 240 ጅሆ ምውሳዱን እዩ እቲ ኲናት ተወሊዑ፡፡

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ኣስታት 70 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝዀኑ፡ ልዕሊ 18,600 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ኣፍሊጡ፡፡

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ ህጹጽ ኣኼባ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት፡ 153 ሃገራት ነቲ ኣብ ቓዛ ‘‘ቅልጡፍ ደው ምባል ተዅሲ ንሰብኣዊ ሓገዝ’’ ክግበርን ‘‘ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ብቕልጡፍን ብዘይ ቅድመ ኵነትን ክፍትሑ ከምኡ እውን ሰብኣዊ ሓገዝ ተበጻሒ ክኸውን’’ ዝጽውዕ እማመ ደጊፈን፡፡

ኦስትሪያን ቸክ ሪፐብሊክን ዝርከባአን ሸሞንተ ሃገራት ንኣመሪካን እስራኤልን ብምድጋፍ ነቲ እማመ ክቃወማ እንከለዋ፡ ብሪጣንያን ጀርመንን ዝርከባአን 23 ሃገራት ድማ ድምጸን ዓቂበን፡፡

ኣመሪካ ብዓርቢ ዝቐረበ ቀያዲ እማመ፡ ሓማስ ዳግማይ ክውደብ ዕድል ዝህብ እዩ ብምባል ብድምጺ ምስሰረዓቶ፡ ሸሞንተ ሃገራት እስላምን ዓረብን ነቲ ናይ ሰሉስ እማመ ኣቕሪበን፡፡

ነቲ እማመን ወቐሳ ፕረዚደንት ባይደንን ስዒቡ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኣብታ ሃገር ንዝበጽሐ ዲፕሎማት፡ ‘‘ማሕበረሰብ ዓለም ሓገዘ ኣይሓገዘ እስራኤል ነቲ ምስ ሓማስ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክትቅጽሎ እያ’’ ክብል ገሊጹሉ፡፡

‘‘ኣብዚ መደረኽ'ዚ ዝግበር ደው ምባል ተዅሲ፡ ን ግብረሽበራዊ ሓማስ ከም ህያብ ዝቝጸርን፡ ክምለስን ስግኣት እስራኤል ክኸውንን ምፍቃድ እዩ፡፡’’

ኣመሪካ ዛጊት ነቲ ኲናት ደው ናይ ዘይምባል መርገጽ እስራኤል ትድግፎ እያ ዘላ፡፡

ላዕለዎት ኣመሪካውያን ሰብመዚ ግን፡ ኣብቲ እስራኤል ወፍሪ ተካይደሉ ዘላ መንገዲ ዘለዎም ቅረታ ብቐጻሊ ይገልጹ ኣለዉ፡፡

ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን፡ ብ 2 ታሕሳስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል ኣብ ድሕነት ሰላማውያን ጥንቃቐ እንድሕር ዘይገይራ ‘‘ግዝያዊ ዓወታ ብዘላቒ ስዕረት’’ ከይልወጥ ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ ነይሩ፡፡

ድሕሪ ምዝዛም ኲናት ቓዛ ክግበር ብዛዕባ ዘለዎ እውን ዘይምስምማዕ ኣሎ፡፡

ኣማኻሪ ድሕነት ዋይት ሃውስ ጄክ ሱሊቫን፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ንምዝርራብ ሎሚ ናብ እስራኤል ክገይሸ እዩ፡፡

እቲ ዘተ ኲናት ዘብቀዓሉ ግዜ ከምዘጠቓልል ማዕከናት ዜና እስራኤል ገሊጸን፡፡

ነታንያሁ ንኣዘዝቲ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ቓዛ፡ ብሰሉስ ኣብ ዘስመዖ ዘረባ፡ እቲ ኲናት ‘‘ ክሳብ ወዳእታ፡ ክሳብ ዓወት፡ ሓማስ ክሳብ ዝውገድ ክቕጽል እዩ’’ ኢሉ፡፡

ንጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ኣመልኪቱ ድማ፡ ‘‘ማንም ደው ኣየብለናን’’ ክብል ተሰሚዑ፡፡

እስራኤል ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ደብዳብ ቀጺላ ኣላ፤ ሓማስን ሓገዝቱን ድማ ጸኒዖም ይከላኸሉ ኣለዉ፡፡

ሰሉስ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ንሰራዊት እስራኤል እታ ዝኸደበት መዓልቲ ኰይና፡ ኣብታ መዓልቲ ጥራይ 10 ኣባላት ተቐቲሎምዎም፡፡