ዝጠፍአ ውላዶም ተመሲሉ፡ ን41 ዓመት ኣብታ ስድራ ዝነበረ ሰብ

ዳያናንድ ጎሴይን ንዝጠፍአ ወዲ ዋና ገዛ መሲሉ ን41 ዓመት ምስቲ ስድራቤት ተቐሚጡ

ምንጪ ስእሊ, RONNY SEN

ኣብ ህንዲ ዝርከብ ቤት ፍርዲ፡ ንሓደ ገበነኛ ኮይኑ ዝረኸቦ ሰብኣይ ክእሰር ፈሪዱ። ገበኑ ግን እንታይ እዩ? ኣብ እንዳ ሓደ ሃብታም ገዛ ወድኹም እየ ኢሉ ን41 ዓመት ምቕማጡ እዩ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሱቲክ ቢስዋስ ብዛዕባ ምትላልን ምድንጓይ ፍትሒን ዝገልጽ መሳጢ ዛንታ ኣዳልዩ’ሎ።

እቲ ፍጻመ ብ1977 [ኣ.ኤ] እዩ ዝጅምር። ኣብ ምብራቓዊት ግዝኣት ቢሃር ዝነበረ፡ ካንሃያ ሲንግ ዝተባህለ ኮተቴ፡ ሓደ መዓልቲ ናብ ገዛኡ እናተመልሰ እንከሎ ጠፍአ።

ስድራኡ ከም ዝጠፍአ ንፖሊስ ኣፍሊጦም። እንተዀነ እቲ ዝተገብረ እለሻ ውጽኢት ኣይነበሮን።

እቲ ሃብታምን ብዕድመ ዝደፍአን ኣቦኡ ኣብ ጭንቀት ስለዝኣተወ ግን፡ ናብ ናይ ልምዲ ሓኻይም ክመላለስ ይጅምር። ሓደ ናይቲ ቁሸት ሓኪም፡ ወዱ ብህይወት ከምዘሎን ኣብ ቀረባ ግዜ “ከምዝመጽእን” ይነግሮ።

ኣብ መስከረም 1981፡ ሓደ ዕድመኡ ገና ኣብ መጀመርታ 20ታት ዝነበረ መንእሰይ ካንሃያ፡ ካብ ዝነብረላ ቁሸት መርጋዋን 15 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ናብ ትርከብ ካልእ ቁሸት መጺኡ።

ክዳን ሳፍሮን እዩ ተኸዲኑ። ደርፊ እናደረፈ ድራር እለቱ ከም ዝልምን ነቶም ነበረቲ እታ ቁሸት ይነግሮም።

ወሲኹ'ውን "ወዲ ምርኡይ" ከም ዝዀነን ኣቦኡ ድማ ኣብ መርጋዋን ከም ዝነብርን ይዛረብ።

ብድሕሪኡ ዝተፈጥረ ነገር ብንጹር ኣይፍለጥን። እቲ ዝፍለጥ ነገር፡ ዝጠፍአ ወዱ ከም ዝተመልሰ ክውረ ዝሰምዐ ካመሽዋር ሲንግ፡ ነቲ ወዱ ዝተባህለ ብዓይኑ ክርኢ ናብታ ቁሸት ይኸይድ።

እቶም ደድሕሪኡ ዝኸዱ ጐረባብቱ ናይ ሓቂ ወዱ ከም ዝዀነ ምስነገርዎ፡ ነቲ መንእሰይ ሒዙ ንገዛኡ ተመሊሱ።

መርጋዋን 1,500 ሰባት ዝነብሩላ ንእሽቶ ቁሸት እያ

ምንጪ ስእሊ, RONNY SEN

ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ምስ ጓላ ኣብ ምብጻሕ ዝነበረት በዓልቲ ቤት ሲንግ ራምሳኪ ዴቪ፡ ወዳ ከም ዝተመለሰ ወረ ሰሚዓ ንገዛኣ ተመልሰት።

ነቲ መንእሰይ ምስረኣየት ግን ወዳ ከምዘይኰነ ብኡ ንብኡ ተረዲእዋ።

እታ ኣደ ከም እትብሎ፡ ወዳ፡ "ብጸጋማይ ገጽ ግንባሩ በሰላ ኣለዎ" እዚ መንእሰይ ግን በሰላ ኣይነበሮን።

ብተወሳኺ፡ ንሓደ መምህሩ ክፈልጦ ኣይከኣለን። ይዅን እምበር ሲንግ ወዱ ከምዝዀነ ድሮ ኣሚኑ እዩ።

ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ ራምሳኪ ዴቪ ናብ ፖሊስ ከይዳ እቲ መንእሰይ ንወዶም ተመሲሉ ይዋሳእ ከምዘሎ ገሊጻ ትኸስስ። እቲ መንእሰይ ተታሒዙ ምስ ተኣሰረ ግን ድሕሪ ሓደ ወርሒ ብዋሕስ ተፈቲሑ።

ንዝቕጽል ኣርብዓ ዓመት ዝተፈጸመ ነገር ግን፡ እቲ መንእሰይ ዝጠፍአ ወዲ እቲ ዋና መሲሉ ናብ ቤቶም ዝኣተወሉ ዘስደምም ምትላል እዩ።

ብዋሕስ እንተ ተፈትሐ'ውን እቲ መንእሰይ፡ ወዲ እቲ ሃብታም መሲሉ ኣብ ኮሌጅ ተማሂሩ፡ ሓዳር ገይሩ፡ ስድራ ኣፍርዩ ከምኡ'ውን ብዙሕ ናይ ሓሶት መንነት ሒዙ ምንባር ቀጺሉ።

ነዞም መለለይ መንነት ሒዙ ምርጫ ተሳቲፉ፡ ግብሪ ከፊሉ፡ ሃገራዊ መለለይ መንነት ንኽወሃቦ ባዮሜትሪክስ (ከም ኣሰር-ኣጻብዕ ዝኣመሰለ) ሂቡ፡ ፍቓድ ሽጉጥ ኣውጺኡን ካብ ጥሪት ሲንግ ድማ 37 ሄክታር መሬት ሸይጡን።

ዳያናንድ ጎሴይን ኣብ 1982 ኣብ ዝተመርዓወሉ እዋን ዝተሳእሎ

ምንጪ ስእሊ, RONNY SEN

ምስ ጓል ሲንግ ኣሕዋት ከምዝዀኑ ንምርግጋጽ መርመራ ዲኤንኤ (DNA) ንዘይምግባር ብጽንዓት ተቓሊሱ።

እቲ ቤት ፍርዲ ክሳዕ ዝገርሞ ናይ ሓሶት ምስክር ወረቐት ሞት ብምውጻእ፡ ነቲ ናይ ብሓቂ መንነቱ “ክቐትል” ፈቲኑ።

እዚ ዛንታ ምትላል'ዚ ብዛዕባ ወግዓዊ ጕድለት ከምኡ'ውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ህንዲ ዘሎ ሕልኽላኽ ዝመልኦ ፍርዲ ዝገልጽ ዘሕዝን መርኣያ እዩ።

ኣስታት 50 ሚልዮን ዝዀኑ ጕዳያት ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ ናይታ ሃገር ሪጋ ይጽበዩ ኣለው። ካብዚ፡ እቶም 180,000 ዝዀኑ ድማ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝጸንሑ ጕዳያት እዮም።

እቲ መንእሰይ ኣብ ወግዓዊ መዛግብቲ፡ ካንሃያ ጂ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

እቶም ንኻልእ ሰብ ተመሲሉ፡ ብምትላልን ብወዲትን ገበነኛ ኢኻ ኢሎም ክእሰር ዝፈረድዎ ዳያኑ ከምዝብልዎ ግን፡ ስሙ ዳያናንድ ጎሴይን ይበሃል።

100 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ካብ እትርከብ ቁሸት ጃሙይ ዝመጽአ እዩ።

ሲንግ ነቶም ጐረባብቱ፡ "ኣዒንተይ ይደኽማ ኣለዋ፤ ብግቡእ ክርእዮ'ውን ኣይከኣልኩን። ወደይ እዩ እንተኢልኩምኒ ወደይ እዩ" ከም ዝበሎም ካብ ፖሊስ ዝተረኽበ ጸብጻብ ይሕብር።

ዳያናንድ ጎሴይን ናብ እንዳ ሲንግ ምስኣተወ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ኣብ 1982 ካብ ዝተመርዓወሉ እዋን ዝተሳእለ ጸሊምን ጻዕዳን ስእሊ፡ ንሓደ ቀጢን ጭሕሚ ዘለዎ መንእሰይ የርኢ።

ኣብቲ ስእሊ ድብዝዝ ዝበለ ስልማት ዘለዎ መጐልበቢ ተኸዲኑ ኣርሒቑ ይጥምት።

ናብ ቤት ሲንግ ቅድሚ ምእታዉ ብዛዕባኡ ዝፍለጥ ነገር ንጹር ኣይኮነን።

ጎታም ኩማር ኣቦኡ ኣምሰሉ እዩ ኢሉ ከምዘይኣምን ይገልጽ

ምንጪ ስእሊ, RONNY SEN

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ወግዓዊ ሰነዳቱ እተፈላለየ ዕለት ልደት የመልክቱ፤ ኣብ መዛግብቲ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ፡ ጥሪ 1966 ከም ዝተወለደ ይገልጽ።

ኣብ ሃገራዊ ወረቐት መንነቱ ለካቲት 1960 ይብል። ኣብ ካርድ ምርጫ ድማ 1965 እዩ ተጻሒፉ ዘሎ።

ብ2009 መንግስቲ መቝነን መግቢ ንምርካብ ዘውጽኦ ካርድ፡ ወዲ 45 ዓመት ከምዝዀነ ይገልጽ።

እዚ ኸኣ ብ1964 ከም ዝተወልደ ዝሕብር እዩ። ስድራቤቱ ድማ፡ "ኣስታት 62 ዓመት ኣቢሉ" ከም ዝተወለደ ይገልጹ፤ እዚ ምስቲ ኣብ ሃገራዊ መለለይ መንነቱ ዘሎ ዝመሳሰል እዩ።

እቶም መርመርቲ፡ ጎሴይን ካብቶም ኣብ ጃሙይ ዝነበሩ ኣርባዕተ ደቂ ሓደ ሓረስታይ እቲ ዝነኣሰ ምዃኑ፡ ድራር እለቱ ክምእርር ከም ዝደርፍን ከምዝልምን ከምኡ'ውን፡ ኣብ 1981 ካብ ገዛኡ ወጺኡ ከም ዝኸደን ኣረጋጊጾም።

ኣብ ጃሙይ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ፖሊስ ቺታራንጃን ኩማር፡ ጎሴይን ኣቐዲሙ ተመርዕዩ ከምዝነበረን ሰበይቱ ግን ከይጸንሐት ከምዝገደፈቶን ይገልጽ።

ኣብ ከይዲ ጎሴይን ክልተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ወሊዱ። ሲንግ፡ ህይወቱ ምስ ሓለፈ ኣስታት ፍርቂ ዘመን ዝጸንሐ ግርማ ዘለዎ ዓቢይ ገዛ ወሪሱ። (ፍርቂ እቲ ገዛ ብኻልእ ስድራ ሲንግ ዝውነን እዩ ነይሩ።)

በዅሪ ወዲ ጎሴይን ዝኾነ ኩማር፡ ኣቦኡ 30 ሄክታር መሬት ከምዘመሓድርን ካብ ገዛኡ ብዙሕ ከምዘይወጽእን ይገልጽ።

እቲ መሬት ከም ሩዝ፡ ስርናይን ካልኦትን ዘፍሪ ኰይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ብሰራሕተኛታት ዝሕረስ እዩ።

ኩማር ከም ዝብሎ ብዛዕባ “ካልእ ሰብ ምምሳል” ኣቦኡ ሕቶ ኣየልዕልን።

"ኣቦና እዩ። ኣቦሓጐይ ወደይ ኢሉ ተቐቢልዎ ከሎ፡ ንሕና መን ስለዝኾንና ኢና መን ኢኻ ኢልና ንሓቶ? ኣቦኻ ከመይ ዘይክትኣምኖ ትኽእል?" ክብል ይሓትት።

"ድሕሪ እዚ ዅሉ ዓመታት መንነት ኣቦይ ስለዝተወገደ ህይወትናን መንነትናን ተንጠልጢሉ እዩ ዘሎ። ኣብ ብዙሕ ጭንቀት ኢና ንነብር ዘለና።"

ጎሴይን ጓሉ ሓቚፉ፡ ካመሽዋር ሲንግ ኮፉ ኢሉ፡ ራምሳኪ ዴቪ ብድሕሪት ኣብ ማእከል ደው ኢላ

ምንጪ ስእሊ, RONNY SEN

ጎሴይን ነቶም ደያኑ ዝጠፍአ ወዲ እቲ ዋና እየ ከም ዘይበለ ነጊርዎም። ሲንግ "ከም ወዱ ተቐቢሉ ናብ ገዛኡ ኣእትዩኒ" ይብል።

"ብምምሳል ንዋላ ሓደ ሰብ ኣየታለልኩን። ኣነ ካንሃያ እየ፡" ኢሉ።

እቲ ዘስደምም ነገር ክጠፍእ ከሎ ወዲ 16 ዓመት መንእሰይ ዝነበረ ካንሃያ፡ ተረሲዑ ምትራፉ እዩ።

ኣብ 1991 ዝሞተ ካመሽዋር ሲንግ፡ 60 ሄክታር መሬት ዝውንን ጽልዋ ዘሕድርን ሃብታም ሰብ እዩ ነይሩ።

ካብ ክልተ ሓዳር ክልተ ኣዋልድን ሓደ ወዲን (ካንሃያ) ወሊዱ እዩ። ዝፈትዎ ውሉዱን ተፈጥሮኣዊ ወራሲኡን ከኣ ካንሃያ እዩ ነይሩ።

እቲ ዝገርም ነገር፡ እቲ ዝሓምም ዝነበረ ሲንግ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ከይዱ ንጎሴይን ኣይተጣበቐሉን።

"ነቶም ተቐማጦ እታ ቝሸት እዚ ወዲ ወደይ እንተዘይኰይኑ ክንመልሶ ኢና ኢለዮም" ክብል ሲንግ ንፖሊስ ተዛሪቡ።

እቲ ኽሲ ንኣስታት 40 ዓመታትን ደርዘን ብዝዀኑ ዳያኑን ተራእዩ እዩ።

እቲ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ድራማ፡ እቲ ተጣባቓይ፡ ዳያናንድ ጎሴይን ከምዝሞተ ዝእውጅ ወረቐት ምስክር ሞት ከቕርብ ከሎ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በጺሑ።

ጎሴይን ኣብ 1982 ከም ዝሞተ ዝገልጽ ናይ ሓሶት ወረቐት ምስክር ሞት

ምንጪ ስእሊ, RONNY SEN

እንተዀነ፡ እቲ ወረቐት ምስክር ሞት ዕለቱ ግንቦት 2014 ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ጎሴይን ኣብ 1982 ከምዝሞተ ዝገልጽ እዩ።

እቲ ቤት ፍርዲ ሓደ ሰብ ምስሞተ ስለምንታይ ድሕሪ 32 ዓመት ምስክር ወረቐት ከምዝተሰርሓሉ ብምሕታት፡ እቲ ወረቐት ናይ ሓሶት እዩ ክብል ኣይተቐበሎን።

"ጎሴይን፡ ካንሃያ እየ ኢሉ ንምርግጋጽ ነብሱ ቐቲሉ፡" ይብል ካብቶም ነቲ ጉዳይ ዝረኣዩ ዳያኑ ሓደ ዝኾነ ዳኛ ሚሽራ።

ጎሴይን ካብ 2014 ጀሚሩ መርኣያ ዲኤንኤ ኣይህብን ምባሉ ግን ኣንጻሩ ዝነበረ ቀንዲ መርትዖ እዩ።

"መንነቱ ንምርግጋጽ፡ ጾር መርትዖ ኣብ ዝባን'ቲ ተኸሳሲ ዝወደቐ እዩ፡" ይብል እቲ ዳኛ።

እቲ ቤት ፍርዲ፡ "ሕጂ ካልእ መርትዖ ኣየድልን እዩ፡" ኢሉ። "እቲ ተኸሳሲ፡ ምርመራ ዲኤንኤ ከምዘቃልዖ ይፈልጥ እዩ።"

ኣብ መወዳእታ እቲ መስርሕ ፍርዲ ከይተቛረጸ፡ ን44 መዓልቲ ምስተረኣየ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ገበነኛ ክብል ናይ ሸውዓተ ዓመት "ከቢድ ማእሰርቲ" ፈሪዱ።

እቲ ቤት ፍርዲ፡ ንጎሴይን ከም ዝጠፍአ ወዱ ገይሮም ኣብ ስድራቤት ሲንግ "ከእትዉ" ብዝሓገዙ ሓያሎ ሰባት ዝተኣልመ ሰፊሕ ውዲት ከምዝኾነ’ውን ይኣምን።

እታ ኣንኮ ስእሊ ካንሃያ ሲንግ

ምንጪ ስእሊ, RONNY SEN

እቲ ዳኛ እዞም ሰባት እዚኣቶም ሲንግ ዝውንኖ መሬት ክዕድጉ ጸኒሖም ከኣ ጎሴይን ተፈጥሮኣዊ ወራሲኡ ምስኮነ ከምዝሸጠሎም ይጥርጥር።

እዚ ግን፡ ቀጻሊ ምርመራ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ።

"በዓለቤተይ ምሕማሙን ዓይኑ ምድካሙን ስዒቡ፡ መሬት ስድራና ንምውራስ ዝተገብረ ሓያሎ ውዲት ነይሩ፡" ክትብል ኣብ 1995 ዝዓረፈት ራምሳኪ ዴቪ ንቤት ፍርዲ ተዛሪባ ነይራ።

ኣብዚ ዛንታ ምትላልን ምምሳልን ገና መልሲ ዘይረኸቡ ሕቶታት ኣለዉ።

ብናይ ሓሶት መለለይ መንነት ዝተሸጠ መሬት መወዳእታኡ እንታይ እዩ ክኸውን? እቲ ዝተመቓቐለ መሬት ተመሊሱ፡ ደቂ ሲንግ ይማቐልዎ’ዶ ይዀኑ? ናይ ጎሴይን ናይ ሓሶት መንነታት እንታይ እዮም ክግበሩ?

እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ሕቶ ድማ ካንሃያ ኣበይ እዩ ዘሎ?

ብመሰረት ሕጊ ህንዲ፡ ንልዕሊ ሸውዓተ ዓመት ዝጠፍአ ሰብ ከም ዝሞተ ተገይሩ እዩ ዝውሰድ።

እንተዀነ ፖሊስ ህንዲ ነቲ ጕዳይ ዘይዓጸውዎ ስለምንታይ እዩ? ካንሃያ ብህይወት ይህሉ’ዶ ይኸውን?

ጎሴይን ካልእ ሰብ ብምምሳል፡ ብምትላልን ብወዲትን ገበነኛ ተባሂሉ ተፈሪዱ

ምንጪ ስእሊ, AFP