ጋዜጠኛ ሙህዲን ሞሓመድ ብቤት-ፍርዲ ክልል ሶማሌ ንክልተ ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ

ጋዜጠኛ ሙህዲን ሞሓመድ

ምንጪ ስእሊ, CPJ

መግለጺ ስእሊ, ጋዜጠኛ ሙህዲን ሞሓመድ

ቤት-ፍርዲ ክልል ሶማሌ ዞባ ፋፈን፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ሙህዲን ሞሓመድ ማእሰርቲ ክልተ ዓመት ከም ዝበየነ ተገሊፁ።

ማሕበር ጋዜጠኛታት ክልል ሶማሌ፡ እቲ ጋዜጠኛ ክልተ ዓመታት ክእሰር ከም ዝተፈረደ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ 24 ሚያዝያ 2016 ኣቆፃፅራ ግእዝ እዩ፡ እቲ ፍርዲ ተበይኑ።

ፕረዝደንት ማሕበር ጋዜጠኛታት እቲ ክልል ኣይተ ኣብዱራዛቅ ሓሰን፡ ብወገን ጠበቓ እቲ ጋዜጠኛ ነዚ ፍርዲ ብምቅዋም ናብ ቤት-ፍርዲ እቲ ክልል ጥርዓን ይግባይ ከም ዝቐረበ ንቢቢሲ ገሊፁ።

ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት ሲፒጄ፡ ኣብ ፅባሕ ብይን ቤት-ፍርዲ ዞባ ፋፈን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ “ሰብመዚ ኢትዮጵያ ንይግባይ ጋዜጠኛ ሙህዲን ሞሓመድ ከይቃወሙ” ፀዊዑ።

እቲ ጋዜጠኛ “ስኑዕ ሓበሬታን ናይ ፅልኢ ዘረባን ብምፍናው” ከም ዝተኸሰሰ፡ ሲፒጄ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ።

እቲ ትካል ነዚ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ውልቀሰባት ብምፅራሕ፡ ሙህዲን፡ “ሙህዲን ሾው” ኣብ ዝብል ናይ ፌስቡክ ገፁ ምስ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ብዝዛመድ ከም ዝተኸሰሰ ኣፍሊጡ።

ጋዜጠኛ ሙህዲን ኣብቲ ሕዚ ዝተደምሰሰ ናይ ፌስቡክ ልጣፍ፡ “ንህዝቢ የለዓዕል ነይሩ” ምባሎም ድማ ሓቢሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሲፒጄ፡ ሙህዲን ኣብ ከተማ ጅግጅጋ መንነቶም ብዘይፍለጡ ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ቀይዲ ምውዓሉ ስዒቡ፡ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ጣብያ ፖሊስ ቅድሚ ምውሳዱ፡ ንሽድሽተ መዓልታት ኣብ ዘይፍለጥ ቦታ ከም ዝተኣሰረ ገሊፁ።

ኣይተ ኣብዱራዛቅ፡ እቲ ጋዜጠኛ ብ 04 ለካቲት 2016 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ከም ዝወዓለ ሓቢሩ።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ናብ ቤት-ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ብዋሕስ ብር 40 ሽሕ ክፍታሕ 30 መጋቢት 2016 ተወሲኑ እኳ እንተነበረ እቲ ብይን ተግባራዊ ከም ዘይኮነ ድማ ገሊፁ።

ላዕለወይቲ ሓላፊት ሲፒጄ ኣብ ሃገራት ትሕተ ሳህራ ዝኾነት ሙቶኪ ሙሞ፡ “ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ሙህዲን ዝተበየነ ማእሰርቲ ክልተ ዓመት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ይፍፀም ንዘሎ ዘሕዝን ዓፈና መራኸብቲ ሓፋሽ ዘዘኻኽር እዩ” ክትብል፡ ነቲ ብይን ኮኒናቶ።

እታ ሓላፊት ወሲኻ፡ “ኣኽበርቲ ሕጊ ናይ ሙህዲን ይግባይ ክቃወምዎ የብሎምን፣ ሰብመዚ’ውን ጋዜጠኛታት ብዝሰርሕዎ ረዚን ፀብፃብን ብዝህብዎ ርኢቶን ከም ዘይተኣሰሩ ከረጋግፁ ኣለዎም” ኢላ።

ብመሰረት ፀብፃብ ሲፒጄ 2023፡ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ብዙሓት ጋዜጠኛታት ትኣስር ካልአይቲ ሃገር እያ።

ክሳብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ ሸሞንተ ጋዜጠኛታት ኣብ ማእሰርቲ ከም ዝርከቡ ፀብፃብ ሲፒጄ የመልክት።

ትካል ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት (RSF) ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዘውፅኦ ደረጃ ነፃነት ፕረስ ሃገራት መሰረት፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝነበራ ሸውዓተ ደረጃታት ኣንቆልቂላ እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 130 ደረጃ ተሰሪዓ ዝነበረት ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ መበል 141 ደረጃ ትርከብ።

ኣብ 2020 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ መበል 99 ደረጃ ትስራዕ ዝነበረት እታ ሃገር፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ 141 ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ 18 ኤምባሲታት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ነፃነት ፕረስ ምኽንያት ብምግባር፡ “ስርሖም እናሰርሑ ብዘይ ፍትሓዊ መንገዲ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት” ክፍትሑ ሓቲቶም ነይሮም።

ኣሜሪካን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳን ብሓባር ዘውፅዎ መግለፂ፡ “ነፃነት ፕረስ ሓቂ ንምፅብፃብ ብዘይምስልቻው ንዝሰርሰሑ መራኸብቲ ሓፋሽን ጋዜጠኛታትን ናይ ምክልኻል ኣገዳስነት ዘዘኻኽር’ዩ” ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ንመግለፅታት እዘን ኤምባሲታት ብትሪ እዩ ተቓዊምዎ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር፡ “ኣነ ይፈልጠልካ እየ ዝብል ሓባራዊ መግለፂ፡ ንክልትኣዊ ርክባት ዝጠቅም ኣይኰነን። ኣብታ ሃገር ንዘሎ ልዕልና ሕጊ ምኽባር’ውን ዘቆናጽብ እዩ” ብምባል፡ ንመግለፂ እቶም ኤምባሲታት ኰኒንዎ።