ኣመሪካ፡ ግብጽን ቐጠር፡ እስራኤልን ሓማስን ዘተ ክጅምሩ ኣተሓሳሲበን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሪካ፡ ግብጽን ቐጠርን፡ እስራኤልን ሓማስን እቲ ዘካይድዎ ዝነበሩ ኣብ ዛዕባ ምቍራጽ ተጻብኦታትን ምፍታሕ ጅሆ ዝተትሓዙን ሰባትን ዝምልከት ዘተ ክቕጽልዎ ጸዊዐን።
እተን ሃገራት ኣብ ዝዘርግሓኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ ሰለስቲአን ሃገራት “ዝርዝር ኣፈጻጽማ” ጥራሕ ዝተረፎ “ሰነድ ስምምዕ” ከም ዘዳለዋ ኣፍሊጠን።
እስራኤል ናብቲ 15 ነሓሰ ኣብ ዶውሓ ርእሰ ከተማ ቐጠር ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ዝርርብ ተላዘብቲ ከም እትልእኽ ክትገልጽ እንከላ፡ ሓማስ ግን ክሳብ ሕጂ ምላሽ ኣይሃበን ዘሎ።
እዚ ሓድሽ ዲፕሎማስያዊ ጻውዒት፡ መራሒ ሓማስ ኢስማዒል ሃንየ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ምቕታሉ ኣብቲ ዞባ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ንከይኸውን ንምግታእ ዝግበር ፈተነ ተገይሩ ይውሰድ።
ኢራን ንቅትለት ሃንየ ንእስራኤል ብምኽሳስ ሕነ ከም እትፈዲ ክትገልጽ እንከላ፡ እስራኤል ኣብዚ ቅትለት ኣመልኪታ ዛጊት ዝበለቶ ነገር የለን።
እተን ነዚ ሓድሽ መጸዋዕታ ዘቕረባ ሰለስተ ሃገራት፡ እስራኤልን ሓማስን፡ “ንዝተረፉ ሓጓፋት ንምምላእን ብዘይገለ ምድንጓይ ነቲ ስምምዕ ተግባራዊ ንምግባርን” 15 ነሓሰ ዳግማይ ዘተ ክጅምሩ ኣተሓሳሲበን።
ብተወሳኺ፡ “ከም መንጐኛታት፡ ኣድላዪ እንተዀይኑ ድማ ነቲ ዝተረፈ ጕዳያት ኣተገባብራ ትጽቢት ኵሎም ኣካላት ብዝመልእ መንገዲ ናይ መወዳእታ መልክዑ ንምቕራብ ድሉዋት ኢና” ኢለን።
እዚ መግለጺ ብፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፣ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣል-ሲሲን ኣሚር ቐጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣ'ታኒን ዝተፈረመ እዩ።
እዚ እማመ ኣብ ዝሓለፈ 31 ግንበት ብፕረዚደንት ባይደን ካብ ዝተነደፈ “መትከላት” ዝተደረኸ ምዃኑ ድማ ሓቢሩ። እዚ ድማ ምሉእ ምቍራጽ ተጻብኦ ክግበርን ብዙሓት ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ንኽልቀቝን ዘኽእል እዩ።
ኣብ መንጐ ሓማስን እስራኤልን ብዙሕ እዋን ዝርርብ'ኳ እንተተኻየደ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ዝዀነ ፍረ ኣይተረኸቦን።
ሓማስ ምቍራጽ ተጻብኦ ንኽግበር ይደፍእ’ኳ እንተሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ነታንያሁ ግን እቲ ኲናት ደው ዝብል ሓማስ ምስ ዝሰዓር ጥራይ እዩ ኢሉ።
ክልቲኦም ተጻባእቲ ክላዘቡ ጻውዒት ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን እስራኤል ንወሽመጥ ቓዛ ብጻዕቂ ትድብድብ ከምዘላ ተፈሊጡ።
እስራኤል ብሓሙስ ንኽልተ ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዝደብደበትን ልዕሊ 18 ሰባት ከም ዝተቐተሉን ሓማስ ኣፍሊጡ። ሰራዊት እስራኤል ግና ንማእከላት ሓማስ ዒላማ ከም ዝገበረ ደብዳብ ከምዝዀነ እዩ ዝገልጽ።
ሓማስ ነቲ ዝተቐተለ መራሒኡ ኢስማዒል ሃንየ ብያሕያ ሲንዋር ምትክኡ ንዝዀነ ዓይነት ዝውጠን ልዝባት ኣዝዩ ከቢድ ክገብሮ ይኽእል እዩ።
እስራኤል ብ07 ጥቅምቲ ንዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ሓማስ ብምውዳድ ትኸሶ ሲንዋር፡ ካብቶም ኣዝዩ ተሪር መርገጺ ዘለዎም ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ጕጅለ ተገይሩ ይረአ።
ካብ ኢራንን መሻርኽታን ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጕምቲ ከይውሰድ ይስግኣሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ካቢነ ጸጥታ እስራል ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዝርከብ ዕርዲ ከም ዝተኣከቡ ቻነል 13 ኣቃሊሓ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







