እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቓዛ፡ እስራኤልን ሓማስን እሱራት ይለዋወጡ፡ መራሕቲ ሃገራት ምቁራጽ ተጻብኦታት ይፍርሙ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝርከቦም መራሕቲ ሃገራት ዓለም ንስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ቓዛ ብወግዒ ፈሪሞም።
እቲ ኣብ ግብጺ ዝተኻየደ ስነስርዓት፡ ኩሎም ብህይወት ዝጸንሑ ግዳያት ጅሆ ሓማስ ዝኾኑ 20 እስራኤላውያን ብምልኦምን፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤእል ዝጸንሑ ኣስታት 2000 ፍልስጤማውያን ድሕሪ ምልቃቖም'ዩ ተፈጺሙ።
ሬሳ ናይቶም ኣቐዲሞም ዝሞቱ ግዳያት ጅሆ'ውን ድሮ ንሰራዊት እስራኤክ ክርከብ ጀሚሩ ከምዘሎ ጸብጻባት ካብ ደቡብ እስራኤል ይሕብሩ ኣለዉ።
ናይ ግብጺ፡ ቐጠር፡ ቱርኪ፡ ዮርዳኖስ፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ቱርኪ፡ ከምኡ'ውን ፕረዚደንት ምምሕዳር ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ዝርከብዎም ሓያለ መራሕቲ ሃገራት ኣብቲ ኣብ ፍሉጥ መዘናግዒ ሻርም-ኣል-ሸክ ዝተኻየደ 'ዋዕላ ሰላም 2025' ተሳቲፎም።
ብእስራኤል ዝሓለፈ ትራምፕ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ "ናብዚ ህሞት እዚ ንምብጻሕ 3000 ዓመት ወሲዱ፡ ክእመን ይኽእል ዶ? ጸኒዑ'ውን ክቕጽል'ዩ" ክብል ዝተሰምዖ ባህታ ገሊጹ።
ነቲ ስምምዕ ክግበር ሓያል ጻዕሪ ከምዘካየደ ዝንገረሉ ኣመሪካዊ ፕረዚደንት፡ ነተን ከም መንጎኛታት ናይቲ መስርሕ ዝኾና መሻርኽቲ ሃገራት ግብጺ፡ ቐጠር፡ ቱርኪን ካልኦት ሃገራትን ዘለዎ ምስጋና'ውን ኣቕሪቡ።
ድሕሪ'ዚ፡ ኣሚር ቐጠር ታሚ ምቢን ሓማድ ኣል ታኒ፡ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣል-ሲሲ፡ ፕረዚደንት ቱርኪ ራሲፕ ታይፕ ኤርዶጋን ንሰነድ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክታሞም ኣንቢሮምሉ ኣለዉ።
ፕረዚደንት ግብጺ ንትራምፕ ዝለዓለ ሽልማት ኒሻን ሃገሩ ሸሊምዎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ'ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ'ውን ብተመሳሳሊ ዝለዓለ ሽልማት እታ ሃገር ንትራምፕ ክወሃብ ከምዝወሰነ ገሊጹ ነይሩ'ዩ። ትራምፕ ናይዚ ዓመት ሽልማት ኖበል ሰላም ዘይምርካቡ ከምዘየሐጎሶ ይፍለጥ።
ብሰኑይ ንግሆ ሸውዓተ ካብቶም ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ዝተፍትሑ ኰይኖም፡ ኣብ ካልኣይ ዙርያ ድማ ኵሎም እቶም ተሪፎም ዝነበሩ ናብ መሬት እስራኤል ከም ዝኣተዉ ተገሊጹ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኣስማት ናይቶም ድሒሮም ብሓማስ ዝተፈትሑ 13 ጅሆታት ኣረጋጊጹ ኣሎ።
እቶም ጅሆታት ኣብ ክልተ ጕጅለታት ተኸፋፊሎም ዝተለቁ ኰይኖም፡ ቀዳሞት ሸውዓተ ሎሚ 13 ጥቅምቲ ካብ ሰሜናዊ ቓዛ ክፍትሑ ከለዉ፡ 13 ድማ ድሒሮም ካብ ደቡባዊ ቓዛ ስዒቦሞም።
ካብቶም ኣቐዲሞም ዝተፈትሑ ሰለስተ መባእታዊ መርመራ ሕክምና ድሕሪ ምግባሮም ብወተሃድራዊት ሄሊኮፕተር ናብ ሆስፒታላት ተወሲዶም።
ሰራዊት እስራኤል ከም ዝሓበሮ፡ ድሕሪ ምሕካሞም ናብ ስድራቤቶም ክጽንበሩ እዮም።
ሓደ ካብ'ቶም ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ወዲ 48 ዓመት ኦምሪ ሚራን፡ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ኣብ ዝርከብ ናይ መጀመርታ መቐበሊ ኣጋይሽ ምስ ብዓልቲ-ቤቱ ዳግማይ ክራኸብ ተራእዩ።
ኦምሪ ካብቲ ኣብ ናሃል ኦዝ ዝርከብ ገዛኡ እዩ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ተጨውዩ።
ሓማስ ኣብ ሚያዝያ 2025፡ ኦምሪ መበል 48 ዓመት ልደቱ ከብዕል ዘርኢ ቪድዮ ለቒቑ ነይሩ።
ብዓልቲ-ቤቱ ሊሻይ ንዓኡ ምስርኣየት፡ "ኦምሪ ብህይወት ከም ዘሎ ወትሩ እዛረብን እርድኣኒንን ነይሩ፡" ኢላ።
ሬሳ ናይቶም ዝሞቱ ጅሆታት ድማ ንእስራኤል ክርከብ እዩ።
ከም ኣምሳያኡ ድማ ልዕሊ 1,700 እሱራት ቓዛን 250 ፍልስጤማውያን እሱራትን'ውን ክፍትሑ'ዮም።
ቤትጽሕፈት ሓበሬታ እሱራት ፍልስጤም፡ ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ዝተፈትሑ እሱራት ዝጸዓና 38 ኣውቶቡሳት ናብ ቓዛ ይሰርግራ ከም ዘለዋ ሓቢሩ ነይሩ፣ ድሒረን ድማ ኣብታ ርእሰ-ኸተማ ምዕራባዊ ገማግም ዝዀነት ራማላህ ኣትየን ኣለዋ።
ኣብ ቓዛ ዝርከባ ሆስፒታላት ድማ ክቕበላኦም ኣብ ምሽብሻብ ይርከባ።
ፈለማ ፍልስጤማውያን ዝጸዓና ክልተ ኣውቶቡሳት ቀይሕ መስቀል ናብ ራማላህ ኣብ ዝረገጻሉ፡ እቶም ክጽበዩ ዝጸንሑ ስድራቤታት ብሓጐስን ሆይሆይታን ተቐቢሎመን።
ኣደታትን ኣቦታትን ነቶም ዘፍቅሩዎም መቕርቦም ሓቚፎም ክበኽዩ ከለዉ፡ ካልኦት ድማ ኣብ ማእገሮም ብምሕንጋር ንምፍትሖም ጸምቢሎም።
ሓያሎ ካብዞም ናጻ ዝወጽኡ፡ ቤትፍርዲ እስራኤል ብገበን ቅትለት ብምኽሳስ ምሉእ ዕድመኦም ክእሰሩ ፈሪዱዎም ዝነበሩ እዮም።
መብዛሕትኦም ማጢጐም ይርኣዩ፣ ገለ ድማ ዝርአ መጕዳእቲ ኣለዎም። ብእግሮም ንምስጓም ዝተሸገሩ'ውን ነይሮም።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናብቲ ክነሰት ዝበሃል ባይቶ እስራኤል ኣብ ዝኣተወሉ ደው ኢሎም ብጣቕዒት ተቐቢሎሞ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ፡ እዛ ዕለት፡ "ኣብ ታሪኽ ክትውረቕ እያ፡" ትራምፕ'ውን፡ "ኣብ ታሪኽ ህዝብናን ዓለም [ስሙ] ክውረቕ እዩ፡" ኢሉ።
"ነዛ ህሞት ክንደይ ግዜ ተጸቢናያ፣ ንመላእ ሃገርና ወኪለ ድማ ብውልቀይ አመስግነካ፡" ኢሉዎ።
ናታንያሁ ቀጺሉ፡ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንእስራኤል ዝገበረቶ ደገፍ፣ ከምኡ'ውን ምስ ኢራን ኣብ ዝተገብረ ናይ 12 መዓልታት ኲናት ንስለ ዝተወስደ፡ "ተባዕ ውሳነታት፡" አመስግን ክብል ገሊጽሉ።
ኣብ ሰነ፡ ኣመሪካ ንሰለስተ ናይ ኢራን ንዩክለሳዊ መደበራት ወቒዓ።
"ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ከም ዝነበሩዋ ኣዕሩኽ እቲ ዝዓዘዘ እዩ፡" ኢሉ - ናታንያሁ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ እማመ ሰላም ትራምፕ ናብ ሰላም ዝወስድ "ወሳኒ" ስጕምቲ ክብል ብምግላጽ፡ "ኣነ ነዚ ሰላም ውፉይ እየ፣ ንስኹም'ውን ከምኡ፣ ሓቢርና ድማ ነዚ ሰላም ክንበጽሖ ኢና፡" ኢሉ።
"እዛ ዕለት ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ኣይሁዳውያን ውግእ ክልተ ዓመታት ዘብቅዓላ እያ፡" ብምባል ንዅሎም ህይወቶም ዝኸፈሉ እስራኤላውያን ወተሃደራት ኣመስጊኑ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ክነሰት መደረኡ ክጅምር ከሎ ብጣቕዒት እዮም ተቐቢሎሞ።
"ጽቡቕ ቦታ - ብሓቂ ጽቡቕ ቦታ፡" ኢሉ ብምጅማር፡ "ልዑል ሓጐስን ምሉእ ተስፋን ኣብ ዘለወላ መዓልቲ ኢና ተራኺብና፡" ኢሉ።
"ኣብ ጸላምን ምርኮን ዝነበሩ 20 ተባዓት ጅሆታት ድሕሪ ክልተ ዘሕዝና ዓመታት ናብ ሕቝፊ ስድራቤቶም ይምለሱ ኣለዉ። ብተወሳኺ፡ 28 ክቡራትን ፍቑራትን ንዘልኣለም ከዕርፉ ናብዚ ቅዱስ መሬት ይመጽኡ ኣለዉ፡" ክብል ተዛሪቡ።
"እቶም ጠበንጃታት ስቕ ኢሎም ኣለዉ፡" ይብል'ሞ፡ ዛጊት እቲ ዞባ ኣብ "ሰላም" ከም ዘሎን "ንዘልኣለም፡" ከምኡ ኢሉ ክቕጽል ተስፋ ከም ዝገብርን ተተስፍዩ።
"እዚ ታሪኻዊ ወጋሕታ ናይ ሓዳስ ማእከላይ ምብራቕ እዩ፡" ብምባል፡ ነቲ "ፍሉይ ትብዓት ዘለዎ ሰብ፡" ዝበሎ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ምስጋና ኣቕሪብሉ።
ትራምፕ ነተን ኣብ መስርሕ ዘተ ዝሓገዛ ሃገራት ዓረብ እውን ኣመስጊኑ። ነቲ ብሓባር ዝዓየይዎ ዕማም ድማ፡ "ንምእማኑ ዘጸግም ዓወት፡" ክብል ገሊጹዎ።
ትራምፕ ቀጺሉ፡ ምስ ስድራቤት ናይቶም ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ክራኸብ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።