ኣንጀሊና ጆሊ ምስ ብራድ ፒት ንኽትፋታሕ ክሲ ኣቕሪባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ከዋኽብቲ ተዋሳእቲ ሆሊዉድ፡ ኣንጀሊና ጆሊን ብራድ ፒትን ብወግዒ ንኽፋትሑ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኣለው።
ኣንጀሊና ጆሊ፡ በዓል ቤታ ነበር ብራድ ፒት፡ ኣብ በረራ ብናይ ብሕቲ ነፋሪት እንከለዉ፡ ብስኽራን ተሰኒፉ ኣብ ልዕሊኣን ደቈምን መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ፡ ብወግዒ ንፍትሕ ክትሓትት ከምዝደረኻ ዝገልጽ ወረቐት ክሲ፡ ትማሊ ሰሉስ 4 ጥቅምቲ 2022 ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪባ።
ኣንጀሊና ኣብ ዘቕረበቶ ክሲ፡ እዞም ክልተ ከዋኽብቲ ኣብቲ ኣብ 2016 ዘካይድዎ ዝነበሩ ጕዕዞ፡ ብራድ ፒት ንዓኣ ብርእሳ ሒዙ ምንዝናዙን፡ ንኽልተ ደቈም ምጥቅዑን፡ ብዛዕባ እቲ ብሓባር ኣብ ፈረንሳ ዘጥረይዎ ፋብሪካ ነቢትን ተዘርዚሩ’ሎ።
ብራድ፡ ካብ ፈረንሳ ናብ ሎስ-ኣንጀለስ ኣብ ዝነበረ በረራኦም፡ ኣብ ልዕሊ ስድራኡ ኣልኮላዊ መስተ ከምዘፍሰሰን ከም ዝተጻረፈን እውን ትዛረብ።
ኣብቲ ዝቐረበ ክሲ፡ እቲ ተዋሳኣይ፡ ኣብታ ነፋሪት እንከለው ኣብ ልዕሊኣን ኣብ ልዕሊ እቶም ሽዱሽተ ደቆምን - ኣብቲ እዋን ካብ 8 ክሳብ 15 ዓመት ዝዕድመኦም - ኣካላውን ስምዒታውን ዓመጽ ከምዝፈጸመ የመልክት።
ብራድ ፒት ግን ነዚ ክሲ ይነጽጐ።
ምስዚ ተዋሳኣይ ቅርበት ዘለዎ ምንጪ፡ እዚ ዘረባ ጆሊ ሓሶት'ዩ ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ነዚ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እትደልዮ ክትረክብ ኣብ ዘይትኽእለሉ እዋን፡ ነቲ ዛንታ እናቐየረት እናመሓየሸት ፍጹም ዘይሓቂ ሓበሬታ ብምውሳኽ ትቕጽል ኣላ. . . ዛንታኣ ብቐጻሊ እዩ ዝቀያየር" ይብል እቲ ምንጪ።
ኣንጀሊና ጆሊ፡ ኣብቲ ብ14 መስከረም 2016 ዘካየድዎ በረራ ዝተርኣየ ምዃኑ ዝገለጸቶ ባህርያት ብራድ ኣመልኪታ ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪባቶ ኣብ ዘላ ክሲ፡ እቶም ተዓወትቲ ሽልማት ኦስካር ዝዀኑ መጻምድቲ ብወግዒ ንኽፋትሑ ሓቲታ'ላ።
ኣብቲ ብሰሉስ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ብኣማኸርቲ ሕጊ ኣንጀሊና ዝቐረበ ክሲ፡ ሓድሽ ዝርዝራት'ውን ኣቕሪቡ’ሎ። እዞም ናይ ቀደም መጻምድቲ ብሓባር ዘጥረይዎ ኣብ ደቡብ ፈረንሳ ዝርከብ ገዛን ሕርሻ ወይንን ትካል ነቢት ‘ሻቶ ሚራቫል’ ዘጠቓልል እዩ።
ብራድ፡ ንሱን በዓልቲ ቤቱ ነበርን ኣብቲ ብሓባር ዘጥረይዎ ንብረት፡ ሓደ ብዘይ ፍቓድ እቲ ካልእ፡ ብጽሒቱ ከይሸይጥ ተሰማሚዖም ከምዝነበሩ ይምጕት።
ጆሊ ብዛዕባ’ዚ፡ ፒት ብጽሒታ ባዕሉ ንኽዕድጐ ጀሚሮምዎ ዝነበሩ ዝርርብ ምቁራጹ ትወቅስ።
ርስቲ ሚራቫል ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ፈረንሳ ኣብ እትርከብ ቁሸት ኮረንስ ዝርከብ ኰይኑ፡ እዞም መጻምድቲ ኣብ 2008 ብኣስታት ብ25 ሚልዮን ዶላር ዝዓደግዎ እዩ።
እቶም ከዋኽብቲ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት [2014] ድማ ኣብኡ ተመርዕዮም።
ፒት እውን ንኣንጀሊና፡ ነቲ ኣብ ንግዲ ነቢት ዝገበሮ፣ ዘፍሰሶ "ገንዘብን ዘይክፈሎ ረሃጽን" ንምድኻምን ንምህሳይን፡ ኣብቲ ርስቲ ዘለዋ ብጽሒት ንሓደ ሃብታም ሩስያዊ ክትሸጦ ብምውሳና ከሲሱዋ እዩ።
እቲ ክሲ ብተወሳኺ. . .

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጠበቓታታ፡ እቲ ኮኾብ ተዋስኣይ ንጆሊ፡ "ንቘልዑታ ዝያዳ ከምእትግደስ" ብምግላጽ እናጨደረ ክወቕሳ ከም ዝጀመረ ይኸሱ።
እቲ በረራ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ፒት ኣብ ድሕሪት እታ ነፋሪት ናብ ዝነበረ “ሽቓቕ ስሒብዋ" ክብል ጠቒሱ’ሎ።
እቲ መዝገብ ክሲ ብተወሳኺ፡ "ፒት ንጆሊ ብርእሳ ሒዙ ነዋኒውዋ፣ ድሕሪኡ ኸኣ መንኩባ ሒዙ ነውኒውዋ፡ ብድሕሪኡ ናብ መንደቕ ሽቓቕ ደፊኡዋ" ይብል።
"ድሕሪኡ ፒት ንናሕሲ ‘ታ ነፋሪት ብዙሕ ግዜ ብምጕሳጥ ንጆሊ ካብቲ ሽቓቕ ክትወጽእ ደሪኽዋ።"
ሓደ ካብቶም ቈልዑ ብዘረባ ጣልቃ ክኣቱ ምስ ጀመረ፡ ፒት "ንገዛእ ውላዱ ከም ዝሃረመ" እቲ ክሲ ኣስፊርዎ’ሎ።
ድሕሪኡ ጆሊ "ደው ንኸተብሎ ብድሕሪት ብሕቈኡ ሒዛቶ" ይብል ወረቕት ክሲ ቤት ፍርዲ።
"ሽዑ ፒት ብድሕሪት ብሕቘኡ፡ ነብሱ ናብቲ መንበር እታ ነፋሪት ደርብዩ፡ ንዓኣ ኣብቲ ሰድያ ብምልጋዕ ሕቘኣን ብርካን ሃስይዋ" እናበለ ይቕጽል።
"እቶም ህጻናት ተጓይዮም ኵሎም ብትብዓት ነንሕድሕዶም ክከላኸሉ ፈቲኖም። ቅድሚ’ቲ ኵነታት ደው ምባሉ ፒት ንሓደ ካብቶም ቈልዑ ሓኒቝ ንኻልእ ድማ ኣብ ገጹ ወቒዕዎ።"
ጠበቓታት ጆሊ፡ ንሳን ደቃን ንዝተረፈ በረራ "ኣብ ኮቦርታ ኣትዮም ስቕ ኢሎም" ይብሉ።
"ፒት ጸጸኒሑ ካብ ድሕሪት ‘ታ ነፋሪት እናመጸ ይጭድርን ይምሕልን ነይሩ። ሓንሳእ፡ ኣብ ልዕሊ ጆሊን ሓደ ቈልዓን ቢራ ኣፍሲሱ፤ ኣብ ካልእ እዋን ድማ፡ ቢራን ቀይሕ ነቢትን ኣብ ልዕሊ እቶም ህጻናት ኣፍሲሱ" ይብል እቲ ፋይል።

ምንጪ ስእሊ, PA Media
እቲ ፍጻመ ኣብ 2016 ብኤፍ.ቢ.ኣይ ዝተመርመረ ኰይኑ፡ ሰብመዚ ናብ ክሲ ከይከይከዱ ወሲኖም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቤት ፍርዲ፡ ክልቲኦም ወለዲ መጕዚትነት ደቈም ክህልዎም ወሲኑ።
ጠበቓታት ጆሊ ኣብቲ ዘቕረብዎ ጥርዓን፡ እታ ተዋሳኢት "ብሰንኪ ኣብታ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ደቈም ዝወረደ ቃንዛ ንምፍዋስን ከም ዝርስዕዎ ንምግባርን ብዙሕ ጻዕሪ ከምዝገበረት" ይገልጹ።
ንሳቶም ወሲኾም፡ ኣብቲ ትካል ዘለዋ ብጽሒት ክትሸይጥ ዝወሰነት፡ ብኸፊል "ምስ ኣልኮላዊ መስተ ዝተኣሳሰር ንግዲ ምቕጻላ ዝፈጥረላ ዘይምቹእነት እናዓበየ ብምምጽኡን፣" ምዃኑ ብምጥቃስ፡ “እቲ ፍሉጥ ጸገም መስተ ፒት” እውን ተመልክት።
ብራድ ፒት ኣብ 2019 ንጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ኣንጀሊና ጆሊ ድሕሪ ምፍልላዩ ናብቲ ‘ኣልኮሆሊክስ ኣኖኒመስ’ ዝተባህለ - ብሰንኪ ክቱር ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ንዝተመረዙ ሰባት ዝሕግዝ ትካል ግብረ ሰናይ - ከምዝተጸንበረ ገሊጹ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







