እሳተ-ጎመራ ክልል ዓፋር፡ ድሕሪ 12,000 ዓመታት ዝተፍኦ ሓመዅሽቲ ኣህጉርን ውቅያኖስን ይሳገር

ናብ ሰማያት ዝዓረገ ነትጒ እሳተ-ጎመራ ንቀይሕ ባሕሪ ሰጊሩ ኣብ ልዕሊ የመንን ዑማንን ዝበጽሐ ዶረና ናብ ምብራቕ ክግስግስ ዘርኢ ናይ ሳተላይት ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ድሕሪ ኣስታት ዓሰርተ ሽሕ ዓመታት ዝተፈንጀረ እሳተ-ጎመራ ኢትዮጵያ ዝተፍኦ ሓሙኽሽቲ ንቀይሕ ባሕሪን ህንዳዊ ውያኖስን ከምዝሰገረ ይግለጽ ኣሎ።

ክፍሊ ሜትሮሎጂ ህንዲ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ እቲ ብሰማያት የመንን ዖማንን ዝሓለፈ ዕምብረ ናብ ርእሰከተማ ደልሂ ከምዝበጽሐ ተፈሊጡ።

እቲ ኩነታት ኣብ ህንዲ ሓያለ ምቁራጽ፡ ምድንጓይን ምትዕንቓፍን በረራታት ኣየር ኣስዒቡ ኣሎ።

እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያን ድሕሪ ኣስታት ዓሰርተ ሽሕ ዓመታት ዝተኸስተ እሳተ ጎመራ ዝፈጠሮ ትክን ዶሮናን ንሰማያት እቲ ከባቢ ዓብሊኽዎ ከምዝርከብ ተገሊጹ።

እቲ ብሰንበት ኣብ ክልል ዓፋር - እምባ ሃይሊ ጉቢ ዘጋጠመ ፍንጀራ እሳተ ጎመራ ዝፈጠሮ ትክን ደሮናን ንሰማይ ክሳብ 14 ኪሎሜተር ከምዝሃገገን እቲ ደሮናን ትክን ክሳብ የመንን ዖማንን ከምዝበጽሐ ይፍለጥ።

ሰብ መዚ እቲ ከባቢ፡ ካብቲ እሳተ ጎመራ ዝተፈጠረ ትኪ ኣብ ዙርያ እቲ እምባ ዝርከባ 8 ኪሎሜተር ከም ዝሸፈነን ካብቲ እምባ ኣስታት 50 ኪሎሜተር ርሒቖም ዝነበሩ ሰባት'ውን ንድምጺ ናይቲ ፍንጀራ ከምዝሰምዕዎን ገሊጾም።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣባባ ዳይረክተር ጅኦሎጂ ፕሮፌሰር ኣታላይ ኣየለ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት እቲ እምባ ንዝሓለፈ 10 ሽሕ ዓመታት ዘይንጡፍ ኰይኑ ድሕሪ ምጽናሕ ከምዝተኸሰተ ገሊጹ።

እቲ እሳተ ጎመራ ዝተረኣየሉ ጎቦ ኣብ ጥቓ ብቐጻሊ እሳተ ጎሞራ ዝርኣየሉ ኢርታኢለ ዝርከብ ኰይኑ እቲ እሳተ ጎመራ ዝፈጠሮ ድምጺ ዘይንቡር ምዃኑ እቲ ፕሮፌሰር ገሊጹ።

ብሰንኪ'ዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ህይወት ሰብ ዘስዓቦ ሓደጋ ሞት'ኳ እንተዘየለ፡ ሰብ መዚ ክልል ዓፋር ግን እቲ ትክን ደሮናን ኣብ ጥዕና ሰባት ጉድኣት ከስዕብ ስለዝኽእል ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሕብረተሰብ ካብ ዝዀነ ጥዕናዊ ሓደጋታት ንምክልኻል ይሰርሑ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

እቲ እሳተ ጎመራ ክሳብ ክንደይ ኣስጋኢ'ዩ?

እቲ ኣብ ክልል ዓፋር ዞባ ኣፈድራ ዘጋጠመ እሳተ ጎመራ ኣዝዩ ብርቱዕ ድምጽን ብርቱዕ ትክን ደሮናን ከምዘውጸአ'ዩ ፕሮፌሰር ኣታላይ ኣየል ዝገልጽ።

እቲ እሳተ ጎመራ፡ ነዊሕ ዕምቖት ካብ ዘይብሉ ቀጸላ ምድሪ ስለዝተበገሰ ዝዀነ ምንቅጥቓጥ ምድሪ ከምዘየስዓብ'ውን ነቲ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ንምንቅስቓስ እቲ እሳተ ጎመራ ዝመዝግብ ኤለትሮኒካዊ መሳርሒ ከም መወከሲ ብምጥቃም እቲ ክኢላ ኣረዲኡ።

ፕሮፌሰር ኣታላይ ኣየለ ብምስዓብ ከምዚ ዓይነት እሳተ ጎመራ ኣብ ውሽጢ ከርሲ መሬት ዝተዓብጠ ሓይሊ ብዝረቐቐ ክፋል ላዕለዋይ ቀጸላ መሬት ናብ ላዕሊ ኣብ ዝወጽኣሉ ከምዝፍጠር ገሊጹ።

"እቲ እሳተ ጎመራ ዘጋጠመሉ ቦታ ካብ ኢራታለ 10 ኪሎሜት ጥራይ ራሕቂ ዘለዎ'ዩ፤ እቲ ኣብ ውሽጢ ዝተዓብዓበ ሓይሊ ንኣኻውሕ ፈንጢሱ ናብ ላዕሊ ኣብ ዝፍንጀረሉ ሓያል ነትጕ'ዩ ዝፈጥር" ኢሉ።

እቲ እሳተ ጎመራ ዝፈጠሮ ትክን ደሮናን

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, እቲ እሳተ ጎመራ ዝፈጠሮ ትክን ደሮናን

እቲ ንሰማይ ክሳብ 14 ኪሎሜቴር ዝበጽሐ ዕምብረ ትክን ደሮናን ንደቡባዊ ምብራቕ ኤርትራን ቀይሕ ባሕርን ሰጊሩ ክሳብ ብዓል የመንን ዖማንን ምብጽሑ ክሳብ ክንደይ ብርቱዕ ምንባሩ ዘርኢ'ዩ።

እቲ ብዓይነት እሳተ ጎመራ ናብ ሰማይ ዝውንጨፍ ትክን ደሮናን ኣብ ውሽጡ ብዙሓት ንጥዕናን እንስሳን ተጓዳእቲ ዝዀኑ ንጥረ ነገራት ዝሓዘ ምዃኑ ፕሮፌሰር ኣታላይ ኣየለ ይሕብር።

እንተዀነ እቲ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ኣብቲ እቲ እሳተ ጎመራ ዝተፈጠረሉ ከባቢ ጥራይ ከምዝዀነ እቲ ክኢላ ሓቢሩ።

እቲ እሳተ ጎመራ ዘጋጠመሉ ቦታ ኣዝዩ በሪኽ ብምዃኑ ብዙሕ ሰብን እንስሳን ዘይነብረሉ ብምዃኑ ኸኣ ነቲ ክስዕብ ዝኽእል ዝነበረ ሓደጋ ከምዘጉደሎ'ዩ ተገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ጥዕና ክልል ዓፋር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "እቲ ትክን ደሮናን ኣብ ጥዕና ሰባት ሓደጋ ከኸትል ስለዝኽእል" ጥንቃቐታት ክግበር ጸዊዑ ኣሎ።

ካብ ዝዀነ ጥዕናዊ ጸገማት ንምክልኻል ከኣ ነባሪ እቲ ከባቢ ንኣፎምን ኣፍንጫኦምን ዝሽፍን ማስክ ክጥቀሙ እቲ ቤት ጽሕፈት መኺሩ'ሎ።