እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኵዕሶ እግሪ፡ ስጳኛን ኣርጀንቲናን ተዓወትቲ ዋንጫ ኣውሮጳን ኣመሪካን ኰይነን
ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ፍጻመ ዋንጫ ኣውሮጳ፡ ስጳኛ ንዓዲ እንግሊዝ ብምርታዕ ተዓዋቲት ዋንጫ ኣውሮጳ 2024 ኰይና።
ሎሚ ወጋሕታ ኣብ ዝተካየደ ዋንጫ ኮፓ ኣመሪካ’ውን ኣርጀንቲና ኣብ ልዕሊ ኮሎምብያ ዓወት ብምምዝጋብ ተዓዋቲት ዋንጫ ኣሜሪካ 2024 ኰይና።
ስጳኛ ነቲ ኣብ ምድብ፡ ኣውዲቕካ ምሕላፍን ፍጻመን ዘካየደቶ ጸወታታት ብዘይ ዝዀነ ፍጹም ቅላዕ ንሸውዓቲኡ ጸወታታት ብምስዓር’ያ ተዓዋቲት ዋንጫ ክትኸውን ክኢላ።
እዚ ከኣ ኣብ ዋንጫ ኣውሮጳ ሓዲሽ ክብረ ወሰን ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ትማሊ ምሸት ንዓዲ እንግሊዝ 2 ን 1 ዝሰዓረት ስጳኛ በቲ ናይ ትማሊ ዓወታ ተሓዚዛ ንራብዓይ ግዜ ተዓዋቲት ዋንጫ ኣውሮጳ ክትከውን ክኢላ ኣላ።
ስጳኛ ነተን ቅድሚ ሕጂ ዋንጫ ዓለም ወሲደን ዝፈልጣ፡ ጣልያን፡ ጀርመን፡ ፈረንሳን ዓዲ እንግሊዝን ከምኡ ከኣ ንክሮኦሽያ ብምስዓር’ያ ነዚ ዓቢ ዓወት ክትጎናጸፍ ክኢላ።
ብዘይካ'ዚ ሮድሪ ዝበለጸ ተጻዋታይ ዋንጫ ኣውሮጳ 2024 ክኸውን እንከሎ ያሚነ ያማል ከኣ ዝበልጸ መንእሰይ ተጻዋታይ ዋንጫ ኣውሮጳ 2024 ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም።
ኣሰልጣኒ ዓዲ እንግሊዝ ጋረዝ ሳውዝጌት ድሕሪ ጸወታ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ስጳኛውያን በቲ ዘርኣይዎ ጸወታ እቲ ዓወት ከም ዝግበኦም ተኣሚኑ።
ጋረዝ ሳውዝጉት “ንስጳኛውያን እንቋዕ ሓጎሶም፤ ነቲ ሎሚ ዘርኣይዎ ጸወታ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ምሉእ እዚ ጸወታ ኣዝዩ ብሉጽ ጸወታ’ዮም ኣርእዮም” ኢሉ።
እታ ትማሊ ዋንጫ ዝወሰደት ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ ልክዕ ከምታ ኣብ 2008 ከምኡ ከኣ 2012 ዋንጫ ኣውሮፓ ዝወሰደትን ኣብ 2010 ዋንጫ ዓለም ዝዓተረትን ሃገራዊት ጋንታ ተመሳሳሊ ቅዲ ጸወታ ብምኽታል፡ ብዓብላልነት’ያ ነዛ ናይ ሎሚ ዓመት ዋንጫ ተዓዊታትላ።
እቶም ዊልያምስ ብዓርቢ መበል 22 ዓመት ያማል ከኣ ብቀዳም መበል 17 ዓመት ልደቶም ዝነበረ ስጳኛውያን ተጻወትቲ እቶም ኣብዚ ዓመት ኣዝዮም ደሚቆም ዝወጽኡ ተባሂሎም ክግለጹ ይኽእሉ’ዮም።
እዞም ካብ ሜዳ ወጻኢ’ውን ኣዝዮም ዝቐራረቡ ኣዕሩኽ ምዃኖም ዝግለጹ መንእሰያት ኣብ ዓወት እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣዝዩ ንኡድ ኣበርክቶ’ዩ ነይርዎም።
ተጻዋታይ ባርሲሎና ዝዀነ ያማል፡ እቲ ዝንኣሰ ኣብ ዋንጫ ኣውሮጳ ሸቶ ዘመዝገበ፡ ንሸቶ ዝዀና ኮዓሳሱ ዘቐበለን ዋንጫ ዝወሰደን ተጻዋታይ ተባሂሉ ሓዲሽ ክብረወሰን ሒዙ ኣሎ።
ዊልያምስ ኣብ መበል 47 ደቂቅ ካብ ያማል ዝተቐበላ ኩዕሶ ሸቶ ብምምዝጋብ ንስጳኛ ኣብ መሪሕነት ከቐምጣ እንከሎ እንግሊዝ ኣብ መበል 73 ደቂቕ ብመንገዲ ፓልመር ሸቶ ረኺባ ክትመዓራረ ክኢላ ነይራ’ያ።
ጸወታ ማዕረ ተወዲኡ ናብ ተወሳኺ ግዜ ከምርሓ’የን እናተባሀለ ግን ሚከል ኦያረዛባል ኣብ መበል 86 ደቂቕ ሸቶ ብምምዝጋብ ንስጳኛ ተዓዋቲት ዋንጫ ኣውሮጳ 2024 ገበራ።
ናብቲ ሎሚ ወጋሕታ ዝተኻየደ ዋንጫ ኣሜሪካ ምስ እነብል፡ ኣርጀንቲና ኣብ ተወሳኺ ግዜ ኣብ መበል 112 ደቂቕ ብመንገዲ ላውታሮ ማርቲነዝ ብዝረኸበታ እንኮ ሸቶ ንመበል 16 ግዜ ተዓዋቲት ዋንጫ ኣሜሪካ ብምዃን ሓዲሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊባ።
ጸወታ ብሰንኪ ኣብ ኣፍደገ ስታድዮም ዝነበረ ዕግርግር ካብቲ ዝተሓሰቦ ብ80 ደቂቕ ዶንግዩ’ዩ ተጀሚሩ።
ሓለቓ ጋንታ ኣርጀንቲና ልዮነል ሜሲ ኩዕሶ እናዀብዀበ እንከሎ እግሪ ብምህሳዩ ኣብ ካልኣይ እብረ ምስ ተቐየረ እናነበዐ’ዩ ካብ ሜዳ ወጺኡ። ንብዓቱ ግን ኣብ መወዳእታ ብዓወት ተደቢሱ።
እቲ ብሰንኪ ኣብ ኣፍደገ ሜዳ ሃርድ ሮክ ዘጋጠመ ጽቅጥቅ ዶንጉዩ ዝጀመረ ጸወታ፡ ትኬት ዘይገዝኡ ተዓዘብቲ ናብ ሜዳ ንምእታው ብዝገበርዎ ናዕቢ እቲ ጸወታ ከም ዝተዶናጐየ ኣካየድቲ እቲ ጸወታ ሓቢሮም።
ፖሊስ ብዙሓት ከምዝኣሰሩን፡ በቲ ምጽቅቃጥ ዝተሃሰዩ ናብ ሆስፒታል ዝኣተዉ ከም ዘለዉ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብ ልዕሊኡ ቀዳማይ እብረ ጸወታ ምስ ተወደአ፡ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ኮሎምብያዊት ድምጻዊት ሻኪራ ደርፊ ንኸተቅርብ ኣብ ክንዲ 15 ደቂቅ 25 ደቃይቕ ብምውሳዱ ኣዳለውቲ እቲ መደብ ካብ ብዙሓት ነቀፌታ ክበጽሖም ክኢሉ’ዩ።
ንኣርጀንቲና መዐወቲት ሸቶ ዘመዝገበ ማርቲነዝ ብሓፈሻ ኣብ ዋንጫ ኣሜሪካ 2024 ሓሙሽተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ተዓዋቲ ወርቓዊ ጫማ ክኸውን ክኢሉ።
እቲ ክሳብ ወዲ 34 ዓመት ዝኸውን ምስ ሃገራዊት ጋንትኡ ብምዃን ዝዀነ ዋንጫ ክዕወት ዘይክኣለ ሜሲ ግን ኣብ መወዳእታ ዝርሓሶ ይመስል።
ኣብ 2021 ተዓዋቲ ዋንጫ ኣሜሪካ፡ ኣብ 2022 ተዓዋቲ ዋንጫ ዓለም ሕጂ ከኣ ደጊሙ ተዓዋቲ ዋንጫ ኣሜሪካ 2024 ክኸውን በቂዑ።
ወዲ 37 ዓመት ኰይኑ ዘሎ ሜሲ ኣብቲ ኣሜሪካ፡ ካናዳን ሜክሲኮን ብሓባር ዘአንግድኦ ዋንጫ ዓለም 2026 ምሰ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ኰይኑ ክጻወት ድዩ ግን ብሕጂ ክውስን ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።
ዓቕሙ እናጎለ ይኸይድ ከም ዘሎ ዝግለጽ ሜሲ ኣብዚ ጸወታ ሓንቲ ሸቶ ከመዝግብ [ኣብ ልዕሊ ካናዳ] እንከሎ ሓንቲ ፍጹም ቅላዕ [ኣብ ልዕሊ ኢኳዶር] ከኣ ስሒቱ።