ሮናልዶ፡ ምስጢር ዓወቱን ኣብ ሃገራዊት ጋንታኡ ዘስረጾ ሓያል ስምዒትን እንታይ እዩ?

ክርስትያኖ ሮናልዶ ንሃገራዊት ጋንታኡ መሪሑ ሎም ዘበን እውን ናብ ርብዒ ፍጻመ ዩሮ-2024 ኣብጺሑዋ'ሎ። ምስዚ ወዲ 39 ተኣምረኛ ተጻዋታይ ጽቡቕ ግዜ ዘሕለፈ፡ ካብ ንእስነት መጻውትቱ ዝነበረ ወዲ ሃገሩ ሆዜ ፎንተ፡ ኣብ ህይወት፡ ስብእናን ዲሲፕሊንን ሮናልዶዶ ዘለዎ ጦብላሕታ፡ ንቢቢሲ ኣካፊሉ። እንሆ፤

---

ክርስትያኖ ሮናልዶ፡ ህላወኡ ኣብ ሃገራዊት ጋንታኡ ዝገልጽ ዝንቡዕ ዛንታታትን ወረታትን ክሰምዕ ከለኹ የስሕቐኒ፡ እቲ ኻልእ ስለዘይግለጽ።

ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ምስኡ ብዙሕ ዓመታት ኣብ ዘሕለፍኩሉ እዋናት ጸገም ርእየ ኣይፈልጥን። እቲ ዝፈልጦ ንባዕሉ ዓቢ ፕሮፌሽናል ተጻዋታይ ጥራይ ዘይኮነስ ንዅሎም ደቂ ጋንታኡ ክሕግዝ ዝጽዕር ሓያል ሰብ እውን እዩ።

ኵሉ መዓልታዊ ንጥፈታትይ ብምዕዛብ ጥራይ ዕዉት ክትከውን እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ሓሳባት ዝህብ እዩ፤ ምስ ሮናልዶ ምዃን ማለት ካብ ገዛእ ህይወቱ ብዙሕ ምኽሳብ ማለት እዩ።

ሓለቓ ጋንታ’ዩ፡ ኵሉ ግዜ ብዙሕ ክዛረብ ዝስማዕ ዓይነት ሰብ እዩ፤ ዘረባ ጥራይ ግን ኣይኰነን ኣብ ሜዳ ይዅን ካብ ሜዳ ወጻኢ ብኣብነት ዝመርሕ ሓለቓ ጋንታ።

ወትሩ፡ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ናብ ጂምናዝየም ፊዚዮቴራፒን ብምኻድ ኣካላቱን ኣእምሮኡን ከዳሉ እንከሎ፡ ንዅሉ ሰብ ደሪኹ ደድሕሪኡ ክስዕብ ይገብር።

ኣብታ ሃገራዊት ጋንታ ንሱ ይመርሕ፤ ንሕና ድማ ንስዕቦ ኔርና። ኵላትና ብሳላኡ ለይቲ ሰዓት 2 ተሲእና ከትከት ብዝብል ብበረድ ሰብነትና ክንሕጸብን ሳውናን ብምግባር፡ ጋንታ ምሉእ ብሓባር ንኣካላዊ ሕውየትና ዝሕግዝ ዘድሊ ነገራት ንገብር።

ጽቡቕ ናይ ጋንታ መንፈስ ምፍጣር፡ ኵሉ ግዜ ካብ ብሉጻት ሰባት እትረኽቦ ዕድል ገይረ እየ ዝርእዮ ነይረ። ኣብዚ ጸወታታት እዚ እዋን ብዙሕ ብቐጥታ ትረኽቦ ሓበሬታን መረዳእታን መሊኡ እዩ። ተጻወትቲ ድማ እንታይ ከምዘድልዮምን ከምዘየድልዮምን ብሓፈሻ ነብሶም ንምምዕባል ይዅን ንምድላው ናይ ገዛእ ርእሶም መጽናዕቲ ክገብሩ ይኽእሉ።

ሮናልዶ ግን ምስቶም ኣዝዮም ብሉጻት ክኢላታት - ኣብ ኵሉ ዓውዲ - ዓለም ናይ ምዝራብ ክእለትን ዓቕሚን ኣለዎ፤ እቲ ጽቡቕ ነገሩ ድማ ፍልጠቱ ንዅሉ ሰብ ከካፍሎ ሕጕስ ምዃኑ'ዩ።

ጋንታኡ ኣብ ዝበለጸ ደረጃ ከብጽሕ ስለዝደሊ ኣብ ዝሓተትካዮ እዋን ዝዀነ ሓበሬታ ይዅን ምኽሪ ክህብ ሕጕስ እዩ፡ ነቲ ናይ ስራሕ ጋንታ ሃዋሁ ምቹእን ሕጕስን ናይ ምግባር ዓቕሚ ኣለዎ።

'ወትሩ ክዕወት ዝደሊ እንስሳ'

ምስ ሮናልዶ ካብ እንፋለጥ ነዊሕ ዓመታት ኰይኑ’ሎ። ንኣሽቱ ጀመርቲ መንእሰያት ኴንና ኣብ ጋንታ መንእሰያት ስፖርቲን ሊዝበን [ናይ ፖርቱጋል] ካብ ዝነበርናሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ኵሉ ግዜ ብሉጽ ናይ ምዃን ዓቢ ድሌት የንጸባርቕ ነይሩ።

ልዕሊ ዕድመኡ ይጻወት ስለዝነበረ ወዲ 16 ዓመት እንከሎ ኣብ ጋንታ ትሕቲ 17 ዓመት ምሳይ ነይሩ። ሽዑ ድሮ ዘይተኣደነ ተውህቦኡ ስለዘግሃደ፡ ኵሉ ኣብ ጋንታ ስፖርቲን ዝነበረ ሰብ ኣብኡ ፍሉይ ነገር ከምዘሎ ከስተውዕል ጀሚሩ።

ሕጂ ተመሊሰ ክዝክሮ እንከለኹ፡ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ፍሉይ ኣተሓሳስባ እዩ ነይርዎ። ድሕሪ ልምምድ፡ ኵሉ ሰብ ነናብ ገዛኡ ምስ ከደ ኣብ ጂም ይተርፍ። በይኑ ተሪፉ ድማ፡ ኣካላዊ ድልዳለን ቅልጣፈን ክውንን ኣበርቲዑ ይጽዕር ነይሩ።

ወትሩ ክዕወት ዝደሊ ተወዳዳሪ መንፈስ ነይርዎ። ድሕሪ ልምምድ ኣብ መሕጸቢ ሰብነት ‘ሻወር’ ካብ ዝዀነ ሰብ ንላዕሊ ፑሽ-ኣፕ ክገብር እየ ይብለና’ሞ፤ ብርግጽ ድማ ይገብሮ ነይሩ።

እቲ ድርኺት ግን ምስ ኣካሉ ተወሃሂዱ እዩ። ስለዝዀነ እዩ ድማ ኣብ መበል 39 ዕድመኡ፡ ሃገራዊት ጋንታኡ መሪሑ ኣብ ዩሮ 2024 ዘሎ። ንሱ ዓወትን ምዕዋትን ክቕጽል ዝደሊ እንስሳ እዩ፤ እቲ ዝበለጸ ምዃን ጥራይ ዘይኰነ ወትሩ ከረጋግጾ እዩ ዝደሊ።

ኣብ ነብሱ ክሳብ ክንድዚ ድፍኢት ክትቅጽል ዘኽእል ኵነተ-ኣእምሮ ምህላው ንምእማኑ ዘጸግም እዩ። ምኽንያቱ ኣብቲ ንሱ ዝበጽሖ ኣዝዩ ላዕለዋይ ደረጃ ኴንካ ንነዊሕ ዓመታት ክትጸንሕ ዘይተኣደነ ስራሕ ስለ ዝሓትት።

ንሱ ግን ክርስትያኖ ሮናልዶ እዩ፤ ብኣእምሮ ድማ ፈጺሙ ዘይጸዓድ ሰብ። ስለምንታይ እዩ ብዙሕ ተዓዊቱ ብዙሕ ዝሰርሐ፣ ልዕሊ ዅሉ እቲ ኣብቲ ተጻዋታይን ሰብን ሮናልዶ ዘሎ ሓያል መንፈስ እዩ ምበልኩ።

'ከም ዕቡዳት ኢና ንስልጥን ነይርና'

ኣብ ዳሕረዋይ ዕድመይ እየ ናብ ጋንታ ፖርቱጋል ተጸንቢረ - ኣብ 2014 ክጽዋዕ ከለኹ ዳርጋ ወዲ 31 ዓመት እየ ነይረ - ኣብ ዝቐጸላ ሸሞንተ ዓመታት ግን ምስ ሮናልዶ ኣዝዩ ዘደንቕ ግዜ ኣሕሊፈ።

ብዙሓት ዓበይቲ ዝኽሪታት’ኳ እንተለዉኒ፡ እቲ ዝዓበየ ግን ሃገራዊት ጋንታና ዋንጫ ኣውሮጳ - ዩሮ 2016 - ዝተዓወተትሉ እዩ።

ኣጀማምራ እቲ ውድድር ከመይ ከምዝነበረ መቸም ዝዝከር እዩ፤ ኣብ ምድብና ኣንጻር ኣይስላንድ፡ ኦስትርያን ሃንጋሪን ሰለስተ ግዜ ማዕረ ተፈላሊና።

ድሕሪ ምስ ሃንጋሪ ማዕረ ምውጻእና ሳልሳይ ደረጃ ከም ዝሓዝና ፈሊጥና፤ ኵሉ ሰብ ግን ሕጕስ ኣይነበረን። ክርስትያኖ ጥራይ ዘይኰነስ ኵሉ ሰብ ክመሓየሽ ኣለዎ ዘዝብሎ ይዛረብ ነይሩ።

ብሳላ ሓባራዊ ጻዕሪና ክውን ጌርናዮ፤ ዝበጻሕናዮ ደረጃ መንፈስ ተወዳዳርነት ክትግምቶ ኣይከኣልካን። ልምምድ ልክዕ ጸወታ ንጻወት ከም ዘለና ኢና ነካይዶ ነይርና።

ብዙሕ ዘይስለፉ ዝነበሩ ተጻወትቲ ከም ዕቡዳት ይስልጥኑን እንተተጸዊዖም ድሉዋት ምዃኖም የረጋግጹን ነይሮም።

ኣብ ሓደ ውድድር ኣብ ገለ ደረጃ ክትበጽሕ እትኽእል ከምኡ ዝሓስብ ጋንታ ምስእትሰርሕ ጥራይ እዩ። እዚ ድማ ናይ ሓባር ነገር እዩ።

ኣብ ዙር ኣውዲቕካ ምሕላፍ ምስ ሰገርና እምነትናን ርእሰ ተኣማንነትናን እናሓየለ ከይዱ። ኣብ መወዳእታ ድማ ንፈረንሳ ስዒርና ነቲ ውድድር ብዓወት ዛዚምናዮ።

ሽዑ እውን እንተዀነ እቲ ጸወታ ብኸምቲ ዝወጠንናዮ ኣይከደን። ክርስትያኖ ኣብታ ጋንታና ኣብ ዘለወሉ ንዝዀነት ጋንታ ከም እንስዕር እዩ እምነትና፤ ንሱ ግን ብኣጋኡ ተሃሪሙ።

ጋንታና ተኣኪባ፤ ነቲ ዝኸበደ ስራሕ ክንገብሮ ኣለና ተበሃሂልና ቃል ኣቲና፣ ኣዝዩ ከቢድ እዩ ነይሩ፡ ንሕና ግን ጌርናዮ።

ሸቶ ሮናልዶ - ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ እዩ

ከምዚ ዝበለ ሕጕስ ግዜ እዩ ነይሩ፤ ሕጂ ድማ ፖርቱጋል ኣብዚ ውድድር ተመሳሳሊ ኣፈጻጽማ ክህልዋ ተስፋ እገብር፡ ዓባይ ጋንታ እያ ሒዛ ዘላ ኢለ እየ ዝሓስብ።

ካብቲ ኣብ ጀርመን ዘሎ ክርስትያኖ ዝረኣኹዎ መንፈስ፡ እዚ ንክኸውን ንሱ ዓቢ ተራ ክጻወት ይኽእል እዩ።

ኣብ ናይ ምድብ ጸወታታት ምንቅስቓሱ ጽቡቕ ነይሩ፤ ኣብ ጽቡቕ ቦታታት እናጸንሐ ዕድላት ወይ ፍርቂ ዕድላት እንተወሓደ ረኺቡ'ዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ንዕኡ ንሸቶ ምሕጋዝ ካብ ምምዝጋብ ዝሓሸ ኰይኑ እስምዓኒ፤ እታ ባዕሉ ከመዝግባ ዝኽእል ዝነበረት ሳልሳይቲ ሸቶና ኣንጻር ቱርኪ ንብሩኖ ፈርናንደስ ኣሕሊፉ ክህባ ምምራጹ ኣይገረመንን።

ኣብ ኵሉ ቦታታት ይሳተፍ ኣሎ፤ ኣብ ምክልኻልን ምትእስሳር ጸወታን ይሕግዝ እዩ። ብርግጽ ንሱ እውን ሸቶ ከመዝግብ ይደሊ እዩ፤ ጽምኢ ኣለዎ - ግን ክመጽእ እዩ - ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ እዩ።

ፖርቱጋል ክብርታት ሮናልዶ ምስግጋር የድልያ

ብዙሕ ግዜ ክርስትያኖ ንፖርቱጋል እንታይ ማለት ምዃኑ እሓተት እየ። በቲ ዝበጽሖ ደረጃ ዝዓበየ ተጻዋታይና ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ዝዓበየ ተጻዋታይ እዩ።

ብርግጽ ሮናልዶ ስፖርታዊ ትእምርቲ ጥራይ እውን ኣይኮነን፤ ካብኡ ንላዕሊ እዩ። ባንዴራ ፖርቱጋል፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ተኸታተልቲ ሰብን ኣፍልጦ ዝተዋህቦ ሰብ እዩ።

ወትሩ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ምስኡ ምህላው ዓቢ ነገር እዩ ነይሩ፤ ኣብ ዝኸድናዮ ኵሉ ሰብ ናብኡ ይኸይድ፣ ኵሉ ሰብ 'ሮናልዶ' እናበለ ይጭድር። ንሕና ናብ ዝደለናዮ ከም ተራ ሰባት ክንከይድ ንኽእል ኔርና፣ ብሓቂ ብዙሕ ዝግደሰልና ሰብ ኣይነበረን።

ዝናኡ ክልተ ሸነኻዊ ኰይኑ፡ ነዚ ምግጣሙ ቀሊል ከምዘይኰነ ርግጸኛ እየ። ናብ ዝዀነ ቦታ ክወጽእ ኣይክእልን ነይሩ፤ እዚ ግን ንዕኡ ይዅን ንዓና ክጸሉ ፈጺሙ ኣይፈቐደን።

ሕጂ’ውን እቲ ከምዚ ዝበለ ስብእና ዘለዎ ሮናልዶ ገና ሕጂ’ውን ኣካል ጋንታ ፖርቱጋል ምዃኑ ኣዝየ ሕጉስ እየ፤ ገና ተወሳኺ ዓወታት ንምጕንጻፍ ይጽዕር ኣሎ። ንሱን ካልኦት ኣብታ ጋንታ ዘለዉን ዘዐወቱን ከም በዓል ፔፐ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ተጻወትቲ ናብቶም ንኣሽቱ ወለዶ ክብሪታቶም የመሓላልፍዎ ምህላዎም ዕድለኛታት ኢና፤ ምኽንያቱ እቲ ፍልጠት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ጋንታና ብቕዓት ኣሎ፤ እቲ ዝያዳ ዘድልየና ግን እቶም ዝዓበዩ ተጻወትቲ ዘለዎም ክብርታት እቶም ንኣሽቱ ሒዞም ክቕጽሉ እዩ። እዚ ኣገዳሲ ሃዋሁ’ዚ ድማ ኣብዚ ውድድርን ክንዮኡን ክቕጽል ምግባር እዩ።

ኣብ ኩዕሶ እግሪ እቲ ኣገዳሲ ነገር ኣብ ምክልኻል ወይ ምጥቃዕ ብሓባር ዝጻወት ጋንታ ክትፈጥር ምኽኣል እዩ። እቲ መንፈስ ሒዝካ፡ ብሓባራዊነትን ብቕዓትን እንተተቓሊስካን ንምዕዋት ዝዓበየ ዕድል ኣሎ።