'ዓመጽተይ ምፍትሖም መሊሱ የቐንዝወኒ'

ቢልኪንስ ባኖ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዕስለ ሂንዱ፡ ብ2002 [ኣ.ኤ]፡ ኣብ ምብራቓዊ ግዝኣት እታ ሃገር ጉጃራት ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ተቓውሞ እስላም መጥቃዕቲ ክፍጽሙ እንከለው፡ ቢልኪስ ባኖ፡ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ኰይና 14 ኣባላት ስድራኣ’ውን ተቐቲሎም።

ብሰኑይ፡ ብጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ጉዳይ ባኖ ተኸሲሶም ዕድመ ልክዕ ተፈሪዱዎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ 11 ውልቀሰባት ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ክወጽኡ እንከለው ግን ኣቀባብላ ጅግና ተገይሩሎም።

ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ዝዀነ ቪድዮ፡ እዞም ውልቀሰባት ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኦም ኣዝማዶም ዝብላዕ ነገራት ክህቡዎምን፡ ዘለዎም ክብሪ ንምግላጽ ኣእጋሮም ክተናኽፍዎምን የርኢ።

ቢልኪስ ባኖ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ናጻ ምስዳድ “ዘይፍትሓዊ” ከምኡ’ውን ኣብ ፍትሒ ንዝነበራ እምነት “ዘዋቕዕ” እዩ ክትብል ተዛሪባ።

“ቤተሰበይን ህይወተይን ዘዕነው ገበነኛታት ናጻ ከም ዝወጽኡ ምስ ሰማዕኩ፡ ዝዛረቦ ቃላት ኣይነበረንን፤ ሕጂ’ውን ደንዚዘ’የ ዘለኹ” ኢላ።

“ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዝተዋህበ ፍርዲ ብኸመይ ከምዚ የብቅዕ? ነቶም ላዕለዎት ኣብያተ ፍርዲ ሃገርና ኣሚነ፤ ነቲ ስርዓት ኣሚነ ቀስ ብቐስ ምስ ቃንዛይ ምንባር ክለማመዶ ጸኒሐ። ምፍታሕ እዞም ገበነኛታት ሰላመይ መንዚዑንን ኣብ ፍትሒ ዝነበረኒ እምነት ኣናጊዑዎን’ዩ” ክትብል ጽሒፋ።

ብተወሳኺ መንግስቲ ጉጃራት፡ ብዘይፍርሒ ብሰላም ዝነብረሉ ህይወተይ ክመልሰለይ እምሕጸን ትብል።

ብሰኑይ፡ መንግስቲ ጉጃራት ምፍታሕ እዞም ገበነኛታት ወግዓዊ ክገብር እንከሎ፡ ህንዲ መበል 75 ዓመት መዓልቲ ናጽነታ ትጽንብል ነይራ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን፡ ብ2008 ቤት ፍርዲ ገበነኛ ዝበሎምን ንልዕሊ 14 ዓመታት ናይ ማእሰርቲ ግዜ ዘሕለፉን ዕድሚኦምን ካልእ ናይ ማእሰርቲ ግዜ ባህርያቶምን ኣብ ግምት ብምእታው መንግስቲ ዝቐረበሉ ሕቶ ምሕረት ኣጽዲቑ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

እዚ መንግስቲ ሰልፊ ብሄርተኛ ሂንዱ ዝዀነ ቢጄይፒ [ገዛኢ ሰልፊ እታ ሃገር] ዝወሰዶ ስጕምቲ ግን ኣብ ህንዲ ሓያል ቁጥዐ ኣልዒሉ ኣሎ።

ተቓወምቲ ሰልፍታት፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብዙሓት ጋዜጠኛታትን ካልኦትን፡ እዚ ውሳነ ዘይ-ስነ ምግባራውን ኣብ ልዕሊ ውሑዳን እስላም ህንዲ ዝፍጸም ኣድልዎን እዩ ብምባል ተቓዊሞም።

ቢጄይፒ፡ ብ2014 ፌደራላዊ መንግስቲ ካብ ዝምስርት ንደሓር ኣብ ልዕሊ እዞም ክፋላት ሕብረተሰብ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ብቕልጡፍ ወሲኹ።

ብተወሳኺ፡ ምፍታሕ እዞም እሱራት፡ ነቲ ብጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ገበነኛ ዝተባህለ ውልቀሰብ ምሕረት ኣይግብኦን ንዝብል መምርሒ ፌደራላውን ክልላውን መንግስቲ ዝጻባእ ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብ ህንዲ፡ ከምዚኦም ዝበሉ ገበናት ስዒቡ ዝወሃብ ፍርዲ ክሳብ ሞት ዝጸንሕ እዩ።

እቲ ዓቢይ ስግኣት ግን፡ ንቢልኪስን ስድራኣን እዩ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ቢልኪስን ስድራኣን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ግዜ ካብ ዝተፈጸሙ ኣዝዮም ዘስካሕክሑ መጥቃዕታት ሓደ እዩ።

እቲ ናዕቢ፡ 60 ንንግደት ዝኸዱ ዝነበሩ ሂንዱ ኣብ ከተማ ጎድህራ ኣብ ውሽጢ ባቡር ብዝተላዕለ ሓዊ ምስ ሞቱ ስዒቡ ከም ዝተላዕለ ይዝከር።

እስላም፡ ነቲ ባርዕ ሓዊ ኣለዓዒሎምዎ ተባሂሎም ተነቒፎም፤ ዕስለ ሂንዱ ኸኣ ናብቲ ዝነብሩሉ ከባቢታት ብምኻድ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ጀሚሮም።

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት፡ መብዛሕትኦም እስላም ዝዀኑ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ሞይቶም።

እቲ ናዕቢ፡ 60 ንንግደት ዝኸዱ ዝነበሩ ሂንዱ ኣብ ከተማ ጎድህራ ኣብ ውሽጢ ባቡር ብዝተላዕለ ሓዊ ምስ ሞቱ ስዒቡ ተላዒሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ናሬንድራ ሞዲ፡ ኣብቲ እዋን ሚኒስተር ጕጃራት ስለ ዝነበረ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንምክልኻል እኹል ጻዕሪ ብዘይምግባር ተነቒፉ።

እንተዀነ፡ ዝፈጸምኩዎ ጥፍኣት የለን ስለ ዝብል ክሳብ ሕጂ ይቕሬታ ኣይሓተተን።

ብ2013፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ንሞዲ ንምኽሳስ ዘኽእል እኹል መረዳእታ የለን ኢሉ። ይዅን’ምበር ነቐፍቲ ሕጂ’ውን እቲ ናዕቢ ንሱ እናሃለወ ዝተረፈ’ዩ ብምባል ይነቕፉዎ።

ንዝሓለፉ ዓመታት፡ ቤት ፍርዲ ኣብቲ ናዕቢ ተሳቲፎም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ዓሰርታት ሰባት ፍርዲ ሂቡ እዩ። እንተዀነ፡ ገለ ከበድቲ ክስታት ዝቐረበሎም ውልቀሰባት ብዋሕስ ወጺኦም፤ ገሊኦም ክኣ ብላዕለዎት ኣብያተ ፍርዲ ምሕረት ተገይሩሎም።

እዚኦም፡ ሚኒስተርን ሓጋዚ ሞዲን ዝነበረ ኣብ ቤት ፍርዲ “መራሒ እቶም ናዕብታት” ተባሂሉ ዝተኸሰሰ ማያ ኮድናኒ ይርከቦም።

ቢልኪስ፡ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኵነታት ክትዝክሮ እንከላ፡ ኣብ እንዳ ክሽነ ምሳሕ ተዳሉ ከም ዝነበረት እያ ትዛረብ።

“ኣሞይን ደቃን እናጐየዩ መጺኦም፤ ገዛኦም ብሓዊ ከም ዝነደደን ከም ዝሃደሙን ነጊሮምና። ስለዚ፡ ኣብ ዝባንና ዝነበረ ዓለባ ጥራይ ሒዝና ጫማ ክንወዲ’ውን ግዜ ኣይነበረናን ወጺእና ኬድና” ትብል።

ባኖ፡ ጓላ፡ ኣዲኣ፡ ነፍሰ ጾር ጓል ሓትነኣ፡ ንኣሽቱ ኣሕዋታን ደቂ ኣሕዋታን ከምኡ’ውን ክልተ ኣባጽሕ ደቂ ተባዕትዮም ዝርከቡዎም 17 እስላም ኣብ ዝነበርሉ ጕጅለ ነይራ።

ንሒደት መዓልታት ካብ ገጠር ናብ ገጠር እናተጓዓዙ፡ ኣብ መስጊድ ዕቝባ እናሓተቱን ብልግሲ ሂንዱ ጎረባብቶም እናተሓገዙን ነብሶም ከድሕኑ ፈቲኖም።

እቶም ናዕበኛታት ጕራደን ዕንጸትን ሒዞም ኣብ ልዕሊ እስላም መጥቃዕቲ ፈጺሞም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንግሆ 3 መጋቢት ግን፡ ደሓን እዩ ናብ ዝበሉዎ ሓደ ዓዲ ክጓዓዙ ኣብ ዝዳለውሉ እዋን ብጕጅለ ዝተኣከቡ ደቂ ተባዕትዮ ደው ኣቢሎምዎም።

“ብጕራደን ዕንጸይትን ኣጥቂዖምና። ሓደ ካብኣቶም ንጓለይ መንዚዑ ወሲዱ ናብ መሬት ደርቢዩዋ። ርእሳ ምስ እምኒ ተጋጭዩ።”

እቶም መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ዘለው ጐረባብታ’ዮም፤ መብዛሕትኦም ዳርጋ ኣብቲ ከባቢ ክትባጽሕ እንከላ መዓልታዊ ትርእዮም ዝነበረት ደቂ ተባዕትዮ።

ግን፡ ክዳና ቀዲዶም ብጕጅለ ዓሚጾምዋ። ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ዝወደለት ሓትነኣ’ውን ተዓሚጻ ምስ ዕሸላ ተቐቲላ።

ባኖ፡ ውነኣ ኣጥፊኣ ስለ ዝነበረት እቶም ሰባት ገዲፎምዋ ብምኻዶም ብህይወት ተሪፋ። ካልኦት ክልተ ቈልዑ [ደቂ ሸውዓተን ኣርባዕተን ዓመት] ጥራይ ውጻእ መዓት እቲ ጨፍጫፍ ነይሮም።

ባኖ፡ ፍትሒ ንምርካብ ዝሓለፈቶ ቃልሲ ነዊሕን ከቢድን እዩ። ግቡእ ሰነዳት ዘማልአ ስለ ዝነበረ፡ ገለ ፖሊስን ሓለፍቲ እታ ግዝኣትን ደው ከብሉዋ ፈቲኖም።

ካብኡ ገለ ሰነዳት ክጠፍኡ፡ እቶም ሙዉታት ዝተቐተልሉ መገዲ ንኸይፍለጥ መርመራ ከይተገብረ ክቕበሩ ተገይሩ።

ንባኖ ዝሓከሙ ሰብ ሞያ ጥዕና ድማ ኣይተዓመጸትን ኢሎም፤ ምፍርራሕ ሞት በጺሑዋ።

ብ2004 ግን፡ ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ፈላሞት ጥርጡራት ተኣሲሮም፤ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ መርመርቲ ፌደራል ነቲ ጉዳይ ከም ዝሕዙዎ ብምግባር ቤት ፍርዲ ጉጀራት ፍትሒ ክህባ ኣይክእላን ብምባል እቲ ክሲ ኣብ ሙምባይ ክርአ ገይሩ።

እቲ ፍትሒ ንምርካብ ዝግበር ዝነበረ ቓልሲ ግን ንቤተሰባ ከቢድ ነይሩ፤ ብዙሕ ግዜ ካብ ሓደ ገዛ ናብ ካልእ ይከላበቱ ነይሮም።

“ሕጂ’ውን ስለ እንፈርሕ ናብ ዓድና ክንምለስ ኣይንኽእልን። ፖሊስን ኣመሓደርቲ እቲ ክልልን ወትሩ ነቶም ዘጥቅዑና ይሕግዙዎም’ዮም። ኣብ ጉጅራት ኣብ ዝነበርናሉ ገጽና ሸፊንና ኢና ንንቀሳቐስ ነይርና፤ ኣድራሻና ንዋላ ሓደ ሂብና ኣይንፈልጥን” ክብል በዓል ቤታ ተዛሪቡ።

ቤት ፍርዲ፡ እቶም ገበነኛታት ብማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ክፍረዱ እንከለው፡ ባኖ “ሕነ ክፈዲ ኣይደልን፤ እንታይ ከም ዝፈጸሙ ክርድኦም ጥራይ እየ ዝደሊ” ኢላ ነይራ።

“ሓደ መዓልቲ ክብደት እቲ ዝፈጸሙዎ ገበን ክርድኦም፡ ህጻናት ቈልዑ ከመይ ከም ዝቐተሉን ደቂ ኣንስትዮን ከም ዝዓመጹን ክግንዘቡ’ዮም ኢለ ተስፋ እገብር። ግን ህይወቶም ኣብ ማእሰርቲ ከሕልፉዎ’የ ዝደሊ፡” ኢላ።

ብሰሉስ፡ በዓል ቤታ ራሱል ንጋዜጣ ኢንዲያን ኤክስፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ባኖ “ተኪዛን ተጨኒቓን” ምህላዋ ተዛሪቡ።

“ንዓመታት ዝገበርናዮ ቃልሲ ብሓደ ግዜ ባኺኑ። እዚ ዜና ክንቅበሎ ግዜ ኣይረኸብናን፤ እቶም ገበነኛታት’ውን ድሮ ገዛኦም በጺሖም ይዀኑ።”