እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቦትስዋና፡ ካብ ዓለም ካልኣይ ዝዀነ ገዚፍ ኣልማዝ ተረኺቡ
ኣብ ቦትስዋና ኣብ ዕደና ዝሰርሕ ካናዳዊ ትካል 2492 ካራት ዘለዎ ብግዝፉ ካብ ዓለም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ኣልማዝ ረኺቡ።
ኣብ 1905 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተረኸበ 3106 ካራት ዘለዎ ኣልማዝ እቲ ዝዓበየ ብሰብ ዝተረኸበ ኣልማዝ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ትሽዓተ ዝተቘራረጸ ኣልማዝ መብዛሕትኡ ኣብ ንግስነት ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ኣኽሊል ከምዝርከብ ይግለጽ።
እቲ ኣልማዝ ቦትስዋና ካብ ርእሰ ከተማ ጋቦረነ ንሸነኽ ሰሜን 500 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ መዐደኒ ቦታ’ዩ ተረኺቡ።
መንግስቲ ቦትስዋን እቲ ዝተረኸበ ኣልማዝ ብዕብየቱ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ከምዝስራዕ ብወግዒ ሓቢሩ ኣሎ።
እቲ ኣብ 2019 ኣብ ቦትስዋና ዝተረኸበ 1758 ካራት ዝነበሮ ኣልማዝ ኣብታ ሃገር ዝተረኸበ ዝዓበየ ኣልማዝ ኰይኑ’ዩ ተመዝጊቡ ጸኒሑ።
ሃገረ ቦትስዋን ሓንቲ ካብተን ኣልማዝ ብብዝሒ ዝዕደነለን ሃገራት ኰይና፡ 20 ሚእታዊት ካብቲ ኣብ ዕዳጋታት ዓለም ዝርከብ ኣልማዝ ኣብዛ ሃገር ዝተዓደነ’ዩ።
እቲ ነዚ ኣልማዝ ዝዓደነ ሉካራ ዝተበሃለ ካናዳዊ ትካል እቲ ኣልማዝ፡ “ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ዝተዓደኑ ዝዓበዩ ኣልማዛት’ዩ” ኢሉ።
እቲ ትካል ነቲ ኣልማዝ፡ ኣልማዝ ንምርካብ ዝሕግዝ ምዕቡል ቴክኖሎጂ ከምዝተጠቐመ’ዩ ሓቢሩ።
እቲ ቴክኖሎጂ ካብ 2017 ጀሚሩ ኣብ መዓላ ዝወዓለ ኰይኑ፡ ኣብ ትሕቲ ባይታ ዝርከቡ ኣልማዝ ከይተጨላለፉ ንኽወጽኡ ዝሕግዝ ከምዝዀነ’ዩ ዝግለጽ።
እንተዀነ እቲ ትካል ዋጋ ናይቲ ኣልማዝ ክንደይ ከምዝበጽሕ ገና ኣይሓበረን ኣሎ።
ኣብ ብሪጣንያ ዝርከብ ትካል ምስ ትካል ሉካራ ቅርበት ካብ ዘለዎም ረኺበዮ ብምባል ዋጋ ናይቲ ኣልማዝ 40 ሚልዮን ዶላር ከምዝግመት ግን ሓቢሩ።
እቲ ኣብ 2019 ኣብ ቦትስዋና ዝተረኸበ 1758 ካራት ዝነበሮ ኣልማዝ ብፈረንሳዊ ኣብ ቅዲ ክዳን ዝሰርሕ ልዊስ ቪቶን ዋጋኡ ብዘይተገለጸ መጠን ገንዘብ ከምዝተሸጠ ይዝከር።
ካልእ ኣብ 2016 ኣብታ ሃገር ዝተረኸበ 1109 ካራት ዝነበሮ ኣልማዝ’ውን ብ53 ሚልዮን ዶላር ንብሪጣንያዊ ትካል ተሸይጡ’ዩ።
ካናዳዊ ትካል ሉካራ ኣብቲ ዕደና ዝረኸቦ ኣልማዛት 100 ሚእታዊት ናይ ምውናን መሰል’ዩ ዘለዎ።
መንግስቲ ቦትስዋና ግን ኣብታ ሃገር ኣብ ዕደና ኣልማዝ ዝነጥፋ ዘለዋ ትካላት ወግዓዊ ፍቓድ ካብ ዝረኸባሉ መዓልቲ ኣትሒዘን፡ መንግስቲ ምስአን ብርኪ ክኣቱ እንተዘይክኢሉ ካብቲ ኣብታ ሃገር ዝዕድናኦ ኣልማዝ ነቲ 24 ሚእታዊት ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ክሸጣኦ ዘገድድ ሕጊ ነዲፉ ኣሎ።