ቢልየነር ንክትኸውን እንታይ'ዩ ዘድሊ? ግዜ፡ ዕድል ዋላስ ተውህቦ?

ጓል 75 ዓመት ጣልያናዊት ክኢላ ቅድን ነጋዲትን ሙሲያ ቢናቺ፡ ኣብ ሲት-ኮም ሲንፊልድ ዝፍለጥ ኣመሪካዊ ተዋዛዪ ጄሪ ሲንፊልድን ‘ታይገር ውድስ’ ብዝፍለጥ ኣመሪካዊ ተጻዋቲ ጎልፍ ኤልድሪክ ቶንትን፡ ገለ ካብቶም ኣስታት ኣብ ዓለምና ዘለው 2800 ቢሊየነራት እዮም።

ከም ጸብጻብ እቲ ሃብቲ ሃፋትም ዓለምና ኣሽቲቱ ሓበሬታታት ዝህብ ኣመሪካዊ ትካል ሚዲያ ፎርበስ እንተዀይኑ፡ ኣመሪካ 813 ቢልየነራት ኣለውዋ።

ቻይና [ንሆንግ ኮንግ ሓዊሱ] ብ473 ቢልየነራት ኣብ ካልኣይ፡ ህንዲ ድማ ብ200 ቢልየነራት ኣብ ሳልሳይ ይርከባ።

ቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ ዝዳሎ ፖድካስት ‘Good Bad Billionaire’፡ ካብ ህቡባት ሰባት ክሳብ ፈጸምቲ ስራሕ፣ ካብ ስፖርተኛታት ክሳብ ሰብ ሃፍቲ ቴክኖሎጂ ዘለው ቢልየነራትን ሃብቶምን ዝድህስሱ መደባት ከቕርብ ጸኒሑ ኣሎ።

ኣቕረብቲ እቲ መደብ ሳይመን ካክን ዚንግ ዠንግን፡ እዞም ሰብ ሃፍቲ ጽቡቓት ወይ ሕማቓት ወይ’ውን ንምእማኑ ዘጸግም ሃብቲ’ዩ ዘለዎም ንምባል፡ ንመጠን ሃብቶም፡ ስልጣኖም፡ ናይ ግብረሰናይ ስራሕቶምን ውርሻታቶምን ይግምግሙ።

ዓቐን ናይዞም ሃብቲታት ንምርዳእ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ቢልዮን ዓቢ ቁጽሪ እዩ -ሓደ ሚልዮን ካልኢት 11 መዓልታት እዩ፡ ሓደ ቢልዮን ግን 32 ዓመት እዩ።

ገሊኦም ድማ ህላወ ቢልዮነራት ይጽየፉ’ዮም።

81 ካብ ሃብታማት ዓለምና - [ኣብ ሓደ እንተኣኪብናዮም ሓንቲ ኣውቶብስ ክምልሱ ይኽእሉ] ዝያዳ ካብ ድምር ኣብ ዓለምና ዘለዉ ኣርባዕተ ቢልዮን ድኻታት ሰባት ሃብቲ ኣለዎም።

ኦክስፋም ኣብ 2023 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ዘይምዕሩዑይነት፡ “ነፍሲ ወከፍ ቢልዮነር ናይ ፖሊሲ ጌጋ'ዩ። መብዛሕትኦም ሰባት ገንዘብ ክሓጽሮም፡ ድኽነትን ቅልውላው ዋጋ መነባብሮን ክገጥሞም እንከሎ፡ ቁጽሪ ቢልየነራት ይውስኽ ምህላውን ክብረወሰን ዘለዎ መኽሰብ ምርካብን መርትዖ ናይ ሓደ ንሰብኣውነት ከቐድም ዘይክእል ቁጠባዊ ስርዓት እዩ” ኢሉ ነይሩ።

እዚ ዘይምዕሩይነት ድማ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ክንዲ ኣብ ኣታዊታት ኣብ ፍጹም ሃብቲ ግብሪ ክኽፈል ጻውዒታት ክቐርብ ገይሩ እዩ።

ንኣብነት ኣብ ኣመሪካ፡ ሴናተር ሰልፊ ዲሞክራት ኤልዛቤት ዋረን፡ ልዕሊ 50 ሚልዮን ዶላር ሃብቲ ካብ ዘለዎ ክልተ ሚኢታዊት፡ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣብ ዝግመት ንብረት ድማ ሰለስተ ሚኢታዊት ግብሪ ክኽፈል ሓሳብ ኣቕሪባ።

ካልኦት ግን ገዚፍ ሃብቲ ምውናን፡ ህይወት ሚልዮናት ሰባት ንምምሕያሽ ንምህዞ ምትብባዕ ዝፈጥር’ዩ ይብሉ።

ኣመሪካዊ ሙሁር ስነ-ቑጠባዊ ማይክል ስትሬን፡ ውሑዳት ዘይኰኑስ ዝያዳ ቢልየነራት የድልዩ እዮም ይብል።

ነዚ፡ ነቲ ኣስታት ክልተ ሚኢታዊት ካብቲ ካብ ቴክኖሎጂካዊ ምህዞ ዝረኽቦ ረብሓ ናብ መስረትትን መሃዝትን - ዝተረፈ ድማ ናብ ሕብረተሰብ ከም ዝኸይድ ዝገበረ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ዊልያም ኖርድሃውስ ብኣብነት ይጠቅስ።

እቲ ክኢላ፡ ቢልየነራት “ብዓቢኡ ባዕሎም ዝሰርሑ መሃዝቲ፡ ኣነባብራና ዝቐየሩ” እዮም ኢሉ ይጽውዖም።

ኣብ ውልቃዊ ንሕንሕ ሰውራ ዘምጽኡ ከም በዓል ቢል ጌትስን ስቲቭ ባልመርን፡ ኣውፋሪ ዋረን ባፈት፡ ዕዳጋ ችርቻሮ ዝተቘጻጸረ ጀፍ ቤዞስ፡ ከምኡ’ውን ንኢንዱስትሪ መካይንን ንግዲ ህዋን ዝተቘጻጸረ ኢለን መስክ ዝኣመሰሉ ኣብነታት የልዕል።

“ዋላ ሓደ ካብኣቶም ‘ናይ ፖሊሲ ውድቀት’ ኣይኰነን። ክህልው የብሎምን ኢልና ካብ እምንምነ ብምህላዎም ክንሕጐስ’ዩ ዝግባእ” ኢሉ።

ብዙሓት ቢልየነራት ንማሕበራት ግብረ ሰናይ ብዙሕ ገንዘብ የወፍዩ እዮም።

ቢል ጌትስን ባፈትን “The Giving Pledge” ዝብሉዎ ኣብ ምሉእ ዕድሚኦም ልዕሊ ፍርቂ ሃብቲ ሓደ ሰብ ንምሃብ ዝዓለመ ቃል ኣለዎም።

ራፐር፡ ሃብታም ነጋዳይን ቢልየነርን ጄይ-ዚ፡ ዋላ’ኳ ነቲ መብጽዓ እንተዘይፈረመ፡ ንሃብቱ ዝምልከት ተኸላኺሉ ይፈልጥ’ዩ።

“ሓደ ካብኣቶም እንተዀይነ [ድኻ] ንድኻታት ክሕግዝ ኣይክእልን’የ። ስለዚ ሃብታም ኰይነ -መሊሰ ሂበ። ንዓይ ንሱ’ዩ እቲ ማዕረ ተጠቃምነት ክብሃል ዝክኣል” ኢሉ።

እዞም ሰባት፡ ስቕ ኢሎም ኣይኰኑን ቢልየነራት ኰይኖም። እቲ ኣብ ጕዕዞ ህይወቶም ከሳኽዑዎ ዝኽኣሉ ነገር ክኣ ንዛዕባ ነብስና ገለ ነገር ከመላኽተና ይኽእል።

ሰባት ዘድልዮም ወይ ዘስተማቕርዎ ነገር ክትህብ እንተዘይክኢልካ ኣዝዩ ኣዝዩ ሃብታም ክትከውን ኣጸጋሚ እዩ።

ዛንታታት እዞም ካብ ሃፋትም ስነ ጥበባውያን ክሳብ ዋና ከም ቲክቶክ ዝበሉ ትካላት ቴክኖሎጂን ማሕበራዊ ሚድያን ንብዙሕ ነገራት ዘለና ኣተሓሳስባ ከም ዝጸለዩዎ ዘተሓታት ኣይኰነን።

ንኣብነት መስረትቲ ጉግል፡ ናይ መጀመርታ ስሪት ናይቲ ዝሰርሕዎ ሓበሬታ መድለዪ [search engine ]ብ ሓደ ሚልዮን ዶላር ክሸጡዎ ፈቲኖም እኳ እንተነበሩ፡ ዓደግቲ ኣይተረኽቡን።

ሎሚ ዋጋ ጉግል 2.3 ትሪሊየን ዶላር ክኸውን እንከሎ፡ ሓደ ካብቶም መስረትቲ ዝዀነ ሰርጌይ ብሪን ድማ ብውልቁ 135ቢልየን ዶላር ዝግመት ሃብቲ ኣለዎ፤ እዚ ድማ ጃምላዊ እቶም ሞሮኮ እዩ።

ማርያ ቢያንቺ ኣብ 1960ታት ኣብ ኢጣልያ ኮሚኒስት እያ ነይራ፤ ሽማ ቅድሚ ናብ ሚዩቺያ ፕራዳ ምቕያራ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ትያትር ‘ማይም’ ትመሃር ነይራ።

ብጻዕራ ፈላመይቲ ህንዳዊት ጓል ኣንስተይቲ ቢልየነር ዝዀነት ኪራን ማዙምዳር-ሻው፡ ቅድሚ ፋብሪካ መድሃኒት ምኽፋታ ቢራ ትጸሙቕ ነይራ።

ድሕሪኡ ግን ኣብ ኤስያ እታ ኣፍራዪት ኢንሱሊን ኰይና።

ወለዲ ጄሪ ሳይንፈልድ [ክልቲኦም ዘኽታማት ነይሮም] ኣቡኡ ሓቚፉዎ ኣይፈልጥን።

ውልቃዊ ዓወት ናይዞም ቢልዮነራት መብዛሕትኡ ግዜ ሰፊሕ ታሪኻዊ፡ ፖለቲካዊ ወይ ቴክኖሎጂካዊ ዝንባለታት ዝገልጽ ዛንታ እዩ ዘለዎ።

ሓደ ካብ መስረትቲ ጕጅለ ዓሊባባ ዝዀነ በዓል ሃፍቲ ቴክኖሎጂ ጃክ ማ፡ ተጠቃሚ ክልተ ሓያላትን ብሓንሳብ ዝሰርሑን ሓይልታት እዩ ነይሩ - እዚኦም እቶም ችርቻሮ ኦንላይንን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሓይልን ጽልዋን ቁጠባ ቻይና እዮም።

እቲ ካብ ቀረጽ ነጻ ዝዀነ ዕዳጋ ዝመሃዘ (ሙሉእ ሃብቱ ዘወፈየ) ቻክ ፊኒ፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ማዕበል ቱሪዝም ጃፓን ዝተቘጻጸረ ሰብ እዩ።

ዕድል ገለ እጃም ከም ዘለዎ ዘርእዩ ዛንታታት’ውን ኣለው።

መስራቲ ማይክሮሶፍት ቢል ጌትስ ኣብ መወዳእታ 1960ታት ኣብ ኣመሪካ ካብ ዝነበራ ኣዝየን ውሑዳት ኮምፒዩተር ዝነበረን ኣብያተ ትምህርቲ እዩ ዝመሃር ነይሩ።

ድምጻዊትን ነጋዲትን ሪሃና ድማ ሳላ ምስ ሓደ ብኣጋጣሚ ኣብ ባርባዶስ ዝዘናጋዕ ዝነበረ ኣፍራዪ ሙዚቃ ዝገበረቶ ‘ኦዲሽን’ ዕድል ቀኒዑዋ።

ስድርኦም ዓብዪ እጃም ናይ ዝተጻወቱ ዕውታት ንርአ።

ምሉእ ስድራቤት ተይለር ስዊፍት ሞያ ጓሎም ንምዕባይ ካብ ፔንስልቨንያ ናብ ናሽቪል ክግዕዙ እንከለዉ፡ ኣደ ማይክል ጆርዳን ቅድሚ ምስ ኣዲዳስ ወይ ኮንቨርስ ውዕል ምፍራሙ “ናይክ እንታይ ክብል ከም ዘለዎ ክሰምዕ” ከም ዘለዎ ሓሳብ ኣቕሪባ - እዚ ድማ ነቲ ልዑል ኣታዊ ዘለዎ ውዕል ስፖርት ክፍርም መገዲ ጸሪግሉ።

ኣብዞም ዛንታታት ገለ “መፈናፈኒ መገዲ” ከም ዘሎ ምርኣይ ይክኣል። ንህይወትን ዕድልን እዞም ቢልየነራት ዝቐየሩ ንኣሽቱ ፍጻመታት’ዮም።

እቲ ማዕጾ ሓንሳብ ምስርሓወ ግን ብእኡ ክትሓልፍ እዩ ዘለካ። ኣብ ውሽጢ እዞም ዕውታት ሰባት እንርእዮ ሓበራዊ ነገር ድማ፡ ናብዚ ንክበጽሑ ዘውጽኡዎ ጸዓትን ውፍይነትን እዩ።

ብተወሳኺ እቲ ንዝጀመሩዎ ነገር ኣብ መወዳእታ ክሳብ ዝበጽሕ ክደፍእሉ ምኽኣሎም’ዩ።