እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መዓት ዕዳ ዝነበሮ ሸቃላይ 95 ሽሕ ዶላር ዝግመት ኣልማዝ ረኺቡ
ኣብ ህንዲ ግዝኣት ማእከላይ ማድያ ፕራደሽ ኣብ ዝርከብ ዕደና ዝሰርሕ ሸቃላይ ንህይወቱ ንሓዋሩ ዝቕይር ኣልማዝ ረኺቡ።
እቲ በዓል 19.22 ካራት ኣልማዝ፡ ክሳብ 8 ሚልዮን ሩፒ (95,570 ዶላር) ክረኽበሉ ከምዝኽእል ይግለጽ።
ራጁ ጉንድ፡ ኣልማዝ ንምርካብ ኣብ ከተማ ፓና ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ዕደና ከምዝተዋፈረ ይዛረብ።
ፓና ብሃብቲ ኣልማዝ እትፍለጥ ኰይና ኣልማዝ ዝእልሹ ሰባት ካብ መንግስቲ መሬት ተኻርዮም ኵዕታ ዘካይዱ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ።
ሃገራዊ ኮርፖሬሽን ልምዓት ዕደና ህንዲ ነቲ ኣብ ፓና ዝካየድ መካናይዝድ ፕሮጀክት ዕደና ኣልማዝ የመሓድር።
ኣልማዝ ንዝእልሹ ውልቀሰባት፡ ስድራቤታትን ጕጅለታትን ከኣ ፈኮስቲ ዝበሃሉ መሳርሒታት ብክራይ የቕርበሎም።
ኵሎም ብዕደና ዝርከቡ ኣልማዝ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ተገይሮም ክፍተኑ ግድን’ዩ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣልማዝ እታ ግዝኣት ኣኑፓም ሲንግ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እዞም ዕደና ዝካየደሎም መሬት ካብ 200 ክሳብ 250 ሩፒ ክካረዩ ይኽእሉ" ኢሉ።
ራጁ ጉንድ፡ ኣቦኡ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ነቲ ናይ ዕደና ቦታ ከምዝተኻረዮ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ስድራቤት ጉንድ ስራሓት ሕርሻን ህንጸትን ኣብ ዝዝሕለሉ እዋን ሓጋይ እያ ነቲ ዕደና ዝካረየሉ ቦታታት ትካረ።
"ኣዚና ድኻታት ኢና፤ ካልእ ምንጪ እቶት የብልናን። ነዚ ንሰርሕ ዘለና ገለ ገንዘብ ንምርካብ ኢና" ኢሉ።
ሰባት ኣልማዝ ይረኽቡ ከም ዘለዉ ዝሰምዕ ዝነበረ ጉንድ፡ ሓደ መዓልቲ ዕድለኛ ከምዝኸውን ተስፋ ገይሩ ነይሩ።
ከምቲ ልሙድ ከኣ ረቡዕ ንግሆ ነቲ ክቡር እምኒ ክደሊ ናብቲ ቦታ ከደ።
"ኣድካሚ ስራሕ'ዩ። ጉድጓድ ኰዒትና ነቲ ሓመድን ኣኻውሕን ኣውጺእና ብመንፊት ንሓጽቦ። ብድሕሪኡ ኣልማዝ ንምድላይ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ደቀቕቲ ኣእማን ብጥንቃቐ ነጻሪ" ይብል።
ረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ግን እቲ ዅሉ ጻዕሪ ፍረ ረኺቡ።
"ነቲ ኣእማን እናጽረኹ ከለኹ መስትያት ዝመስል ነገር ርእየ። ኣልዒለ ነቲ ብልጭ ዝብል ነገር ሪአዮ። ሽዑ'የ ኣልማዝ ከም ዝረኸብኩ ፈሊጠ" ብምባል ነቲ ዝነበረ ኵነታት ይገልጾ።
ብድሕሪኡ ጉንድ ነቲ ክቡር እምኒ ናብ ቤት ጽሕፈት ኣልማዝ መንግስቲ ወሲዱ ክምርመርን ደረጃ ከም ዝወሃቦምን ገይሩ።
እቲ ኣልማዝ ኣብ ዝቕጽል መንግስታዊ ሓራጅ ከምዝሽየጥ፡ ኣገዳሲ ግብሪ ተቘሪጹ ከኣ ዝተረፈ ገንዘብ ንጉንድ ከምዝወሃቦ ተፈሊጡ’ሎ።
ጉንድ ካብቲ ገንዘብ ንስድራኡ ዝሓሸ ገዛ ንምህናጽን ክፍሊት ትምህርቲ ደቁ ንምኽፋልን መደብ ኣለዎ። መጀመርታ ግን ካብቲ ናይ 500 ሽሕ ሩፒ ዕዳኡ ክገላገል እዩ ዝደሊ።
እቲ ገንዘብ ምስቶም ምስኡ ዝነብሩ 19 ኣዝማዱ ክማቐሎ ዝሓሰብ ኰይኑ ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣልማዝ ምፍላጦም ስግኣት ከምዘይፈጠረሉ ተዛሪቡ።
"ጽባሕ እውን ኣልማዝ ክደሊ መሊሰ ናብቲ ዕደና ክኸይድ እየ" ይብል ጉንድ።