'ሰራዊት ምክልኻል ካብ ክልል ኣምሓራ ምንቅስቓሱ ስግኣት ፈጢሩ'፡ ኣብን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወድብ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን)፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካብ ገለ ከባቢታት እቲ ክልል ብምንቅስቓሱ ሰብኣዊ ቅልውላውን ፀጥታዊ ሃጓፍን ፈጢሩ ከም ዘሎ ገሊፁ።
"ኵነታት ፀጥታ ክልል ኣምሓራ ብተዛማዲ ርጉእ ኰይኑ እዩ ፀኒሑ፡" ዝበለ እቲ ውድብ፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ዝግበሩ ዘለዉ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ስዒቡ ግን ኣብቲ ክልል ስግኣት ፈጢሩ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
እቲ ውድብ ሎሚ ንግሆ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ፈፃሚ ስራሕ ኣብዚ እዋናዊ ኵነታት ኣመልኪቱ ከም ዝዘተየ ብምግላፅ፡ "ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ብኻልኦት ሓይልታት ይጭወ ኣሎ፡" ብምባል፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክወሃቦ ፀዊዑ።
ኣብን ኣብ መግለፂኡ፡ ብመሰረት ህልው ኵነታት፡ "ሕፅረት እኹል ሓይሊ ፀጥታን ኣኽበርቲ ሕጊን" ንህዝቢ እቲ ክልል ልዑል ዋጋ የኽፍሎ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
እንተዀነ፡ እቲ መግለፂ፡ ምንቅስቓስ ሰራዊት ምክልኻል፡ መዓስን ካበይ ናበይን ከም ዝዀነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣየስፈረን።
ከምኡ'ውን ኣብን፡ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ዝበሎም ዕጡቓት ሓይልታት፡ ንህዝቢ እቲ ክልል፡ ከምኡ'ውን ንመንግስታት ኣምሓራን ፈደራልን ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ኣብ ቀረባ እዋን ከም ዝተወሃሃዱ ዝገልፁ ዕጡቓት ፋኖ ኰይኖም፡ እቲ መግለፂ ስም እቶም ዕጡቓት ከይጠቐሰ ገለ ክስታት ኣቕሪቡ ኣሎ።
እቲ ውድብ፡ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ዕጥቃዊ ምንቅስቓስ፡ "ንቓልሲ ህዝቢ ኣምሓራ ዘየማእከሎን፡ ጉዳያቱ ካብ ስርዓታዊ ቅርፂ ዘውፅእን እዩ፡" ክብል ከሲሱ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ መግለፂኡ ፖለቲካ ጎንፂን ኲናትን ንመሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ምላሽ ከም ዘየምፅእ ገሊፁ ኣሎ።
ኣብቲ ክልል ንዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ኣብ ዘስመዖ መልእኽቲ፡ "ብስም ህዝቢ ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ንጥፈታት ብኢድ ከድዓት እናተመንዝዐ ይኸይድ ኣሎ፡" ክብል ገሊፁ።
"ህዝብና ነዚ ታሪኻዊ ቅልውላው ንምብዳህ ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ ኣሐይሉ ክቕፅል ንደሊ።"
ኣብን፡ መንግስታት ፈደራልን ክልል ኣምሓራን፡ "ሕጋውን ፖለቲካውን ሓላፍነቶም ክዋጽኡ፡" ኣቐዲሙ ዘቕረቦ ጻውዒት ደጊሙ ገሊፁ።
መንግስታት ፈደራልን ክልልን ነቲ ጉዳይ ፍሉይ ቈላሕታ ክገብሩሉ ዝፀውዐ ኣብን፡ ህዝቢ ባዕሉ ሰላሙ ምእንቲ ከኽብር ትካላዊ ስራሕቲ ምሕያል ብምክያድ ድሕንነት ደቂ ሰባት ናይ ምሕላው ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ውድብ፡ "ምስ ታሪኻዊ ፀላእቲ ዝተሰለፉን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘይዕረ ክሕደት ዝፈፀሙን ሓይልታት" ድሕሪ ምባል፡ "ምስ ነባር ፀላእቲ ዝገብሮ ዘሎ ዘይተቐደሰ ርክባት፡" ይካየዱ ከም ዘለዉ ይኸስስ።
እቲ ውድብ ኣብ መግለፂኡ ነቶም ፀላእቲ ዝብሎም ኣካላት ስሞም ኣይጠቐሰን።
ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ክልል ኣምሓራ ግን፡ ብሰሉስ 3 ለካቲት ኣብ ክልል ኣምሓራን ኣብ መላእ ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ግጭታት፡ "ካብ መቐለን ኣስመራን መሪሕነትን ሎጂስቲክስን ይወሃቦ ኣሎ፡" ክብል ከሲሱ።
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብወገኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ሰራዊቱ ናብ ክልል ትግራይ የፀግዕ ከም ዘሎ ብምግላፅ፡ ናብ ትግራይ ዘነፃፀረ ሓድሽ "ወተሃደራዊ ምድላው" ይግበር ከም ዘሎ ከሲሱ።
ኤርትራ'ውን፡ ነቲ ብኢትዮጵያ ዝቐረበ ጥሕሰት ልኡላዊ ግዝኣት ኢትዮጵያን ምድጋፍ ዕጡቓት ሓይልታትን ዝኸስስ መግለፂ፡ "ናይ ሓሶት ጠቐነ፡" ኢላ ብምግላፅ፡ "ንጥጁእ ዕላማ ዝተፈብረኸ፣ ብቓናኡን ትሕዝቶኡን ዘስደምም፡" ክትብል ነፂጋቶ።
እዚ መግለፂታት ዝወፅእ ዘሎ፡ ኣብ ሞንጎ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ብሓደ ወገን፡ ኣብ ሞንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን በቲ ካልእ ወጥሪ እናዓረገ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን'ዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







