እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን፡ ኣብ ቀብሪ ዝነበሩ ሓዘንተኛታት ብመጥቃዕቲ ድሮን ተቐቲሎም
ኣብ ሰሜን ሱዳን ኮርዶፋን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰራዊት ኣብ እትርከብ ከተማ ኣልዑበይድ ውጽእ ኢልካ ዝካየድ ዝነበረ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ድሮን ብውሕዱ 40 ሰባት ከም ዝተቐተለ ሰበ-ስልጣንን ተሓለቕትን ገሊጾም።
እቶም ሓዘንተኛታት ኣብ ዳስ ተኣኪቦም ከም ዝነበሩ ብምግላጽ፡ እቲ ብሰኑይ ኣብ ልዕሊ ቍሸት ኣልሉዌይብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ዝተፈጸመ እዩ ኢሎም። እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ክሳብ ሕጂ ርእይቶ ኣይሃበን።
ኣብታ ንርእሰ ከተማ ካርቱም ምስ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር እተራኽብ ስትራተጂያዊት ከተማ ኣልዑበይድ ብዙሓት ናብ ሆስፒታል ቅድሚ ምብጽሖም ከም ዝሞቱ ይግለጽ።
ኣብዚ ብነዳዲ ዝሃብተመ ከባቢ ኮርዶፋን ጽዕጹዕ ውግእ ከም ዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰራዊት ሱዳን ካብታ ከተማ ንሰሜን 30 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ባራ ድሕሪ ምሓዙ፡ ኣስታት 20 ሽሕ ሰባት ናብ ኣልዑበይድ ሃዲሞም።
እታ ከተማ፡ ልክዕ ኣብ ከምታ ዳርፉር ናይ መወዳእታ ዕርዲ ሰራዊት ዝነበረት ከተማ ኣልፋሸር ኣብ ተመሳሳሊ እዋን እያ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዳዕመ-ሰሪዕ ወዲቓ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ኣልፋሸር ብሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ጃምላዊ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ጭውያታትን ሰፊሕ ዝምታን ከም ዝተፈጸመ ይግለጽ።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ ባራ'ውን ብሰራዊት ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ቅትለት ከም ዝተራእየ ሓቢሩ።
ከምዚ ዓይነት ግፍዒ፡ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ክኸውን ከም ዝኽእል ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC) ኣጠንቂቑ።
መራሒ ዳዕመ-ሰሪዕ ንዝፍጸሙ "ጥሕሰታት" ክምርምር ቃል ኣትዩ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ወተሃደራዊ ጕጅለ ግን እቲ ኣብ ኣልፋሸር ዝፍጸም ቅትለት ብዓሌት ዝተደፋፍአ'ዩ ዝብል ሰፊሕ ክስታት ነጺግዎ'ሎ።
ዓለማዊ ጕጅለ ክኢላታት ድሕነት መግቢ፡ ኣልፋሸር ድሕሪ'ቲ ን18 ኣዋርሕ ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ዝጸንሐ ክባ፡ እታ ከተማ፡ ነበርቲ ጥሜት ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ብሰኑይ ኣብ ዘረጋገጹሉ እዋን'ዩ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ነዚ መጠንቀቕታ ሂቡ።
ብተወሳኺ ብሕቡራት ሃገራት ተፈላጥነት ዘለዎ ኢንተግሬትድ ፌዝ ክላስፊኬሽን (IPC)፡ ኣብ ግዝኣት ደቡብ ኮርዶፋን እትርከብ ከተማ ካዱግሊ ኣብ ኣዝዩ ኣዕናዊ ደረጃ ጥምየት ከም ዘላ ገሊጹ።
እታ ካብ ኣልዑበይድ ንደቡብ ኣስታት 300 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ'ውን ብሰራዊት ሱዳን ተኸቢባን ብሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ተጠቒዓን'ያ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ዓመጽ ብቕልጡፍ ደው ክብል ጸዊዑ። እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ድማ ብቕልጡፍ እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ።
"ኣብ ሱዳን ዘሎ ዘስካሕክሕ ቅልውላው... ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ይኸይድ ኣሎ፡" ክብል ጐድኒ ጐድኒ እቲ ኣብ ዶሓ ዝተኻየደ ዋዕላ ተዛሪቡ።
"ኣልፋሸርን ከባቢኡን... ማእከል ስቓይ፡ ጥምየት፡ ዓመጽን ምዝንባልን ኰይኑ ጸኒሑ'ዩ - ዝሓለፈ ሰሙን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ናብ ኣልፋሸር ካብ ዝኣትው ጀሚሩ ድማ እቲ ኵነታት መዓልታዊ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ፡" ክብል ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።
ጉተረዝ ሰራዊትን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ናብ መድረኽ ዘተ መጺኦም "ነዚ ዓመጽ ከብቅዕ፡" ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ።
ሓደ ምንጪ መንግስቲ ሱዳን ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ እማመ ምቍራጽ ተጻብኦ ከቕርቡ ይሓስቡ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
ዋሽንግተን - ምስ ካልኦት ሃገራት ብምዃን - ምቍራጽ ተጻብኦ ክግበርን ነቲ ኲናት ደው ንምባል ዝሕግዝ ፍኖተ-ካርታን ክትደፍእ ጸኒሓ'ያ።
ኣብ ስዑዲ ዓረብን ባሕሬንን ሓያሎ ዝርርባት ሰላም ተኻይዱ - ግን ኣይተዓወተን - ክልቲኦም ወገናት ድማ ተዅሲ ደው ኣብ ምባል ክሰማምዑ ድሌት ከም ዘይብሎም ኣርእዮም።
ኮሚቴ ተቓውሞ ሰሜን ኮርዶፋን ዝተባህለ ጕጅለ ወለንታዊ ረድኤት፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብታ ካብ ኣልዑበይድ ንምብራቕ 15 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ዓዲ፡ ብሰኑይ ከም ዝተፈጸመ ሓቢሩ።
ኮምሽነር ሰብኣዊ ረድኤት ሰሜን ኮርዶፋን መሓመድ እስማዒል ንሓድሽ መርበብ ሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ድሮናት ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ዜጋታት መጥቃዕቲ ፈጺመን፤ ከም ውጽኢቱ ድማ ሞት 40 ሰባትን መጕዳእቲ ዓሰርተታትን ኣጋጢሙ፡" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሕቡራት ሃገራት፡ኣልዑበይድ ድሮ ነቶም ካብ ባራ ሃዲሞም ብዝመጽኡ ዘለው ተመዛበልቲ ከም ዝተጨናነቐት ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ኲናት ኣብ ሚያዝያ 2023 ካብ ዝለዓል ንደሓር፡ ልዕሊ 150 ሽሕ ሰባት ሞይቶም፡ ኣስታት 12 ሚልዮን ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣለው።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው ዓለም ከም ዘሎ ይገልጽ።