ካብ መናቱ ደቃ ንሓዲአን ክትመርጽ ዝተገደደት ኣደ

  • መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ንገለ ኣንበብቲ ክርብሽኩም ዝኽእል ዝርዝራት ዝሓዘ'ዩ።

ቱማ፡ መግቢ ብኣፋ ካብ ዘይሓልፍ መዓልታት ተቘጺሩ ኣሎ። ብጽምዋ፡ ስቕ ኢላ ስግር ክፍሊ ሆስፒታል እናጠመተት ኮፍ ትብል።

ኣብ ሕቝፋ፡ ዘይትንቀሳቐስ ብኸቢድ ሕጽረት መግቢ ዝተጠቕዐት ጓል ሰለስተ ዓመት ጓላ ማሳጀድ ኣላ።

ቱማ፡ ኵነታት ናይቶም ካልኦት ኣብ ጥቓኣ ዘለዉ ንኣሽቱ ቈልዑ ክትሓዝንን ክትበክን'ውን ንብዓት ዝተወድኣ ትመስል።

እታ ጓል 25 ዓመት ኣደ ንጓላ እናጠመተት "ምበኸየትለይ፣ ካብ ዘይትበኪ መዓልታት ሓሊፉ፡" ትብል።

ሆስፒታል ባሻር ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱም በቲ ካብ ሚያዝያ 2023 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ እቲ እንኮ ኣብ ስራሕ ዘሎ ሆስፒታል እዩ።

ብዙሓት ፍሉይ ክንክን ሕክምና ንምርካብ ንሰዓታት እዮም ዝጓዓዙ።

እቲ ብሕጽረት መግቢ ዝተጠቕዑ ኣዝዮም ዝደኸሙ ህጻናት ዝሕከምሉ ክፍሊ፡ ምስ ኣዴታቶም ረዳኢ ዘይብሎም ብዝመስሉ ግዳያት ዝመልአ እዩ።

ኣብዚ ዘሎ ብኽያት ክሃድእ ኣይክእልን እዩ፤ ነፍሲወከፎም ድማ ኣምሪሮም ይበኽዩ።

ቱማን ስድራቤታን ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ካብ ካርቱም ንደቡባዊ ምዕራብ ኣስታት 200 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ገዝኦም ምስ በጽሐ ክስደዱ ተገዲዶም።

"[ዳዕመ-ሰሪዕ] ንዅሉ - ገንዘብናን ጥሪትናን - ወሲዶምዎ። ህወይትና ጥራይ ሒዝና ኢና ሃዲምና።"

ነቲ ናይ ቀደም ህይወቶም ከተዘንቱ እንከላ ድማ ድንጽው ዝበላ ትመስል።

"ቀደም ገዛና ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ዝመልኦ እዩ ነይሩ፤ ጥሪት፡ ጸባን ተምሪን ነይሩና። ሕጂ ግን ዋላ ሓንቲ የብልናን።"

'በይነይ እየ'

ሱዳን ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ህጹጽ ኵነታት ዘጋጠመን ሃገራት ሓንቲ እያ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ሰለስተ ሚልዮን ህጻናት ብጽኑዕ ሕጽረት መግቢ ተጠቒዖም ኣለዉ።

እተን ዝተረፋ ሆስፒታላት ድማ ተጨናኒቐን ኣለዋ።

ሆስፒታል ባሻር ክንክንን መሰረታዊ ሕክምናን ብናጻ ይህብ።

ይዅን እምበር እቶም ኣብ ክፍሊ ሕጽረት መግቢ ዘለዉ ህጻናት ህይወት ንምድሓን ዘድልዮም መድሃኒታት ንምርካብ ስድራቤታት ክኸፍላ ኣለወን።

ማሳጀድ ማንታ ኣለዋ፤ ንሳን ሓፍታ ማናሂልን ብሓባር ናብ ሆስፒታል መጺአን።

እታ ስድራቤት ግን ሕጂ ብዘለዋ ዓቕሚ፡ ንሓዲአን ጥራይ ዝኸውን ጸረ-ባክተርያ እያ ክትገዝእ እትኽእል።

ቱማ ድማ ነዚ ሕሱም ምርጫ ክትገብር ተገዲዳ - ንማናሂል መሪጻ።

"ክልቲአን ክሓውያን ክዓብያን ምደለኹ። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገብርኦ ዝነበራ ብሓባር ክኸዳን ክጻወታን ክርእየን ምደለኹ፡" ትብል በቲ ሓዘን ዝስዓሮ ድምጻ ሕንቕንቕ እናበለት።

"ክልቲአን ክሓውያ ጥራይ እየ ዝደሊ፡" ትብል ነታ ክትመውት ዝበለት ጓላ ሓቚፋ።

"በይነይ እየ፣ ዋላ ሓደ የብለይን። ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዘለኒ።"

ካብዚ ብህይወት ናይ ምትራፍ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።

ነቶም ኣብዚ ክፍሊ ዘለዉ ስድራቤታት እቲ ኲናት ኵሉ ነገር መንዚዑዎም ኣሎ።

ህወይት ደቈም ዘትርፍ መድሃኒት ዝገዝእሉ ዋላ ሓንቲ መንገድን ኣማራጽን ስኢኖም ኣለዉ።

ካብቲ ሆስፒታል ክንወጽእ ከለና፡ እቲ ሓኪም ካብቶም ኣብዚ ክፍሊ ዘለዉ ህጻናት ዋላ ሓደ ብህይወት ከም ዘይተርፍ ነጊሩና።

ኣብ መላእ ካርቱም፡ ህይወት ህጻናት ብዂናት ሓድሕድ ዳግማይ ይቕየር ኣሎ።

ሕልሚ ቈልዑ ዝመንዘዐ ኲናት

ኣብ መንጐ ንኽልተ ጀነራላት እሙናት ዝዀኑ ሓይልታት - ኣዛዚ ሰራዊት ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን ብሒመቲ ዝፍለጥ መራሒ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን - ዝጀመረ ውግእ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ'ዩ ነታ ከተማ ዝወሓጦ።

ንኽልተ ዓመት - ክሳብ ዝሓለፈ መጋቢት ሰራዊት ዳግማይ ዝቈጻጸራ - ተቐናቐንቲ ሓይልታት እናተዋግኡ እታ ከተማ ብዂናት ሓሚሶምዋ ነይሮም።

ኣብቲ ጽቡቕ እዋን ኣብ ገምገም ፈለግ ኣባይ ማእከል ባህልን ንግድን ዝነበረት ካርቱም ዓውደ ውግእ ኰይና።

ታንክታት ንኸባቢታት ካርቱም ከቢበን፡ ነፈርቲ ውግእ ድማ ንሰማያት ሒዘን።

ሰላማውያን ሰባት ኣብ መንጎ ተቐርቂሮም፡ ብተዅሲ፡ መዳፍዕን መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ርዒዶም።

ኣብዚ ዝዓነወ መልክዓ ምድሪ፡ ካብቲ ፍርስራስ ዝተዳኸመ ድምጺ ቈልዑ ጥራይ እዩ ዝስማዕ።

ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ዛሄር በተን ዝነደዳ መካይን፡ ታንክታት፡ ጥይት ዝበስዖም ገዛውትን ሓሊፉ ይኸይድ።

"ናብ ገዛ ይመጽእ ኣለኹ፡" እናበለ ነታ ዊልቼር ይደፍኣ።

"ድሕሪ ሕጂ ገዛይ ክርእዮ ኣይክእልን እየ። ኣበይ ኣሎ ገዛይ?"

ኣብዚ ሕጂ ከም መጽለሊ ኣብ ዝጥቀመሉ ዘሎ ህንጻ፡ ኣደ ዛሄር ሓቢባ፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዳዕመ-ሰሪዕ ዝነበረ ህይወት ተዕልል።

"ኣዝዩ ከቢድ እዩ ነይሩ። ለይቲ መብራህቲ ክንውልዕ ኣይንኽእልን - ከም ሰረቕቲ ኢና ንነብር ነይርና። ሓዊ ኣይነናኽስን። ለይቲ ፈጺምና ኣይንንቀሳቐስን ነይርና፡" ትብል።

ኣብ ሓደ ክፍሊ ኣብ ጐድኒ ወዳ ከፍ ኢላ እያ ነይራ።

"ኣብ ዝዀነ ህሞት፡ ደቂስካ ወይ ነብስኻ እናተሓጸብካ፡ ደው ኢልካ ድዩ ኮፍ ኢልካ፡ ንሳቶም [ዳዕመ-ሰሪዕ] ኣብ ጥቓኻ ትረኽቦም።"

ብዙሓት ካብ ርእሰ ከተማ ሃዲሞም፡ ዛሄርን ኣዲኡን ግን ዝወጽእሉ መንገዲ ኣይነበሮምን።

ብህይወት ንምጽናሕ ኣብ ጐደናታት ብርስን ይሸጡ ነበሩ።

ሽዑ ሓደ ንግሆ ጐድኒ ንጐድኒ ኰይኖም እናሰርሑ እንከለዉ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት መጥቃዕቲ ፈጺማ።

"ምስ ርኣኹዎ ደም ይፈስስ ነይሩ። ኣብ ኵሉ ቦታ ደም ነይሩ። ቀልበይ ክጠፍኣኒ ጀሚሩ፤ ግን ኣነ ቀልበይ እንተ ኣጥፊአ ንዓኡ ንዘልኣለም ክስእኖ እየ ኢለ ንነብሰይ ኣገደዲያ፡" ትብል ሓቢባ።

ኣእጋር ዛሄር ኣዝዩ ተጐዲኡ። ድሕሪ ናይ ሰዓታት ስቓይ ኣብ ሆስፒታል በጺሑ።

"'በጃኻ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ እግሩ ዝስእን ህይወተይ ውሰድ' ኢለ ኣጻሊተ፡" ትብል እናነብዐት።

ሓካይም ግን ንእግሩ ከትርፉዋ ኣይከኣሉን። ክልቲአን ልክዕ ትሕቲ ብርኩ ተቘሪጸን።

"ካብ ድቃሱ ምስ ነቕሐ፡ 'ንምንታይ እግረይ ክቘርጹ ፈቒድክሎም?' ኢሉ ሓቲቱኒ፤ ክምልሰሉ ኣይክኣልኩን፡" ትብል ጣዕሳ ብዝተመልኦ ኣንደበት።

ሓቢባን ወዳን፡ ብሰንኪ እዚ ኵነታት ይበኽዩን ይሳቐዩን ኣለዉ።

ሰብ ሰርሖ እግሪ ንምትካል'ውን ገንዘብ የብላን። ዛሄር ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞ ክዛረብ ኣዝዩ ከቢድ እዩ።

ሓደ ሕልሚ ጥራይ ግን የካፍል።

"ከም ቀደመይ ምስ ኣዕሩኽተይ ኵዕሶ ክጻወት፡ ሰብ ሰርሖ ኣእጋር እንተ ዝህልወኒ ጽቡቕ ነይሩ። እዚ ጥራይ'የ ዝደሊ።"

ኣብ ካርቱም ዝርከቡ ህጻናትን ቈልዑን ንእስነቶም ጥራይ ዘይኰነስ ዝጻወትሉን ቈልዑ ኰይኖም ዝዓብይሉን ውሑስ ቦታታት እዮም ተመንዚዖም ዘለዉ።

ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሜዳታት ኵዕሶ እግርን መጻወቲ ቦታታትን ሕጂ ዓንዮም እዮም፤ ኵሎም ዝኽሪ እቲ ብግጭት ዝተሰርቀ ህይወት ኣለዎም።

ወዲ 16 ዓመት ኣሕመድ፡ ኣብ ሓደ ዝዓነወ መዘናግዕን መጻወቲ ቦታን እናጠመተ፡ "እዚ ኣዝዩ ደስ ይብል ነይሩ፡" ይብል።

"ኣነን ኣሕዋተይን ናብዚ ንመጽእ ነይርና። ምሉእ መዓልቲ ንጻወት፡ ንስሕቕ ነይርና። ድሕሪ ኲናት ምስ ተመለስኩ ግን፡ እቲ ዝፈልጦ ቦታ ኣይመስለንን።"

ሕጂ ኣሕመድ ነቲ ብዂናት ዝፈረሰ እናጸረገ፡ ንወርሒ 50 ዶላር ዝረበኽሉ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ።

እቲ ገንዘብ ንዕኡ፡ ንኣዲኡን ዓባዩን ሓደ ካብ ኣሕዋቱን ንምድጋፍ የውዕሎ።

ካልኦት ሽዱሽተ ኣሕዋት እኳ እንተ ነበሩዎ፡ ከምቶም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ብዙሓት ኣባላት ስድርኦም ዝጠፍኡ፡ ተፈላልዮም እዮም ዘለዉ፤ ኣበይ ከም ዘለዉን ብህይወት ዘሎ ሰብ እንተሃልዩን ከም ዘይፈልጥ ነጊሩና።

እቲ ኲናት ንስድራቤታት በቲኑወን እዩ።

ስራሕ ኣሕመድ ዳርጋ መዓልታዊ ነዚ የዘኻኽሮ።

"ክሳብ ሕጂ 15 ሬሳታት ረኺበ ኣለኹ፡" ይብል።

ኣሕመድ ስግር እቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ መናፈሻ መንጋጋ ሰብ ረኺቡ።

"ዘስካሕክሕ'ዩ። [ክዝክሮ ከለኹ] የንቀጥቅጠኒ'ዩ።"

ኣሕመድ ድሕሪ ሕጂ ብዛዕባ መጻኢ ክሓልም ከም ዘይደፍር ይዛረብ።

"እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዘ፡ ዕጫይ ሞት ምዃኑ ርግጸኛ እየ። ስለዚ፡ ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዝገብር ምሕሳብ ኣቋሪጸ።"

ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝበጽሐ ዕንወት፡ ንመጻኢ ቈልዑ ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ኣሎ።

ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ቈልዑ ካብ ትምህርቲ በዂሮም እዮም።

ዛሄር ግን ሓደ ካብቶም ሒደት ዕድለኛታት እዩ።

ንሱን መሓዙቱን ኣብ ሓደ ሰብ ዘይብሉ ገዛ ብወለንተኛታት ኣብ ዝተዳለወ ግዝያዊ ክፍሊ ትምህርቲ ይመሃሩ።

ኣብታ ቈልዓ ክትከውን እትኽእለሉ ቦታታት ዝሰኣነት ሃገር፡ ቈልዑ ክመሃሩን ክስሕቁን ድምጾም ምስማዕ ዘገርም እዩ።

ቍልዕነት ከመይ ክኸውን ኣለዎ ኢልና ክንሓትት ከለና፡ መማህርቲ ዛሄር፡ "ክንጻወት፡ ክንመሃር፡ ከነንብብ ይግባእ፡" ኢሎም ይምልሱ።

ዝኽሪ እቲ ኲናት ግን ፈጺሙ ርሑቕ ኣይኰነን።

"ብቦምባታትን ጥይትን ክንፈርሕ የብልናን፤ ክንተብዕ ይግባእ፡" ይብል ዛሄር።

ኣማል ን45 ዓመታት መምህር ኰይና ክትሰርሕ ጸኒሓ ኣላ።

"ብሓቂ በቲ ኲናት ተጸልዮም እዮም፡" ትብል።

"ጥዕና ኣእምሮኦም፡ ቃላቶም ተቐይሩ እዩ። ቋንቋ ናይቶም ምልሻታት ይዛረቡ ኣለዉ። ዓመጽ ዝመልኦ ናይ መርገም ቃላት፡ ዋላ'ውን ኣካላዊ ዓመጽ የርእዩ። በትሪ ሒዞም፡ ንሰብ ክሃርሙ ይደልዩ፡" ብምባል እቲ ዝወረዶም ስነልቦናዊ በሰላ ተረድእ።

እቲ ጕድኣት ኪኖ ባህርያዊ ለውጢ ዝዝርጋሕ እዩ።

መብዛሕትአን ስድራቤታት ኣታዊአን ኣብ ዝስኣናሉ እዋን፡ ሕጽረት መግቢ ይብርትዕ ኣሎ።

"ገለ ተመሃሮ መግቢ ካብ ዘይብሉ ገዛ እዮም ዝመጽኡ፤ ሓርጭ፡ ጸባ፡ ዘይቲ፡ ፍጹም ዋላ ሓንቲ ዘይብሎም እዮም፡" ኢላ።

ከምኡ'ውን ኰይኑ ግን ቈልዑ ሱዳን ትዅረቶም ኣብ ንኣሽቱ ዘሐጕሳ ነገራት ይገብሩ ኣለዉ።

ዛሄር፡ ኵዕሶ እግሪ ስለ ዝፈቱ፡ ብብርኩ ኣብ መሬት እናተጓሰሰ እውን እንተዀነ ምስ ኣዕርኽቱ ክጻወት ይጽዕር።

"እቲ ዝፈትዎ ነገር ኩዕሶ እግሪ'ዩ፡" ይብል ንመጀመርታ ግዜ ፍሽኽ እናበለ።

ኣየነይቲ ጋንታ ከም ዝድግፍ ምስ ተሓተተ፡ "ርያል ማድሪድ፡" ክብል መሊሱ። ዝፈትዎ ተጻዋታይ ድማ "ቪኒስየስ።"

ብብርኩ ኩዕሶ ምጽዋት ዘቐንዙ ኰይኑ፡ ዝያዳ ረኽሲታት ከስዕብ ይኽእል።

ንሱ ግን ኣይግድሶን እዩ።

ኩዕሶ እግሪ፡ ንዕኡን ኣዕርክነቱን ካብ ክውንነቶም ንምህዳም ሓጐስ ዝህቦም ኰይኑ ኣሎ።

ኰይኑ ግና፡ ዛሄር ሰብ ሰርሖ ኣእጋር ክህልዎ እዩ ዝሓልም።

"በቃ እንተ ዘዐርዩለይ ጽቡቕ ነይሩ፤ ብእግረይ ናብ ገዛይን ቤት ትምህርቲ ክኸይድ እየ ዝደሊ፡" ኢሉ።