እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቡብ ሱዳን ናይ መገሻ ሰነዳት ዘይብሎም 17 ኤርትራውያን ኣሲራ
ሰብመዚ ኢምግረይሽን ደቡብ ሱዳን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ፍጻመታት 17 ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተዉ ማዕከናት ዜና እ ታ ሃገር ንሰበስልጣን እታ ሃገር ብምጥቃስ ጸብጺባ።
እዚ ኣካል ናይቲ ነታ ሃገር ከም መተሓላለፊ መንገዲ ዝጥቀምሉ መርበባት ዘይሕጋዊ ስደትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰብን ዝገብሩዎ ኢሕጋዊ ተግባር ከም ዝዀነ ድማ ገሊጾም።
ዋና ዳይረክተር ስቪል መዝገብ፡ ዜግነት፡ ፓስፖርትን ኢምግረይሽንን እታ ሃገር ሜጀር ጀነራል ኤልያ ኮስታ ፋውስቲኖ፡ እቶም ውልቀሰባት ብዘይ ቅኑዕ ናይ መገሻ ሰነድ ናብ ሱዳን ክሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ከም ዝተዓገቱ ሓቢሩ።
ኣብቲ ብ10 ጥቅምቲ ዘጋጠመ ናይ መጀመርታ ፍጻመ፡ ኣብ ሰሜናዊ ዶባዊት ከተማ ኣወይል፡ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ባህር ኤል ጋዛል፡ ሓለፍቲ ኢምግረይሽን፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እትርከቦም 14 ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተዉ ኮስታ ገሊጹ።
"ሕጂ ንምርመራ ኣብ ዋና ቤትጽሕፈት ኢምግረይሽን ኣብ ጁባ ኣለዉ፡" ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ "ብሕጊ ኢምግረይሽን ክሲ ከፊትናሎም ኣለና፣ ምኽንያቱ ብዘይ ዝዀነ ሰነድ ክንቀሳቐሱ ስለ ዝረኸብናዮም፡" ኢሉ።
ኣብ ካልኣይ ግዜ ሰብመዚ ንተወሳኺ ሰለስተ ኤርትራውያን ኣብ ጥቓ ፓሎች ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተዉ ወሲኹ ሓቢሩ።
ኮስታ ነቲ ማእሰርቲ ምስ ሰፊሕ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰብ ደቡብ ሱዳን ኣተሓሒዙዎ'ሎ።
እቶም ስደተኛታት መብዛሕትኡ ግዜ ብሱዳንን ሊብያን ኣቢሎም ከም ዝመጽኡ ዝሓበረ ኮስታ፡ ቀንዲ ዕላማኦም ማእከላይ ባሕሪ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ከም ዝዀነ ሓቢሩ።
ኮስታ፡ እቲ ፍጻመ፡ "ንመጀመርታ ግዜ ኣይኰነን፡" ኢሉ። "ብዙሓት ኤርትራውያን ብደቡብ ሱዳን ኣቢሎም ናብ ሱዳን ዝንቀሳቐሱ ኣሲርናዮም ኣለና። እዚ ድማ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰብ'ዩ፣ ምንቅስቓሶም ዝውድብ መርበብ ኣሎ፡" ኢሉ።
ነዞም መርበባት ንምቕላዕ መርመራታት ይካየድ ከም ዘሎ ድማ ሓቢሩ።
እቲ ብዓል ስልጣን፡ መብዛሕትኦም እቶም ዝተኣስሩ ካብ 17 ክሳብ 20 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ምዃኖምን እቲ ጕጅለ ሓንቲ ትሕቲ ዕድመ ጓል ከም ዘጠቓለለን ኣቃሊዑ።
ኮስታ ንሓይልታት ጸጥታ ዶባት ንዝገብርዎ ዘለዉ ንጡፍ ሓለዋ ብምንኣድ፡ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ዘይተለምዱ ሓደስቲ ንጥፈታት እንተ ተዓዚቦም ክሕብሩ ኣተሓሳሲቡ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ጁባ ዝርከቡ ኤምባሲታት ኤርትራ፡ ሶማልያን ኢትዮጵያን ምስ ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን ብምትሕብባር ነቲ ጉዳይ ፍታሕ ከናድይሉ ጸዊዑ።
ቅድሚ ሕጂ ልዕሊ 30 ኤርትራውያን ተኣሲሮም ናብ ዓዶም ተጠሪዞም ከም ዝነበሩ ዝሓበረ ኮስታ፡ "ብዛዕባ እቶም ዝተኣሰሩ ሰባት ምንቅስቓስ ዜጋታቶም ምእንቲ ክፈልጡ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ክንሕብር ኢና፡" ኢሉ።
ኮስታ፡ መንግስቲ ንጸጥታ ዶባት ዘለዎ ተወፋይነት ድሕሪ ምርግጋጽ ደቡብ ሱዳን ግቡእ ኣሰራርሓ ዝኽተሉ በጻሕቲ ብሓጐስ ከም እትቕበል ኣስሚርሉ።
"ናብ ደቡብ ሱዳን ንዝመጹ ሰባት ኣይንነጽግን ኢና" ኢሉ። "ፓስፖርት ወይ ካልእ ቅኑዕ ሰነዳት ሒዝካ ግን ብሕጋዊ ኣገባብ ክትመጽእ ኣለካ፡" ኢሉ።