ሰላዪ ኢኻ ተባሂሉ ዝተቀጥቐጠ ወዲ 12 ዓመት ውጻእ መዓት ከተማ ኤልፋሽር

ወዲ 12 ዓመት ዓበዲውሃብ [ሓቀኛ ስሙ ኣይኮነን] እቲ ካብታ ኣብ ምዕራብ ሱዳን እትርከብ ከተማ ኤልፋሽር ክሃድም እንከሎ ዘጋጠሞ ክዕልል እንከሎ እናተነኽነኸ'ዩ ዘዕልል።

ፍርሑን ስንባደኡን ክሳብ ሕጂ ኣይሓደጎን።

ዓብዲውሃብ፡ ዕጡቓት ዳዕመሰሪዕ ንከተማ ኤልፋሽር ብሰንበት ምስ ሓዝዋ'ዩ ካብታ ከተማ ሃዲሙ።

ንቢቢሲ ዝበጽሖ ቪድዮ፡ ገጽ ዓብዲውሃብ ከቢድ ፍርሒ፡ ከቢድ ሓዘንን ድኻምን ይርኣዪ፥ በቲ ብድኻም ዝተለኸተ ጎረርኡ ከኣ በቶም ኣባላት ዳዕመ ሰሪዕ ብዙሕ ግዜ ከምዝተጋፈዐ ይገልጽ።

ዓብዲውሃብ፡ እቶም ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ንልዕሊ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ዝዋግኡ ዘለዉ ዕጡቓት ዳዕመሰሪዕ ንኸተማ ኢልሽር ብሰንበት ምስ ሓዝዋ፡ ምስቲ ከይቐትልዎ ፈሪሑ ዝሃድም ዝነበረ'ዩ ካብታ ከተማ ሃዲሙ ወጹኡ።

ስድራኡ'ውን ምስኡ ሃዲሞም ወጺኦም፡ ናብ ከተማ ታዊላ ክኣቱ እንከሎ ግን ካብ ኣባላት ስድርኡ ንሱ ጥራይ'ዩ ነይሩ፡ ይሙቱ ይሃልዉ ዝፈልጦ ነገር የለን።

ሕቡራት ሃገራት ካብ ሰንበት ክሳብ ትማሊ ካብ ከተማ ኤልፋሽር ኣስታት 60 ሽሕ ሰባት ሃዲሞም ናብ ታዊላ ክኣትዉ ከምዝኽኣሉ ይሕብር።

እዞም ሰባት ካብ ዕጡቓት ዳዕመ ሰሪዕ ክበጽሖም ዝኽእል ቅትለት፡ ዓመጽ፡ ግፍዒ፡ ስርቕን ካልእን ብምፍራሕ'ዩም ካብታ ከተማ ሃዲሞም ወጺኦም።

ከተማ ታዊላ ካብ ኤልፋሽር 80 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኮይና ዓብዲውሃብ ነዚ ኩሉ ርሕቐት ብዘይ ኣላዪ'ዩ ተጓዒዝዎ።

ከተማ ታዊላ ቅድሚ ሕጂ'ውን ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ዛምዛም ዝብሃል መዓስከር ስደተኛታት ብዕጡቓት ዳዕመ ሰሪዕ ምስ ተታሓዘ፤ እቶም ካብቲ መዓስከር ዝሃደሙ ዝተዓቖቡላ ከተማ'ያ።

ዓብዲውሃብ "ካብታ ከተማ ክንወጽእ እንከለና ምስ ኣቦይን ምስ ካልኦት ኣሕዋተይን ኢና ነይርና፡ በቲ ዝነበረ ሕንፍሽፍሽ ስለዝተጣፋፋእና ግን በይነይ'የ ናብ ታዊላ በጺሐ" ይብል።

ኣብ መንገዲ ብዕጡቓት ዳዕመ ሰሪዕ ምስ ተተሓዘ ከኣ ስላዪ ኢኻ ተባሂሉ ብዙሕ ምክልባት ከቢድ ማህረምትን ከምዝበጽሖ ኣብቲ ቪድዮ ይዛርብ።

"ጽርግያ ጽርግያ እናኸድና እንከለና እቶም ዳዕመ ሰሪዕ ሒዞሙኒ፡ እዚ ቆልዓ ሰላዪ'ዩ እናበሉ ከኣ ሓያለ ግዜ ሃሪሞሙኒ" ይብል።

ከተማ ኤልፋሽር ኣብ ኢድ ዳዕመ ሰሪዕ ካብ እትኣቱ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ጅማላዊ ምእሳርን ምቕታልን የጋጥም ከምዘሎ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዝርጋሕ ዘሎ ቪድዮታትን የርኢ።

ዓብዲውሃብ፡ ዕጡቓት ዳዕመ ሰሪዕ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ንኣዲኡን ንሓንቲ ካብ ኣሕዋቱን ከምዝወሰድወን ብምግላጽ፡ ኣበይ ከምዘለዋ ከምዘይፈልጥ ይገልጽ።

ዓሊ [እዚ'ውን ሓቀኛ ስሙ ኣይኮነን] ነቶም ካብ ከተማ ኤልፋሽር ዝመጽኡ ኣብ ምሕጋዝ ብወለንታኡ ዝሰርሕ ዘሎ ኮይኑ፡ ንዓብዲውሃብ'ውን ንሱ'ዩ ብቪድዮ ስኢልዎ።

ዓሊ ኣብ መእተዊ ከተማ ታዊላ ኣብቲ ሓደሽቲ ካብ ከተማ ኤልፋሽር ዝመጽኡ ቅድሚ ናብቲ ኣብ ማእከል እታ ከተማ ዝርከብ ግዝያዊ መጽለሊ ምኻዶም ዝእከብሉ'ዩ ብወለንታኡ ዝሕግዝ ዘሎ።

ዓሊ ናብ ቢቢሲ ዝልኣኾ ድምጺ፡ ዋላ'ኳ እቲ ድምጹ በቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ዝውጸእዎ ዝነበሩ ጫውጫውታ እንተተዓብለለ፡ ፍረ ነገሩ ግን ይስማዕ'ዩ።

ንሱ ብዛዕባ ዓብዲውሃብ ክገልጽ እንከሎ "ደጋጊሙ ስድራኡ ኣበይ ከምዘለዉ'ዩ ዝሓተኒ፡ ክሳብ ንረኽቦም ከኣ ናብ ገዛይ ምሳይ ክወስዶ ወሲነ" ይብል።

እቲ ቀልዓ ከቢድ ፍርሒ ከምዘለዎን ዝኾነ ብርሃን እንተርእዩ መኪና ዳዕመ ሰሪዕ መጽያትኒ እናበለ ከምዝብህርርን ከኣ ዓሊ ይገልጽ።

"ካብ ርሑቕ ብርሃን ምስ ርኣየ ኣብ ሕቑፈይ ኣትዩ ከንቀጥቕት ጀሚሩ፤ ብፍርሒ ናብ በረድ ተቐይሩ" ይብል ዓሊ።

ዓሊ፡ ኩሉ እቲ ናብቲ መዓስከር ዝመጽእ ሰብ ብዙሕ ዘሕዝን ዛንታ ዝሓዘለ ከምዝኾነ ይሕብር።

ካብ ሞንጎ እቶም ናብ ታዊላ ዝኣተዉ ሰባት ብዙሓት ኣሰናዪ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንገዲ ስድራኦም ዝሞትዎም መዓልታዊ ከምዝመጽኡ ዓሊ ይገልጽ።

"ትማሊ ደቂ 10 ዓመት ዝኾኑ ማናቱ ቀልዑ መጺኦሙና፡ እታ ሒዛቶም ዝመጽአት ሰበይቲ ኣቡኦምን ኣዲኦምን ኣብ መንገዲ ከምዝሞቱ ነጊራትን" ይብል።

ዓሊ ብምስዓብ "እዚ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ዘፍርሕ'ዩ፡ ከቢድ ማህረምቲ ዘለዎምን ኣካላቶም ብጉድለት መኣዛዊ መግቢ ዝማህመንን ሰባት ይመጽኡ ኣለዉ፡ እቶም ዝኣተዉ [ናብ ታዊላ] ከኣ ነቶም ብድኻም፡ ብማህረምቲ፡ ብሕማንን ብጥምየትን ኣብ መንገዲ ዝገደፍዎም ከይድና ክንረድኦም'ዮም ዝምሕጸኑና፡ ምኽንያቱ ብዙሓት ናብ ታዊላ እናመጽኡ እንከለዉ ይሞቱ ኣለዉ" ይብል።

እቶም ብህይወት ኣብ ታዊላ ዝኣተዉ'ውን፡ የማነ ጸጋሞም ሬሳ እናርኣዩን ናይ ርድኡና ምጥራዕ እናሰምዑን ከምዝመጽኡ'ዮም ዝገልጹ።

እንተኾነ ንትካላት ውሃብቲ ረድኤት ኣብ ታዊላ ኮይንካ ምስራሕ'ውን ቅሳነት ዝህብ ኣይኮነን።

እቲ ኣብ ታዊላ ረድኤት ዝህብ ዘሎ ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ሓሙሽተ ካብ ሰራሕተኛታቱ ምስ ተቐተልዎ ካብታ ከተማ ክወጽኡ ከምዝኽኣሉ ዓሊ ስግኣቱ ይገልጽ።

ካልእ ኣብ ታዊላ ሓገዛት ዘበርክት ዘሎ ትካል 'ሴቭ ዘ ችልድርን' እውን እተን ናብ ታዊላ ዝበጽሓ ዘለዋ ኣዴታት ብሕጽት መግቢ፡ ማይን መድሃኒትን ኣዝየን ተሃስየን ምህላወን ይሕብር።

ሕቡራት ሃገራት'ውን ነቶም ኩሎም ካብ ኤልፋሽር ዝመጽኡ ዝኸውን መጽለሊን መግብን ንምርካብ ተሸጊሩ ምህላዉ ይገልጽ ኣሎ።

ኩሎም እቶም ካብ ኤልፋሽር 80 ኪሎሜተር ተጓዒዞም ናብ ታዊላ ዝበጽሑ ዘለዉ፡ ኣብ ኤልፋሽር ጃምላዊ ቅትለት ይፍጸም ከምዘሎ'ዮም ዝገልጽ።

ኣብዚ ሰሙን ላዕለዋይ ኣዛዚ ዕጡቓት ዳዕመ ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ [ሕመቲ] ኣብታ ከተማ [ኤልፋሽር] ምጥሐቃስ ሕጊ ከምዝተፈጸመ ብምእማን ይምርምርዎ ከምዘለዉ ብወግዒ ሓቢሩ።

ብዘይካ'ዚ ዳዕመ ሰሪዕ ንገለ ጥርጡራት ምእሳሩ ንሕብራት ሃገራት ምሕባሩ'ውን ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ከተማ ኤልፋሽር ክንደይ ሰብ ተሪፉ ከምዘሎ ዝተፈለጠ ነገር የለን።

ሴቭ ዘ ችልድረን 130 ሽሕ ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 260 ሽሕ ሰለማውያን ሰባት ገና ኣብታ ከተማ ከምዘለዉ ይገልጽ።

ሴቭ ዘለክ ችልድረን እዞም ኣብታ ከተማ ዘለዉ ሰባት ከኣ ንዓጸቦ ዝጽጋዕ ጥምየት ተቓሊዖም ምህላዎም ስግኣቱ ገሊጹ።