እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መቐይሮ ኲናት ሱዳን ክትከውን እትኽእል ኣገዳሲት ከተማ
ዳዕመ ሰሪዕ ሓይልታቱ ንሓንቲ ካብተን ኣብ ምዕራብ ሱዳን ዓበይቲ ዝብሃለ ከተማታት ዝዀነት ኣልፋሸር ከምዝተቘጻጸሩ ኣፍሊጡ።
እቲ ዕጡቕ ሓይሊ፡ ነታ ከተማ ምቍጽጻሩ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ከም ነጥበ መቐይሮ ከምዝቝጸር ከኣ ይግልጽ።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንከተማ ኣልፋሽር "ካብቲ ዕሱብን መላፍንቲ ግብረ ሽበራውያንን" ዝበሎ ሰራዊት ሱዳን ከምዝመንዝዓ ሓቢሩ።
ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዞባ ዳርፉር ሓንቲ መርገጺ እግሪ ዝነበረቶ ኣል ፋሽር ኰይና፡ ነታ ከተማ ምስኣኑ ዓቢ ክሳራን ዳዕመ ሰሪዕ ነቲ ዞባ ምሉእ ብምሉእ ንኽቈጻጸር ዘኽእል ምዃኑን'ዩ ዝግለጽ።
ሰራዊት ሱዳን ብዛዕባ ምትሓዝ እታ ከተማ ክሳብ ሕጂ ዝበሎ ነገር የለን።
ዳዕመ ሰሪዕ ኣቐድም ኣቢሉ ንቐንዲ ቤት ጽሕፈት እዚ ሻዱሻይ ክፍለ ሰራዊት ብምቍጽጻር ብዙሓት ወተሃደራውያን መካይን ከምዘዕነወን ሓያለ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ከምዝሰለበን ሓቢሩ ነይሩ'ዩ። ነዚ ስዒቡ'ዩ ነታ ከተማ ከምዝሓዛ ዝሓበረ።
ቢቢሲ ቨሪፋይ'ውን፡ ኣባላት ዳዕመ ሰሪዕ ኣብ ውሽጢ እቲ መዓስከር እናተነቀሳቐሱ ዘርኢ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ሓቅነቱ ከረጋግጽ ክኢሉ'ዩ።
ሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕ ንዝሓለፈ 18 ኣዋርሕ ንከተማ ኣልፋሽር ኣብ ምሉእ ከበባ ብምእታው ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ብቐጻሊ ደብዳባት ከካይድ ጸኒሑ'ዩ።
ኣስታት 300 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት'ውን ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ተኸርዲኖም ከምዝጸንሑ'ዩ ዝግለጽ።
ኣብ ነሓሰ ዝተዘርግሐ ስእሊ ሳተላይት፡ ዳዕመ ሰሪዕ ነቲ ምኽርዳን ንምኽራር ኣብ ወሰናስን እታ ከተማ ብመንደቕ ዝተሰርሐ ድልዱል ዕርድታት ከምዘዳለወ የርኢ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ከኣ ነቲ ቀንዲ መአዘዚ ነቝጣ ናይቲ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ሻዱሻይ ክፍለ ሰራዊት ሱዳን ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከካይደሉ ጸኒሑ።
ሓላፊ ዩኤን ረሊፍ ቶም ፍለቸር፡ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዳዕመ ሰሪዕ ንኣል ፋሽር ከምዝተቘጻጸርዎ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣዝዩ ከምዘሻቐሎ ብምሕባር ኣብ ዞባ ዳርፉርን ኣብ መላእ ሱዳንን ቅጽበታዊ ምቍራጽ ተዅሲ ክግበር ጸዊዑ።
"ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ብዘይ ዝዀነ መግቢ፡ ቀረብ ሕክምናን ጸጥታን ተኸርዲኖም ኣብ ፍርሒ፡ ኣብ ደብዳብን ጥምየትን'ዮም ዝርከቡ" ድሕሪ ምባል፡ ነበርቲ እታ ከተማ ረድኤት ክበጽሖም፡ ፍጹም ኣጸጋሚ ኰይኑ ምህላዉ ሓቢሩ።
ነበርቲ እታ ከተማ ንዝሓለፈ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዝዀነ ረድኤት ክበጽሖም ስለዘይክኣለ፡ ኣብታ ከተማ ጥምየትን ሕማምን ኣሰፋሕፊሑ ምህላዉ'ዩ ዝግለጽ።
መርማሪ ጕጅለ ሕቡራት ሃገራት፡ ዕጡቓት ዳዕመ ሰሪዕ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እታ ከተማ ሓያለ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸሙ ይሕብር።
ብዓቢኡ ሕቡራት ሃገራት'ውን ሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕ ኣብ ዞባ ዳርፉር ኣብ ልዕሊ ኣዕራብ ዘይኰኑ ቀቢላታት ህልቂት ከምዝፈጸሙ ኣረጋጊጹ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዕጡቓት ዳዕመ ሰሪዕን ካብ 2023 ኣትሒዙ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ልዕሊ 150 ሽሕ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣስታት 12 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተፈናቐሉ ጸብጻት ይሕብሩ።
እዚ ከኣ ኣብ ታሪኽ ዓለም ሓደ ካብ ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን ሰራዊት ሱዳን ንዝበዝሐ ሰሜናውን ምብራቓውን ክፋል እታ ሃገር ክቈጻጸር እንከሎ፡ ኣብ ምዕራብ [ዞባ ዳርፉር] ከኣ ክሳብ ሕጂ ከተማ ኣል ፋሽር'ያ መርገጺ እግሩ ጸኒሓ።
ዳዕመ ሰሪዕ ብወገኑ ንዞባ ዳርፉርን መዳውብታ ዝዀነት ዞባ ኮርዶፋንን ሒዙ ይርከብ።