እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ኣብ ድሮ ምጅማር በረራ መጥቃዕቲ ድሮን ተፈጺሙዎ
ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ካብ ስራሕ ወጻኢ ኰይኑ ዝጸንሐ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ዳግማይ ዘቤታዊ በረራታት ክጅምር ሒደት ሰዓታት ኣብ ዝተረፈሉ፡ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸሞ ማዕከናት ዜና ሱዳን ገሊጸን።
ሱዳን ትሪቡን ንሓደ ኣባል ጸጥታ ሱዳን ጠቒሱ፡ ሰዓት 4:00 ወጋሕታ ጸረ-ነፈርቲ ሰራዊት ሱዳን ንሓያሎ ድሮናት እኳ እንተ ዓገቱ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመሉ ኣረጋጊጹ። ንመጠን ሳዕቤኑ ዝምልከት ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ መሰኻኽር ዓይኒ፡ ድምጺ ድሮን ምስምዖም ስዒቡ ካብ ጸረ-ነፈርቲ ዝትኰስ ሓዊ ከም ዝርኣዩን ፍንጀራ ከም ዝሰምዑን ሓቢሮም። ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ድማ ዝተጐለለ ዒግታ ትኪ ከም ዝተራእየ ገሊጾም።
ሰራዊት ሱዳን ይዅን ዳዕመ-ሰሪዕ ዛጊት ዝሃቡዎ ግብረ-መልሲ የሎን።
ሰበስልጣን ሱዳን ትማሊ ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፡ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ኣብ ትሕቲ ዳዕመ-ሰሪዕ ድሕሪ ምእታዉ ኣዝዩ ተሃስዩ ከም ዝጸንሐ፣ መስርሕ ጽገናኡ ኣዋርሕ ድሕሪ ምውሳድ ድማ ኣብ 22 ጥቅምቲ ናይ ውሽጢ ሃገር በረራታት ክጅምር ምዃኑ ከም ዝገለጹ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሱና ሓቢሩ ነይሩ።
እዚ ሓበሬታ ዝተዋህበ፡ መስርሕ ጽገናኡ ኣጻፊፉ ብ18 ጥቅምቲ ናይ ፈተነ በረራ ድሕሪ ምክያዱ እዩ። ኲናት ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ 2023 ካብ ዝጅምር ንነጀው ንፈለማ እዋን እዩ ነፋሪት ኣዕሊቡ።
ብዓልመዚ ስቪል ኣቭየሽን ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንፓይሎታትን መሻርኽቲ ኣካላትን ንምጅማሩ ዝምልከት ሓበሬታ ከም ዝሃበ ገሊጹ።
እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣድላዪ ቴክኒካውን ንስራሕ ድልው ክኸውን ዝገብር ካልኦት ዕማማትን ክካየደሉ ጸኒሑ እዩ።
እዚ ኣብ ርእሰ-ኸተማ ሱዳን ዝርከብ ዋና መዓርፎ ነፈርቲ፡ ፈለማ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ዝተባራዓሉ ብዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዐ ካብ ዝተሃርሙ ቀዳሞት ቦታታት እዩ።
ከቢድ ዕንወት ስለ ዝወረዶ ከኣ ካብ ኵሉ ንግዳዊ ኣገልግሎታቱ ድው ክብል ተገዲዱ።
ብሰንኪ እዚ ሎሚ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ድሮን፡ እቲ ጽባሕ ክጅምር ተወጢኑ ዝነበረ መደብ ክቕጽል ድዩ ክናዋሕ ዝወጽአ ሓበሬታ የሎን።
ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ምውልዑ ስዒቡ፡ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ናይታ ሃገር ኣብ እትርከብ ፖርትሱዳን ዘሎ መዓርፎ ነፈርቲ እዩ ንዘቤታውን ኣህጉራውን በረራታት ከገልግል ጸኒሑ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቤትምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ ሓድነት ሱዳን ኣብ "ከቢድ ሓደጋ" ከም ዘሎ ብምጥቃስ ተወሳኺ እገዳ ከንብር ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።
እቲ ቤትምኽሪ ነቲ ግጭት ብምዅናን፡ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ምእንቲ ከኽትም "ብቐዳምነት ሓላፍነት ዝወስዱ፡" ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ምዃኖም ኣስሚርሉ።
እቲ ኵነታት፡ "ብዓለም ደረጃ ዝኸበደ ሰብኣዊ ዕንወት" ክብል ብምግላጽ፡ ኣብ ገለ ክፋል እታ ሃገር ዓጸቦ ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ።
እቲ መግለጺ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ንዅሉ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ መሳርሒታት ክጥቀመሉ ምዃኑን ኣድላዪ እንተዀይኑ ድማ ዒላማ ዝገበረ ገደብ ከቐምጥ ከም ዝኽእልን ገሊጹ።
እታ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሓሸ ፖለቲካዊ ባህሊ ዝነበራ ሱዳን ኣብ ሚያዝያ 2023 ክልተኦም ጀነራላት ናብ ግጭት ካብ ዝኣትዉ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ንጹሃን ሰባት ተቐቲሎም፡ ልዕሊ 12 ሚልዮን ካብ መረበቶም ክፈናቐሉ ተገዲዶም፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ድማ ንጥምየት ተቃሊዖም ኣለዉ።