ሱዳን፡ ኣብ መዓስከር ተመዛበልቲ ሓያለ ህጻናት ብሕጽረት መግቢ ሞይቶም

ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ሱዳን፡ ኣብ ግዝኣት ምብራቕ ዳርፉር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ተመዛበልቲ 13 ህጻናት ብሰንኪ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ከምዝሞቱ ሰብ ሞያ ሕክምና ገሊጾም።

ኣብ መዓስከር ላጋዋ ዝሰርሑ ኣባላት ዘለዎ ሞያዊ ትካል መርበብ ሓካይም ሱዳን፡ ኣብቲ መዓስከር "ሰብኣዊ ኵነታት" እናበኣሰ ይኸይድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ 27 ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ዘሎ ኣዕናዊ ኲናት ዝሰዓቦ ጥሜት፡ኣብቶም ተመዛበልቲ ሕጽረት መግቢ ከምዘጋደደ እውን ተገሊጹ።

እዚ ኣብ ከተማ ኤል ዳይን ዝርከብ መዕቆቢ፡ ብውሕዱ 7 ሽሕ ሰባት ዝነብሩሉ ኰይኑ፡ ብተደጋጋሚ ብዕጡቓት ጕጅለታት መጥቃዕቲ ከምዝበጽሖ ይፍለጥ።

ኣብታ ሃገር ጥሜት ከምዘጋጠመ ንመጀመርያ ግዜ ኣብቲ ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ዝርከብ መዓስከር እዩ ተሓቢሩ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ግን እቲ ጥሜት ናብ ካልእ ከባቢታት ተዘርጊሑ።

መርበብ ሓካይም ሱዳን ብሰሉስ ብዛዕባ መዓስከር ላጋዋ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ማሕበረሰብ ዓለምን ሰብኣዊ ትካላትን ንነበርቲ እቲ መዓስከር ብፍላይ ድማ ንህጻናትን ነፍሰጾራትን መግብን መሰረታዊ ክንክን ጥዕናን ንምሃብ ህጹጽ ስጕምቲ ክወስዱ ንጽውዕ" ኢሉ።

እቲ መዓስከር ዝርከበላ ርእሰ ከተማ ምብራቕ ዳርፉር ኤል ዳይን፡ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቍጽጽር ናይቲ ምስ ሰራዊት ሱዳን ዝዋጋእ ዘሎ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ትርከብ።

ሳልሳይ ዓመቱ ሒዙ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ሰብኣዊ ረድኤት ከይኣቱ ኣተዓናቒፉ፡ ቍጠባ ኣደስኪሉን ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክቛረጹን ገይሩ እዩ።

እዚኦምን ካልኦትን ረቛሒታት ድማ ቅልውላው መግቢ ኣኸቲሎም።

ብተወሳኺ ብዘይካ እቲ ኣብታ ሃገር ዝርአ ዘሎ ጥሜት ለበዳ ሕማም ሸሮኽ ከጋጥም ከምዝኽእል ጕጅለታት ረድኤት ኣብ ዳርፉር ኣጠንቂቘም።

ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኣብ ከተማ ታዊላ ቍጽሪ በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት ከምዝወሰኸ ኣፍሊጡ።

ኣብታ ከተማ ካብ ሰነ ኣትሒዙ 1500 ሰባት ብሕማም ሸሮኽ ከምዝተለኽፉን፡ ከቢድ ሕማም ከምዘጋጠሞምን ተገሊጹ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብተወሳኺ፡ ምቍራጽ ኣገልግሎት ማይን ጽሬትን፡ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ትሑት ሽፋን ክታበት ተደሚሩ፡ ንሓደጋ ለበዳ ሕማም ሸሮኽ ከም ዘዕበዮ ገሊጹ።

ሱዳን ኣብ ሚያዝያ 2023 ኣብ መንጎ ሰራዊት እታ ሃገርን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ዝጸንሐ ናይ ስልጣን ቍርቁስ ስዒቡ እያ ናብ ኲናት ሓድሕድ ኣትያ።

እዚ ኲናት እዚ ድማ እቲ ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ኣሎ።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ንጹሃን ሰባት ተቐቲሎም፡ ልዕሊ 12 ሚልዮን ካብ መረበቶም ክፈናቐሉ ተገዲዶም፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ድማ ንጥምየት ተቃሊዖም ኣለዉ።