እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ጥዕና ሱዳን፡ ኣብ ርእሲ ዘላታ ተወሰኸታ
ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብዅናት ዝተሓመሰት ሱዳን፡ ኮሌራን ካልኦት ቀተልቲ ሕማማታትን ይላባዕ ብምህላዉ፡ ኣብ ልዳት "ሓደጋ ህዝባዊ ጥዕና" ከም እትርከብ ጕጅለ ረድኤት ኮሚተ ኣህጉራዊ ምድሓን ህይወት (IRC) ኣጠንቂቑ።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ጥራሕ ምኒስትሪ ጥዕና ሱዳን ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ኮሌራ 172 ሰባት ከም ዝሞቱ ብምምዝጋብ፡ መብዛሕትኦም እቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሓደስቲ ሰባት ኣብ ግዝኣት ካርቱም ምዃኖም ኣብ ፈይስቡክ ጽሒፉ።
ማዕከናት ዜና ሱዳን ንሓካም ውሽጢ ዓዲ ተወኪሰን ከም ዝጸብጸብኦ፡ ኣብ ልዕሊ መደበራት መጻረዪ ማይን መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክን ብሰንኪ ዝተካየደ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ሰባት ረሳሕ ማይ ካብ ምጥቃም ካልእ ኣማራጺ ከም ዘይብሎም ገሊጸን።
ዳይረክተር ኣይ-ኣር-ሲ ኣብ ሱዳን ኢቲዛዝ ዩሱፍ፡ እቲ ኲናት ሓድሕድ - ሕጂ ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ - "ሕማም ሸሮኽ ዳግማይ ንኽላባዕ የጋድዶ ኣሎ፡" ኢላ።
እቲ ጕጅለ ረድኤት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክታበት ሕማም ኮሌራ ንምብጻሕ ዘሎ ተኽእሎ "ትሑት" ምዃኑን "ኣገደስቲ ዝዀኑ ቀረባት ይንክዩ ከም ዘለዉን፡" ኣስሚርሉ።
ትካል ግብረ ሰናይ ሕክምና ዶክተራት ብዘይ ዶብ (MSF)፡ ካብ መፋርቕ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ ካርቱም "ብሕማም ኮሌራ ዝተጠርጠሩ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ፡" ከም ዘለዉ ኣጠንቂቑ።
ኣብታ ሃገር ኣወሃሃዲ ሕክምና ሱሌማን ዓማር፡ "እቲ ግጭት ንመሰረታዊ ትሕተ-ቕርጺ ሱዳን ብንጹር ኣብ ሓደጋ ከም ዘእተወ፡" ገሊጹ።
ንሱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ገለ ክፋል እታ ርእሰ-ኸተማ፡ ክንክን ጥዕና "ኣይርከብን ወይ ድማ ክቡር፡" ምዃኑ ብምሕባር፡ ብሰንኪ እቲ ግጭት እቶም ተሪፎም ዝነበሩ ሓካይም'ውን ካብ ምስዳድ ዝሓልፍ ካልእ ኣማራጺ ከም ዘይነበሮም ተዛሪቡ።
ዓማር ወሲኹ፡ እቲ ዘሎ ኵነታት ነተን ዝተረፋ ውሑዳት ትካላት ጥዕና ልዕሊ ዓቕመን ምዃኑ ይገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ካርቱም ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ክሳብ 500 ሰባት ብሕማም ኮሌራ ከም ዝተለኽፉ ኤምኤስኤፍ ሓቢሩ።
ካብ ከባቢ ካርቱም ወጻኢ፡ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ሱዳን'ውን በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከም ዝተጠቕሱ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።
መብዛሕትኦም ሕማም ኮሌራ ዘለዎም ሰባት ቅልል ዝበለ ምልክታት የርእዩ፣ ወይ ድማ ፈጺሙ ምልክት ኣይህልዎምን።
እንተዀነ፡ እቲ ሕማም ከቢድ ተምላስ ዘስዕብ ኰይኑ፡ ንምሕካሙ ጸረ-ባክተርያን 'IV' ዝበሃል ፈሳስን ዘድልዮ ምስ ዝኸውን፡ ቀታሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።
ካብ ቅደሚ ክልተ ዓመት ኣትሒዞም ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝጅምሩ ንደሓር፡ ልዕሊ 150,000 ሰባት ተቐቲሎም።
ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ቤተ-ንብረቶም ሓዲጐም ተሰዲዶም። ሕቡራት ሃገራት፡ እታ ሃገር ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ተሕልፍ ከም ዘላ ክገልጽ ኣገዲዱ እዩ።