እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን ኣብ ኲናት ኬሚካላዊ ኣጽዋር ከም ዝተጠቐመት ኣመሪካ ገሊጻ
ሱዳን ኣንጻር ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ተካይዶ ኣብ ዘላ ኲናት ሓድሕድ ኬሚካላዊ ኣጽዋር ተጠቒማ ድሕሪ ምርካባ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ሓድሽ እገዳ ክትገብር ምዃና ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።
ኣመሪካ ናብታ ሃገር እትገብሮ ሰደድ ክድረትን ካብ 6 ሰነ ጀሚሩ ገደብ ፋይናንሳዊ ልቓሕ ክግበርን ምዃኑ ብወሃቢት-ቃል ታሚ ብሩስ ዝወጽአ መግለጺ ይሕብር።
ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ይዅን ዳዕመ ሰሪዕ ኣብ እዋን እቲ ግጭት ብገበን ኲናት ተኸሲሶም እዮም።
ቢቢሲ ብዛዕባ እዚ ዳሕረዋይ ብኣመሪካ ንዝቐረበሎም ክሲ ምላሽ እንተልይዎም ንሰበስልጣን ሱዳን ዝተወከሰ ኰይኑ ክሳዕ ሕጂ መግለጺ ከም ዘይብሎም ይገልጹ።
ኣብቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝጀመረ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ፖለቲካዊ ስልጣን እታ ሃገር ንምቍጽጻር ዘካይድዎ ዘለዉ ሓድሕዳዊ ኵናት፡ ልዕሊ 150,000 ሰባት ተቐቲሎም።
ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ሰራዊት ሱዳን ንርእሰ ከተማ ካርቱም ዳግማይ'ኳ ክቈጻጸራ እንተ ከኣለ ኣብ ካልእ ቦታታት ግና ውግእ ይቕጽል'ዩ ዘሎ።
ሱዳን ኣየኖት ኬሚካላዊ ኣጽዋር ከም ዝተጠቐመት ዝርዝር ሓበሬታ እኳ እንተ ዘየሎ፡ ሱዳን ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት ክሎሪን ጋዝ ከም ዝተጠቕመትን እዚ ድማ ሞት ደቂ-ሰብ ከስዕብ ከም ዝኽእልን ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ጥሪ ጸብጺቡ።
"ኣመሪካ፡ መንግስቲ ሱዳን ዝተጠቐሞ ኵሉ ዓይነት ኬሚካላዊ ኣጽዋር ደው ከብልን ብመሰረት CWC ዘለዎ ግዴታ ክኽብርን ትጽውዕ፡" ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ፈረምቲ ሃገራት ነቲ ዕቝር ኣጽዋር ከዕንዋ ቃል ዝኣተውሉ ውዕል ኬሚካላዊ ኣጽዋር ብምጥቃስ ተነቢቡ።
ብዘይካ ግብጺ፡ ሰሜን ኮርያን ደቡብ ሱዳንን ዳርጋ ኵለን ሃገራት ዓለም ነቲ ኬሚካላዊ ኣጽዋር ንዘይምጥቃምን ዝተኸዘነ እንተልዩ'ውን ምዕናውን ዝብል ውዕሊ ከም ዝፈረማ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ዘይወገናዊ ትካል ማሕበር ምቍጽጻር ኣጽዋር ይሕብር።
እስራኤል ነቲ ስምምዕ ፈሪማትሉ'ኳ እንተ ነበረት፡ ኣየጽደቐቶን። እዚ ማለት ኣብቲ ውዕል ተሳትፎ ከም ዘለዋ ብሕጋዊ መንገዲ ኣየረጋገጸትን ይብል ኤሲኤ ወሲኹ።
ብሩስ ወሲኻ፡ "ኣመሪካ ነቶም ኣብ ምብዛሕ ኬሚካላዊ ኣጽዋር ኣበርክቶ ዝገበሩ ተሓተትቲ ክትገብር ምሉእ ቃል ኣትያ ኣላ፡" ኢላ።
ኣመሪካ ኣብ ሱዳን እገዳ ክትገብር እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኰነን። ኣብ ጥሪ፡ ኣንጻር መራሕቲ ክልቲኦም ኣብቲ ግጭት ዝተዋፈሩ ሓይልታት እገዳታት ኣንቢራ ከም ዝነበረት ዝዝከር እዩ።
ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ብኣመሪካ "ንሱዳን ርግእቲ ከይትኸውን ብምስራሕን እታ ሃገር ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ከይትሰጋገር ብምድኻምን፡" ተኸሲሱ ነይሩ። ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ድማ ነቲ ክሲ፡ "ዘገርምን ዘጨንቕን፡" ክብል ኰኒኑዎ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ምጽናት ዓሌት ከም ዝፈጸመ፡ ብጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ነበር ኣንቶኒ ብሊንከን ተረጋጊጹ'ዩ።
እዞም ክልተ ፖለቲካዊ ስልጣን ሱዳን ንምቍጽጻር ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ክዋግኡ ዝጸንሑ ሓይልታት፡ ኣስታት 12 ሚልዮን ህዝቢ ዘመዛበሉ ኰይኖም፡ 25 ሚልዮን ህዝቢ ሱዳን ድማ ተጸባዪ ረድኤት ክኸውን ኣገዲዶሞ ኣለዉ።
እቲ ሓድሽ እገዳ ብሰንኪ እቲ ኣቐዲሙ ዝተወሰደ ስጕምትታት ኣብታ ሃገር ብዙሕ ጽልዋ ከም ዘይህልዎ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።
እዚ ዳሕረዋይ ስጉምቲ ኣመሪካ እውን ብሰንኪ ተሳትፎ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብቲ ግጭት ወጥሪ ፈጢሩ ኣሎ። ኢማራትን ሱዳንን ክሳዕ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ዲፕሎማስያዊ ርክባተን ዓቂበን'ኳ እንተ ነበራ፡ መንግስቲ ሱዳን ኢማራት ዓረብ ንዳዕመ ሰሪዕ ኣጽዋር ተቕርብ ከም ዘላ ከሲሱዋ'ሎ። ኢማራት ግን ነቲ ክሲ ነጺጋቶ'ያ።
ድሕሪ'ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ግዝኣት ወሽመጥ ዓረብ ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተገብረ ምዉቕ ኣቀባብላ፡ ኣብ ኮንግረስ ዝርከቡ ደሞክራትስ፡ ኢማራት ዓረብ ኣብቲ ግጭት ትሳተፍ ኣላ ብዝብል ካብ ኣሜሪካ ናብታ ሃገር ዝሽየጥ ኣጽዋር ብኸፊል ክዓግትዎ ፈቲኖም።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት ሃገራት፡ ሱዳን ንኢማራት ዓረብ ብምጽጻይ ዓሌት ክትከስስ ዘቕረበቶ ጻዕሪ ነጺግዎ።