እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ካብ ካርቱም ጠቕሊሎም ከም ዝተደፍኡ ሰራዊት ገሊጹ
ንኽልተ ዓመታት ምስ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ኲናት ተጸሚዱ ዝርከብ ወተሃደራዊ ጕጅለ ዳዕመ ሰሪዕ (RSF) ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ግዝኣት ካርቱም ከም ዝተደፍአ ሰራዊት ሱዳን ይገልጽ።
ማዕከን ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ "ግዝኣት ካርቱም ፍጹም ካብ ዓመጽቲ ነጻ እያ፡" ኢሉ።
እዚ፡ ሰራዊት ከተማ ካርቱም - ንቤተ-መንግስቲ ፕረዚደንት ሓዊሱ - ካብ ዝቈጻጸሩ ድሕሪ ኣስታት ክልተ ወርሒ ዝመጽአ ምዕባለ'ዩ።
ብሰሉስ ኣብ መንጐ እቶም ተዋጋእቲ ጕጅለታት፡ ኣብ ከተማ ኦምዱርማን ውግእ ተላዒሉ ነይሩ።
እቲ ሰራዊት ሰኑይ ኣብ ኦምዱርማን "ሰፊሕ መጥቃዕቲ" ከም ዝጀመረ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።
ጉጅለ ዳዕመ-ሰሪዕ ብዛዕባ እዚ ዳሕረዋይ ክሲ ሰራዊት ዛጊት ርእይቶ ኣይሃበን።
ካርቱም፡ ሕምብርቲ መንግስቲ ሱዳን ዝነበረት ኰይና፡ ተራጸምቲ ሓይልተት ነቲ ከባቢ ምስ ተቖጻጸሩ ወተሃደራዊ መራሕቲ እታ ሃገር ንምብራቕ ናብ ፖርት ሱዳን ክግዕዙ ተገዲዶም።
ክሳብ ቀረባ እዋን ፖርት ሱዳን ብተዛማዲ ውሑስ ኰይና ትረአ ነይራ።
ይኹን እምበር ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምስ ተፈጸመ፡ ካልእ ማእከል ውግእ ኰይና፤ ሰራዊት፡ እቲ መጥቃዕቲ ድሮን በቶም ዕጡቓት ከም ዝፍጸም ይኸስስ።
እቲ መጥቃዕቲ ንወሰንቲ ትሕተ ቅርጺ ዝሃረመ ኰይኑ፡ ሕጽረት ማይን ምቁራጽ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክን ኣስዒቡ።
እቲ ኲናት ዲፕሎማስያዊ ጽልዋታት'ዉን ኣጋጢሙዎ ኣሎ።
ድሕሪ'ቲ ሱዳን፡ ሕቡራት ኢመራት ዓረብ ንሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ትድግፍ ኣላ ኢላ ምኽሳሳ፡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ሓርፊፉ ይርከብ።
እቶም ክስታት ትማሊ ሰሉስ'ውን ቀጺሎም፤ ሱዳን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ልዕሊ ፖርት ሱዳን ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኢማራት ዓረብ ተሓታቲት ምዃና ብምግላፅ ጠቕላላ ዲፕሎማስኣዊ ርክባት ክቋረፅ ወሲና።
ኢማራት ዓረብ ነቲ ክስታት "መሰረት ዘይብሉ" ክትብላ ብትሪ ነጺጋቶ።
ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝለዓል ጀሚሩ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ድማ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም - እዚ ድማ ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ፈጢሩ ይርከብ።
ሰራዊት ሱዳንን እቶም ዕጡቓትን ዘይቅበሉዎም ክስታት ገበናት ኲናት'ዉን ይቐርቡ'ዮም።