ህይወቶም ካብ ሞት ንምድሓን ቈጽለ-መጽልን ቃንጫን ዝበልዑ ዘለዉ ሱዳናውያን

ኣብ ጥቓ ከተማ ኤልፋሸር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ተመዛበልቲ ካብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝሃደመ ህዝቢ ሱዳን፡ ብህይወት ንምስራር ቈጽለ-መጽልን ቃንጫን ይበልዕ ከም ዘሎ ሓደ ትካል ረድኤት ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ሓላፊ ስርሒታት ባይቶ ስደተኛታት ኖርወይ ኖህ ተይለር፡ "እዚ ክንሰምዖ ዝጸናሕና ዛንታታት ብሓቂ ዘስካሕክሕ እዩ፡" ክብል ኣብ መደብ ኒውስደይ ቢቢሲ ተዛሪቡ።

ሰባት ካብ ኤልፋሸር ናብ ታዊላ ይሃድሙ እኳ እንተለዉ፡ "ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ" ይሞቱ ከም ዘለዉ ተይለር ወሲኹ ገሊጹ።

ገሊኦም፡ "ብጽምኢ ይሞቱ ከም ዘለዉ፡" ሓቢሩ።

"ኣብ መንጎ ኤል-ፋሸርን ታዊላን ኣብ ዝርከብ መንገዲ ክሳዕ ሕጂ ሬሳታት ከም ዘሎ ዝገልጽ ዛንታታት ሰሚዕና ኢና።"

"ሓንቲ ካብ ኤል-ፋሸር ንበይና ብእግራ ዝተጓዕዘት ጓለንስተይቲ፡ ኣብ ጕዕዞ ብተደጋጋሚ ከም ዝተዓመጸት፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ታዊላ ምስ በጽሐት ብሰንኪ ዝቘሰለቶ ከም ዝሞተት ዝገለጹልና ስድራቤት ኣዘራሪብና።"

ኤል-ፋሸር ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ሱዳን ኣብ ትሕቲ ምቍጽጻር ሰራዊትን መሻርኽቱን እትርከብ ናይ መወዳእታ ከተማ እያ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ'ዚ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ነታ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ መዓስከር ዛምዛም ብምጥቃዕ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ካብቲ ግዝያዊ መዕቈቢኦም ክሃድሙ ኣገዲዶም።

ብዙሓት ነበርቲ ዛምዛም፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዳርፉር ካብ ዝነበረ ግጭታት ድሕሪ ምህዳሞም፡ ንኽልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብኡ ዝጸንሑ እዮም።

ዳዕመ-ሰሪዕ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ክቃለስ ጸኒሑ'ዩ። እዚ ኲናት'ዚ ኣስታት 150,000 ዝግመቱ ሰባት ዝቐተለን ኣስታት 13 ሚልዮን ካብ ገዝኦም ክሃድሙ ዘገደደን እዩ።

ትካላት ረድኤት ኵነታት ሱዳን ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ምዃኑ ይገልጻ።

ይዅን'ምበር፡ ሕቡራት ሃገራት ብጥሜት ናብ ዝተሃስዩ ከባቢታት ሱዳን ዘብጽሖ ሓገዝ መግቢ ብሰንኪ ዋሕዲ ምወላ ክጐድል ከም ዝኸኣለ ይሕብር።

ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ዓረብ ንዘይኰኑ ነበርቲ ዳርፉር ዒላማ ብምግባሩ ክኽሰስ ጸኒሑ'ዩ።

ብሓሙስ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ደቪድ ላሚ፡ እዚ "ምልክታት ምጽራይ ዓሌታት ምዃኑ ዘርኢ'ዩ፣ ኣንጻር ሰብኣውነት ዝፍጸም ገበናት ክኸውን ይኽእል'ዩ፡" ኢሉ።

ክልቲኦም ወገናት፡ "ሰብኣዊ ትካላት ዝህቡዎ ሓገዝ ብዝቐልጠፈ ንኸብጽሑ ዘድሊ ውሕስነት ጸጥታ ክህቡ፡" ኣተሓሳሲቡ።

ሕቡራት ሃገራት ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ሰሜን ዳርፉር - ኣብ ከባቢ ኤል-ፋሸር - ካብ 10 ሚያዝያ ጀሚሩ ብውሕዱ 481 ሰባት ከም ዝተቐትሉን እቲ ጠቕላላ ብዝሒ ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእልን ኣጠንቂቑ።

ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ናይቲ ኣካል ቮልከር ቱርክ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ስክፍታኡ ብምግላጽ፡ "ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ንዝርከቡ ግዳያት ዝሕግዙ ስርዓታት ኣብ ኣፋፌት ምፍራስ ይርከቡ፤ ሰራሕተኛታት ሕክምና ንባዕሎም ኣብ ሓደጋ ኣለዉ፣ ምንጭታት ማይ ከይተረፈ ኰነ ኢልካ መጥቃዕቲ በጺሑዎም ኣሎ፡" ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ በቲ "ሰፊሕ ጸብጻባት ጾታዊ ዓመጽ፡" ስክፍታኡ ገሊጹ።

መዓስከር ዛምዛም ብሓዊ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዓነወ ኣብ ቤት ትምህርቲ ህዝባዊ ጥዕና ያል መራሒ ሰብኣዊ ምርምር ቤተ-ፈተነ ናትናኤል ሬይሞንድ ገሊጹ።

ሬይሞንድ፡ ኣባይትን ማእከላት ረድኤትን ኰነ ኢልካ ሓዊ ይቃጸል ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ካብ ዛምዛም ክሃድሙ ዝኸኣሉ ሰባት ኣብ መንገዲ ከም ዝነበሩን ብጥሜት ከም ዝሞቱን እውን ጠቒሱ።

ሓላፊ ስርሒታት ባይቶ ስደተኛታት ኖርወይ ኖህ ተይለር ብወገኑ፡ ታዊላ ካብ ገዛኦም ብዝሃድሙ ሰባት ንዝመጽእ ዋሕዚ ንምጽዋር ትቃለስ ከም ዘላ'ውን ኣጠንቂቑ።

"ኣብ መንገዲ መግቢ ኰነ ማይ ኣዝዩ ውሑድ እዩ፡" ድሕሪ ምባል፡ እታ ንእሽቶ ከተማ ኣብዚ እዋን'ዚ ካብ 130,000 ክሳብ 150,000 ሰባት ተዕቍብ ከም ዘላ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ካብ ዛምዛም ዝሃድሙ ሰባት፡ ኣባይቶም ከም ዝተቓጸለን ብጥይት ከም ዝተሃርሙን ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም። ዳዕመ-ሰሪዕ ነቲ መዓስከር ከም ዘጥቅዖ እኳ እንተ ገለጸ፡ ዝዀነ ግፍዒ ከም ዘይፈጸመ ግን ይኽሕድ።

ኣብ ካልእ ቦታታት ሱዳን እውን ውግእ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ደቡባዊ ኣውራጃ ምዕራብ ኮርዶፋን ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ልዕሊ ቍሸት ኣል-ዛዓፋ መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ፡ 74 ሰባት ከም ዝተቐትሉ መርበብ ሓካይም ሱዳን ትማሊ ዓርቢ ኣፍሊጡ።