ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ኣብ ሱዳን 'ሓድሽ' መንግስቲ ንምቛም ኣዊጁ

ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዓበ ውግእ ሓድሕድ ሱዳን ክልተ ዓመት ኣብ ዝመልኣሉ፡ ንሰራዊት ሱዳን ዝጻረር መንግስቲ ከም ዘቝሙ ኣፍሊጡ።

ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመቲ)፡ እቲ ጕጅለ፡ "ንሱዳን እቲ እንኮ ሓቀኛ መጻኢ ይፈጥር ኣሎ፡" ኢሉ።

እዚ ኣዋጅ'ዚ ዝወጽአ፡ ካልኣይ ዓመቱ ዝተመመ ግጭት ንምዝካር ኣብ ለንደን ዓቢይ ዋዕላ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ደቪድ ላሚ ከኣ፡ "ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ፡" ክህሉ ጸዊዑ።

ኣብ ሱዳን ውግእ ይቕጽል ኣሎ።

ሰራዊት፡ ካብ ኣልፋሸር ወጻኢ ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ዳዕመ-ሰሪዕ ብቦምባታት ከም ዝደብደበ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ካብ መዓስከር ስደተኛታት ዛምዛም ክሃድሙ ተገዲዶም እዮም።

መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ "ሃገረ-ሕጊ" እምበር ብውልቀሰባት እትመሓደር ሃገር ከም ዘይሃንጽ ገሊጹ።

"ንሕና ሓድነት እምበር ዕብለላ ኣይኰናን ንደሊ። ዝዀነ ቀቢላ፡ ዞባ፡ ወይ ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ ዜግነት ሱዳን ዕብለላ ከም ዘይብሉ ንኣምን፡" ይብል እቲ ኣብ ተለግራም ዝሃቦ መግለጺ።

ወሲኹ ድማ መንግስቱ ከም ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ዝቈጻጸሮ ከባቢታት ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ መላእ ሃገር ክህብ ምዃኑ ተመባጺዑ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዳዕመ-ሰሪዕ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 400 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሕቡራት ሃገራት "እሙናት ምንጭታት" ብምጥቃስ ሓቢሩ እዩ።

ኣብዚ ናብ ሳልሳይ ዓመቱ ዝሰግር ዘሎ ኲናት፡ ክልተኦም ሓይልታት ምጽናት ዓሌትን ጃምላዊ ጾታዊ ዓመጽን ብዝጠቓለለ ገበናት ኲናት ተኸሲሶም እዮም።

እዚ ብ15 ሚያዝያ 2023 ዝጀመረ ግጭት፡ ዛጊት ልዕሊ 150,000 ህይወት ሰባት ከም ዝቐዘፈን ልዕሊ 12 ሚልዮን ሰባት ከም ዘመዛበለን ይፍለጥ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብታ ርእሰ ከተማ ሰሜን ዳርፉር ዝዀነት ኣልፋሸር ብዝተኻየደ ውግእ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ካብ መዓስከር ስደተኛታት ዛምዛም 70 ኪሎሜትር ብእግሮም ተጓዒዞም ናብ ከተማ ጣዊላ ከም ዝበጽሑ ሓካይም ብዘይ ዶብ ዝተባህለ ትካል ግብረ-ሰናይ ሓቢሩ።

ብዙሓት ብማይ ጽምኢ ተሰኒፎም ኣብታ ከተማ ክበጽሑ እንከለዉ፡ ብማይ ጽምኢ ዝመቱ ገለ ህጻናት ምህላዎም ድማ ይግለጽ።

ሰብኣውያን ትካላት ከም ዝጸብጸብኦ፡ ኣብ ከባቢ ኣልፋሸር ኣብ ዝርከቡ ግዝያውያን መዕቘቢ መዓስከራት ኣብ ልዕሊ 700,000 ሰባት ዓጸቦ ዝመስል ኵነታት ከም ዘጋጠመን ጸጥታዊ ስግኣታትን ምዕጻው ጽርግያታትን ከኣ ሓገዛት ከይኣቱ ከም ዘተዓናቐፉዎ ሓቢረን።

ዓባይ ብሪጣንያ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘአንገደቶ ኣህጉራዊ ዋዕላ፡ ዓለም ንሱዳን ሕቘኣ ከይትህባ ብምጽዋዕ፡ ንመግብን ሕክምናዊ ሓገዝን ዝውዕል ተወሳኺ 159 ሚልዮን ዶላር ከም እትህብ ቃል ኣትያ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ደቪድ ላሚ፡ "ብዙሓት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ተስፋ ቈሪጾም ኣለዉ፣ እዚ ጌጋ እዩ። ሓያሎ ሰለማውያን ሰባት ክሳዶም እናተቘርጸ፡ ዕሸላት ጾታዊ ዓመጽ እናወረደን፡ ሰባት ካብ ዝዀነ ቦታ ኣብ ዓለም ንላዕሊ ዓጸቦ እናጋጠሞም እናረኣና ስቕ ክንብል ብሞራል ጌጋ እዩ። ሸለል ክንብሎ ኣይንኽእል ኢና፡" ኢሉ።

እቲ ዋዕላ ንእለቱን ብቐዋምን ተዅሲ ደው ክብል ክጽውዕ ከሎ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ግን እታ ሃገር ብሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ክትምቀል ከም ዘይፈቅድ ገሊጹ።