እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን፡ ንጥሜት-ዝተቓልዑ ክልተ መዓስከራት ዒላማ ዝገበረ ሓድሽ መጥቃዕቲ
እቲ ካልኣይ ዓመቱ ኣቕጺሩ ዘሎ ደማዊ ኲናት-ሕድሕድ ሱዳን፡ ኣስታት 12 ሚልዮን ህዝቢ ዘመዛበለ ዀይኑ፡ ኣብዚ እዋን 'ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ሰብኣዊ ቀልውላው'- ይብሎ ሕቡራት ሃገራት።
ኣብዚ ሕድሕድ ኲናት ሱዳን፡ ካብተን [ከም ገበናት ኲናት ዝቝፀር] ኣዝዩ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ዝፍጸመለን ግዝኣታት፡ ዞባ-ምዕራባዊ ዳርፉር ሱዳን ሓደ እዩ።
ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝጀመረ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 20 ህጻናትን ሓካይምን ዝርከቡዎም ልዕሊ 100 ሲቪላት ከምዝተቐትሉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣሸሓት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ዘዕቝቡላ ሱዳን፡ ባዕላ ንዝኸፍአ ጥሜትን ዕንወትን ተሳጢሓ ትርከብ ኰይና፡ ብዙሓት ሃለዋቶም ጠፊኡ ይርከብ።
ብፍላይ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ፡ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበሉ ኣስታት 70 ሽሕ ነበርቲ፡ ካብ መንጐኦም ኣብዚ እዋን ረአዪ ሰማዒ ስኢኖም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ጸብጻበት ይሕበሩ።
እንታይ እዩ ኣጓኒፉ?
እቲ መጥቃዕቲ – ኣብ ልዕሊ ጥቓ ከተማ ኤል ፋሸርን፡ ዝርከቡ ክልተ ብኲናት ሓድሕድ ካብ ገዝኦም ዝተመዛበሉ ሰባት ዝነብሩለን መዓስከራትን ዝተፈፀመ ምዃኑ እቶም ጸብጻባት የመልክቱ።
እቲ መጥዕቲ ብምፍፃም ዝኽሰሱ ሓይልታት - ዳግመ ሰሪዕ(RSF)፡ ነቲ ጸብጻባት ዝተፈብረኸ እዩ ይብሉዎ።
እቶም መዓስከራት ዛምዛምን ኣቡ ሹክን፡ ንልዕሊ 700 ሽሕ ሰባት ግዝያዊ መፅለሊ ዀይኖም፡ ብዙሓት ካብኣቶም ብጥሜት ዝተሃሰዩ እዮም።
ዜና ናይ'ዚ መጥቃዕቲ ዝስማዕ ዘሎ፡ ኣብ ፅባሕ መበል-ካልኣይ ዓመት ኲናት ሓድሕድ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻል ሰራዊትን ዕጡቓት -ሕመቲን ዝካየድ ዘሎ እዩ።
ኣተሓባባሪት ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ክለመንቲን ንክዌታ-ሳላሚ፡ በቲ ዘጋጠመ ጸብጻባት "ኣዝያ ከምዝሰንበደትን ከምዝሓዘነትን" ገሊጻ።
"እዚ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልትን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ዝፍጸም ተኸታታሊ ኣረሜናዊ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ቀታሊን ተቐባልነት ዘይብሉን ምዕባለ ዘርኢ" ክትብል ወሲኻ፡ ኣብ መግለጺኣ
ትካል ረድኤት ሪሊፍ ኢንተርናሽናል ኣብ ልዕሊ ዛምዛም ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ትሽዓተ ካብ ሰራሕተኛታቱ "ሓካይም፡ ሪፈራል መራሕቲ መካይንን ሓደ መራሒ ጋንታን ሓዊሱ ብዘይ ምሕረት ከምዝተቐትሉ" ገሊጹ።
እቲ ኣብቲ መዓስከር ብሕታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዝህብ ጉጅለ ምዃኑ ዝገለጸ፡ እቲ ትካል ግብረ ሰናይ፡ ንሓይልታት -ዳግመ ሰሪዕ እዩ ተሓተትቲ ዝግበር።
"ኣብ ልዕሊ ኩሎም መሰረተ-ልምዓት ጥዕና እቲ ክልል ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከምዝነበረ ንርዳእ ኢና፡ እዚ ድማ እቶም ተመዛበልቲ ክንክን ጥዕና ንኸይረኽቡ ኰነ ተባሂሉ እዩ"።
"ካብ መንጐ ኣብ ኤል-ፋሸር ዝርከባ ትካላት ጥዕና፡ ሓንቲ ናትና ክሊኒካት ኣካል ናይዚ መጥቃዕቲ ምዃና ኣዝዩ ኣሰንቢዱና፡"።
እቶም ዕጡቕ ጉጅለ፡ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብዝፍጸም መጥቃዕቲ ተሓታቲ ከምዘይኮነን፡ ኣብ ዛምዛም ዝተርአየ ቅትለታእ፡ ንሓይልታቱ ንምጽላም ዝተዳለወ ምዃኑን ገሊጹ።
መሰኻኽር-ዓይኒ እንታይ ይብሉ?
ኣብቲ መዓስከር ንዝርከቡ ሰባት መግቢ ኣብ ዘቕርብ መገባ-ክሽነ ዝሰርሕ፡ ሓደ ነባሪ ዛምዛም ትማሊ ቀዳም ንግሆ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ነቲ ኩነታት "ኣዝዩ ኣዕናዊ" ኢሉዎ።
ወዲ 34 ዓመት ሙስጣፋ፡ ኣብ ዋትስኣፕ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ድምጺ መልእኽቲ፡ "ብዙሓት መንእሰያት ስኢንና፡ እቶም ኣብ ክሽነ-ማሕበረሰብ ዝሰርሑ ዝነበሩ ተቐቲሎም፡ እቲ ሆስፒታል ዳግማይ ንምኽፋት ተበግሶ ዝወሰዱ ሓካይም'ውን ተቐቲሎም" ኢሉ።
"ኣኮይን ወዲ ሓወቦይን ተቐቲሎም። ሰባት ቆሲሎም፤ መድሃኒት ይኹን ሆስፒታል የለን፡ ደሞም ወዲኦም ይሞቱ ኣለዉ።"
እቲ ደብዳብ ይቕጽል ከምዘሎን፡ ሎሚ ንግሆ ድማ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ክካየድ ይኽእእል እዩ ዝብል ስግኣት ከምዘሎን ወሲኹ ሓቢሩ።
ወሲኹ ድማ፡ ኩሎም ካብቲ መዓስከር ዝወጹ መንገድታት ተዓጽዮም ከምዘለዉን "ብኣርባዕቲኡ ኣንፈት ከምዝተኸበበን" ገሊጹ።
ካልእ ነባሪ- ዋሲር፡ ነገራት "ኣዝዮም ዘስካሕክሕ" ምዃኖም ገሊጹ።
"ኣብ ዛምዛም ዝተረፈ ነገር የለን። ብርክት ዝበሉ ሰላማውያን ሰባት ሃዲሞም፡ ሕጂ'ውን ክንወጽእ ንፍትን ኣለና፡ ግን ኣይተዓወተናን ኩሉ ጽርግያታት ተዓጽዩ ኣሎ፡ ቆልዑ ሒዝና ኣለና"።
"ኣብ ኩሉ ቦታ ሞት ኣሎ። ሕጂ ክዛረበካ ከለኹ ንባዕሉ፡ ቶኽሲ ይስማዕ ኣሎ።"
ድሕረ-ባይታ'ቲ ኲናት
እቲ ኲናት ሕድሕድ - ኣብ መንጎ ሰራዊት እታ ሃገርን ሓይልታት ዳግመ-ሰሪዕን ዝካየድ ዘሎ ምቅርማት ስልጣን ዘበገሶ ይኑ፡ - ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው ፈጢሩ ይርከብ።
ልዕሊ 12 ሚልዮን ሰባት ካብ ገዝኦም ኣመዛቢሉን ህዝቢ ንሕሱም ጥሜት ኣቃሊዑን ኣሎ።
ብ15 ሚያዝያ 2023፡ መራሕቲ ሰራዊትን ዕጡቃት- ሚሊሻ ዳግመ-ሰሪዕን፡ ብሰንኪ ዘይስኒት ኣብ መፃኢ ፖለቲካዊ መፃኢ ሱዳን፡ ናብ ኲናት ሕድሕድ ኣምሪሖም።
ኤል-ፋሸር ኣብ ዳርፉር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት እትርከብ ናይ መወዳእታ ዓባይ ከተማ ኮይና፡ ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ከበባ እቶም ዑጡቓት ጸኒሓ።