ባይደን፡ ካብ መረጻ ድሕሪ ምስሓቡ ኣብ ዝሃቦ ፈላማይ መብርሂ ዘይመለሶም ሓቅታት

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ብሰንበት ካብ ዳግም መረጻ ኣመሪካ ከም ዘንሰሓበ ወግዓዊ ካብ ዝገብር ንደሓር ትማሊ ምሸት ወግዓዊ መብርሂ ሂቡ ኣሎ።
እዚ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ብኸመይ ከም ዝፍረድ ብቑዕ መብርሂ ክህበሉ ትጽቢት ዝግበር ዕድል ነይሩ።
ብዛዕባ፡ ኣብ ግዜ መሪሕነቱ ዘዐወቶም፣ ብዛዕባ ሕያዋይ ድሕረ ባይታኡ ተዛሪቡ። ኣመሪካውያን፡ መጻኢ ዲሞክራሲ ኣብ ኢድኩም’ያ ክብል’ውን ተዛሪቡ።
ፕረዚደንታዊ መረጻ እታ ሃገር ሒደት ኣዋርሕ ምስ ተረፎ ስለ ምንታይ፡ ካብ ውድድር ዳግመ መረጻ ኣመሪካ ዘንሳሓበ ፈላማይ ፕረዚደንት ኰይኑ ግን ኣይተዛረበን።
መጽሓፍቲ ታሪኽ ዘገድሰን ክኣ እዚ’ዩ ነይሩ።
ተናኺፉዎ፤ ኣሕፊሹ ርእይቶ ሂቡ፤ መሰረታዊ ምኽንያቱ ድማ ካብ ዙርያ እቲ ዝተዛረቦ ምርዳእ ንህዝብን ተዓዘብትን ገዲፉዎ ኣሎ።
“ኣብ ቀረባ ሰሙናት፡ ኣብ ውሽጢ ውድበይ ሕብረት ክፈጥር ከም ዘለኒ ግልጺ ኰይኑ” ዝበለ ባይደን፡ ኣብ መንጐ ዲሞክራት “ሽግ መሪሕነት” ናብ ሓድሽ ወለዶ ከነሰጋግር ኣለና ዝብል ድሌት ከም ዝተንጸባረቐ ሓቢሩ።
ባይደን፡ ብዛዕባ ዘዐወቶም ነገራት ብዝርዝር ክዛረብ እንከሎ፡ እዚ ዳግም ንኽምረጽ’ውን የኽእሎ ከም ዝነበረ ጠቒሱ።
ግን ድማ፡ “ዲሞክራሲና ንምዕቃብ ዝዀነ ነገር ከዐንቅፈና የብሉን - እዚ ውልቃዊ ባህጊ’ውን የጠቓልል” ኢሉ።
እቲ ከይተዛረበሉ ዝተረፈ ጕዳይ፡ እቲ ቀንዲ ካብቲ ውድድር ንኸንሳሕብ ዝደፍኦ ምኽንያት’ዩ፤ ብዙሓት ኣብቲ ኣብ ሕዳር ዝካየድ መረጻ ብዶናልድ ትራምፕ ክስዓር’ዩ ዝብል ግምት’ዩ ነይሩዎም።
እዚ ድማ’ዩ፡ መብዛሕትኦም ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራት ባይደን ንኽወጽእ ጸቕጢ ክገብሩ ዝደፍኦም።
እቶም ዝእከቡ ዝነበሩ ርእይቶታት ህዝቢ፡ ኣዝዩ ዘሕፍር ኣፈጻጽማ ፈላማይ ክትዕ ባይደን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ሰልፊ ዝነበረ ጸቕጢ ተደሚሩ፡ ባይደን ኣብቲ መረጻ ክዕወት ዘኽእሎ ዋላ ሓደ መገዲ ኣይነበረን።
እቲ ፕረዚደንት ዋላ’ውን ከምኡ እንተዘይበለ፡ ሕጹይ ሪፐብሊካን ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ግን ኢሉዎ ኣሎ።
ብረቡዕ፡ ባይደን ንህዝቢ ሃገሩ መልእኽቲ ቅድሚ ምሕላፉ ሒደት ሰዓታት፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኖርዝ ካሮላይና ኣብ ዝነበሮ መድረኽ ጐስጓስ፡ ባይደን ብኸቢድ ይስዓር ስለ ዝነበረ’ዩ ኣንሳሒቡ ክብል ተዛሪቡ።
ድሕሪኡ ንካማላ ሃሪስ ከጥቅዕ ጀሚሩ፤ ንሳ፡ “ጽልልቲ ሕልፊ ጸጋማዊት”ን “ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ባይደን ዘውረዶ ዕንወት ዘላ ልዕለ-ሊበራላዊት ሓይሊን” ኢሉ።
ሓደ መወዓውዒ፡ ካማላ ሃሪስ ነቲ “ርኡይ ኣእምሮኣዊ ውድቀት” ናይቲ ፕረዚደንት ኣብ ምሽፋን ተሓባባሪት ምዃና ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።
ባይደን ግን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ምክትሉ ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕቲታት ንምክልኻልን ንምንጻግን፡ ፕረዚደንታዊ ግቡኡ ንምፍጻም ኣብ ስልጣን ክቕጽል ዘሎ ስክፍታታት መብርሂ ክረክብ ንምግባር እቲ ትማሊ ብተሌቪዥን ክመሓላለፍ ዝተገብረ መግለጺ ዝሃቦ ዕድል ከይተጠቕመሉ ሓሊፉ ኣሎ።
ኣብ ወመዳእታ፡ ብዛዕባ ሕጽይቲ ክትከውን ዘጽደቐላ ካማላ ክዛረብ እንከሎ፡ “በዓልቲ ምሉእ ተመኵሮ፡ ሓያልን ዓቕሚ ዘለዋን” እያ ብምባል፡ ጥራይ እዩ ንኢዱዋ።
እዚ ድማ፡ ሃሪስን ጕጅለኣን ኣብ ዝቕጽል መዓልቲታት ብኸመይ ነቲ ካብ ሪፓብሊካን ዝውሕዝ ዘሎ መጥቃዕቲታት ክምክቱ ይኽእሉ ክጣበቡ ከገድዶም እዩ።
ብዛዕባ ውርሻኡ ዝሻቐል እንተዀይኑ ድማ፡ ካብዚ ንደሓር ካብ ዝገብሮ ንላዕሊ ዓወት ወይ ውድቀት ካማላ ሃሪስ ኣገዳሲ ክኸውን እዩ።
ታሪኽ ድማ፡ ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈለ ሰብ ወይ ብነብሰ ፍትወት ንነዊሕ እዋን ስልጣን ብምሓዝ ንውድቡ ኣብ ሓደጋ ዘእተወ ሰብ ብምባል ክፈርዶ ይኸውን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







