ጽምብል ደመራ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት - ብስእሊ

ደመራ
መግለጺ ስእሊ, ጽምብል ደመራ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት
መንፈሳዊ ስነ-ስርዓት
መግለጺ ስእሊ, በዓል መስቀል ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ክርስትናን ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ብድምቀት ተኸቢሩ
ዘመርቲ
መግለጺ ስእሊ, ካብ ዝተፈላለያ ደብርታት ዝመጹ ዘመርቲ መንፈሳዊ መዝሙራት ኣቕሪቦም
ኣቦታት ሃይማኖትን ተኻፈልትን
ዘመርቲ
ደመራ
መግለጺ ስእሊ, ብመሰረት ትምህርቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣደ ናይ 4ይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ሃጸይ ሮማ ቆስጠንጢኖስ ቅድስቲ ሄለና፡ ዳሜራ ኣንዲዳ እቲ ትኪ ንኣንፈት እቲ ኣብ እየሩሳሎም ዝተቐበረ መስቀል ተኺኹ ሓቢርዋ ይበሃል
ምርኢት ምግላብ ፈረስ ኣብ ደመራ
ተኻፈልቲ ስነ-ስርዓት ደመራ

ድሮ በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት

'ሰላም ንኹሉ ወዲሰብ' - ወለዲ ዓጋመ
መግለጺ ስእሊ, 'ሰላም ንኹሉ ወዲሰብ' - ወለዲ ዓጋመ

ሎሚ 16 መስከረም 2016 ኣግ ድሮ በዓል መስቀል እዩ። በዓል መስቀል ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ዓጋመን ኢሮብን ብድሙቕ እዩ ዝኽበር። ተወለድቲ ዓጋመ ኣብ ዝነበሩ ነይሮም ኣብ ቅንያት በዓል መስቀል ናብ ዓዶም ይስምለሱ እሞ ምስ ስድራ ቤቶምን መተዓብይቶምን ይጽምብልዎ።

ሎም ዘበን እውን እቲ ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ድሕሪ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት፡ ንፈለማ እዋን በዓል መስቀል ብድምቀት ንምኽባር ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ዝተፈላለዩ ምድላዋት ይካየዱ ኣለዉ።

ወኪል ቢቢሲ ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ከተማ ተንቀሳቒሱ ዝሰነዶም ስእልታት ተኣንገዱ።

ኣደታት ዓጋመ ጥሕሎን መኹባዕትን ሒዘን
መግለጺ ስእሊ, ኣደታት ዓጋመ ጥሕሎን መኹባዕትን ሒዘን
ጎራዙ ዓጋመ
መግለጺ ስእሊ, ጎራዙ ዓጋመ
ብሄረሰብ ኢሮብ
መግለጺ ስእሊ, ብሄረሰብ ኢሮብ
ጎራዙ ዓጋመ ዲቦ እንትፃወታ
መግለጺ ስእሊ, ጎራዙ ዓጋመ ዲቦ እንትፃወታ
ጎራዙ ዓጋመ ግልብጭ እንትቋነና
መግለጺ ስእሊ, ጎራዙ ዓጋመ ግልብጭ እንትቋነና
ሽግ ዝሓዙ ህጻናት
መግለጺ ስእሊ, ሽግ መስቀል ዝሸጡ ቆልዑ ዓጋመ
ከባቢ ዕዳጋ
ከተማ ዓዲ ግራት
መግለጺ ስእሊ, ከተማ ዓዲ ግራት ኣብ ድሮ በዓል መስቀል፡ ኣብ ከባቢ ህንፃ ገዛ ገርላሰ

ሽግ ኣዝዩ ጠቓሚ ኣካል ስነ ስርዓት ጽምብል መስቀል እዩ። ኣቦታትን መንእሰያትን ሽግ ገዚኦም ብምቅጻል

"ዓኾ ዓኾኻይ መስቀል ግዳይ

ትዃን ውጻእ ቁንጪ እቶ

ጸገም ውጻእ ኣዝመራ እቶ" እናበሉ ንስድራቤታትን ጎረባብትን የሳግሩ።

ሽግ ዝሸጡ ቆልዑ
መግለጺ ስእሊ, ሽግ ዝሸጡ ቆልዑ
ውድድር ጉያ
መግለጺ ስእሊ, ብምኽንያት በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ዝካየድ ዘሎ ውድድር ጉያ
"ጉያ መስቀል ዓጋመ 2016" ብዝብል ቴማ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ጉያ ገለ ካብ ተሳተፍቲ
መግለጺ ስእሊ, "ጉያ መስቀል ዓጋመ 2016" ብዝብል ቴማ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ጉያ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ሰባት ተሳቲፎም
ተሳተፍቲ ኣኼባ
መግለጺ ስእሊ, ማሕበር ቀዳሞት ተምሃሮ ኣግኣዚ ምስ ማሕበር ልምዓት ዓጋመ ኣብ ልምዓት ከባቢኦም ይዝትዩ ኣለዉ