ጽምብል ደመራ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት - ብስእሊ
መግለጺ ስእሊ, ጽምብል ደመራ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራትመግለጺ ስእሊ, በዓል መስቀል ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ክርስትናን ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ብድምቀት ተኸቢሩመግለጺ ስእሊ, ካብ ዝተፈላለያ ደብርታት ዝመጹ ዘመርቲ መንፈሳዊ መዝሙራት ኣቕሪቦምመግለጺ ስእሊ, ብመሰረት ትምህርቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣደ ናይ 4ይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ሃጸይ ሮማ ቆስጠንጢኖስ ቅድስቲ ሄለና፡ ዳሜራ ኣንዲዳ እቲ ትኪ ንኣንፈት እቲ ኣብ እየሩሳሎም ዝተቐበረ መስቀል ተኺኹ ሓቢርዋ ይበሃልድሮ በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት
መግለጺ ስእሊ, 'ሰላም ንኹሉ ወዲሰብ' - ወለዲ ዓጋመሎሚ 16 መስከረም 2016 ኣግ ድሮ በዓል መስቀል እዩ። በዓል መስቀል ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ዓጋመን ኢሮብን ብድሙቕ እዩ ዝኽበር። ተወለድቲ ዓጋመ ኣብ ዝነበሩ ነይሮም ኣብ ቅንያት በዓል መስቀል ናብ ዓዶም ይስምለሱ እሞ ምስ ስድራ ቤቶምን መተዓብይቶምን ይጽምብልዎ።
ሎም ዘበን እውን እቲ ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ድሕሪ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት፡ ንፈለማ እዋን በዓል መስቀል ብድምቀት ንምኽባር ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ዝተፈላለዩ ምድላዋት ይካየዱ ኣለዉ።
ወኪል ቢቢሲ ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ከተማ ተንቀሳቒሱ ዝሰነዶም ስእልታት ተኣንገዱ።
መግለጺ ስእሊ, ኣደታት ዓጋመ ጥሕሎን መኹባዕትን ሒዘንመግለጺ ስእሊ, ጎራዙ ዓጋመ መግለጺ ስእሊ, ብሄረሰብ ኢሮብመግለጺ ስእሊ, ጎራዙ ዓጋመ ዲቦ እንትፃወታመግለጺ ስእሊ, ጎራዙ ዓጋመ ግልብጭ እንትቋነናመግለጺ ስእሊ, ሽግ መስቀል ዝሸጡ ቆልዑ ዓጋመመግለጺ ስእሊ, ከተማ ዓዲ ግራት ኣብ ድሮ በዓል መስቀል፡ ኣብ ከባቢ ህንፃ ገዛ ገርላሰ ሽግ ኣዝዩ ጠቓሚ ኣካል ስነ ስርዓት ጽምብል መስቀል እዩ። ኣቦታትን መንእሰያትን ሽግ ገዚኦም ብምቅጻል
ጸገም ውጻእ ኣዝመራ እቶ" እናበሉ ንስድራቤታትን ጎረባብትን የሳግሩ።
መግለጺ ስእሊ, ሽግ ዝሸጡ ቆልዑመግለጺ ስእሊ, ብምኽንያት በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ዝካየድ ዘሎ ውድድር ጉያመግለጺ ስእሊ, "ጉያ መስቀል ዓጋመ 2016" ብዝብል ቴማ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ጉያ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ሰባት ተሳቲፎምመግለጺ ስእሊ, ማሕበር ቀዳሞት ተምሃሮ ኣግኣዚ ምስ ማሕበር ልምዓት ዓጋመ ኣብ ልምዓት ከባቢኦም ይዝትዩ ኣለዉ