ጽምብል ደመራ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት - ብስእሊ

ድሮ በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት

ሎሚ 16 መስከረም 2016 ኣግ ድሮ በዓል መስቀል እዩ። በዓል መስቀል ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ዓጋመን ኢሮብን ብድሙቕ እዩ ዝኽበር። ተወለድቲ ዓጋመ ኣብ ዝነበሩ ነይሮም ኣብ ቅንያት በዓል መስቀል ናብ ዓዶም ይስምለሱ እሞ ምስ ስድራ ቤቶምን መተዓብይቶምን ይጽምብልዎ።

ሎም ዘበን እውን እቲ ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ድሕሪ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት፡ ንፈለማ እዋን በዓል መስቀል ብድምቀት ንምኽባር ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ዝተፈላለዩ ምድላዋት ይካየዱ ኣለዉ።

ወኪል ቢቢሲ ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ከተማ ተንቀሳቒሱ ዝሰነዶም ስእልታት ተኣንገዱ።

ሽግ ኣዝዩ ጠቓሚ ኣካል ስነ ስርዓት ጽምብል መስቀል እዩ። ኣቦታትን መንእሰያትን ሽግ ገዚኦም ብምቅጻል

"ዓኾ ዓኾኻይ መስቀል ግዳይ

ትዃን ውጻእ ቁንጪ እቶ

ጸገም ውጻእ ኣዝመራ እቶ" እናበሉ ንስድራቤታትን ጎረባብትን የሳግሩ።