እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል: ጅሆ ካብ ዝተታሕዙ ገለ 'ምልክት ህይወት' ርእየ ኢላ
ዕጡቕ ፍልስጤማዊ እስላማዊ ጂሃድ ዝተባህለ ጕጅለ፡ ጅሆ ተታሒዞም ዝተወስዱ ክልተ እስራኤላውያን ዘርኢ ቪድዮ ዘርጊሑ።
እቲ ጕጅለ፡ ሓንቲ ጓል 77 ዓመት ጓል ኣንስተይትን ሓደ ወዲ 13 ዓመት ወድን ‘’ብሰብኣውን ሕክምናውን” ምኽንያታት ክፈትሕ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ።
እንተዀነ፡ "ግቡእ ስጕምትታት" ዝበሎም እንተተማሊኡ ጥራይ ክፈትሖም ምዃኑ ኣተንቢሁ።
መንግስቲ እስራኤል ነቶም ቪድዮታት ኣገዳሲ ናይ ህይወት ምልክት ክብል እኳ እንተገለጾም፡ እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ክፍትሑ ድዮም ኣክፍትሑን ክገልጽ ኣይደለየን።
ኣብቲ ቪድዮ፡ እቶም ክልተ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ኣብ ቅድሚ ካሜራ ክዛረቡ ይረኣዩ።
እታ ጓል ኣንስተይቲ ሃና ካትሲር ዝተባህለት ኣብ 70ታት ዕድመ እትርከብ ኰይና፡ ኣብ ዓረብያ ስንኩላን ኮፍ ኢላ ትርአ።
ምንቕስቃስ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ንእስራኤል ኣብ ዘጥቅዓሉ እዋን እያ ካብ ኪቡዝ ኒር ኦዝ ዝተባሀለ ከተማ ተጨውያ።
እቲ ካልኣያ’ውን ካብ ተመሳሰሊ ቦታ ዝተወስደ መንእሰይ ወዲ እዩ።
ኣብታ ዝተዘርገሓት ቪድዮ፡ ክልቲኦም ጅሆ ዝተታሕዙ ንቐዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ብትሪ ይነቕፍዎ። እንተዀነ፡ ተገዲዶም ድዮም ዘንብቡ ነይሮም ግን ንጹር ኣይኰነን።
ቢቢሲ ነታ ልዕሊ ሰለስተ ደቓይቕ ዝወሰደት ቪድዮ ኣይከመሓላልፋን እዩ። ምሩኻት ኲናትን ጅሆ ዝተታሕዙን ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ይከላኸለሎም እዩ።
ብግዴታ ዝተቐድሐ ክኸውን ስለ ዝኽእል ድማ ቢቢሲ ኣየመሓላልፎን እዩ።
ኣቐዲሙ፡ ፕረዚደንት እስራኤል ኢሳቕ ሄርዞግ፡ ንገለ ካብቶም ኣብ ቓዛ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ንምፍታሕ ስምምዕ ክግበር ይኽእል እዩ ንዝብል ጸብጻባት ነጺግዎ።
ሰራዊት እስራኤል 242 ሰባት ብጕጅለ ሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ከምዘለዉ ይገልጽ። ኣርባዕተ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክፍትሑ እንከለዉ፡ ካልእ ድማ ብሓይልታት እስራኤል ሓራ ወጺኣ።
ሓማስ ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ኣብ ውሽጢ ቓዛ ኣብ "ውሑስ ቦታታትን ገለርያታትን" ሓቢእዎም ከምዘሎ ይገልጽ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ቅድሚ ሕጂ እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ 20 ህጻናትን ካብ 10 ክሳብ 20 ዝዕድመኦም ከምኡ’ውን ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድመኦምን ከምዝርከብዎም ሓቢሩ ነይሩ።
ፕረዚደንት ሄርዞግ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ ፍታሕ እዞም ጅሆ ዝተታሕዙ ንጹር ዝዀነ ሓበሬታ ኣይሃበን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቐጠር ኣብ ደውሓ ምስ ሓለፍቲ ስለያ ኣመሪካ ሲኣይኤን ሞሳድን ኣኼባ ኣብ ዘአንገደሉ እዋን፡ ተወሳኺ ጅሆ ካብ ዝተታሕዙ ነጻ ንኽወጹ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ንምስምማዕ ከምዝተዘራረቡ ጸብጻባት ይሕብሩ።